ምዕራፍ 92
ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነ
የሱስ ዓሰርተ ድዉያት ኣሕወየ
የሱስ ካብቲ እቲ ዋዕላ ንምቕታሉ ዝገበሮ ውዲት ንምምላጥ፡ ናብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ የሩሳሌም እትርከብ ኤፍሬም እትብሃል ከተማ ኸደ። ካብ ጸላእቱ ርሒቑ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ጸንሐ። (ዮሃንስ 11:54) ይኹን እምበር፡ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ቀሪቡ ብምንባሩ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ኪጐዓዝ ነበሮ። ብሰማርያ ኣቢሉ ናብ ሰሜን ገጹ ተጓዒዙ ኸኣ ናብ ገሊላ ኸደ፣ ቅድሚ ሞቱ ድማ ናብቲ ቦታ እቲ ንመወዳእታ ግዜ እዩ ኸይዱ።
የሱስ ኣብቲ ጕዕዞኡ ኻብ ሓንቲ ቝሸት ናብ ካልእ ኪጐዓዝ ከሎ፡ ዓሰርተ ድዉያት ተጓነፍዎ። ገሊኡ ዓይነት ደዌ፡ ኣጻብዕ፡ ኣእዛን፡ ወይ ካልእ ክፋል ኣካላት በብቝሩብ ይቘማምጥ እዩ። (ዘሁልቍ 12:10-12) ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ፡ ሓደ ድዉይ፡ “ርኹስ፡ ርኹስ!” ኢሉ ኺጭድርን ካብ ሰብ ተፈልዩ ኪነብርን ነይርዎ።—ዘሌዋውያን 13:45, 46።
ስለዚ፡ እቶም ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ “ኦ የሱስ፡ መምህር፡ ምሓረና!” እናበሉ ጨርሑ። የሱስ ነቶም ድዉያት ምስ ረኣዮም፡ “ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ” በሎም። (ሉቃስ 17:13, 14) በዚ ኸምዚ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዘለዎ ኣኽብሮት እዩ ኣርእዩ። ከመይሲ፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ድዉያት ከም ዝሓወዩ ኼረጋግጹ ስልጣን ዝነበሮም፡ ካህናት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ድዉያት ምስ ጥዑያት ተጸምቢሮም ኪነብሩ ይኽእሉ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 13:9-17።
እቶም ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ተኣምራታዊ ሓይሊ የሱስ እምንቶ ነበሮም። ስለዚ፡ ገና ኸይሓወዩ፡ ናብ ካህናት ኪኸዱ ጀመሩ። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ዓስቢ እታ ኣብ የሱስ ዝነበረቶም እምነት ረኸቡ። ከም ዝጠዓዩ ኺርእዩን ኺስምዖምን ጀመረ!
ትሽዓተ ኻብቶም ዝሓወዩ ድዉያት መገዶም ቀጸሉ። ሓደ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ ነይሩ፣ ንየሱስ ኪደልዮ ድማ ተመልሰ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እቲ እተገብረሉ ነገር ኬመስግን ስለ ዝደለየ እዩ። ከም ዚሓዊ ዝገበሮ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓለ እውን፡ “ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣሞገሰ ተመልሰ።” (ሉቃስ 17:15) ንየሱስ ምስ ረኸቦ ድማ፡ እናኣመስገኖ ኣብ እግሪ የሱስ ተደፍአ።
የሱስ ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ፡ “ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧ ብዘይካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፧” በሎም። ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ሳምራዊ፡ “ተንስእ እሞ ኺድ፣ እምነትካ ኣሕውያትካ” በሎ።—ሉቃስ 17:17-19።
የሱስ ነቶም ዓሰርተ ድዉያት ብምሕዋይ፡ ደገፍ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኸኣ በቲ የሱስ ዝገበሮ ሓውዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መገዲ ህይወት እውን ኣትዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢሉ ብተኣምር ኣብ ዜሕውየሉ ግዜ ኣይኰንናን እንነብር ዘለና። ግናኸ፡ ብየሱስ ምስ እንኣምን፡ ኣብ መገዲ ህይወት፡ እወ፡ ኣብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንኣቱ ንኽእል ኢና። እሞኸ ኸምቲ ሳምራዊ ኣመስገንቲ ዲና፧