-
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
“መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ገሊኦም ሰባት በቲ ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 ዘሎ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ከም እትርከብ ዚገልጽ ሓሳብ ይደናገሩ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ብ1956 እተዳለወ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ” ይብል እዩ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብልክዕ ምእንቲ ኽንርድኣ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።
የሱስ ነቶም ምስኡ ዚጻረሩን ጸኒሖም ኣብ ምቕታሉ ኢዶም ዘእተዉን ፈሪሳውያን ዚብሃሉ መራሕቲ ሃይማኖት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። (ማቴ. 12:14፣ ሉቃ. 17:20) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ተሪር ልቦም ክትህሉስ ትኽእል ድያ፧ የሱስ ንዓታቶም፡ “ውሽጥኹም . . . ግብዝናን ጥሕሰት ሕግን ዝመላእኩም ኢኹም” ኢልዎም እዩ።—ማቴ. 23:27, 28።
ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 17:21 እተዛረቦ ቓላት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ኣላ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን) “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ። (ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እግረ ጽሑፍ) የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን፡ መንግስተ ሰማያት “ምሳኻትኩም” ወይ “ኣብ መንጎኹም ኣላ” ኺብሎም ከሎ፡ ኣብታ መንግስቲ ንጉስ ኪኸውን እተሸመ ንሱ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ኸም ዘሎ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ።—ሉቃ. 1:32, 33።
-
-
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ድያ ዘላ፧መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
a ብዙሓት ሃይማኖታት ክርስትና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዝዀነት ይምህራ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ሳውዘርን ባብቲስት ኮንቨንሽን እትብሃል ጕጅለ ሃይማኖት ንመንግስቲ ኣምላኽ ፡ “ኣብ ልብን ህይወትን ውልቀ ሰባት እትርከብ ግዝኣት ኣምላኽ” ኢላ ገሊጻታ ኣላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ድማ ኣብታ ጂሰስ ኦቭ ናዝሬት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ብሰማዒት ልቢ እያ እትመጽእ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።
-