“እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ”
“እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን።”—ዘጸኣት 34:6
1. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ካብ ጽሩይ ኣምልኾ ክርሕቁ ከለዉ ዝርእዩ ሰባት እንታይ መጸናንዒ ኢዩ ዝህቦም፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዝጋገዩ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧
ሓደ ክርስትያን ኣቦ “ጓለይ ድሕሪ ደጊም ክፍሊ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክትከውን ከም ዘይትደሊ ነገረትኒ” ይብል። “ብድሕሪኡ ንብዙሕ መዓልትታት: ሰሙናት አረ ወርሓት እውን ከይተረፈ ኣብ ኣካላተይ መሪር ቃንዛ ተሰምዓኒ። ካብ ሞት ዝገድድ ኢዩ ነይሩ።” እተፍቅሮ ሰብ ካብ መገዲ ጽሩይ ኣምልኾ ክርሕቕ ክትርኢ ከሎኻ ብሓቂ ዘጨንቕ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ኣሕሊፍካዶ፧ ኣሕሊፍካ እንተድኣ ዄንካ የሆዋ ከም ዝድንግጸልካ ምፍላጥ ከጸናንዓካ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:7፣ ኢሳይያስ 63:9) ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ዝጋገዩ ሰባት ግን የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕረት ስምረቱ ንኽረኽቡ ከም ዝዕድሞም የርኢ። ነቶም ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ዓለወኛታት ኣይሁድ “ናባይ ተመለሱ: ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—ሚልክያስ 3:7
2. መጽሓፍ ቅዱስ ምሕረት ክፍሊ ባህርያት የሆዋ ምዃኑ ብኸመይ የርኢ፧
2 ንሙሴ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ከረን ሲና ጐሊሑሉ ኢዩ። ኣብኡ የሆዋ ንርእሱ ከም “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ኢዩ ገሊጽዋ ዘሎ። (ዘጸኣት 34:6) እዚ ኣዋጅ እዚ ምሕረት ናይ ሓቂ ክፍሊ ባህርያት የሆዋ ምዃና ኢዩ ዘጕልሕ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጴጥሮስ: ኣምላኽ ‘ኵላቶም ናብ ነስሓ ኺበጽሑ ኢዩ ዝፈቱ’ ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ርግጽ ኢዩ ምሕረት ኣምላኽ ገደብ ዘይብሉ ኣይኰነን። ኣምላኽ “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ምዃኑ ንሙሴ ተነጊሩዎ ኢዩ። (ዘጸኣት 34:7፣ 2 ጴጥሮስ 2:9) እንተዀነ ግን “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ:” ምሕረት ከኣ እታ ዝዓበየት ክፍሊ ናይዛ ባህርይ እዚኣ ኢያ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ ያእቆብ 3:17) የሆዋ “ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን:” ‘ምሕረትውን ይፈቱ’ ኢዩ።—ሚክያስ 7:18, 19
3. እቲ የሱስ ንምሕረት ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስቲ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብኸመይ ይነጻጸር፧
3 የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ናይ ሰማያዊ ኣቡኡ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:19) እቲ ንበደልቲ ዘርእዮ ዝነበረ ምሕረት ነቲ ሓጢኣቶም ሸለል ይብሎ ስለ ዝነበረ ዘይኰነስ ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣካላዊ ሕማም ዝነበሮም ዘርኣዮ ናይ ለውሃት መግለጺ ኢዩ ነይሩ። (ምስ ማርቆስ 1:40, 41 ኣረኣእዮ።) እወ: የሱስ ንምሕረት ከም ሓደ ካብቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዘሎ “ኣውራ ነገር” ገይሩ ኢዩ ርእይዎ። (ማቴዎስ 23:23) ምስ እዚ ብምንጽጻር: ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዝነበሮም ሕጋዊ ርእይቶታት መብዛሕትኡ ግዜ ንምሕረት ቦታ ዘይህብ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ምስ ሓጢኣተኛታት ዝነበሮ ርክብ ክርእዩ ከለዉ ኸኣ “እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ” ብምባል ኣጕረምረሙ። (ሉቃስ 15:1, 2) የሱስ ነቶም ከሰስቱ ብሰለስተ ምሳሌታት ገይሩ መለሰሎም: ነፍሲ ወከፈን ከኣ ምሕረት ኣምላኽ ዘጕልሓ ኢየን።
4. የሱስ ዘዘንተወን ክልተ ምሳሌታት እንታይ ኢየን: እቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይ ነፍሲ ወከፈንከ እንታይ ኢዩ፧
4 መጀመርታ የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ በጊዕ ዝጠፍኣቶ እሞ ንዓኣ ክደሊ ነተን 99 ኣባጊዕ ሓዲጉ ዝኸደ ሰብኣይ ተዛረበ። እቲ ዘመሓላለፎ ነጥቢ እንታይ ኢዩ፧ “ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃንሲ: ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ።” ብድሕርዚ የሱስ ብዛዕባ ዝጠፍኣታ ድሪም እትደሊ እሞ ምስ ረኸበታ ኸኣ እተሓጐሰት ሰበይቲ ተዛረበ። ትርጕሙኸ እንታይ ኢዩ፧ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን።” የሱስ ነታ ሳልሰይቲ ምሳሌ ብመልክዕ ዛንታ ገይሩ ኣቕረባ።a ብብዙሓት ሰባት ከኣ እታ ዝበለጸት ዛንታ ከም ዝዀነት ኢያ እትሕሰብ። ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ምርኣይ ንምሕረት ኣምላኽ ከነማስወሉን ክንቀድሖን ክሕግዘና ኢዩ።—ሉቃስ 15:3-10
ሓደ ዓለወኛ ውሉድ ካብ ቤት ይወጽእ
5, 6. እቲ ኣብታ ናይ የሱስ ሳልሰይቲ ምሳሌ ዘሎ ንእሽቶ ውሉድ ዘሰንብድ ናይ ዘይምምሳው ባህሪ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
5 “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፤ ኣቦይ: ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሀበኒ: በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ: ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ።”—ሉቃስ 15:11-13b
6 ኣብዚ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘሰንብድ ናይ ዘይምምሳው ባህሪ ኢዩ ኣንጸባሪቑ። መጀመርታ ርስቱ ሓተተ: ብድሕርዚ ኸኣ “ብቕለትን ዕብዳንን” ዘረዎ። እታ “ብቕለትን ዕብዳንን” እትብል ኣገላልጻ ካብታ “ቀይዲ በተኽ ኣነባብራ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ሓደ ምሁር እታ ቓል “ካብ ስነ-ምግባራዊ ጽንዓት ምርሓቕ እትገልጽ ኢያ” በለ። እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ወዲ ብዙሕ ግዜ ሓሻሽ ተባሂሉ ምጽውዑ ምኽንያታዊ ኢዩ: እዛ ቓል እዚኣ ንሓደ ዘይግድሶ ቀጥዒ ዘይብሉ ዘራዊ ሰብ እትገልጽ ኢያ።
7. ሎሚ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ዝመስሉ መን ኢዮም: ብዙሓት ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ናይ “ርሑቕ ሃገር” ናጽነት ዝደልዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
7 ሎሚ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ዝመስሉ ሰባት ኣለዉዶ፧ እወ። ዘሕዝን ኢዩ ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ሒደት ዝቝጽሮም ሰባት ካብቲ ጽኑዕ ዝዀነ “ቤት” ናይቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ወጺኦም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ገለ ካብዚኣቶም ቤት ኣምላኽ ቀያዲ ከም ዝዀነ: እቲ ብጥንቃቐ ዝዕዘብ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ከም ዕቝባ ዘይኰነስ ከም ዓንቃፊ ገይሮም ዝርእይዎ ኣለዉ። (ምስ መዝሙር 32:8 ኣረኣእዮ።) ብዛዕባ ሓንቲ ብመሰረት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓበየት ደሓር ግን ኣልኮላዊ መስተ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምውሳድን ሓሽሽ ምጥቃምን ዝጀመረት ሰበይቲ ንርአ። ነቲ ኣብ ህይወታ ብሩህ ዘይነበረ እዋን ምልስ ኢላ ክትዝክር ከላ “ዝበለጸ ህይወት ከሕልፍ ከም ዝኽእል ንገዛእ ርእሰይ ከረጋግጽ ደለኹ። ክገብሮ ዝደሊ ክገብር: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክቃወመኒ ኣይደለኹን” ትብል። ከምቲ ሓሻሽ ወዲ: እዛ መንእሰይ ሰበይቲ እውን ናጻ ምዃን ደለየት። ዘሕዝን ኢዩ ብምኽንያት እዚ ኣንጻር ቅዱስ ጽሑፍ ዝዀነ ተግባራታ ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወገደት።—1 ቈረንቶስ 5:11-13
8. (ሀ) ነቶም ኣንጻር መዐቀኒታት ኣምላኽ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ሓገዝ ኢዩ ክውሃቦም ዝከኣል፧ (ለ) ሓደ ሰብ ንኣምልኾ ብዝምልከት ምርጭኡ ብርዝነት ክሓስበሉ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ሓደ ብጻይካ ኣማኒ ኣንጻር መዐቀኒታት ኣምላኽ ክነብር ከም ዝደሊ ምስ ዝገልጽ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። (ፊልጲ 3:18) እዚ ምስ ዘጋጥም: ሽማግለታትን ካልኦት መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎምን ነቲ እተጋገየ ንምዕራይ ይጽዕሩ። (ገላትያ 6:1) ይኹን እምበር: ክርስትያን ወደ መዝሙር ናይ ምዃን ኣርዑት ንምቕባል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይግደድን ኢዩ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ 16:24) መንእሰያት እውን ከይተረፈ ዕድሚኦም ምስ ኣኸለ ንኣምልኾ ዝምልከት ናይ ብሕቶም ምርጫ ክገብሩ ኣለዎም። ብመሰረቱ ኸኣ ኵልና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ጸብጻብ እነቕርብ ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኢና። (ሮሜ 14:12) ‘ዝዘራእናዮ ከም እንዓጽድ’ ከኣ ርግጽ ኢዩ: ከመይሲ እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ሓሻሽ ወዲ ቀልጢፉ ክምሃሮ ዝነበሮ ትምህርቲ ኢዩ ነይሩ።—ገላትያ 6:7, 8
ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘጋጠመ ተስፋ ምቝራጽ
9, 10. (ሀ) እቲ ሓሻሽ ወዲ እንታይ ናይ ኵነታት ለውጢ ኢዩ ዘጋጠሞ: ብኸመይከ መለሰሉ፧ (ለ) ገለ ካብቶም ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝጥንጥኑ ሰባት ከም ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ዝበለ ኵነታት ዘጋጥሞም ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።
9 “ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ: ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዐለ: ንሱ ኸኣ: ሓሰማታት ኪጓሲ: ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ: ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን።”—ሉቃስ 15:14-16
10 እቲ ሓሻሽ ወዲ ደኽዩ እኳ እንተ ነበረ ናብ ገዝኡ ክምለስ ኣይሓሰበን። ኣብ ክንድኡስ ሓሰማታት ናይ ምጕሳይ ስራሕ ንኽህቦ ናብ ሓደ ወዲ እታ ሃገር ኢዩ ኸይዱ። ሕጊ ሙሴ ሓሰማታት ዘይንጹሃት እንስሳ ገይሩ ስለ ዝዛረበለን: ሓደ ኣይሁዳዊ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ክሰርሕ ዘይቅቡል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 11:7, 8) ይኹን እምበር: እቲ ሓሻሽ ወዲ ምናልባት ሕልንኡ ወቒስዎ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ጸቒጥዎ ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ እቲ ዘስርሖ ዝነበረ ወዲ እታ ሃገር ብዛዕባ ስምዒት ናይ ሓደ ድኻ ወጻእተኛ ንኽግደስ ትጽቢት ክገብረሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኵነታት ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ምስ ተመክሮ ናይቶም ሎሚ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ዝጥንጥኑ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዝመሳሰል ኢዩ። ብዙሕ ግዜ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ነቲ ቅድም ከም ሕሱር ገይሮም ዝርእይዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣብ ምግባር ኢዮም ዝርከቡ። ንኣብነት ሓደ መንእሰይ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ ካብቲ ክርስትያናዊ ኣተዓባብይኡ ዓለወ። “ዘይስነ-ምግባራውነትን ሓሽሽ ምዝውታርን ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርክዎ ደምሰሶ” ብምባል ይእመን። ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ መንእሰይ እዚ ናይ ኣጽዋር ዕጥቂ ተጠቒሙ ብዝፈጸሞ ናይ ስርቅን ቅትለትን ገበን ተኣስረ። ጸኒሑ ብመንፈሳዊ መገዲ እኳ እንተ ሓወየ ብምኽንያት ናይቲ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ምባሉ’ ዓቢ ነገር ክኸፍል ተገደደ!—ምስ እብራውያን 11:24-26 ኣረኣእዮ።
11. መዋጥር ናይቲ ሓሻሽ ወዲ እናገደደ ዝኸደ ብኸመይ ኢዩ: ገለ ሰባት ሎሚ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መስድዒታት ‘ከንቱ ምጥባር’ ኰይኑ ዝረኸብዎ ብኸመይ ኢዮም፧
11 እቲ ሓሻሽ ወዲ ‘ሓደ እኳ ዝህቦ ብምስኣኑ’ እቲ ዝነበሮ መዋጥር ገደደ። እቶም ሓደስቲ ኣዕሩኹ ኣበይ ከይዶም፧ ሕጂ ዝነበሮ ገንዘብ ስለ ዝወድአ ‘ጸሊኦሞ’ ኢዮም። (ምሳሌ 14:20) ብተመሳሳሊ ብዙሓት ሎሚ ካብ እምነት ዝርሕቁ ሰባት እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ መስድዒታትን ኣረኣእያታትን ‘ኸንቱ ምጥባር’ ጥራይ ምዃኑ ይርድኦም ኢዩ። (ቈሎሴ 2:8) ሓንቲ ንገለ ግዜ ንማሕበር ኣምላኽ ገዲፋታ ዝነበረት ሰበይቲ “መሪሕነት የሆዋ ስለ ዘይነበረኒ ብዙሕ ስቓይን ጓህን ኢየ ኣሕሊፈ” በለት። “ንዓለም ክመስል ፈተንኩ: እንተዀነ ግን ብሓቂ ከምቶም ካልኦት ስለ ዘይነበርኩ ኣይተቐበሉንን። ከም ሓደ ኣቡኡ ዝደሊ ዝጠፍአ ቈልዓ ኰንኩ። የሆዋ ከም ዘድልየኒ እተገንዘብኩ ኸኣ ሽዑ ኢዩ ነይሩ። መሊሰ ብዘይ ብእኡ ክነብር ኣይደለኹን።” እቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ዘሎ ሓሻሽ ወዲ እውን ምስዚ ዝመሳሰል ሓሳባት ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ።
እቲ ሓሻሽ ወዲ ናብ ልቡ ተመልሰ
12, 13. ሎሚ ንገሊኦም ሰባት ናብ ልቦም ክምለሱ ዝሓገዞም ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧ (ሳጹን ርአ።)
12 “ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፤ እንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፤ ኣቦይ: ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ: ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ: ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ።”—ሉቃስ 15:17-20
13 እቲ ሓሻሽ ወዲ ‘ናብ ልቡ ተመልሰ።’ ንገለ ግዜ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ይነብር ከም ዘሎ ሰብ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ተድላ ጥሒሉ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ኵነታቱ ተገንዘበ። እወ: እዚ መንእሰይ ኣብ ጌጋ እኳ እንተ ወደቐ: ገና ተስፋ ነይርዎ ኢዩ። ገለ ሰናይ ነገር ክርከቦ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 24:16፣ ምስ 2 ዜና መዋእል 19:2, 3 ኣረኣእዮ።) እቶም ሎሚ ካብ መጓሰ ኣምላኽ ዝወጹኸ፧ ኵሎም ተስፋ የብሎምን ኢልካ ምድምዳም ምኽንያታዊ ክኸውን ይኽእልዶ: ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ዓለወኛ መገዶም ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዝሓጥኡ ዘረጋግጽ ኢዩ ክብሃልከ ይከኣልዶ፧ (ማቴዎስ 12:31, 32) ግድን ከምኡ ኢዩ ክብሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ገለ ካብኦም በቲ ዝመረጽዎ ፋሉል ምምልላስ ይሳቐዩ ኢዮም: ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ብዙሓት ካብኦም ናብ ልቦም ይምለሱ። ሓንቲ ሓፍቲ ብዛዕባ እቲ ካብ ማሕበር ኣምላኽ ርሒቓ ዘሕለፈቶ ግዜ ክትዛረብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ንየሆዋ ረሲዐዮ ኣይፈልጥን። ኵሉ ግዜ ሓደ መዓልቲ ብገለ መገዲ ናብ ሓቂ ክምለስ እሞ ክቕበለኒ እጽሊ ነበርኩ።”—መዝሙር 119:176
14. እቲ ሓሻሽ ወዲ እንታይ ውሳነ ኢዩ ዝገበረ: ከምኡ ብምግባሩኸ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
14 እቶም ካብ ሓቂ ዝረሓቑኸ ብዛዕባ ኵነታቶም እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሓሻሽ ወዲ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ንኣቡኡ ምሕረት ክልምን ኢዩ ወሲኑ። እቲ ሓሻሽ ወዲ “ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ” ክብል ኢዩ ወሲኑ። ሓደ ግዙእ መዓልቲ መዓልቲ ኢዩ ዝቝጸር ናይ ሓደ መዓልቲ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ካብ ስራሕ ክስጐጕ ከኣ ይኽእል ኢዩ። እዚ ካብቲ ብገለ መገዲ ከም ኣባል ስድራቤት ዝቝጸር ባርያ እውን ዝተሓተ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሓሻሽ ወዲ ከምቲ ቅድም ዝነበሮ ናይ ውሉድ ቦታ ክረክብ ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። እቲ ንኣቡኡ ዘለዎ ሓድሽ ተኣማንነት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኣርኣየ ምእንቲ ከረጋግጽ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ክቕበል ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ነቲ ሓሻሽ ወዲ ዘይተጸበዮ ነገር ኢዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ምዉቕ ኣቀባብላ
15-17. (ሀ) እቲ ኣቦ ንወዱ ምስ ረኣዮ እንታይ ገበረ፧ (ለ) እቲ ኣቦ ንወዱ ዝቐረቦ ክዳን: ቀለቤትን ሳእንን እንታይ የመልክት፧ (ሐ) እቲ ኣቦ ድግስ ምድላዉ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧
15 “ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረአዮ እሞ ደንገጸሉ: ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። እቲ ወዲ ድማ፤ ኣቦይ: ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ: ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ: በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፤ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ: ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ: ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ: ንብላዕ: ንተሐጐስ: በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።”—ሉቃስ 15:20-24
16 ዝዀነ ይኹን ፈቃር ወላዲ: ውሉዱ መንፈሳዊ ምሕዋይ ክረክብ ሃረር ኢዩ ዝብል። ኣቦ እቲ ሓሻሽ ወዲ: ወዱ እንተ ተመልሰ ተስፋ ብምግባር ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በቲ ቅድሚ ገዝኡ ዘሎ መገዲ የማዕዱ ከም ዝነበረ ክንግምት ንኽእል ኢና። ሕጂ ኸኣ ወዱ በቲ መገዲ ኣቢሉ ክመጽእ ከሎ ረኣዮ! መልክዕ ናይቲ መንእሰይ ከም እተቐየረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣቡኡ ግን “ገና ርሑቕ ከሎ” ኣለለዮ። ክንዮ እቲ እተቐዳደደ ክዳውንትን እተጨነቐ መንፈስን ኢዩ ርእዩ፣ ንወዱ ረኣዮ እሞ ክቕበሎ ኸኣ ጐየየ!
17 እቲ ኣቦ ናብ ወዱ ምስ በጽሐ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። ብድሕሪኡ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ንወዱ ዝኸውን ክዳን: ቀለቤትን ሳእንን ከምጽኡ ኣዘዞም። እዚ ክዳን ተራ ክዳን ኣይነበረን ኣብ ክንድኡስ “ብሉጽ” ኢዩ ነይሩ: ምናልባት ከምቲ ንክቡር ጋሻ ዝውሃብ እተሰለመ ክዳን ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። ቀለበትን ሳእንን ብዙሕ ግዜ ባሮት ኣይገብርዎን ኢዮም ነይሮም: ስለዚ እቲ ኣቦ ወዱ ምሉእ ብምሉእ ከም ኣባል ስድራቤት መጠን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኢዩ ዘረጋግጸሉ ነይሩ። እቲ ኣቦ ግን ካብኡ ንላዕሊ እውን ኢዩ ገይሩ። ወዱ ስለ እተመልሰ ድግስ ክግበር እውን ኣዘዘ። እዚ ሰብኣይ እዚ ንወዱ ዝመሓሮ ከይፈተወ: ወይ ወዱ ስለ እተመልሰ ክምሕር ግዴታ ኰይንዎ ከም ዘይኰነ ግልጺ ኢዩ፣ ምሕረት ክገብር ስለ ዝደለየ ኢዩ። እዚ ከም ዝሕጐስ ገይርዎ ኢዩ።
18, 19. (ሀ) ምሳልያዊ ዛንታ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝምህር፧ (ለ) ኣብቲ ምስ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝገበሮ ምምልላስ ከም እተራእየ የሆዋ ሓጥእ ክምለስ “ዝጽበ” ብኸመይ ኢዩ፧
18 ክሳዕ ሕጂ ብዝረኣናዮ እዚ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ እቲ ንኸነምልኾ መሰል ረኺብናሉ ዘሎና ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧ ብመጀመርታ የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ ይምህረና። (ዘጸኣት 34:6) ብርግጽ ምሕረት ፍሉጥ ባህርይ ናይ ኣምላኽ ኢዩ። ነቶም ምሕረት ዝደልዩ ዘርእዮም ልሙድ ባህሪኡ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ የሆዋ ‘ንይቕረታ ድልው’ ምዃኑ ይምህረና። (መዝሙር 86:5) ምሕረት ምእንቲ ክገብር ብወገን እቶም ሓጥኣን ደቅሰብ ናይ ልቢ ለውጢ እንተ ተገብረ ንምዕዛብ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠንቂቑ ኢዩ ዝቋመት።—2 ዜና መዋእል 12:12፣ 16:9
19 ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ እስራኤል ዝገበሮ ምምልላስ ሕሰብ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ይሁዳን የሩሳሌምን ‘ካብ ርእሲ ክሳዕ እግሪ’ ከም ዝሓመማ ክገልጽ የሆዋ ብመንፈስ መሪሕዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: “እግዚኣብሄር: ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ: ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ” እውን በሎም። (ኢሳይያስ 1:5, 6፣ 30:18፣ 55:7 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ህዝቅኤል 33:11) ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ኣቦ: የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዛራርባ ነቲ ‘መገዲ የማዕድዎ’ ኢዩ። እቶም ንቤቱ ዝገደፍዎ ሰባት ክምለሱ ብህንጥዮት ኢዩ ዝጽበ። ሓደ ፈቃር ኣቦ ከምዚ ክገብርዶ ኣይኰንናን እንጽበ፧—መዝሙር 103:13
20, 21. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብምሕረት የሆዋ ዝሰሓቡ ዘለዉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧ (ለ) ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
20 ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ሰባት ብምሕረት የሆዋ ተሳሒቦም ናብ ልቦም ይምለሱ: ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ድማ ይሓብሩ ኢዮም። እዝስ ነቶም ዘፍቅርዎም ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽኣሎም! ንኣብነት ነቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቦ ንርአ። እቲ ዘሐጕስ ጓሉ ብመንፈስ ሓወየት እሞ ሕጂ ኸኣ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ተገልግል ኣላ። “ኣብዚ ኣገባብ እዚ እቲ ዝለዓለ ሓጐስ ተሰሚዑኒ ኢዩ። እቲ ናይ ሓዘን ንብዓተይ ናብ ናይ ሓጐስ ንብዓት ተቐይሩ ኢዩ” በለ። ብርግጽ የሆዋ እውን ይሕጐስ ኢዩ!—ምሳሌ 27:11
21 እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ግን ገና ኣይተወድአን። የሱስ ንምሕረት የሆዋ ምስቲ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝነበሮም ተሪርን ኰናንን ኣረኣእያ ንኸነጻጽሮ ኢሉ ነቲ ዛንትኡ ቀጸሎ። ብኸመይ ከም ዝቐጸሎ: እዚ ኸኣ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታታትን ካልእ ምሳሌታትን ግድን እተፈጸመ ነገር ኣይኰነን። ብተወሳኺ ኸኣ ዕላማ ናይዚ ዛንታታት እዚ ስነ-ምግባራዊ ትምህርትታት ንምምሃር ስለ ዝዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ምሳልያዊ ትርጕም ምንዳይ ኣየድልን ኢዩ።
b እቲ ትንቢታዊ ትርጕም ናይዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 16, 17 ተገሊጹ ኣሎ።
ንድግማ
◻ እቲ የሱስ ብዛዕባ ምሕረት ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስቲ ናይ ፈሪሳውያን ብኸመይ ኢዩ ዝነጻጸር፧
◻ ሎሚ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ዝመስሉ መን ኢዮም: ብኸመይከ፧
◻ ነቲ ሓሻሽ ወዲ ናብ ልቡ ዝመለሶ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣቦ ነቲ እተናስሐ ወዱ ምሕረት ዘርኣዮ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]
ናብ ልቦም ተመልሱ
ነቶም ቅድሚ ሕጂ ካብታ ክርስትያናዊ ጉባኤ እተወገዱ ናብ ልቦም ንኽምለሱ እንታይ ኢዩ ሓጊዝዎም፧ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ነቲ ጕዳይ ዘብርህ ኢዩ።
“ብልበይ እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ እፈልጥ ነይረ ኢየ። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበርክዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ኣኼባታት ምክፋልን ዓቢ ጽልዋ ገይሩለይ ነይሩ ኢዩ። ብድሕሪ ሕጂ ካብ የሆዋ ውራየይ ኢለ ክርሕቕ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ ንሱ ኣይገደፈንን፣ ኣነ ኢየ ገዲፈዮ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣነ ግግይትን ደረቕን ከም ዝዀንኩ ቃል የሆዋ ኸኣ ኵሉ ግዜ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ተኣመንኩ—‘ዝዘራእካዮ ኢኻ እትዓጽድ። ’ ”—ከይ. ዳብሊው.
“ሕጻን ጓለይ ክትዛረብ ጀመረት: የሆዋ መን ምዃኑ ብኸመይ ናብኡ ከም እንጽልን ክምህራ ደለኹ: እዚ ኸኣ ንልበይ ተንከፎ። ክድቅስ ኣይከኣልኩን: ሓደ ለይቲ ኸኣ ብመኪና ናብ ቦታ ኣታኽልቲ ከይደ በኸኹ። ኣብኡ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ንመጀመርታ እዋን እናበኸኹ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ኣብ ህይወተይ የሆዋ ከም ዘድልየኒ ጥራይ ኢየ ተረዲአ: ይቕረ ክብለለይ ከኣ ተስፋ ገበርኩ። ”—ጂ. ኤች.
“ብዛዕባ ሃይማኖት ዘረባ ክለዓል ከሎ: ነቶም ሰባት ሓቂ ዝምህር ሃይማኖት ክመርጽ እንተድኣ ዀይነ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዀንኩ ነይረ እብሎም ነበርኩ። ቀጺለ ኸኣ ኣነውን ሓንቲ ካብኦም ከም ዝነበርኩ ከምቲ ዝግብኣኒ ኰይነ ክነብር ስለ ዘይከኣልኩ ግን ከም ዝሓደግክዎ እነግሮም። እዚ ምግንዛበይ ከኣ ብዙሕ ግዜ ገበነኛ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ ኣይሕጐስን ከኣ ነበርኩ። ኣብ መወዳእትኡ ሕማቕ ከም ዘለኹ ተኣመንኩ። ቕልጡፍ ለውጢ ክገብር ከኣ ኣድለየኒ። ”—ከይ. ኤን.
“ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ኣነን በዓል ቤተይን ተወገድና። ብድሕርዚ ብ1991 ክልተ ሽማግለታት ናብ የሆዋ ክንምለስ ከም እንኽእል ንኽሕብሩና ምስ መጹ ደንጸወና። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ብምምላስና ተሓጐስና። ኣነ 63 ሰብኣየይ ከኣ 79 ኢዩ ዕድሜና። ”—ከይ.አይ.