ሽማግለታት ንኻልኦት ሓላፍነት ንኽስከሙ ኣለማምድዎም
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ከገልግሉ ዝኽእሉ ሰብኡት ብህጹጽ ይድለዩ ኣለዉ። እዚ ዘድለየሉ ኸኣ ብሰለስተ ቐንዲ ምኽንያታት ኢዩ።
ቀዳማይ: የሆዋ ነቲ ‘ኣዝዩ ውሑድ: ብርቱዕ ህዝቢ’ ንኽገብሮ ዝኣተዎ መብጽዓ ይፍጽም ኢዩ ዘሎ። (ኢሳይያስ 60:22) ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ሓደ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ሳላ እቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም። እዞም ሓደስቲ ተጠመቕቲ እዚኣቶም ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ንኽበጽሑ ዝሕግዙ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ይድለዩ ኣለዉ።—እብራውያን 6:1
ካልኣይ: ገለ ካብቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ሽማግለታት ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ: ብምኽንያት ዕድመ ወይ ከኣ ብምኽንያት ናይ ጥዕና ግድላት ንገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤታት ዝነበሮም ሓላፍነታት ክገድፍዎ ተገዲዶም ኢዮም።
ሳልሳይ: ብዙሓት ቀናኣት ክርስትያን ሽማግለታት ከም ኣባላት ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ: ናይ ህንጻ ኮሚተ: ወይ ከኣ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ኮሚተ ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት ንገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤታቶም ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ሓላፍነታት ብምሕዳግ ሚዛናውነቶም ክሕልዉ ኣድልይዎም ኢዩ።
ተወሰኽቲ ብቑዓት ሰባት ንምርካብ ዘሎ ግድል ብኸመይ ኢዩ ክፍታሕ ዝኽእል፧ እቲ ቐንዲ መፍትሕ ምልምማድ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያን ተዓዘብቲ “ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ” ከለማምዱ የተባብዖም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:2) ብመሰረት ሓደ መዝገበ-ቓላት: እታ “ኣለማመደ” እትብል ግሲ “በብቝሩብ እናመሃረ ከም ዝኽእሎ: ዝመልኮ ገበረ፣ ዓለመ፣ ኣሰልጠነ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ሽማግለታት ንኻልኦት ብቑዓት ሰብኡት ብኸመይ ከላምድዎም ከም ዝኽእሉ ንርአ።
ኣብነት የሆዋ ሰዓቡ
የሱስ ክርስቶስ: ንዕዮኡ ‘ኣጸቢቑ ዝመልኮን ብዝግባእ እተዓለመን ዝሰልጠነን’ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ: እዚ ድማ ዘገርም ኣይኰነን! ከመይሲ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ኣለማሚድዎ። ነዚ ናይ ምልምማድ ፕሮግራም ዝያዳ ውጽኢታዊ ኸም ዝኸውን ዝገበሮ እንታይ ረቛሒታት ኢዩ፧ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 5:20 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሱስ ሰለስተ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ: “ኣቦ ንወዱ [1] የፍቅሮ እዩ እሞ: [2] ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። . . . [3] ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነዚ ረቛሒታት እዚ ምምርማር: ብዛዕባ ምልምማድ ዓሚቝ ፍልጠት ዝህብ ኢዩ።
የሱስ ብመጀመርታ “ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ” ከም ዝበለ ኣስተብህል። ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ኣብ መንጎ የሆዋን ወዱን ናይ ማሕርሮ ርክብ ነይሩ ኢዩ። እዚ ርክብ እዚ ኸመይ ከም ዝነበረ ምሳሌ 8:30 ከምዚ ብምባል ተብርሆ:- “ሽዑ [ኣነ የሱስ] ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ የሆዋ ኣምላኽ] ነበርኩ: [በ]የዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ: የሆዋ ‘ይሕጐሰሉ’ ከም ዝነበረ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። ምስ ኣቦኡ ዀይኑ ክዓዪ ኸሎ ዝስምዖ ዝነበረ ሓጐስ ኣይሓብኦን። ኣብ መንጎ ክርስትያን ሽማግለታትን ኣብ መንጎ እቶም ዘለማምድዎምን ናይ ማሕርሮ ርክብ ምስ ዝህሉሲ ኽንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ!
እቲ የሱስ ዝሃቦ ካልኣይ ረቛሒ ኸኣ ኣቦ “ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ ” ዝብል ኢዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ኣድማስ ክፍጠር ከሎ የሱስ “ምስ” የሆዋ ኸም ዝነበረ ዝገልጽ ኣብ ምሳሌ 8:30 ዘሎ ቓላት ዘረጋግጻ ኢየን። (ዘፍጥረት 1:26) ሽማግለታት እውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ዕዮኦም ከመይ ገይሮም ብዝግባእ ክዓዩ ኸም ዝኽእሉ እናኣርኣዩ ምስኣቶም ሓቢሮም ብምዕያይ ነዚ ብሉጽ ኣብነት እዚ ኽስዕብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደስቲ ኣገልገልቲ ጉባኤ ጥራይ ኣይኰኑን ቀጻሊ ምልምማድ ዘድልዮም። ብዛዕባ እቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሽምግልና ንምብጻሕ ዝመጣጠሩ እሞ ገና ግን ዘይተመዘዙ እሙናት ኣሕዋትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ (1 ጢሞቴዎስ 3:1) እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ዓይነት ጻዕሪ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ምእንቲ ኽፈልጡ ሽማግለታት ንጹር ምኽሪ ክህብዎም ይግባእ።
ንኣብነት ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ: ሕድሪ ንኽዋሃቦ ዝበቅዕ: ሰዓቱ ዘኽብር: ዕዮታቱ ኸኣ ብግቡእ ዘካይድ: ንፉዕ መምህር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብታ ጉባኤ ብእተፈላለየ መዳያት ዝነኣድ ዕዮ ዝፍጽም ይኸውን። ይኹን እምበር: ምስ ኣሕዋት ኣብ ዝገብሮ ርክብ ትርር ዝብል ምዃኑ ኣይግንዘብን ይኸውን። ሽማግለታት ‘ለውሃት ጥበብ’ ከንጸባርቑ የድልዮም ኢዩ። (ያእቆብ 3:13) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ፍሉይ ኣብነታት እናሃበ: ንጕድለታቱ ኣነጺሩ ኽነግሮን ከመሓይሸሉ ዝኽእለሉ ግብራዊ ርእይቶታት ከቕርበሉንሲ ሕያውነትዶ ኸይኰነ፧ እቲ ሽማግለ ተጠንቂቑ ‘ንዘረባኡ ብጨው እንተድኣ ኣቃሚምዎ’ ዝበዝሕ እዋን ርእይቶኡ ተቐባልነት ይረክብ ኢዩ። (ቈሎሴ 4:6) ርግጽ ኢዩ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ንእተዋህቦ ምኽሪ ምቕሉል ኰይኑ ምስ ዝቕበል ንዕዮ እቲ ሽማግለ ዝቐለለ ይገብሮ ኢዩ።—መዝሙር 141:5
ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት: ሽማግለታት ንኣገልገልቲ ጉባኤ ብግብራዊ መገድታትን ብቐጻልን የለማምድዎም ኢዮም። ንኣብነት: ንሕሙማት ወይ ንኣረጋውያን ክበጽሑ ኸለዉ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ይማልእዎም ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ ኣገልገልቲ ጉባኤ ብዛዕባ ጕስነት ተመክሮ እናረኸቡ ኢዮም ዝኸዱ። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ብመንፈሳዊ እናዓበየ ንኽኸይድ ብዙሕ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ኣሎ።—“ኣገልገልቲ ጉባኤ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት” እትብል ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን ርአ።
ነቲ የሱስ ዝረኸቦ ምልምማድ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኸም ዝኸውን ዝገበሮ ሳልሳይ ረቛሒ የሆዋ ከለማምዶ ኸሎ ኣብ ዝመጽእ ንዘርእዮ ዕቤት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ክዛረብ ከሎ ንወዲ “ካብዚ ዝዓቢ ግብሪ ” ከም ዘርእዮ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝረኸቦ ተመክሮ ኣብ መጻኢ ንዝወሃቦ መዝነት ንምፍጻም ዘኽእሎ ባህርያት ከማዕብል ዝሕግዞ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 4:15፣ 5:8, 9) ንኣብነት: የሱስ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣየ ኸመይ ዝበለ ከቢድ ሓላፍነት ኰን ኢዩ ክቕበል! እዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ነቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ምትንሳእን ምፍራድን ሓላፍነት ኢዩ።—ዮሃንስ 5:21, 22
ሽማግለታት እውን ንኣገልገልቲ ጉባኤ ኸለማምድዎም ከለዉ ኣብ ዝመጽእ ዘድሊ ነገራት ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዙ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን እዚ እኹላት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዘለዉ ዝመስል እኳ እንተዀነ: ሓዳስ ጉባኤ ኽትቀውም ከላ ግን ክንድዚ ዝኣኽሉ ኽህልዉ ድዮም፧ ብዙሓት ጉባኤታት ክቖማ ኸለዋኸ፧ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 6,000 ዝዀና ሓደስቲ ጉባኤታት ቈይመን ኢየን። ነዘን ሓደስቲ ጉባኤታት ንምእላይ ብዙሓት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን የድልዩ ኢዮም!
ሽማግለታት: ምስቶም እተለማምድዎም ዘሎኹም ኣሕዋት ብሕታዊ ናይ ማሕርሮ ርክብ ብምምዕባል ኣብነት የሆዋዶ ትስዕቡ ኣሎኹም፧ ዕዮኦም ብኸመይ ከም ዝፍጽሙ ተርእይዎምዶ ኣሎኹም፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘድሊ ነገራት ትሓስብሉዶ ኣሎኹም፧ ነቲ የሆዋ ንየሱስ ኣብ ምልምማድ ዝገደፈልና ኣብነት ምስዓብ ብዙሕ በረኸት ዘምጽእ ኢዩ።
ንኻልኦት ሓላፍነት ንምሃብ ኣይትፍርሁ
እተፈላለየ ከቢድ ሓላፍነታት ዝስከሙ ዝነበሩ ሽማግለታት ንኻልኦት ሓላፍነት ንምሃብ ነግ ፈረግ ይብሉ ይዀኑ። ቅድሚ ሕጂ ሓላፍነቶም ንኻልኦት ክህቡ ፈቲኖምዎ ፍሪኡ ግን ኣየዕገቦምን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ‘ሓደ ዕዮ ብጽቡቕ ክዕየ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ ባዕልኻ ክትገብሮ ኣሎካ’ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣሕዲሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር እዝስ ምስቲ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሎም ኣሕዋት ካብቶም ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎም ምልምማድ ከም ዝረኽቡ ዝሕብር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ድዩ፧—2 ጢሞቴዎስ 2:2
ሃዋርያ ጳውሎስ ሓደ ኻብቶም መጋይሽቱ ዝነበረ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ኣብ ጰምፍልያ ዕዮኡ ጠንጢኑ ንዓዱ ምስ ተመልሰ ጕህዩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:38, 39) ይኹን እምበር: ጳውሎስ እዚ ዅነታት እዚ ንኻልኦት ካብ ምስልጣን ክዓግቶ ኣይፈቐደሉን። ጢሞቴዎስ ንዝበሃል ካልእ መንእሰይ መረጸ እሞ ንሚስዮናዊ ዕዮ ኣለማመዶ።a (ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3) ኣብ ቤርያ እቶም ሚስዮናውያን ብርቱዕ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞም ጳውሎስ ኣብኡ ኽጸንሕ ጥበባዊ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ነቲ ብሱልን ብዕድመ እውን ዓቢ ዝነበረ ሲላስን ንጢሞቴዎስን ነታ ሓዳስ ጉባኤ ክኣልይዋ ሕድሪ ሂቡዎም ከደ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:13-15) ጢሞቴዎስ ካብ ሲላስ ብዙሕ ነገራት ተማሂሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዳሕራይ ጢሞቴዎስ ተወሳኺ ሓላፍነታት ኣብ ዝስከመሉ ደረጃ ምስ በጽሐ: ጳውሎስ ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዘላ ጉባኤ ንኸተባብዓ ለኣኾ።—1 ተሰሎንቄ 3:1-3
እቲ ኣብ መንጎ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ዝነበረ ርክብ ስምዒት ኣልቦ ዝዀነ ናይ ማዕዶ ርክብ ኣይኰነን ነይሩ። ጽኑዕ ዕርክነታዊ ምቅርራብ ኢዩ ነይርዎም። ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኽጽሕፈላ ኸሎ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ናብታ ጉባኤ ንኽልእኮ ኣብ መደቡ ኣእትይዎ ዝነበረ ጢሞቴዎስ “ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ብተወሳኺውን “ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር: መገደይ ብክርስቶስ የሱስ . . . ኼዘክረኩም [ኢዩ]” በለ። (1 ቈረንቶስ 4:17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ጢሞቴዎስ ነቲ ኻብ ጳውሎስ ዝረኸቦ ምልምማድ ስለ እተጠቕመሉ ንእተዋህቦ ናይ መዝነት ዕዮ ብብቕዓት ክዓምም ክኢሉ ኢዩ። ሎሚውን ሓያሎ መንእሰያት ኣሕዋት ካብቶም ናይ ሓቂ ሓልዮት ዘርእይዎም ዓበይቲ ኣሕዋት—ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ጢሞቴዎስ ዘርእዮ ዝነበረ—ዝረኸብዎ ምልምማድ ስለ እተጠቕምሉ ክኢላታት ኣገልገልቲ ጉባኤ: ሽማግለታት: አረ ክኢላታት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንምዃን እውን በቒዖም ኢዮም።
ሽማግለታት: ንኻልኦት ኣሕዋት ኣለማምዱ!
እቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዝርከብ ትንቢት ሎሚ ይፍጸም ምህላዉ ንጹር ኢዩ። የሆዋ ነቲ ‘ኣዝዩ ውሑድ: ብርቱዕ ህዝቢ’ ይገብሮ ኣሎ። እቲ ህዝቢ እቲ “ብርቱዕ” ዀይኑ ምእንቲ ክቕጽል ብግቡእ ክማሓደር ኣለዎ። ስለዚ እምበኣር: ሽማግለታት ነቶም ምልምማድ ክወሃቦም ብቑዓት ዝዀኑ ህይወቶም ዝወፈዩ ኣሕዋት ከተለማምድሉ እትኽእሉ ተወሳኺ መገድታት እንተልዩ ንምንታይ ዘይትሓስብሉ፧ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ጉባኤ ምእንቲ ኽዓቢ እንታይ ምምሕያሽ ክገብር ከም ዘለዎ ኣፍልጥዎ። ኣቱም ጥሙቓት ኣሕዋት ከኣ ንዝግበረልኩም ብሕታዊ ሓልዮት ተጠቐምሉ። ብኽእለት: ብፍልጠትን ብተመክሮን እናወሰኽኩም ንኽትከዱ ዝረኸብኩምዎ ኣጋጣሚ ተጠቐምሉ። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሓገዝ ናይ ምሃብ መደብ ብርግጽ ክባርኾ ኢዩ።—ኢሳይያስ 61:5
[እግረ-ጽሑፍ]
ኣገልገልቲ ጉባኤ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት
ሽማግለታት ንኣገልገልቲ ጉባኤ ሓገዝ ክገብርሎም እኳ እንተለዎም ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ብወገኖም ብመንፈስ እናዓበዩ ምእንቲ ክኸዱ ክገብርዎ ዘለዎም ብዙሕ ነገራት ኣሎ።
—ኣገልገልቲ ጉባኤ ንእተዋህቦም መዝነት ብምፍጻም ዝመጸ ትጉሃትን ሕድሪ ዘጽንዑን ክዀኑ ኣለዎም። ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምዲ እውን ክህልዎም ኣለዎ። ዕቤት ኣብ መጽናዕቲ ከምኡውን ንእተምሃርናዮ ነገራት ኣብ ምትግባር እተመርኰሰ ኢዩ።
—ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዝርርብ ንኽህብ ክዳሎ ኸሎ: ዝርርቡ ከመይ ገይሩ ከቕርቦ ከም ዘለዎ ርእይቶ ምእንቲ ኽህቦ ንሓደ ክኢላ ሽማግለ ካብ ምሕታት ድሕር ክብል የብሉን።
—ብዘይዚውን እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከቕርብ ከሎ ክዕዘቦን ኣብቲ ኸመሓይሸሉ ዘለዎ ነጥብታት ከኣ ምኽሪ ኽልግሰሉን ንሓደ ሽማግለ ኽሓትት ይኽእል ኢዩ።
ኣገልገልቲ ጉባኤ ኻብ ሽማግለታት ምኽሪ ኽሓቱን ክቕበሉን ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎን ይግብኦም። በዚ ኸምዚ ድማ እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ‘ኣብ ኵሉ ይግለጽ።’—1 ጢሞቴዎስ 4:15