ትምህርቲ—ንየሆዋ ንምውዳስ ተጠቐመሉ
“እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና: ንሱ ሓቀኛ እዩ። ”—ዮሃንስ 7:18
1. ናይ ትምህርቲ መስርሕ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ዝጀመረ፧
ትምህርቲ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ይገብር ኢዩ ጀሚሩ። የሆዋ ኣምላኽ: እቲ ዝዓበየ መምህርን ዓላምን ነቲ በዅሪ ወዱ ድሕሪ ምፍጣሩ: ሽዑ ንሽዑ ኢዩ እቲ ናይ ትምህርቲ መስርሕ ጀሚሩ። (ኢሳይያስ 30:20፣ ቈሎሴ 1:15) ንሱ ኢዩ ብቐጥታ ካብቲ ዝዓበየ መምህር ክማሃር ዝኸኣለ! ኣብቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ቍጽሪ ዘይብሉ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ጥብቂ ርክብ: እቲ ወዲ—ደሓር የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ እተፈልጠ—ብዛዕባ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ባህርያት: ግብርታት: ከምኡውን ዕላማታት ብዋጋ ክግመት ዘይከኣል ትምህርቲ ረኺቡ ኢዩ። ድሕርዚ: ሰብ ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ መጸ: የሱስ ‘ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር: ካብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይገብርን ኢየ’ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ክብል ይኽእል ነይሩ ኢዩ። —ዮሃንስ 8:28
2-4. (ሀ) ብመሰረት ዮሃንስ ምዕራፍ 7: የሱስ ኣብቲ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. እተገብረ በዓል ዳስ ክሳተፍ ከሎ እቲ ኵነታት ከመይ ነበረ፧ (ለ) እቶም ኣይሁድ በቲ ናይ የሱስ ክእለት ኣመሃህራ እተገረሙ ስለምንታይ ኢዮም፧
2 የሱስ ነቲ ዝረኸቦ ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ ተጠቒሙሉ፧ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ነቲ እተማህሮ ነገራት ብዘይ ምቍራጽ ንኻልኦት ኣማቒልዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ኣእምሮኡ ቀንዲ ዕላማ ብምሓዝ ኢዩ ነዚ ገይርዎ። እቲ ዕላማኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብቲ ንኽልቲኡ ማለት ምንጭን ዕላማን ትምህርቱ ዝገለጸሉ: ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 7 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ንመርምሮ።
3 ነቲ ዝነበረ ኵነታት ርአ። እቲ እዋን ኣብ ቀውዒ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ.: ካብ ጥምቀት የሱስ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኢዩ ነይሩ። ኣይሁድ ንበዓል ዳስ ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ኢዮም ነይሮም። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት መዓልትታት ናይቲ በዓል: ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ዘረባታት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ፍርቂ ናይቲ በዓል የሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ከደ: ክምህር ድማ ጀመረ። (ዮሃንስ 7:2, 10-14) ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝገብሮ ዝነበረ: ንገዛእ ርእሱ ዓቢ መምህር ምዃኑ ኣርኣየ።—ማቴዎስ 13:54፣ ሉቃስ 4:22
4 ዮሃንስ ምዕራፍ 7 ቍጽሪ 15 ከምዚ ትብል:- “ስለዚ ኣይሁድ፤ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ።” ስለምንታይ ከም እተገረሙስ ተረዲኡካዶ፧ የሱስ ኣብ ዝዀነ ናይ ራቢ ኣብያተ ትምህርትታት ኣይተማህረን: ስለዚ—ብኣተሓሳስባኦም—መሃይም ኢዩ ነይሩ! እንተዀነ ግን: የሱስ ነቲ ኣብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ክፍልታት ብቐሊሉ ክረኽቦን ከንብቦን ይኽእል ነበረ። (ሉቃስ 4:16-21) ስለዚ ኸኣ ኢዩ: እዚ ካብ ገሊላ ዝመጸ ጸራቢ በቲ ሕጊ ሙሴ ገይሩ እውን ክምህሮም ዝኸኣለ! (ዮሃንስ 7:19-23) እዚ ብኸመይ ተኻእለ፧
5, 6. (ሀ) የሱስ ነቲ ናይ ትምህርቱ ምንጪ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) የሱስ ንትምህርቱ በየናይ መገዲ ኢዩ እተጠቕመሉ፧
5 ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 16 ከምኡውን 17 እነንብቦ: የሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጾ:- “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን። ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ: ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ: ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይነ ዝዛረቦ ዘሎኹ: ኪፈልጥ እዩ።” ንሳቶም የሱስ ብመን ከም እተማህረ ክፈልጡ ደለዩ: ንሱ ድማ ብንጹር ትምህርቱ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ነገሮም!—ዮሃንስ 12:49፣ 14:10
6 የሱስ ንትምህርቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧ ኣብ ዮሃንስ 7:18 ተመዝጊቡ ከም ዘሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና: ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ: ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ትምህርቱ ንኽብሪ “ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ:” የሆዋ: ክጥቀመሉስ ክሳዕ ክንደይ ብቑዕ ኰን ኢዩ!—እዮብ 37:16
7, 8. (ሀ) ትምህርቲ ብኸመይ ኢዩ ክዝውተር ዘለዎ፧ (ለ) ናይ ሚዛናዊ ትምህርቲ ኣርባዕተ መሰረታውያን ዕላማታት እንታይ ኢዮም፧
7 ካብ የሱስ እምበኣር ዓቢ ትምህርቲ ኢና እንማሃር—ትምህርቲ ገዛእ ርእስና ንምኽባር ዘይኰነስ: ንየሆዋ ንምውዳስ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ንትምህርቲ ክንጥቀመሉ እንኽእል ካብዚ ዝሓሸ መገዲ የሎን። እምበኣር: ንየሆዋ ንምውዳስ ንትምህርቲ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧
8 ትምህርቲ ምቕሳም ማለት “ብፍላይ ኣብ ገለ ዓይነት ክእለት: ኢደ ጥበብ: ወይ ኣብ ሞያ: ብዝወሃብ ስሩዕ ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ዝግበር ልምምድን” ማለት ኢዩ። ሕጂ እምበኣር ናይ ሚዛናዊ ትምህርቲ ኣርባዕተ መሰረታውያን ዕላማታት ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ዕላማ ብኸመይ ንውዳሴ የሆዋ ክጠቅም ከም ዝኽእል ንርአ። ሚዛናዊ ትምህርቲ (1) ጽቡቕ ገይርና ንኸነንብብ (2) ንጹር ገይርና ንኽንጽሕፍ (3) ብኣእምሮን ስነ-ምግባርን ንኽንዓቢ: ከምኡውን (4) ንመዓልታዊ መነባብሮ ዘድሊ ተግባራዊ ልምምድ ንኽንረክብ ክሕግዘና ኣለዎ።
ጽቡቕ ገይርካ ንኸተንብብ ምምሃር
9. ክኢላ ኣንባቢ ምዃን ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
9 መጀመርያ ተጠቒሱ ዘሎ ጽቡቕ ገይርካ ንኸተንብብ ምምሃር ኢዩ። ክኢላ ኣንባቢ ምዃን ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፐድያ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ምንባብ . . ንምምሃር መሰረታዊ ከምኡውን ሓደ ካብቶም ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝዀኑ ክእለታት ኢዩ። . . . ክኢላታት ኣንበብቲ ዕዉትን ኣፍራዪን ማሕበረሰብ ንምፍጣር ኣበርክቶ ኣለዎም። ምስናይዚ ኸኣ: ንገዛእ ርእሶም ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎን ዘዕግብን ህይወት የስተማቕሩ።”
10. ቃል ኣምላኽ ምንባብ ተመኵሮ ዝመልኦ: ዝያዳ ዘዕግብ ህይወት ንኸነስተማቕር ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
10 ምንባብ ብሓፈሻ “ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎን ዘዕግብን ህይወት” ከም እነስተማቕር ክገብር ካብ ከኣለ: ቃል ኣምላኽ ምንባብከ ክሳዕ ክንደይ ካብዚ ዝዛይድ ኰን ኢዩ ዝጠቅም! ከምዚ ዝበለ ምንባብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ብምኽፋት ንሓሳባትን ዕላማታትን የሆዋ ከም ዝቕበል ይገብሮ: ነዚኣቶም ኣነጺርና ምርዳእና ድማ ንህይወትና ትርጕም ይህቦ። ብተወሳኺ ድማ: እብራውያን 4:12 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ” ትብል። ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ከነስተንትኖን ከሎና: ናብቲ ደራሲኡ ንቐርብ: ከምኡውን ንእኡ ዝያዳ ባህ እነብል ምእንቲ ክንከውን ኣብ ናብራና ለውጥታት ክንገብር ንድረኽ። (ገላትያ 5:22, 23፣ ኤፌሶን 4:22-24) ከምኡ ድማ ነቲ ዘንበብናዮ ክቡር ሓቅታት ንኻልኦት ከነካፍሎ ንለዓዓል። እዚ ዅሉ ነቲ ዓቢ መምህር: የሆዋ ኣምላኽ: ውዳሰ የምጽኣሉ ኢዩ። ናይ ምንባብ ክእለትና እንጥቀመሉ ካልእ ካብዚ ዝሓሸ መገዲ ብርግጽ የሎን!
11. ኣብ ሚዛናዊ ዝዀነ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ፕሮግራም እንታይ ኢዩ ክጠቓለል ዘለዎ፧
11 ናእሽቱ ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ: ጽቡቕ ገይርና ንኸነንብብ ተተባቢዕና ኢና: ከመይሲ ምንባብ ኣብ ክርስትያናዊ ናብራና ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እቲ ስርዓታዊ ንባብ ቃል ኣምላኽ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ሚዛናዊ ፕሮግራም: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ምጽናዕ: ንግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተጠንቂቕካ ምንባብ: ከምኡውን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ምድላው ዘጠቓለለ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትከ፧ ብሓቂ: ንህዝቢ ምስባኽ: ነቶም ተገደስቲ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ: ከምኡውን ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ: ብምሉኡ ጽቡቕ ናይ ምንባብ ክእለት ዝሓትት ኢዩ።
ንጹር ገይርካ ንኽትጽሕፍ ምምሃር
12. (ሀ) ንጹር ገይርካ ንኽትጽሕፍ ምምሃር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቅድሚ ሕጂ ካብ እተዳለዉ ጽሑፋት ዝዓበየ ጽሑፍ ኣየናይ ኢዩ፧
12 እቲ ካልኣይ ዕላማ ድማ: ሚዛናዊ ትምህርቲ ንጹር ገይርና ንኽንጽሕፍ ክንማሃር ክሕግዘና ኣለዎ። ጽሕፈት: ቃላትናን ሓሳባትናን ምምሕልላፍ ጥራይ ዘይኰነስ ይዕቅቦም እውን ኢዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ዘበናት ይገብር: ገለ 40 ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘቘመ ቃላት ኣብ ፓፒረስ ወይ ኣብ ብራና ጸሓፍዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብርግጽ እዚ ቅድሚ ሕጂ ካብ እተዳለዉ ጽሑፋት እቲ ዝዓበየ ኢዩ ነይሩ! የሆዋ በቲ ዘተኣማምን ኣቀራርባ ኣባና ምእንቲ ክበጽሑ: ነቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ዘበናት እተገብረ ናይዞም ቅዱሳት ቃላት ተደጋጋሚ ምቕዳሕ ከም እተኸታተሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። የሆዋ ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ ምምሕልላፍ ኣብ ክንዲ ዝጥቀም: ነቲ ቓላቱ ኣብ ጽሕፈት ከም ዝሰፍር ስለ ዝገበረስ ኣይነመስግንን ዲና፧—ምስ ዘጸኣት 34:27, 28 ኣረኣእዮ።
13. እስራኤላውያን ከመይ ገይርካ ከም ዝጸሓፍ ይፈልጡ ምንባሮም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
13 ኣብ ግዜ ጥንቲ: ከምቶም ኣብ መሰጶታምያን ግብጽን ዝነበሩ ጸሓፍቲ ዝኣመሰሉ: ሓድሓደ ሓለፋታት ዝነበሮም ጕጅለ ሰባት ጥራይ ኢዮም ምሁራት ነይሮም። ብኣንጻር ናይቲ ኣብ ኣህዛብ ዝነበረ ኵነታት: ኣብ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሁር ክኸውን ኢዩ ዝተባባዕ ነይሩ። እቲ ኣብ ዘዳግም 6:8, 9 ዘሎ: እስራኤላውያን ኣብ ልዳት ኣባይቶም ክጽሕፉ እተዋህቦም ትእዛዝ: ምሳልያዊ ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ: ከመይ ገይርካ ከም ዝጸሓፍ ይፈልጡ ምንባሮም ዝእምት ኢዩ። ቈልዑ ናእሽቱ ኸለዉ ብኸመይ ከም ዝጸሓፍ ይማሃሩ ነይሮም ኢዮም። እቲ ናይ ገዘር ዓውደ-ኣዋርሕ: ሓደ ካብቶም ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎም ናይ ጥንታዊ እብራይስጢ ጽሑፋት ኣብነታት ዝዀነ: ብሓድሓደ ምሁራት: ናይ ተማሃራይ ናይ ምዝካር ክእለት መለማመዲ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕሰብ።
14, 15. ገለ ካብቶም ናይ ምጽሓፍ ክእለት እንጥቀመሎም ኣወንታውያንን ጥዑያትን መገድታት እንታይ ኢዮም፧
14 ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ከመይ ገይርና ኢና ሃናጽን ጥዑይን ብዝዀነ መገዲ: ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ብርግጽ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት መዘኻኸሪ ብምጽሓፍ ኢዩ። ደብዳበ: “ሒደት ቃላት” ዝሓዘ እውን ይኹን: ንሓደ ሓሚሙ ዘሎ ሰብ ምትብባዕ ክህብ: ወይ ንሓደ ሕያዋይ ወይ ሕያወይቲ ወይ ንዘአንገደና ወይ ዘአንገደትና መንፈሳዊ ሓው ወይ መንፈሳዊት ሓብቲ ምስጋና ከብጽሕ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:12 ትሓዓ ) ኣብታ ጉባኤ ሓደ ሰብ ዝፈትዎ ብጻይ ብሞት ምስ ዝስእን ሕጽር ዝበለ ደብዳበ ወይ ካርድ ኣብ ክንዳና ኰይኑ ነቲ ሰብ ‘ብዘጸናንዕ ክዛረቦ’ ይኽእል ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ሓንቲ ብምኽንያት ካንሰር ኣዲኣ ዝሞተታ ክርስትያን ሓብቲ “ሓንቲ መሓዛይ ጽብቕቲ ደብዳበ ጸሓፈትለይ። ደጋጊመ ከንብባ ስለ ዝኽእል ብሓቂ ሓጊዛትኒ ኢያ” ብምባል ገለጸት።
15 ሓደ ካብቲ ናይ ምጽሓፍ ክእለትና እንጥቀመሉ ብሉጽ መገዲ ድማ ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ንኽንህብ ደብዳብ ብምጽሓፍ ንየሆዋ ውዳሰ ምምጻእ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ኣብ ምሕድግ ዝበለ ከባቢታት ዝነብሩ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ርክብ ምግባር ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሕማም ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸይትኸይድ ንግዜኡ የሸግረካ ይኸውን። ምናልባት ደብዳበ ነቲ ብኣካል ተረኺብካ እትብሎ ክብል ይኽእል ኢዩ።
16, 17. (ሀ) ኣየናይ ተመኵሮ ኢዩ ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ንምሃብ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ ጥቕሚ ዝገልጽ፧ (ለ) ተመሳሳሊ ተመኵሮ ከተዘንቱዶ ምኸኣልካ፧
16 ሓደ ተመኵሮ ርአ። ብዙሕ ዓመታት ይገብር ሓደ ምስክር: ንሓንቲ ሞት ሰብኣያ ኣብቲ ናይ ከባቢ ጋዜጣ እተነግረ መበለት: ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ንምሃብ ደብዳበ ጸሓፈላ። መልሲ ግን ኣይመጾን። ድሕርዚ: ልዕሊ 21 ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ሕዳር 1994 እቲ ምስክር ካብ ጓል እታ ሰበይቲ ደብዳበ ይቕበል። እታ ጓል ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:-
17 “ኣብ ሚያዝያ 1973 ድሕሪ ሞት ኣቦይ ነደይ ከተጸናንዓ ኢልካ ደብዳበ ጽሒፍካላ ነይርካ። ኣብቲ እዋን እቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ኢየ ነይረ። ኣደይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ኢያ: ጌና ግን ናይ የሆዋ ኣገልጋሊት ኣይኰነትን። ይኹን እምበር: ዝገበረቶ መጽናዕቲ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓቂ ከም ዝሓብር ገበረኒ። ብ1988—ደብዳበኻ ምስ ተቐበልና ድሕሪ 15 ዓመታት—ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርኩ። ብ9 መጋቢት 1990 ተጠመቕኩ። ነታ ብዙሕ ዓመታት ይገብር ዝለኣኽካያ ደብደበ ኣዝየ አመስግነካ እቶም ዝተኸልካዮም ዘርእታት ድማ ብሓገዝ የሆዋ ከም ዝዓበዩ ከፍልጠካ ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ። ኣደይ ነታ ደብዳበኻ ክዕቅባ ኢላ ኢያ ሂባትኒ: መን ምዃንካ ክፈልጥ ድማ ምፈተኹ። እዛ ደብዳበ እዚኣ ክትበጽሓካ ተስፋ እገብር።” እታ ኣድራሻኣን ቍጽሪ ቴሌፎናን ዝሓዘት ናይታ ጓል ደብዳበ: ብርግጽ ናብቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝጸሓፈ ምስክር በጺሓ ኢያ። ካብቲ ጌና ናይታ መንግስቲ ተስፋ ንኻልኦት ምእንቲ ኸካፍል ደብዳበታት ዝጽሕፍ ዘሎ ምስክር: ቴሌፎን ክድወለላ ኸሎ ዝነበረ ናይታ መንእሰይ ሰበይቲ ምግራም እሞ ገምቶ!
ብኣእምሮ: ብስነ-ምግባር: ከምኡውን ብመንፈስ ምዕባይ
18. ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ወለዲ ነቲ ናይ ደቆም ናይ ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ትምህርቲ ብኸመይ ይግደሱሉ ነበሩ፧
18 እቲ ሳልሳይ ዕላማ ድማ: ሚዛናዊ ትምህርቲ ብኣእምሮን ብስነ-ምግባርን ንኽንዓቢ ክሕግዘና ኣለዎ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንቈልዑ ናይ ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ትምህርቲ ምሃብ ናይ ወለዲ ቀንዲ ሓላፍነት ከም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ። ቈልዑ ንኸንብቡን ክጽሕፉን ጥራይ ዘይኰነስ: ዝያዳ ዘገድስ: በቲ ንዅሉ ናይ ህይወት ንጥፈታቶም ዘጠቓለለ ሕጊ ኣምላኽ እውን ይማሃሩ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ: ትምህርቲ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ግዴታኦም ከምኡውን ነቲ ንመርዓን ናይ ስድራቤት ርክባትን ጾታዊ ስነ-ምግባርን ዝቈጻጸር ስርዓታት: ከምኡ ድማ ንብጾቶም ዝነበሮም ግዴታታት ምምሃር ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ብኣእምሮን ስነ–ምግባርን ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈሳዊ መገዲ ክዓብዩ እውን ሓጊዝዎም ኢዩ።—ዘዳግም 6:4-9, 20, 21፣ 11:18-21
19. ክንነብረሉ እንኽል ዝበለጸ ናይ ስነ-ምግባር ጥቕምታት ዝሕብረናን ብመንፈስ ንኽንዓቢ ዝሕግዘናን ትምህርቲ ኣበይ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
19 ሎሚኸ፧ ጽቡቕ ዓለማዊ ትምህርቲ ኣድላዪ ኢዩ። ብኣእምሮ ንኽንዓቢ ይሕግዘና ኢዩ። ይኹን እምበር: ብእኡ ንኽንመላለስ እቲ ዝበለጸ ናይ ስነ- ምግባር ጥቕምታት ዘርእየናን ብመንፈስ ንኽንዓቢ ዝሕግዘናን ትምህርቲ ምእንቲ ክንረክብ ናበይ ገጽና ኢና ክንጥምት እንኽእል፧ ኣብ ዝዀነ ካልእ ቦታ ናይ ምድሪ ክርከብ ዘይክኣል: ኣብ ውሽጢ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ቲኦክራቲካዊ ትምህርቲ ፕሮግራም ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ኣሎና። በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ገይርና እንገብሮ ናይ ብሕቲ መጽናዕትና: በቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝወሃብ መምርሒታት: ነዚ ብዋጋ ዘይግመት: ቀጻሊ ትምህርቲ—መለኮታዊ ትምህርቲ—ገንዘብ ከይከፈልና ክንረኽቦ ንኽእል ኢና! እንታይከ ኢዩ ዝምህረና፧
20. መለኮታዊ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ ዝምህረና: እንታይ ፍረኸ ይርከቦ፧
20 መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ክንጅምር ከሎና: ናይ ቅዱስ ጽሑፍ መሰረታዊ ትምህርትታት: “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ [ሰረተ–እምነታት: ትሓዓ ]” ኢና ተማሂርና። (እብራውያን 6:1) እናቐጸልና ምስ ከድና: “ዕጹም ብልዒ”—ዓሚቝ ሓቅታት—ኢና እንማሃር። (እብራውያን 5:14) እንተዀነ ግን ልዕሊ እዚ: ከምቲ ኣምላኽ ክንነብሮ ዝደልየና ብኸመይ ከም እንነብር ዝምህረና ኣምላኻዊ ስርዓታት ድማ ንማሃር ኢና። ንኣብነት: ካብቲ ‘ንስጋ ዜርክስ‘ ልምድታትን ተግባራትን ንኽንርሕቕ ከምኡውን ንስልጣናት: ሰባት: ከምኡውን ናይ ካልኦት ጥሪት ከነኽብር ንማሃር ኢና። (2 ቈረንቶስ 7:1፣ ቲቶስ 3:1, 2፣ እብራውያን 13:4) ብተወሳኺ: ነቲ እሙናትን ኣብ ስራሕና ድማ ኣፍረይትን ናይ ምዃን ኣገዳስነት ከምኡውን ምስቲ ንጾታዊ ስነ–ምግባር ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዛት ተሰማሚዕካ ምንባር ዘምጽኦ ጥቕሚ ነማስወሉ ኢና። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ኤፌሶን 4:28) ነዞም ስርዓታት እዚኣቶም ኣብ ናብራና ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዝቐጸልና መጠን: ብመንፈስ ንዓቢ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ድማ ይዓምቝ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣምላኻዊ ጠባይ ኣበይ ከም እንነብር ብዘየገድስ ጠቐምቲ ዜጋታት ይገብረና ኢዩ። እዚ ድማ ካልኦት ነቲ ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ምንጪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንከኽብርዎ ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12
ንመዓልታዊ መነባብሮ ዘድሊ ተግባራዊ ልምምድ
21. ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ቈልዑ እንታይ ተግባራዊ ልምምድ ኢዮም ዝረኽቡ ነይሮም፧
21 ናይ ሚዛናዊ ትምህርቲ ራብዓይ ዕላማ ንሓደ ሰብ ንመዓልታዊ መነባብሮ ዘድልዮ ተግባራዊ ልምምድ ምሃብ ኢዩ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ብወለዲ ዝወሃብ ትምህርቲ: ተግባራዊ ልምምድ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ኣዋልድ ናይ ቤት ዕዮታት ይማሃራ ነበራ። እታ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እዚ ብዙሕን እተፈላለየን ከም ዝነበረ ተርኢ ኢያ። ስለዚ ኣዋልድ: ምፍታል: ምእላም: ምኽሻን ክዓያ ከምኡውን ንሓፈሻዊ ናይ ገዛ ምምሕዳር: ንግዲ: ከምኡ ድማ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ሕሳባት ክሕዛ ዕጡቓት ኢየን ነይረን። ኣወዳት ዝበዝሕ ግዜ ናይ ኣቦኦም ዓለማዊ ስራሕ: ሕርሻ: ኢደ- ጥበብ ወይ ሞያ ኢዮም ዝማሃሩ ነይሮም። የሱስ ካብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ: ዮሴፍ: ጽርበት ተማሂሩ ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ኢዩ: “ወዲ እቲ ጸራቢ” ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ ጸራቢ” እውን ተባሂሉ እተጸውዐ።—ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3
22, 23. (ሀ) ትምህርቲ ንቘልዑ ንምንታይ ኢዩ ከዳልዎም ዘለዎ፧ (ለ) ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ተወሳኺ ትምህርቲ ክንመርጽ ከሎና ድራኼና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
22 ሎሚውን: ሚዛኑ ዝሓለወ ትምህርቲ ነቲ ሓደ መዓልቲ ንስድራቤት ዘድሊ ንምሕላይ ዝግበር ነገራት: ምድላው ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ዝርከብ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ንስድራቤት ምንባይ ቅዱስ ግዴታ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።” ስለዚ: ትምህርቲ ንቈልዑ ነቲ ኣብ ህይወት ዝስከምዎ ሓላፍነታት ከዳልዎም: ናይቲ ማሕበረሰብ ህርኩታት ኣባላት ንክዀኑ ድማ ከዕጥቖም ኣለዎ።
23 ዓለማዊ ትምህርቲ ክንማሃር ዘሎና ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ እዚ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ክርከብ ዝኽእል ስራሕ ኣብ ርእሲ እቲ ብሕጊ ዝድለ ዝተሓተ ትምህርቲ ተወሳኺ ልምምድ ዝሓትት ምስ ዝኸውን: ከምዚ ዝበለ ተወሳኺ ትምህርቲ ከምጽኦ ዝኽእል ጥቕምታትን ዕንቅፋታትን ግምገማ ብምግባር: ተወሳኺ ትምህርቲ ወይ ልምምድ ንምውሳድ ውሳነ ኣብ ምግባር ንውሉዳቶም ንኽመርሕዎም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽመርጽ ናይ ሓደ ሰብ ድራኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ብርግጽ ሃብቲ: ርእስኻ ምኽባር ወይ ምውዳስ ክኸውን የብሉን። (ምሳሌ 15:25፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:17) ነቲ ካብ ናይ የሱስ ኣብነት እተማሃርናዮ: ትምህርቲ ንየሆዋ ውዳሰ ንምምጻእ ክጠቅም ኣለዎ ዝብል ትምህርቲ ዘክሮ። ተወሳኺ ትምህርቲ እንተድኣ መሪጽና: ድራኼና ንየሆዋ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክሳዕ ዝከኣለና ከነገልግሎ ምእንቲ ገዛእ ርእስና ኽንክእል ዝብል ባህጊ ክኸውን ኣለዎ።—ቈሎሴ 3:23, 24
24. እንታይ ካብ የሱስ እተማሃርናዮ ትምህርቲ ኢና ፈጺምና ክንርስዖ ዘይብልና፧
24 ስለዚ እምበኣር: ሚዛናዊ ዓለማዊ ትምህርቲ ንኽንረክብ ኣብ እንገብሮ ጻዕርታት ህርኩታት ንኹን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበር የሆዋ ዝዳሎ ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ቀጻሊ ፕሮግራም መሊእና ንጠቐመሉ። ነቲ ካብ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዝበለጸ እተማህረ ሰብ: እተማሃርናዮ ጠቓሚ ትምህርቲ ፈጺምና ኣይንረስዓዮ—ትምህርቲ ገዛእ ርእስና ንምኽባር ዘይኰነስ: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መምህር: የሆዋ ኣምላኽ: ውዳሰ ንምምጻእ ክጠቅም ኣለዎ!
መልስኻ እንታይ ኢዩ፧
◻ የሱስ ንትምህርቱ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧
◻ ጽቡቕ ገይርካ ንኸተንብብ ምምሃር ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ናይ ምጽሓፍ ክእለትና ንየሆዋ ውዳሴ ንኸምጽእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
◻ መለኮታዊ ትምህርቲ ብኽልቲኡ ማለት ብስነ-ምግባርን ብመንፈሳውን ንኽንዓቢ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሚዛናዊ ትምህርቲ ከመይ ዝበለ ተግባራዊ ልምምድ ኢዩ ከጠቓልል ዘለዎ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
ንምሁራት ዝኸውን ተግባራዊ ሓገዝ
ኣብቲ ኣብ 1995/96 እተገብረ “ሕጕሳት ወደስቲ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ “ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ትምህርትን ” ዘርእስታ ሓዳስ ብሮሹር ኣውጺኣ ኢያ። እዛ 32 ገጽ ዘለዋ ሕብራዊት ብሮሹር ብፍላይ ንምሁራት ተባሂላ ኢያ ተሓቲማ። ድሮ ድማ ናብ 58 ቋንቋታት ተተርጒማ ኣላ።
ንምሁራት ዝኸውን ብሮሹር ስለምንታይ ኣድለየ፧ ንእምነት ናይቶም ውሉዳት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ተማሃሮ ብዝበለጸ ንኽርድኡ ምእንቲ ክትሕግዞም ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ናይታ ብሮሹር ትሕዝቶ እንታይ ኢዩ፧ ንጹርን ኣወንታውን ብዝዀነ ኣገባብ: ኣብ ከም እኒ ተወሳኺ ትምህርቲ: መዓልቲ ልደት ምኽባር: ልደት: ከምኡውን ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ: ዝኣመሰለ ጕዳያት ዘሎና ኣረኣእያ ኢያ እትገልጽ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ደቅና ካብ ትምህርቶም ክጥቀሙ ከም እንደልን: ኣብ ናይ ውሉዳትና ትምህርቲ ንጡፍ ዝዀነ ተገዳስነት ብምርኣይ ምስ ምሁራት ብቕንዕና ክንተሓባበር ከም እንደልን እውን ንምሁራት ኣጸቢቓ ተረጋግጸሎም ኢያ።
እዛ ትምህርቲ እትበሃል ብሮሹር ብኸመይ ክትጠቅም ምኸኣለት፧ ንምሁራት ተባሂላ ስለ እተዳለወት: ምስ መምህራን: ርእሰ-ምምህራን: ከምኡውን ካልኦት ናይ ቤት ትምህርቲ ሓለፍቲ ኴንና ንርኣያ። እዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ ኵሎም ምሁራት ንኣረኣእያታትናን እምነትናን ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ፍሉያት ክንከውን ስለምንታይ ከም እንመርጽ ንኽርድኡልና እትሕግዞም ይግበራ። ወለዲ ምስ ናይ ውሉዳቶም መምህራን ብሕታዊ ምይይጥ ክገብሩ ኸለዉ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ከም መሰረት ክጥቀሙላ ይተባብዑ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ትምህርቲ ዝለዓለ ግምት ይወሃቦ ነበረ