-
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”
1, 2. (ሀ) እቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ እተላእኩ ገላዉ ጥራይ ኢዶም እተመልሱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሱስ ሓለፍ ዝበለ መምህር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
እቶም ፈሪሳውያን ብቝጥዓ ተመሊኦም ነበሩ። የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ኣቦኡ ይምህር ነበረ። እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ነበሮም፣ ብዙሓት ኣብ የሱስ ኪኣምኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ኪሕዝዎ ደለዩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ቍጥዓኦም ኪቈጻጸሩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። እቶም ገላዉ ግና ጥራይ ኢዶም ተመልሱ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን “ስለምንታይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” ኢሎም ሓተትዎም። እቶም ገላዉ ኸኣ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ኢሎም መለሱ። ትምህርትታት የሱስ ኣመና ስለ ዝመሰጦም፡ ኪሕዝዎ ኣይከኣሉን።a—ዮሃንስ 7:45, 46።
-
-
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
a እቶም ገላዉ ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኰይኖም ነቲ ዋዕላ ኣይሁድ ዜገልግሉ እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።
-