እዚኣተን ብሓቂ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ድየን፧
ኣብ ሸነኽ ቅድሚት ናይ ሓንቲ ናብ ንምእላያ ኣሸጋሪ ዝዀነ ክፍሊ ናይ ሓደ ፈለግ ገጻ እትኣቱ ዘላ ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባ ኢኻ ዘሎኻ። ኣብቲ ዓፍራን ጸፍዕን ዘለዎ መንጫዕጫዕታ ኣብ ትሕቲ ማይ ዘይረአ ገዘፍቲ ኣእማን ኣሎ። ካብቲ ዓበይቲ አእማን ምእንቲ ክትእለ በቲ መቕዘፊኻ ክትርሕቕ ትጽዕር። እቲ ኣብታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባ ብሸነኽ ድሕሪት ዘሎ ሰብ በቲ መቕዘፊ ገይሩ ክቈጻጸራ ኢዩ ነይርዎ: ግናኸ ብዙሕ ተመክሮ የብሉን። ካብኡ ዝገደደ ድማ: ናይ ቦታ መሐበሪ ካርታ ስለ ዘይብልካ: እዚ ብናህሪ ዝጓዓዝ ዘሎ ፈለግ ኣብ ሓደ ህዱእን ዓሚቝን ቦታ ድዩ ወይስ ኣብ ሓደ መንጫዕጫዕታ: ኣበይ ከም ዝውድእ እትፈልጦ ነገር የብልካን።
እዚ ትርኢት እዚ ባህ ኣየብልን ኢዩ: ኣይኰነንዶ፧ ባህ ዘየብል ካብ ኰነ እምበኣር እስከ ንቐይሮ። ኣብቲ ውሒዝ ንዝርከብ ኣኻውሕ ሓንቲ ብሓንቲ: ንነፍሲ ወከፍ መጥወዪ ናይቲ ፈለግ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጥ መራሕ መገዲ ምሳኻ ከም ዘሎ ገይርካ ሕሰብ። እዚ ዓፍራ ዝመልአ ፈለግ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ናይቲ ውሒዝ እንታይ ከም ዘሎ: ኣብቲ መገዲ ድማ ብኸመይ ከም ዝጓዓዝ ይፈልጥ ኢዩ። ሕጂኸ ዝያዳ ድሕንነት ኣይምተሰማዓካንዶ፧
ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ኵልና ኣብ ተመሳሳሊ መጻብቦ ኢና ዘሎና። ብናትና ጕድለት ዝመጸ እኳ እንተዘይኰነ: ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ኣብቲ ኣሸጋሪ እዋን ኢና እንርከብ ዘሎና። መብዛሕትኦም ሰባት ኵነታት ከምዚ ኢሉ ክሳዕ መዓስ ከም ዝቕጽል: ኵነታት ይመሓየሽዶ ይኸውን ኣይከውንን: ወይ ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዘሎ ግዜ ብኸመይ ከም ዝንበር: ዝፈልጥዎ ነገር የብሎምን። ከም ዝጠፋእና ወይ ሓገዝ ከም ዘይብልና ኰይኑ ክስምዓና ግን የብሉን። ፈጣሪና መምርሒ ኣዳልዩልና ኢዩ: እዚ ድማ ነዚ ኣብ ታሪኽ ዝጸልመተ እዋን ኣቐዲሙ እተዛረበሉ: ብኸመይ ከም ዝውዳእ ዝንበየሉ: ከምኡውን ንኽንድሕን ዘድልየና መምርሒ ዝህብ ኢዩ። እዚ መምርሒ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እቲ ደራሲኡ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ንገዛእ ርእሱ ዝዓበየ መምህር ኢሉ ይጽውዓ: ብኢሳይያስ ገይሩ ድማ ብምርግጋጽ ከምዚ ይብል:- “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።” (ኢሳይያስ 30:20, 21) ንኸምዚ ዝበለ መምርሕስ ምተቐበልካዮዶ፧ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ግዜና እንታይ ከም ዝመስል ብሓቂ ኣቐዲሙ ተዛሪቡሉ እንተድኣ ነይሩ ንርአ።
ሰዓብቲ የሱስ ትርጕም ዘለዎ ሕቶ ይሓቱ
የሱስ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ማራኺ ናይ ቤት መቕደስ ህንጻታት ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ ምዃኑ ብዘየዳግምን ንጹርን መገዲ ምስ ነገሮም ሰዓብቱ ተገሪሞም ክዀኑ ኣለዎም! ከምዚ ዝበለ ትንቢት ዘደንጹ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ቑሩብ ጸኒሑ: ኣብ ደብረ ዘይቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ: ኣርባዕተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ:- “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላወኻን:” NW ] መወዳእታ ዓለምንከ [“መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝንከ:” NW ] እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና።” (ማቴዎስ 24:3፣ ማርቆስ 13:1-4) ተረዲኦምዎ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ: ናይ የሱስ መልሲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣወዓዕላ ኢዩ ነይርዎ።
ጥፍኣት ቤት መቕደስ የሩሳሌምን መወዳእታ ኣገባብ ኣይሁድን ልክዕ ከም ግዜ ህላወ ክርስቶስን መደምደምታ ኣገባብ መላእ ዓለምን ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብቲ ዝሃቦ ነዊሕ መልሲ ንዅሉ መዳያት ናይቲ ሕቶ ክእለት ብዘለዎ መገዲ መሊስዎ ኢዩ። የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኣ ኵነታት እንታይ ከም ዝመስል ነጊርዎም ኢዩ፣ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉን መወዳእታ ኣገባብ ናይ መላእ ዓለም ንምምጻእ ዝገማገመሉን ግዜ ህላወኡ: ዓለም እንታይ ክትመስል ትጽቢት ከም ዝግበረላ እውን ነጊርዎም ኢዩ።
ጥፍኣት የሩሳሌም
መጀመርታ የሱስ ብዛዕባ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን እንታይ ከም ዝበለ ርአ። ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ይገብር: ንሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝነበራ ዓበይቲ ከተማታት ዘሰምብድ መከራታት ክወርዳ ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። ብፍላይ ነቲ ኣብ ሉቃስ 21:20, 21 ዝርከብ ቃላቱ ኣስተብህለሉ:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” የሩሳሌም ክትክበብ: ብሰራዊት ክትሕጸር እንተድኣ ነይሩዋ: ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞ እቶም “ኣብ ውሽጣ ዘለዉ” ብቐሊሉ ካብኣ ‘ክወጹ’ ዝኽእሉ ድኣ ብኸመይ ኢዮም፧ ብንጹር: የሱስ ንምህዳም ዝኸውን ምቹእ ናይ ኣጋጣሚ ግዜ ክህሉ ምዃኑ ኢዩ ዝእምት ነይሩ። እሞኸ ኣጋጣሚ ዝህብ ግዜ ነይሩዶ፧
ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ብትእዛዝ ሰስቲዩስ ጋለስ ነቶም ናይ ኣይሁድ ተቓወምቲ ሓይልታት እናዀብኰቡ ንድሕሪት ናብ የሩሳሌም መለስዎም ካብታ ኸተማ ከም ዘይንቀሳቐሱ ድማ ገበርዎም። ሮማውያን ናብ ውሽጢ እታ ኸተማ ደፊኦም ብምእታው እውን ከይተረፈ ክሳዕ ኣብቲ መናድቕ ቤት መቕደስ በጺሖም ነበሩ። ድሕርዚ ግን ጋለስ ንሰራዊቱ ብሓቂ ዘደንጹ ነገር ንኽገብሩ መምርሒ ሃቦም። ከዝልቑ ኣዘዞም! በዚ እተሓጐሱ ናይ ኣይሁድ ወተሃደራት ደድሕሪኦም ክስዕቡ ጀመሩ: ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ሮሜ ድማ መጥቃዕቲ ኣውረዱ። በዚ ኸኣ: እቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ንምህዳም ዝኸውን ምቹእ ናይ ኣጋጣሚ ግዜ ተረኽበ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ ነቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ካብ የሩሳሌም ወጹ። ካብ የሩሳሌም ምውጻእ ጥበባዊ ውሳነ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ኣርባዕተ ዓመታት ጸኒሖም ሰራዊት ሮሜ ብመሪሕነት ጀነራል ቲቶስ ተመሊሶም መጹ። ኣብዚ እዋን ከተምልጥ ፈጺሙ ኣይክኣልን ኢዩ ነይሩ።
ሰራዊት ሮሜ እንደገና ንየሩሳሌም ከበብዋ፣ ኣብ ዙርያኣ ካብ በላሕቲ ኣዕጻው እተሰርሐ ዕርዲ ሃነጹ። የሱስ ንየሩሳሌም ኣመልኪቱ “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም” ብምባል ተነብዩ ነበረ።a (ሉቃስ 19:43) ነዊሕ ከይጸንሐ: የሩሳሌም ተማረኸት፣ እታ ክብርቲ ቤት መቕደሳ ድማ ናብ ዑና ተቐየረት። ቃላት የሱስ ሓንቲ ብሓንቲ ተፈጸማ!
የሱስ ግን ብዛዕባ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ እውን ሓቲቶምዎ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሕቶኦም ዝሓዘሎ ነገራት ኣይፈለጥዎን ነይሮም: እዚ ሕቶ እዚ ግን ነቲ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ዝገዝኣሉ እዋን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እንታይ ኢሉኸ ኢዩ እተነበየ፧
ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝህሉ ውግእ
ንማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25: ማርቆስ ምዕራፍ 13: ከምኡውን ሉቃስ ምዕራፍ 21 እንተድኣ ኣንቢብካ: የሱስ ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ እዋን ይዛረብ ከም ዝነበረ ዘረድእ ዘየጋጊ መርትዖ ክትረክብ ኢኻ። ውግእ ዝህልወሉ እዋን ክመጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ንሰብኣዊ ታሪኽ ወትሩ በሰላ ዝገደፈሉ “ውግእን ወረ ውግእን” ጥራይ ዘይኰነስ: “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ” ምልዓል ዘጠቓልል ውግእ—እወ: ዓቢ ኣሁጉራዊ ውግእ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:6-8
ኣብዚ ክፍለ-ዘበንና ውግእ ክሳዕ ክንደይ መልክዑ ለዊጡ ከም ዘሎ እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብሎ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ውግእ ኣብ ዓውዲ ኲናት ብኣስያፍ ብምቍርራጽ ወይውን ብጠበናጁ ኣብ ንሓድሕድካ ብምትዃስ: ኣብ መንጎ ንኽልተ ተጻረርቲ ሃገራት ዝውክሉ ሰራዊት ዝግበር ግርጭት ጥራይ ከሎውን ከይተረፈ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢዩ ነይሩ። ብ1914 ግን እቲ ዓቢ ውግእ ተባርዐ። ሓንቲ ሃገር ድሕሪ እታ ሓንቲ እናተኸታተላ ኣብቲ ባርዕ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ውግእ ኣተዋ። ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ኣልሚሙን ካብ ርሑቕን ንምቕታል ዘኽእል ኣውቶማቲካዊ ኣጽዋራት ተማህዘ። ጠበናጁ ብዘይ ንሕስያ ሰሊጡ ጠያይት ከም ዝትኵስ ተገብረ፣ መርዛም ጋዝ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኣቃጺሉ: ኣሳቕዩ: ኣሰንኪሉ: ከምኡውን ቀቲሉ ኢዩ፣ ታንክታት ብጭከና ንመስመራት ናይ ኣንጻር ዝዀነ ወገን ጠሓሒሰንኦ ኢየን: እቲ ዓበይቲ ሻምብቆታት ብረተን ድማ ሓዊ ተፊኡ ኢዩ። ምስተን ድሕሪአን ዝመጻ ኣዝየን እተሓላለኻ ዝዓይነተን ክወዳደራ ከለዋ ጽላሎት ጥራይ ዝነበራ ነፈርትን ሳብማሪናትን እውን ኣብቲ ኲናት ውዒለን ኢየን።
ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ክግመት ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ—ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብምቕታል ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ውግእ ብሓቂ ዓብሊልዎ ኢዩ። ብሓቂ ክርኣያ ከለዋ ዝንሳፈፋ ከተማታት ዝመስላ: ነፈርቲ ዝስከማ ዓበይቲ መራኽብ ኣብቲ ባሕርታት እናተመላለሳ ነተን ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ናይ ኣንጻር ዝዀነ ወገን ቦምባታት ዘውርዳ ነፈርቲ ውግእ መወንጨፊ ኰይነንአን ኢየን። ሳብማሪናት ኣብ ትሕቲ ማይ ከም ሮኬት ብምውንጫፍ ንመራኽብ ናይቲ ኣንጻር ዝዀነ ወገን ኣጥሒለንአን ኢየን። ኣቶም ቦምብታት ተደርብዩ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተተኰሰሉ እዋን ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ሰብ ቀዚፉ ኢዩ! ልክዕ ከምቲ የሱስ እተነበዮ ነዚ ናይ ውግእ እዋን ዝሕብር ብርግጽ “ዘፍርህ ትርኢታት” ኢዩ ነይሩ።—ሉቃስ 21:11 NW
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለምከ ውግእ ነክዩዶ፧ ፈጺሙ ኣይነከየን። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓመት—ኣብዚ ውሽጢ ናይ 1990ታት ዓሰርተታት ዓመታት እውን ከይተረፈ—ቃል ብቓሉ ብደርዘን ዝቝጸር ውግኣት ተኻይዱ: እዚ ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ኣጥፊኡ ኢዩ። ብቐዳምነት ኣደዳ ናይቲ ውግእ መን ከም ዝኸውን ንዝምልከት እውን ለውጢ ክርአ ጸኒሑ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ጥራይ ምዃን ተሪፉ ኢዩ። ሎሚ: መብዛሕትኦም ግዳያት ናይ ውግእ—አረ: 90 ካብ ሚእቲ እውን—ገባር ኢዮም።
ካልእ መዳያት ናይቲ ምልክት
ውግእ ናይቲ የሱስ ዝጠቐሶ ምልክት ሓደ መዳይ ጥራይ ኢዩ። ‘ጥሜት’ ክህሉ ምዃኑ እውን ኣጠንቂቑ ነበረ። (ማቴዎስ 24:7) ምድሪ ልዕሊ እቲ ንዅሉ ወድሰብ ንምምጋብ ዘድሊ መግቢ ተፍሪ እኳ እንተ ሃለወት: ስነ-ጥበብ ሕርሻ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ እኳ እንተ ማዕበለ: ኣብ ዝዀነ ክፍልታት ዓለም መግቢ ንምብጽጻሕ ቅልጡፍን ስሉጥን መጐዓዝያ ክርከብ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር: ገና ጥሜት ኣሎ። ምስናይዚ ዅሉ ግን ሓምሻይ ኣፍ ህዝቢ ዓለም መዓልቲ-መዓልቲ ይጠሚ ኣሎ።
የሱስ ‘ኣብ በቦታኡ ፌራ’ ክህሉ ምዃኑ እውን ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሉቃስ 21:11) በዚ እውን እንተዀነ: ዘሎናዮ ወለዶ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር ርእዩ ኢዩ: እዚ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ሕክምናዊ ክንከን: ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባለታት: ብዙሕ ተራ ሕማማት ዝከላኸል ክትባት እናሃለወ ክነሱ: ተላገብቲ ሕማማት ካብ መጠን ንላዕሊ ወሲኾም ኢዮም። ናይ ስጳኛ ኢንፍሉዌንዛ እግሪ እግሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ብምስዓብ ካብቶም በቲ ውግእ ዝሞቱ ሰባት ንላዕሊ ቀዚፉ ኢዩ። እዚ ሕማም እዚ ኣዝዩ ተላጋቢ ብምንባሩ ኣብ ከም በዓል ኒው ዮርክ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ሓደ ሰብ ህንጥሸው ብምባሉ ጥራይ ይቕጻዕ ወይ ይእሰር ነበረ! ሎሚ: መንሽሮን ሕማም ልብን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይቐትል ኣሎ: እዚ ድማ ብሓቂ ፌራ ኢዩ። ብመሰረቱ ብሕክምናዊ ስነ-ጥበብ ፈውሱ ዘይተረኽበ አይድስ ድማ ህይወት ብዙሓት ሰባት ይምንክል ኢዩ ዘሎ።
የሱስ ነተን ዳሕሮት መዓልትታት ብመንጽር እቲ ሰፊሕ ታሪኻውን ፖለቲካውን ኵነታት ክዛረበለን ከሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ዝያዳ ኣብቲ ማሕበራዊ ግድላትን ገኒኑ ዘሎ ጠባያትን ኢዩ ኣተኲሩ። ብኸፊሉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን [“ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ:” NW ] ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: . . . ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: . . . ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
እዚ ቓላት እዝስ ንዓኻ ልሙድ ድዩ፧ ንሓደ ክፍሊ ናይቲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዝርአ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ምንቍልቋል ዝዀነ ምብትታን ስድራቤት ጥራይ ውሰድ። ብዙሕ ዝቝጽረን እተበታተና ኣባይቲ: ዝውቅዓ ሰብ ሓዳር: ማህሰይቲ ዝወርዶም ውሉዳት: ከምኡውን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ—እዝስ ሰባት ‘ፍቕሪ ንስድራቤቶም ዘይብሎም:’ “ጨካናት:” አረ “ኣሕሊፎም ዚህቡ:” “ሰናይ ዘይፈትዉ” እውን ምዃኖም ዝሕብርዶ ኸይኰነ! እወ: ሎሚ እዚ ጠባያት እዚ ከም ተላጋቢ ሕማም ኰይኑ ክላባዕ ንርእዮ ኣሎና።
እንነብረሉ ዘሎና ወለዶ እቲ ብትንቢት ተዘሪብሉ ዝነበረ ድዩ፧
‘እዚ ዅነታት እዝስ ኵሉ ግዜ ንሰብ ዘሳቕዮ ዝነበረዶ ኸይኰነ፧ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመናዊ ወለዶ: እቲ ኣብዚ ጥንታዊ ትንቢታት እዚ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ ምዃኑ ድኣ ብኸመይ ንፈልጥ፧’ ብምባል ትሓትት ትኸውን። የሱስ ብዛዕባ ግዜና ይዛረብ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ሰለስተ ናይ መርትዖ መገድታት ንርአ።
ቀዳማይ: እቲ ናይ የሱስ ቃላት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ክጠፍኣ ከለዋ ብኸፊሉ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ እኳ እንተ ነበሮ: ብንጹር ክንዮ እታ መዓልቲ እቲኣ ንመጻኢ ግዜ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ንየሩሳሌም ዘጥፍአ መዓት 30 ዓመታት ጸኒሑ: የሱስ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ እቲ ብትንቢት ተነጊርሉ ዝነበረ ኵነታት—ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ከምኡውን ብሰንኩ ዝስዕብ ሞት—ንመጻኢ ግዜ ኣብ ምሉእ ዓለም ክወርድ ምዃኑ ዝገልጽ ራእይ ኣርእይዎ ኢዩ። እወ: እዚ ሽግራት እዚ: ንሓደ እተወሰነ ከባቢ ጥራይ ዘይኰነስ: ንምልእቲ “ምድሪ” ዝሓቍፍ ኢዩ።—ራእይ 6:2-8
ካልኣይ: ኣብዚ ዘበን እዚ ገለ ካብቲ የሱስ እተዛረበሉ መዳያት ናይቲ ምልክት ዝሰፍሐ ኢዩ ክበሃል ብዝከኣል ደረጃ ይፍጸም ኣሎ። ንኣብነት: ውግእ ካብቲ ብ1914 ዝነበሮ ዝያዳ ዝገደደ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎዶ፧ ኵለን እዘን ሎሚ ኑክሌር ዝውንና ሃገራት ነቲ ኣጽዋራተን ብምጥቃም ሳልሳይ ውግእ ዓለም እንተ ዘልዕላ ነይረን: እቲ ሳዕቤን ነዛ ምድሪ እዚኣ ህይወት ክነብረላ ከም ዘይክእል ገይሩ መሕረራ: ንወድሰብ ድማ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ገይሩ መጽነቶ ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ራእይ 11:18 ሃገራት ምስ ‘ተቘጥዓ’ ደቅሰብ ‘ንምድሪ ከጥፍእዋ [“ከባላሽዉዋ:” NW ]’ ምዃኖም ተነብያ ኢያ። ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ: ብከላን ናይ ኣከባቢ ምብልሻውን እዛ ፕላኔት እዚኣ ህይወት ክነብረላ ብቕዕቲ ናይ ምዃን ክእለታ ሕጂ ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ኣሎ! ስለዚ እምበኣር እዚ መዳይ ናይቲ ትንቢት እዚ እውን ዳርጋ ብዝለዓለ ደረጃ ፍጻሜኡ ይረክብ ኢዩ ዘሎ። ሰብ ንገዛእ ርእሱን ነዛ ፕላኔትን ክሳዕ ዘጥፍእ ውግእን ብከላን ስቕ ኢሉ እናገደደ ክኸይድ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ምድሪ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣብኣ እናነበሩ ንዘለኣለም ክትቅጽል ምዃና ይዛረብ ኢዩ።—መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 5:5
ሳልሳይ: ብፍላይ ምልክት ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት ብሓፈሻ ክውሰድ ከሎ ዘእምን ኢዩ። ንዅሉ ነገራት ብምርኣይ: ነቲ የሱስ ኣብ ሰለስተ ወንጌላት ዝጠቐሶ: ነቲ ኣብ ናይ ጳውሎስ ጽሑፋት ዝርከብ: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ መዳያት ናይቲ ምልክት ኣብ ግምት ምስ እነእቱ: እዚ ምልክት እዚ ብዙሕ መልክዓት ኢዩ ዘለዎ። ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ወለዶታት ተመሳሳሊ ግድላት ኣሕሊፎም ኢዮም ኢሉ ብምክርኻር: ካብቲ ምልክታት ንሓደ መዳይ ጥራይ ወሲዱ ነቲ ቐንዲ ትርጕም ክዓብጦ ይፍትን ይኸውን: ንዅሉ ብሓንሳእ ገይርና ምስ እንርእዮ ግን እቲ መዳያት ናይቲ ምልክት ብንጹር ናብ ሓደ ወለዶ ጥራይ: ማለት ናብ ወለዶና ኢዩ ዝሕብር።
እዚ ዅሉ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንነብረሉ ዘሎና ወለዶ ሓደገኛ: ተስፋ ዘይብሉ ግዜ ከም ዝዀነ ጥራይ ድዩ ዝገልጽ ዘሎ፧ ኣይፋሉን!
ብስራት
ሓደ ካብቲ ክስትብሃለሉ ዘለዎ መዳይ ናይቲ ምልክት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተመዝጊቡ ኣሎ:- “እዚ ወንጌል [“ብስራት:” NW ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ፍሉይ ዝዀነ ዕዮ ፈጺሞም ኢዮም። ነቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ኣምላኽ መንግስቲ—እንታይ ምዃና: ብኸመይ ከም እትገዝእ: ከምኡውን እንታይ ከም እትፍጽም—ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ተቐቢሎምዎ ኢዮም: ነቲ መልእኽቲ እቲ ድማ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘርጊሖምዎ ኢዮም። ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝምልከት ጽሑፋት ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ሓቲሞም ኢዮም: ብሓቂ ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ምድሪ ንዝርከቡ ሰባት ድማ ኣብ ኣባይቶም ወይ ኣብ መገዲ ወይ ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቦታታት ኣብጺሖምሎም ኢዮም።
ከምዚ ብምግባር: ነዚ ትንቢት እዚ ኢዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ። ይኹን እምበር ተስፋ እውን ኢዮም ዝዝርግሑ ዘለዉ። የሱስ ነዚ: ሕማቕ ዜና ዘይኰነስ “ብስራት” ኢሉ ከም ዝጸውዖ ኣስተብህል። ኣብዚ ጸልማት ዝዀነ ግዜስ እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብስራት ክኸውን ዝኽእል፧ ምኽንያቱ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ መልእኽቲ ኣብ መወዳእታ ናይዛ ኣረጊት ዓለም ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ሕማቕ ከም ዝኸውን ንምግላጽ ኣይኰነን። እቲ ቐንዲ መልእኽቱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘጠቓልል ኢዩ: እታ መንግስቲ እቲኣ ድማ ንኣልባብ ነፍሲ ወከፍ ሰላም ዘፍቅር ሰብ ዘሕጕስ ነገር—ድሕነት—ትመባጻዕ ኢያ።
እቲ ድሕነት እቲ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢኻ ክትረኽቦ እትኽእል፧ በጃኻ ነዘን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝዛረባ ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ኣንብበን።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ቲቶስ ኣብዚ ኵነታት እዚ ብዘየወላውል መገዲ ዓወት ረኺቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት እቲ ክገብሮ ዝደለየ ነገር ኣይገበረን። ብሰላም ኢዶም ክህቡ ሓቲትዎም ነበረ: መራሕቲ ናይታ ከተማ ግን ብድርቅናን ክግለጽ ብዘይክኣል መገድን ኣበዩ። መናድቕ ናይታ ከተማ ኣብ መወዳእታ ምስ ፈረሰ ድማ: እታ ቤት መቕደስ ክትንሓፍ ኣዘዘ። እንተዀነ ግን ምሉእ ብምሉእ ነደደት! ናይ የሱስ ትንቢት የሩሳሌም ክትጠፍእ እታ ቤት መቕደስ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክትዓኑ ምዃና ብንጹር ገሊጹ ነበረ።—ማርቆስ 13:1, 2
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሰባት: ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ወድሰብ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፧ ንዝብል ኣሸገርቲ ሕቶታት መልሲ ይደልዩ ኢዮም ዘለዉ
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሎሚ: ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ናይቶም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ሰባት ገባር ኢዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝሃቦ ትንቢት ሓንቲ ብሓንቲ ተፈጺሙ ኢዩ