ናብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ምድሓን
“ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” —መዝሙር 37:11
1, 2. (ሀ) እቲ የሆዋ ኣብ ግዜና ዝገብሮ ምድሓን ካብቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ እተገብረ ምድሓን ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ናብ ከመይ ዝበለት ዓለም ኢዩ ዘእትዎም፧
የሆዋ: ኣምላኽ ምድሓን ኢዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ: ንህዝቡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣድሒንዎም ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተገብረ ምድሓን ግዝያዊ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ የሆዋ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣጋጣሚታት እቲኣቶም ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ንሓዋሩ ፍርዱ ኣየውረደን። ኣብዚ ግዜና ግን: የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንኣገልገልቱ ካብ ኵሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ እተገብረ ዝዓበየ ምድሓን ክገብረሎም ኢዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኣሰር ናይ ሰይጣን ኣገባብ ከጥፍኦ ኢዩ: ንኣገልገልቱ ድማ ኣብታ ነባሪት ዝዀነት ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ከእትዎም ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 2:9፣ 3:10-13
2 የሆዋ ከምዚ ኢሉ ይመባጻዕ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:10, 11) ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ፧ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 5:5) ይኹን እምበር: እዚ ቕድሚ ምፍጻሙ: እዛ ዓለም እዚኣ ቅድሚ ሕጂ ኰይኑ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ናይ ጸበባ ግዜ ከተሕልፍ ኢያ።
እቲ “ዓቢ ጸበባ”
3. የሱስ ነቲ “ዓቢ ጸበባ” ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ፧
3 ብ1914 እዛ ዓለም እዚኣ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣትያ ኢያ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ 83 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ: እቲ የሱስ “መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” NW ] ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪብሉ ዝነበረ ምስ ተፈጸመ ድማ መወዳእታአን ክረኽባ ኢየን። (ማቴዎስ 24:21) እወ: ካብቲ ገለ 50 ሚልዮን ዝኸውን ህይወት ዝሃለቐሉ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝገደደ ኢዩ። ከመይ ዝበለ ንዓለም ዘናውጽ ግዜ ኰን ኢዩ ብቕልጡፍ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ!
4. ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ “ዓባይ ባቢሎን” ዝወርድ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 እቲ “ዓቢ ጸበባ” ፈጺሙ ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ እዋን “ብሓንቲ ሰዓት” ኢዩ ዝመጽእ። (ራእይ 18:10) ከም እተባርዐ ድማ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኵለን እተን ቃል ኣምላኽ “ዓባይ ባቢሎን” ኢሉ ዝጽውዐን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ወረደ ክፍለጥ ኢዩ። (ራእይ 17:1-6, 15) ንጥንታዊት ባቢሎን ዘፍልጣ ጕሉሕ መዳይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ። ዘመናዊት ባቢሎን እውን ከምታ ጥንታዊት መመሳስልታ ኢያ: ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከኣ ትውክል። ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ብምልምማጥ ክትምንዝር ጸኒሓ ኢያ። ነቲ ዘካየድዎ ውግእ ደጊፋ ነቶም ኣብ ክልተ ተጻረርቲ ወገናት ዝነበሩ ሰራዊት ድማ ባሪኻ ኢያ: እዚ ድማ እቶም ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝተሓራረዱ ኢዩ ገይሩ። (ማቴዎስ 26:51, 52፣ 1 ዮሃንስ 4:20, 21) ነቲ ኣባላታ ዝፍጽምዎ ብልሹው ተግባራት ርእያ ከም ዘይረኣየት ኢያ እትሓልፎ: ንሓቀኛታት ክርስትያናት ድማ ተሳጕጎም ኢያ ዘላ።—ራእይ 18:5, 24
5. እቲ “ዓቢ ጸበባ” ብኸመይ ኢዩ ዝጅምር፧
5 እቲ “ዓቢ ጸበባ” እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ “ዓባይ ባቢሎን” ብሃንደበት መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ ክጅምር ኢዩ። “ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።” (ራእይ 17:16) ድሕርዚ: እቶም ናይ ቀደም መሻርኽታ “ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም።” (ራእይ 18:9-19) እዚ ግን: ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ክጽበይዎ ዝጸንሑ ኢዩ: ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ድማ ዓው ኢሎም ክጭድሩ ኢዮም:- “ሃሌሉያ: . . . ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ: ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ።”—ራእይ 19:1, 2
ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይወርዶም
6, 7. ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ እዋን እቲ “ዓቢ ጸበባ” መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወሎም እምንቶ ክህልዎም ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ፖለቲካውያን ሓይልታት ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ኣጥፍኡ ገጾም ናብ ኣገልገልቲ የሆዋ ይመልሱ። ሰይጣን: “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ:” ብትንቢት ተነጊሩ ከም ዝነበረ ‘ነቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ’ ክብል ኢዩ። ብቐሊሉ ክህደኑ ከም ዝኽእሉ ብምሕሳብ ‘ዓቢ ጭፍራ ሰራዊት ሒዙ ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ክኸድና’ መጥቃዕቲ ይፍኑ። (ህዝቅኤል 38:2, 10-16) ህዝቢ የሆዋ ኣብኡ ትውክልቲ ስለ ዘለዎም እዚ መጥቃዕቲ እዚ ክፈሽል ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም።
7 ፈርኦንን ሰራዊቱን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ዘፈንጠርዎም ኰይኑ ምስ ተሰምዖም: የሆዋ ብተኣምራታዊ መገዲ ንህዝቡ ኣድሒንዎም: ንሰራዊት ግብጺ ድማ ኣጥፊእዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 14:26-28) ኣብ እዋን እቲ “ዓቢ ጸበባ:” ሃገራት ንህዝቢ የሆዋ ከም ዘፈንጠራኦም ኰይኑ ምስ ተሰምዐን: ሕጂ እውን እንደገና ብተኣምራታዊ መገዲ ከድሕኖም ኢዩ:- “በታ መዓልቲ እቲኣ . . . ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ። . . . ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ።” (ህዝቅኤል 38:18, 19) ሽዑ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ብቕልጡፍ ኣብ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ኢዩ!
8. የሆዋ ነቶም እኩያት ቅድሚ ምጥፍኡ ከመይ ዝበለ ናይ ልዕለ-ባህርይ ፍጻመታት ክህሉ ኢዩ: እንታይ ሳዕቤንከ ክህልዎ ኢዩ፧
8 እቲ “ዓቢ ጸበባ” ድሕሪ ምጅማሩን የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፍርዱ ቅድሚ ምውራዱን ኣብ ዝህሉ ገለ እዋን: ናይ ልዕለ-ባህርይ ፍጻመታት ክህሉ ኢዩ። እቲ ዝህልዎ ሳዕቤን ኣስተብህል። “ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ [ክርስቶስ] ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።” (ማቴዎስ 24:29, 30) “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።”—ሉቃስ 21:25, 26
“ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ”
9. ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ልዕለ-ባህርይ ፍጻመታት ክርአ ከሎ ‘ርእሶም ከቕንዑ’ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
9 ኣብቲ ፍሉይ እዋን እቲ: ኣብ ሉቃስ 21:28 ዘሎ ትንቢት ክፍጸም ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።” ጸላእቲ ኣምላኽ ብፍርሂ ከንቀጥቅጡ ኢዮም ምኽንያቱ እቲ ሽዑ ዝኸውን ናይ ልዕለ-ባህርይ ፍጻመታት ካብ የሆዋ ዝመጸ ምዃኑ ክፈልጡ ኢዮም። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ክሕጐሱ ኢዮም ምኽንያቱ ኸኣ ምድሓኖም ከም ዝቐረበ ክፈልጡ ኢዮም።
10. ቃል ኣምላኽ ንፍጻሜ ናይቲ “ዓቢ ጸበባ” ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
10 ድሕርዚ የሆዋ ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከቃብጾ ኢዩ:- “[ንጎግ] ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን . . . ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። . . . ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።” (ህዝቅኤል 38:22, 23) ሽዑ ኵሉ ኣሰራት ናይ ሰይጣን ኣገባብ ክጠፍእ ኢዩ። ብምሉኡ እቲ ንኣምላኽ ግዲ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ድማ ክጸንት ኢዩ። እዚ ናይቲ “ዓቢ ጸበባ” ፍጻሜ: ኣርማጌዶን ኢዩ።—ኤርምያስ 25:31-33፣ 2 ተሰሎንቄ 1:6-8፣ ራእይ 16:14, 16፣ 19:11-21
11. ኣገልገልቲ የሆዋ ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ዝድሕኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
11 ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ዝድሕኑ እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ኣምለኽቲ የሆዋ ኢዮም። እዚኣቶም ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ዝመጹ “ዓቢ ጭፍራ” ዘቝሙ ኢዮም። ብኸምዚ ዝበለ ዘደንጹ መገዲ ዝድሕኑኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ‘ለይትን መዓልትን የገልግልዎ’ ኢዮም። ስለዚ ካብ ጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ይድሕኑ ናብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ድማ ይኣትዉ። (ራእይ 7:9-15) በዚ ኸኣ: እቲ “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ዝብል ናይ የሆዋ መብጽዓ ክፍጸም ከሎ ብዓይኖም ይርእይዎ።—መዝሙር 37:34
እታ ሓዳስ ዓለም
12. ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ሰባት እንታይ ኢዮም ብተስፋ ክጽበይዎ ዝኽእሉ፧
12 እከይ ተጸሪጉ እቲ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ታሪኽ ኣዝዩ ግርማዊ ዝዀነ መዋእል ድማ ክቕልቀልስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ኰን ኢዩ ክኸውን! (ራእይ 20:1-4) እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ናብታ ኣብ ገነት እተቐየረት ምድሪ እትህሉ ብርህትን ምዕብልትን ዝዀነት ብኣምላኽ እተዳለወት ሓዳስ ዓለም ብምእታዎምስ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዘመስግንዎ! (ሉቃስ 23:43) ክሞቱ ድማ ፈጺሙ ኣየድልዮምን ኢዩ! (ዮሃንስ 11:26) ብርግጽ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ክንድቲ የሆዋ ዝነብሮ ናይ ምንባር ዘደንጹን ዘስተንክርን ተስፋ ክህልዎም ኢዩ!
13. የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝጀመሮ ናይ ምሕዋይ ዕዮ እንደገና ዝቕጽሎ ብኸመይ ኢዩ፧
13 እቲ የሆዋ ሰማያዊ ንጉስ ክኸውን ዝሸሞ የሱስ: ነቲ እቶም ዝደሓኑ ሰባት ዘስተማቕርዎ ተኣምራታዊ በረኸታት ክቈጻጸር ኢዩ። ኣብ ምድሪ ኸሎ: ዝዓወራ ኣዒንትን ዝጸመማ ኣእዛንን ከፊቱ: “ኵሉ ሕማምን ድናሰን” ከኣ ኣሕውዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:35፣ 15:30, 31) ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ነዚ ዓቢ ናይ ምሕዋይ ዕዮ ብዓለምለኸ ደረጃ እንደገና ክቕጽሎ ኢዩ። ከም ናይ ኣምላኽ ወኪል መጠን: ነዚ ዝስዕብ መብጽዓ ክፍጽሞ ኢዩ:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ድሕሪ ደጊም ሰብ ሞያ ሕክምናን ገነዝቲ ሬሳን ፈጺሞም ኣይከድልዩን ኢዮም!—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24
14. እቶም ድሮ ዝሞቱ ኣገልገልቲ የሆዋ ከመይ ዝበለ ድሕነት ኢዮም ክረኽቡ፧
14 ኵሎም እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ክድሕኑ ኢዮም። ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ካብቲ ናይ መቓብር ማእሰሪታት ክናገፉ ኢዮም። የሆዋ ከምዚ ብምባል ውሕስነት ይህብ:- “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ‘ጻድቃን’ ቅድም ተንሲኦም ኣብ ምስፍሕፋሕ ናይ ገነት ግደ ከም ዝህልዎም ፍሉጥ ኢዩ። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ንተመክሮ ናይቶም ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝሞቱ: ሕጂ ድማ እንደገና ናብ ህይወት ተመሊሶም ዘለዉ እሙናት ሰባት ምስማዕስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ከሐጕሶም ኢዩ!—ዮሃንስ 5:28, 29
15. ንገለ ካብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እነስተማቕሮ ኵነታት ግለጽ።
15 ኵሎም እቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት እምበኣር: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ እተዛረቦ ክርእይዎ ኢዮም:- “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ።” (መዝሙር 145:16) ድሕሪ ደጊም ጥሜት የለን:- ምድሪ ኢኮሎጂያዊ ሚዛና ክምለስ ኣኽል-ታርፍ ፍረ ድማ ክትህብ ኢያ። (መዝሙር 72:16) ድሕሪ ደጊም ብዘይ ኣባይቲ ዝነብሩ ሰባት ኣይክህልዉን ኢዮም:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም:” ነፍሲ ወከፍ ድማ “ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ኢሳይያስ 65:21, 22፣ ሚክያስ 4:4) ድሕሪ ደጊም ፍርሂ የለን:- ውግእ: ዓመጽ: ወይ ገበን ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 46:8, 9፣ ምሳሌ 2:22) “ኵላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ: ሰብውን እልል ይብሉ አለዉ።”—ኢሳይያስ 14:7
16. ኣብታ ሓዳስ ዓለም ጽድቂ ዝመልእ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ሰይጣን ፕሮፓጋንድኡ ዝነዝሓሉ መገድታት ክጽረግ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ‘እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ጽድቂ ክማሃሩ’ ኢዮም። (ኢሳይያስ 26:9፣ 54:13) ዓመት ሓሊፉ ካልእ ዓመት ክትካእ ከሎ ጥዑይ ዝዀነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ስለ ዝወሃብ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) ደቅሰብ ሃናጺ ብዝዀነ ሓሳባትን ተግባራትን ክመልኡ ኢዮም። (ፊልጲ 4:8) ሕስብ እሞ ኣብሎ: ካብ ገበንን ርእሰ-ውዳሰን ቅንእን ናጻ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ: ኵሎም ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዘፍርይሉ ኣህጉራዊ ሕውነት እኮ ኢዩ ክህሉ። ብርግጽ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝበለ ባህርያት በቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዅስኰስ ዘሎ ኢዩ።—ገላትያ 5:22, 23
ስለምንታይ ግን ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ፧
17. የሆዋ ንእከይ ቅድሚ ምጥፍኡ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ እተጸበየ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ይኹን እምበር: የሆዋ እከይ ንምርሓቕን ንህዝቡ ድማ ናብታ ሓዳስ ዓለም ንምድሓንን ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ እተጸበየ ስለምንታይ ኢዩ፧ እንታይ ነገራት ክፍጸም ከም ዝነበሮ ርአ። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ: ሉዓላውነት የሆዋ: ንኽገዝእ ዘለዎ መሰል ምርግጋጽ ኢዩ። እኹል ግዜ ክሓልፍ ብምፍቃድ: ካብቲ ሉዓላዊ ግዝኣቱ ወጻኢ ዝግበር ሰብኣዊ ኣመራርሓ ዓቢ ውድቀት ዘስዕብ ምዃኑ ብዘየጠራጥር መገዲ ኣርኣየ። (ኤርምያስ 10:23) ስለዚ የሆዋ ሕጂ ንሰብኣዊ ኣገዛዝኣ: ብኣገዛዝኣ ናይታ ወዱ ዘመሓድራ ሰማያዊት መንግስቱ ክትክኦ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኢዩ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10
18. ዘርኢ ኣብርሃም ንምድሪ ከንኣን ክወርስዋ ዝነበሮም መዓስ ኢዩ ነይሩ፧
18 ኵሉ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት እተፈጸመ ነገር ምስቲ ኣብ ግዜ ኣብርሃም እተፈጸመ ዝመሳሰል ኢዩ። የሆዋ ንኣብርሃም ዘርኡ ንምድሪ ከንኣን ክወርስዋ ምዃኖም ነገሮ: ግናኸ ‘ዓመጽ ኣሞራውያን ገና ዘይመልአ’ ብምንባሩ ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ክጽበዩ ነበሮም። (ዘፍጥረት 12:1-5፣ 15:13-16) ኣብዚ እታ “ኣሞራውያን” (ብቝጽሪ ዓብላሊ ዝነበረ ነገድ) እትብል ስያመ ንህዝቢ ከንኣን ብሓፈሻ ክትውክል ትኽአል ኢያ። ስለዚ የሆዋ ህዝቡ ንከንኣን ከም ዝወርስዋ ቅድሚ ምግባሩ ኣርባዕተ ክፍለ-ዘበናት ክሓልፍ ነበሮ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ እዋን የሆዋ እተን ኣብ ከንኣን ዝነበራ ሃገራት ሕብረተሰበን ከማዕብላ ፈቐደለን። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧
19, 20. ከንኣናውያን እንታይ ዓይነት ሕብረተሰብ ኢዮም ዘማዕበሉ፧
19 እታ ብሄንሪ ኤች. ሃለይ እተዳለወት ባይብል ሃንድቡክ እትበሃል መጽሓፍ: (እንግሊዝኛ) ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራመርቲ: ኣብ መጊዶ ናይታ ኣስታሮት እትበሃል ንበዓል ሰበይቱ ዝዀነት ኣንስተይቲ ኣምላኽ: ዑና ቤት መቕደሳ ከም ዝረኸቡ ትገልጽ። ከምዚ ብምባል ድማ ይጽሕፍ:- “ካብዚ ቤት መቕደስ እዚ ቁሩብ ስጕምትታት ርሕቕ ኢሉ መቓብር ነበረ: ኣብኡ ድማ ናይቶም ኣብዚ ቤት መቕደስ እዚ ንመስዋእቲ ዝቐረቡ ሕጻናት ኣዕጽምቲ ዝሓዘ ብዙሕ ሳርማታት ተረኽበ። . . . ነብያት በዓልን ኣስታሮትን ወግዓውያን ቀተልቲ ንኣሽቱ ቘልዑ ኢዮም ነይሮም።” “ካልእ ዘሰንብድ ልምዲ ድማ እቲ ‘ናይ መሰረት መስዋእቲ’ ኢሎም ዘጽውዕዎ ኢዩ ነይሩ። ቤት ክህነጽ ከሎ: ሓደ ቘልዓ ይስዋእ ነበረ: እቲ ኣካላቱ ድማ ኣብቲ መንደቕ ይንደቕ።”
20 ሃለይ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “ናይ በዓል: ኣስታሮት: ከምኡውን ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ከንኣን ኣምልኾ ኣዝዩ ሕሉፍ ዝዀነ መስተን ጾታዊ ርክብን ዝካየደሉ ኢዩ ነይሩ፣ ኣብያተ መቓድሶም ማእከል ነውራም ተግባራት ነበረ። . . . ከንኣናውያን ብኽቱር ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ብምርዋይ: . . . ድሕርዚ ድማ: ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም መስዋእቲ ክኸውን ቦዅሪ ውላዶም ብምቕታል ኢዮም ኣምልኾኦም ዘቕርቡ ነይሮም። ብዓብይኡ ክርአ ኸሎ: ምድሪ ከንኣን ብሃገርለኸ ደረጃ ከም ሶዶምን ጎሞራን ኰይና ዝነበረት ኢያ እትመስል። . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ጽያፍን ጭከናን ዝርኣየሉ ስልጣነ ክቕጽል ዝዀነ ይኹን መሰል ነይሩዎዶ፧ . . . ነቲ ናይ ከተማታት ከንኣን ዑናታት ዝዀዓቱ ናይ ስነ-ጥንቲ ተመራመርቲ: ኣምላኽ ካብቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ግዜ ስለምንታይ ኣቐዲሙ ከም ዘየጥፍኦም ይግረሙ ኢዮም።”—ምስ 1 ነገስት 21:25, 26 ኣረኣእዮ።
21. ኣብ መንጎ ኵነታት ከንኣናውያንን ኵነታት ግዜናን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧
21 ኣብቲ ግዜ እቲ “ዓመጽ ኣሞራውያን” መስፈሩ ‘መሊኡ’ ኢዩ። ስለዚ የሆዋ ሽዑ ከጽንቶም ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ብዓመጽ: ዘይስነ-ምግባራዊ ብዝዀነ ተግባራት: ከምኡውን ንሕጊ ኣምላኽ ንዕቀት ብምርኣይ መሊኣ ኢያ ዘላ። በቲ ኣብ ከንኣን ዝግበር ዝነበረ ዘሰንብድ ናይ ቈልዑ መስዋእቲ ስኽሕክሕ ምባልና ቅኑዕ ካብ ነበረ: ብዛዕባ እቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ከንኣን እተገብረ ነገር ዝያዳ ዝገደደ: ኣብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ውግኣት ዝግበር ናይ ዓሰርተታት ሚልዮናት መናእሰይ መስዋእቲኸ ድኣ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብርግጽ: የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከጥፍኦ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኢዩ።
ካልእ ነገር እውን ምዕማም
22. የሆዋ ኣብ ግዜና ትዕግስቲ ብምርኣዩ እተዓመ ነገር እንታይ ኢዩ፧
22 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እተራእየ ትዕግስቲ የሆዋ ካልእ ነገር እውን ይዓምም ኢዩ ዘሎ። እቶም ድሮ ቍጽሮም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ምእንቲ ክእከቡን ክማሃሩን ግዜ የፍቅድ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ: ሓንቲ እናዓበየት እትኸይድ ማሕበር ይሃንጹ ኢዮም ዘለዉ። ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን መንእሰያት ንኻልኦት ሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምምሃር ተለማሚዶም ኢዮም። ብመገዲ ኣኼባታቶምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋቶምን ኣቢሎም ድማ ፍቕራዊ መገድታት ኣምላኽ ይማሃሩ ኣለዉ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ ቈሎሴ 3:14፣ እብራውያን 10:24, 25) ብተወሳኺ: ንስብከት ናይቲ “ብስራት” ምእንቲ ክድግፉ: ናይ ህንጻ: ኤሌክትሮኒክስ: ሕትመት: ከምኡውን ናይ ካልእ ሞያታት ክእለት የማዕብሉ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14 NW) ከምዚ ዝበለ ትምህርትታትን ናይ ህንጻ ክእለታትን ኣብታ ሓዳስ ዓለም ብሰፊሑ ከም ዝስርሓሉ ፍሉጥ ኢዩ።
23. ኣብዚ ግዜ እዚ ምንባር መሰል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
23 እወ: ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ድሒኖም ናብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ክኣትዉ: የሆዋ ሎሚ ንኣገልገልቱ የዳልዎም ኢዩ ዘሎ። ድሕርዚ እንቃለሶም: ሰይጣን ይኹን እክይቲ ዓለሙ: ሕማም: ሓዘን: ከምኡውን ሞት ኣይክህልዉን ኢዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ነታ መዓልቲ-መዓልቲ ‘ደስታ’ ዝህልወላ ገነት ናይ ምህናጽ ባህ ዘብል ዕዮ ብውዕዉዕ ስምዒትን ሓጐስን ክተሓሓዝዎ ኢዮም። ኣብዚ ናይ መዋእላት ፍጻሜ ዝርኣየሉ እዋን ክንነብር: ንየሆዋ ክንፈልጦን ከነገልግሎን: ከምኡውን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ‘ምድሓንና ስለ ዝቐረበ ርእስና ቅንዕ ከነብል ምዃንና’ ብምፍላጥና ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና!—ሉቃስ 21:28፣ መዝሙር 146:5
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ እቲ “ዓቢ ጸበባ” እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝጅምር፧
◻ እቲ ጎግ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ዝፈሽል ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ብኸመይ ኢዩ ዝውዳእ፧
◻ እታ ሓዳስ ዓለም ከመይ ዝበለ ዘገርም ጥቕምታት ኢያ ከተዳሉ፧
◻ የሆዋ ነዚ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምጥፍኡ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ እተጸበየስ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር ኢያ