ኣምላኽ ብዛዕባ ምዉታት ዘለዎ ኣረኣእያ
ሞት እተፍቅሮ ሰብ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝስምዓካ ናይ ባዶነት ስምዒት: ጽምዋ: ከምኡውን ሓዘን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተካ: ሃብትኻ: ስልጣንካ: ወይ ጽልዋኻ ብዘየገድስ እትገብሮ ኽሕርብተካ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ነቲ ዝሞተ እንደገና ህያው ክገብሮ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።
ይኹን እምበር: ፈጣሪና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ኣብ ፈለማውን ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ዝገበሮ ንሱ ብምዃኑ: ንሓደ ዝሞተ ሰብ ዳግም ክፈጥሮ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ምዉታት ከም ህያዋን ገይሩ ኽርእዮም ይኽእል። የሱስ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ “ንእኡ [ንኣምላኽ] ዅሎም ህያዋን እዮም” በለ።—ሉቃስ 20:38
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዉታት ንኸተንስእ ሓይሊ ተዋህቦ። (ዮሃንስ 5:21) ስለዚ: ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ እሙናት ከምቲ ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ነበሮ። ንኣብነት: ኣልኣዛር ፈታዊኡ ምስ ሞተ: ንደቀ መዛሙርቱ “ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 11:11) በረኣእያ ሰባት ኣልኣዛር ሞይቱ ነበረ: በረኣእያ የሆዋን የሱስን ግን ኣልኣዛር ደቂሱ ነበረ።
ኣብታ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ክኸውን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብ መወዳእታኡ: እቶም ዝትንስኡ ብኣምላኽ ክመሃሩ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ድማ ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29
እወ: ሞት እነፍቅሮ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሕ ሓዘንን ጓህን ከምጽኣልና ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ንምዉት በረኣእያ ኣምላኽ ምርኣዩ ግን ብዙሕ ከጸናንዓናን ተስፋ ክዀነናን ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4