ኣብ በዓል ልደት ዚሰፍን መንፈስ ምሉእ ዓመት ዚቕጽል ድዩ፧
“ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት።”—ሉቃስ 2:14
ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ነዘን መላእኽቲ ኣምላኽ ንውልደት የሱስ ብዚምልከት ነቶም ብለይቲ ንመጓሰኦም ዚሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት እተዛረብወን ቃላት ይፈልጥወን እዮም። ኣብታ ኣብያተ-ክርስትያን: የሱስ ከም እተወልደላ ገይረን ዚሓስባኣ ዕለት: ብዙሓት ስመ-ክርስትያን ንጠባዮም ንምምሕያሽ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ። እቲ ኣብ ግዜ በዓል ልደት ዚርአ: መላእኽቲ ኣምላኽ እውን ዝጠቐስዎ: ሓጐስን ሰላምን ስምረትን መብዛሕትኡ እዋን: መንፈስ በዓል ልደት ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ስምዒታት: ነቶም ንበዓል ልደት ምስ ሃይማኖት ዘየራኽብዎ ሰባት እውን እንተ ዀነ ይስሕቦም እዩ። ነቲ እዚ በዓል እዚ ኣብ ልቢ ዜሕድሮ ምዉቕ ስምዒት ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። በዓል ልደት ካብ ትምህርትን ስራሕን እተዕርፈሉ እዋን እንተ ዀይኑ: ሰባት ንኺዘናግዑ: ምስ ስድራቤቶም: ፈተውቶም: ወይ ከኣ በይኖም ኰይኖም ዚሕጐሱሉ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተሎም። ሓቂ እዩ: ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ንበዓል ልደት ብቐንዱ ንየሱስ ክርስቶስ እነኽብረሉ እዋን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።
ሰባት ንበዓል ልደት ዝዀነ ይኹን ትርጕም ይሃብዎ ብዘየገድስ: ብዙሓት ግን ብምኽንያት እቲ በዓል ዚህሉ ኣወንታዊ ስምዒታት ንግዜኡ ምዃኑ ዚሰማምዑሉ ጕዳይ እዩ። ሰባት ብቕልጡፍ እዮም ናብቲ ናይ ቀደም ጠባዮም ዚምለሱ። በቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ሮያል ባንክ ዚበሃል እተሓትመት “ኣብ በዓል ልደት ዚሰፍን መንፈስ” ዘርእስታ ቴማ ኸምዚ በለት:- “ብዙሓት ሰባት: ነታ ‘ክርስትያን’ እትብል ስያመ ብቑዓት ዝዀኑ ኣብ ዓመት ንእተወሰነ ሰሙናት ጥራይ እዩ፣ ክሳዕ ሓድሽ ዓመት ዚሓልፍ ንብጻዮም ሰናይ ነገራት እናገበሩ የሕልፍዎ: ብድሕሪኡ ግን ናብቲ ናይ ምምንጫት መንፈስ ከምኡውን ናብቲ ንኻልእ ሰብ ዘይግደሱሉ መንፈስ ይምለሱ።” እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ቐጺላ: ነቲ ኣብ በዓል ልደት ዚሰፍን መንፈስ “ብመሰረቱ ጌጋ” ዚገብሮ ነገር: ሰባት “ንምሉእ ዓመት ዚቕጽልዎ ነገር” ብዘይምዃኑ እዩ።
ምስዚ ትንታነ እዚ ተሰማማዕ ኣይትሰማማዕ ብዘየገድስ: ኣገደስቲ ሕቶታት ከም እንሓትት ግን ይገብረና እዩ። ሰባት ብቐጻሊ ንሓድሕዶም ለጋሳትን ሕያዎትን ዚዀኑሉ ግዜ ይመጽእ ደዀን ይኸውን፧ እቶም መላእኽቲ ኣብታ የሱስ እተወልደላ ምሸት እተዛረብዎ ነገራት ከም ዚፍጸም ዚሕብር ጭቡጥ ተስፋ ኣሎዶ፧ ወይስ እቲ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰላም ዚገልጽ ተስፋ ሕልሚ ጥራይ እዩ፧