እተዳሎኻ ኹን
“ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።”—ማቴ. 24:44።
1, 2. (ሀ) ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነግረሉ ፍጻመታት እዩ ምስ መጥቃዕቲ ቴግሪ ኺመሳሰል ዚኽእል፧ (ለ) እቲ ዚመጽእ መጥቃዕቲ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧
ሓደ ኣብ ሰርከስ ዚሰርሕ ውሩይ ሰብኣይ፡ ንብዙሕ ዓመታት ምስቶም ካብ በንጋል ዘምጸኦም ቴግሪታት ኰይኑ ብዘይ ገለ ጕድኣት ንሰባት የዘናግዕ ነበረ። “ሓደ እንስሳ ኺኣምነካ ኸሎ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ህያብ እተወሃብካ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ” ኸኣ በለ። ብ3 ጥቅምቲ 2003 ግን፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ምትእምማን ኣብቅዐ። ሓደ ኻብቶም እንስሳታት ዝዀነ 172 ኪሎ ግራም ዚምዘን ጻዕዳ ቴግሪ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ነቲ ሰብኣይ ኣጥቅዖ። እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበታዊ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እቲ ኣሰልጣኒ እውን ኣይተዳለወን ነይሩ።
2 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ “ኣራዊት” ብዛዕባ ዚፍንዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 17:15-18 ኣንብብ።) እቲ “ኣራዊት” መን እዩ፧ ንመንከ እዩ ዜጥቅዕ፧ እቲ ኣራዊት ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንዅለን መንግስትታት ዓለምን እዩ ዜመልክት። ነታ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እትውክል ዓባይ ባቢሎን ከኣ ኬጥቅዓን ኬጥፍኣን እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ኣራዊትን ኣብ መንጎ ዓባይ ባቢሎንን ከም ዕርክነት ዝኣመሰለ ርክብ ስለ ዘሎ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ንብዙሓት ዜሰምብድ ኪኸውን እዩ። እቲ ኣራዊትን ዓባይ ባቢሎንን ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እዮም። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ግን መዓስ እዩ ዚፍኖ፧ ነታ መዓልቲ ዀነ ነታ ሰዓት ኣይንፈልጣን ኢና። (ማቴ. 24:36) ኰይኑ ግን፡ ብዘይሓሰብናያ ግዜ ኸም እትመጽእ፡ ተሪፉ ዘሎ ዘመን ድማ ሓጺር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 24:44፣ 1 ቈረ. 7:29) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዚጅምረሉን ክርስቶስ ፈጻሚ ፍርዲ ዀይኑ ኣብ ዚመጽኣሉን እዋን ምእንቲ ኽንድሕን፡ ብመንፈስ እተዳሎና ዄንና ኽንጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። (ሉቃ. 21:28) ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል፡ ካብቶም እተዳለዉ ብምንባሮም መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ብዓይኖም ዝረኣዩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክንመሃር ንኽእል ኢና። እሞኸ ነዚ ናይ ሓቂ ተመክሮታት ከነቕልበሉ ዲና፧
ከም ኖህ እተዳሎኻ ኹን
3. ኖህ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞ ነይሩ፧
3 ብዘመን ኖህ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ዅነታት ዜስካሕክሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ኖህ ግን መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ንኺርኢ እተዳለወ ነበረ። ዓለወኛታት መላእኽቲ ስጋ ሰብ ለቢሶም ምስ ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ኺነብሩ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ኖህ እንታይ ዓይነት ጸገማት ከም ዘሕለፈ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ዘይባህርያዊ ጥምረት፡ “ንጉዓት” ዝዀኑ ልዕለ-ሰብኣውያን ውሉዳት ኣፍረየ፣ ንሳቶም ከኣ ንሓይሎም ንኻልኦት ንምድንዳን ይጥቀሙሉ ነበሩ። (ዘፍ. 6:4) እቶም ንጉዓት ሰባት ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ዕግርግር ይፈጥሩ ብምንባሮም፡ ዓመጽ ክሳዕ ክንደይ ተጐሃሂሩ ኸም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ እከይ ኣስፋሕፍሐ፣ ኣተሓሳስባን ጠባይን ሰባት ድማ ተበላሸወ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ነታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ዜጥፍኣሉ ግዜ መደበ።—ዘፍጥረት 6:3, 5, 11, 12 ኣንብብ።a
4, 5. ሎሚ ዘሎ ዅነታት ምስቲ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ዅነታት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
4 የሱስ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ምስቲ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ዅነታት ከም ዚመሳሰል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:37) ንኣብነት፡ ኣብዚ ግዜና፡ እኩያት መናፍስቲ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዶም ኬእትዉ ንርኢ ኣለና። (ራእ. 12:7-9, 12) እዞም ኣጋንንቲ እዚኣቶም፡ እቶም ብዘመን ኖህ ስጋ ለቢሶም ዝነበሩ መላእኽቲ እዮም። ዳግማይ ስጋ ሰብ ከይለብሱ እኳ እንተ ተኸልከሉ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን ኪቈጻጸርዎም ይጽዕሩ እዮም። በቲ እቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ዘለዉ ሰባት ዚገብርዎ እኩይን ሕሱርን ተግባር ከኣ ባህ እዩ ዚብሎም።—ኤፌ. 6:11, 12።
5 ቃል ኣምላኽ ንድያብሎስ ከም “ቀታል ነፍሲ”ን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ” ኸም ዝሓዘን ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ዮሃ. 8:44፣ እብ. 2:14) ብቐጥታ ሞት ኬምጽእ ዘለዎ ሓይሊ ድሩት እዩ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ሕሱም መንፈስ እዚ፡ የታልልን ይሓባብልን እዩ። ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰባት ናይ ቅትለት መንፈስ ይዘርእ እዩ። ንኣብነት፡ ካብቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚውለዱ 142 ሕጻናት፡ እቲ 1 ይቕተል እዩ። የሆዋ ነቲ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ዓመጽ ካብ ኣስተብሃለሉ፡ ነዚ ሎሚ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓመጽከ ኣየስተብህለሉንዶ፧ ስጕምቲኸ ኣይወስድንዶ፧
6, 7. ኖህን ስድራ ቤቱን፡ እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
6 ጸኒሑ፡ ኣምላኽ ንኖህ፡ ናብ ምድሪ ማይ ኣይሂ ኸም ዜምጽእን ንዅሉ ስጋ ኸም ዜጥፍኦን ነገሮ። (ዘፍ. 6:13, 17) ከም ዓብዪ ሳጹን ዝቕርጻ መርከብ ኪሰርሕ ድማ ኣዘዞ። ድሕርዚ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ስራሕ ጀመሩ። እዙዛትን ንፍርዲ ኣምላኽ እተዳለዉን ኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
7 ኖህን ስድራ ቤቱን፡ ድልድልቲ እምነትን ፍርሃት ኣምላኽን ስለ ዝነበሮም፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞም ገበሩ። (ዘፍ. 6:22፣ እብ. 11:7) ኖህ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ ብመንፈስ ንቑሕ ነበረ፣ ካብ ብልሽውና እታ ጥንታዊት ዓለም ድማ ረሓቐ። (ዘፍ. 6:9) ስድራ ቤቱ ኻብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ዓመጽን ዕልወትን ኪርሕቁ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነበረ። ንሳቶም ድማ እምብዛ ብማሕበራዊ ህይወት ከይተሓዙ ኺጥንቀቑ ነበሮም። ኣምላኽ ኪዓይዎ ዚግባእ ዕዮ ስለ ዝሃቦም፡ ኵላቶም ኣብቲ ዕዮ እቲ ምሉእ ብምሉእ ኪካፈሉ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 6:14, 18 ኣንብብ።
ኖህን ስድራ ቤቱን እተዳለዉ ነበሩ
8. ስድራ ቤት ኖህ ንኣምላኽ ውፉያት ከም ዝነበሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
8 ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዝዀነ ኖህ ዜተኵር እኳ እንተ ዀነ፡ ሰበይቱን ደቁን ኣንስቲ ደቁን እውን ኣምለኽቲ የሆዋ እዮም ነይሮም። ነብዪ ህዝቅኤል ነዚ የረጋግጸልና እዩ። ኖህ ብግዜ ህዝቅኤል እንተ ዚነብር ነይሩ፡ ደቁ ብጽድቂ ኣቦኦም ከም ዘይድሕኑ፡ እቲ ነብዪ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ንኺእዘዙ ወይ ንኸይእዘዙ ኺውስኑ ዚኽእሉ በጽሕታት እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ንኣምላኽን ንመገድታቱን ከም ዜፍቅሩ ብብሕቶም ኣርእዮም ነይሮም እዮም። (ህዝ. 14:19, 20) ስድራ ቤት ኖህ ነቲ ንሱ ዝሃቦም መምርሒ ተቐበሉ፣ ከም ናቱ ዓይነት እምነት ነበረቶም፣ ብኻልኦት ተጸልዮም ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ኺተሓናዀሉ ድማ ኣይፈቐዱን።
9. ኣብዚ ግዜና ኸም ናይ ኖህ ዓይነት እምነት ዘላቶም ሰባት መን እዮም፧
9 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ንኖህ ንኺመስልዎ ዚከኣሎም ዚገብሩ ርእስታት ስድራ ቤት ከም ዘለዉ ምፍላጥና የተባብዓና እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ትምህርትን ጥራይ ኣኻሊ ኸም ዘይኰነ ይግንዘቡ እዮም። ንስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ዘበለ እውን ኬማልኡሎም ኣለዎም። ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ነቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚወስዶ ስጕምቲ እተዳለዉ ይዀኑ።
10, 11. (ሀ) ኖህን ስድራ ቤቱን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ከለዉ፡ እንታይ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧
10 ኖህን ሰበይቱን ደቁን ኣንስቲ ደቁን ነታ መርከብ ንምስራሕ ኣስታት 50 ዓመት ወሲዱሎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነታ መርከብ ንምህናጽ፡ ብዙሕ ሳዕ ይመላለሱ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ነታ መርከብ ብቕጥራን ለቕሊቖምዋ፡ ምግቢ ኸዚኖምላ፡ እንስሳታት ከኣ ኣእትዮምላ እዮም። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ መጸት። ብዓመተ 2370 ቅ.ክ. ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሸውዓተ መዓልቲ፡ እታ ስድራ ቤት ናብታ መርከብ ኣተወት። የሆዋ ንማዕጾ እታ መርከብ ምስ ዓጸዎ ኸኣ፡ ኪዘንም ጀመረ። እቲ ዝናም እቲ፡ ተራ ዝናም ኣይነበረን። ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ወይ መሳዅቲ ሰማይ ምስ ተኸፍተ ዝወረደ ማይ ኣይሂ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 7:11, 16) ኣብ ወጻኢ እታ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ግን ደሓኑ። ስድራ ቤት ኖህ እንታይ ኰን ተሰሚዕዎም ይኸውን፧ ንኣምላኽ ከም ዘመስገንዎ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘እንቋዕ እባ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለስናን እተዳሎና ዀንናን!’ ኢሎም ከም ዝሓሰቡ እውን ኣየጠራጥርን እዩ። (ዘፍ. 6:9) ንስኻኸ ኻብ ኣርማጌዶን ድሒንካ ኸምኡ ዓይነት ስምዒት ኪስምዓካ ኸሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧
11 ነቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንስርዓት ሰይጣን ከም ዜጥፍኦ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። ንርእስኻ፡ ‘ኵሉ መብጽዓታት ኣምላኽ ከይተፈጸመ ኸም ዘይተርፍን ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኸም ዚፍጸምን ምሉእ ብምሉእ እተኣማመን ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። ትተኣማመን እንተ ዄንካ፡ ነታ እትቐርብ ዘላ “መዓልቲ ኣምላኽ” ኣቕሪብካ ብምርኣይ እተዳሎኻ ኹን።—2 ጴጥ. 3:12።
ሙሴ ንቑሕ ነበረ
12. ሙሴ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸየተኵር ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ዝነበረ እንታይ እዩ፧
12 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ብስጋዊ ኣረኣእያ ኺርአ ኸሎ፡ ሙሴ ኣብ ግብጺ ብዙሕ ረብሓ ዚርከበሉ ምርኡይ ቦታ እዩ ነይርዎ። ጓል ፈርኦን ከም ወዳ ገይራ ስለ ዘዕበየቶ፡ ዓብዪ ዝናን ብሉጽ ክዳውንትን ምሹእ መንበርን ነበሮ፡ ጽቡቕ ምግቢ ኸኣ ይምገብ ነበረ። ሰፊሕ ትምህርቲ እውን ተዋሂብዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:20-22 ኣንብብ።) ዓብዪ ርስቲ ኺረኽበሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ እውን ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
13. ሙሴ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ኬተኵር ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
13 እቲ ሙሴ ብቝልዕነቱ ኻብ ወለዱ ዝረኸቦ ስልጠና፡ እቲ ግብጻውያን ዚስዕብዎ ኣምልኾ ጣኦት ከንቱ ምዃኑ ንኼስተውዕል ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 32:8) ስርዓተ-ትምህርቲ ግብጺ ዀነ ስጋዊ ብልጽግና ንጉሳውያን ቤተሰብ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚሓድግ ኣይገበሮን። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣቦታቱ ዝኣተዎ መብጽዓታት የስተንትን ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር እተዳለወ ንኪኸውን ሓያል ባህጊ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ ንደቂ እስራኤል፡ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለአኸኒ” ኢልዎም እዩ።—ዘጸኣት 3:15-17 ኣንብብ።
14. እምነትን ትብዓትን ሙሴ እተፈተነ ብኸመይ እዩ፧
14 ሙሴ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ከም ኵሎም እቶም ህይወት ንዘይብሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ዚውክሉ ጣኦታት ዘይኰነስ፡ ከም ህያው ገይሩ እዩ ርእይዎ። “ነቲ ዘይርኤስ” ከም ዚርእዮ ዀይኑ ይነብር ነበረ። ህዝቢ ኣምላኽ ሓራ ኸም ዚወጹ እምነት እኳ እንተ ነበሮ፡ እዚ መዓስ ከም ዚፍጸም ግን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። (እብ. 11:24, 25, 27) ንሓደ ዚህሰ ዝነበረ እስራኤላዊ ባርያ ኺከላኸለሉ ምስ ፈተነ፡ እብራውያን ሓራ ኺወጹ ኸም ዚደሊ ኣርኣየ። (ዘጸ. 2:11, 12) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ስለ ዘይኣኸለ፡ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ኸም ጓና ዀይኑ ኪቕመጥ ተገደደ። ነቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ግብጺ ዝነበረ ምሹእ ናብራ ሓዲጉ ኣብ በረኻ ኺነብር ከቢድዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዚህቦ መምርሒ ብንቕሓት ይከታተሎ ስለ ዝነበረ፡ እተዳለወ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ሚድያን 40 ዓመት ምስ ኣሕለፈ፡ ንኣሕዋቱ ሓራ ንምውጻእ፡ ኣምላኽ ኪጥቀመሉ ኸኣለ። ካብ ኣምላኽ መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ ብተኣዛዝነት ናብ ግብጺ ኸደ። መለኮታዊ መምርሒ ዚፍጽመሉን ንዕዮ ኣምላኽ ብመገዲ ኣምላኽ ዚዓየሉን ግዜ ኣኺሉ ነበረ። (ዘጸ. 3:2, 7, 8, 10) እቲ ‘ኻብ ኵሉ ሰብ ዓቃል’ ዝነበረ ሙሴ ናብ ግብጺ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንኪቐርብ፡ እምነትን ትብዓትን የድልዮ ነበረ። (ዘሁ. 12:3) ክንደይ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኪቐርብ ከም ዘለዎ ኸይፈለጠ፡ እቲ መዓት በብዝወረደሉ እዋን ደጋጊሙ እዩ ዚኸይድ ነይሩ።
15. ሙሴ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ንኬኽብር ዜኽእሎ ኣጋጣሚታት ብንቕሓት ንኺከታተል እንታይ እዩ ደሪኽዎ፧
15 ሙሴ ንልዕሊ 40 ዓመት ዚኣክል፡ ማለት ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ 1473 ቅ.ክ.፡ ዜጕሂ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንየሆዋ ዜኽብረሉ ኣጋጣሚታት ብንቕሓት ይከታተል ነበረ፣ ንእስራኤላውያን ብጾቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ ብምሉእ ልቢ የተባብዖም ነበረ። (ዘዳ. 31:1-8) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ካብ ስሙ ንላዕሊ ስምን ልዑላውነትን የሆዋ እዩ ዜፍቅር ነይሩ። (ዘጸ. 32:10-13፣ ዘሁ. 14:11-16) ንሕና እውን ዜጕሂ ነገራት ወይ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ መገድታት ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መገዲ ንላዕሊ መገዲ ጥበብን ጽድቅን ከም ዝዀነ ብምትእምማን፡ ንግዝኣት ኣምላኽ ክንድግፍ ይግብኣና። (ኢሳ. 55:8-11፣ ኤር. 10:23) ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧
ንቑሕ ኩን!
16, 17. ማርቆስ 13:35-37 ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧
16 “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።” (ማር. 13:33) የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝሃበ፡ ብዛዕባ እቲ ንመደምደምታ እዚ እኩይ ስርዓት ዚሕብር ትእምርቲ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን እዩ ነይሩ። ማርቆስ ነቲ የሱስ ንትንቢቱ ኺዛዝም ከሎ እተዛረቦ ቓላት ከምዚ ብምባል መዝጊብዎ ኣሎ፦ “እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ።”—ማር. 13:35-37።
17 እቲ የሱስ ዝሃቦ ማዕዳ ዜመራምር እዩ። የሱስ፡ ኣርባዕተ ሓለዋ ለይቲ እዩ ጠቒሱ። እታ ናይ መወዳእታ ሓለዋ ለይቲ፡ ካብ ሰዓት ሰለስተ ጀሚራ ኽሳዕ ጸሓይ እትበርቕ ስለ እትቕጽል፡ ነቒሕካ ንኽትጸንሕ እተጸግም እያ። ስልትታት ውግእ ዜውጽኡ ሰባት፡ እዛ ቐቅድሚ ወጋሕታ ዘላ ሓለዋ ለይቲ፡ ጸላኢ “ደቂሱ” ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ንምፍናው እትምረጽ ግዜ ኸም ዝዀነት እዮም ዚገልጹ። ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብዚ ብመንፈሳዊ መዳይ ዓለም ዓሚቝ ድቃስ ደቂሳትሉ ዘላ እዋን፡ ንቑሓት ኴንና ንምጽናሕ ዝያዳ ኽንቃለስ ኬድልየና እዩ። ነቲ ብትንቢት እተነግረ መወዳእታን ንድሕነትናን ‘ነቒሕናን ተጠንቂቕናን’ ክንጸንሕ ዜድሊ ምዃኑስ የጠራጥረና ድዩ፧
18. ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እንታይ ክቡር መሰል እዩ ዘሎና፧
18 እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ እንስሳታት ዜሰልጥን ሰብኣይ፡ በቲ ኻብ በንጋል ዘምጸኦ ቴግሪ እኳ እንተ ተጠቕዐ፡ ኣይሞተን። ኰይኑ ግን፡ ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኰነ እቲ ዝተረፈ ኽፋል እዚ እኩይ ስርዓት ካብ ጥፍኣት ፈጺሙ ኣይኬምልጥን እዩ። (ራእ. 18:4-8) እምበኣር፡ ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ብዘየገድስ፡ ኵልና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ኖህን ስድራ ቤቱን ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎና ንኽንከውን ዝከኣለና ዘበለ ንኽንገብር ንጽዓር። መምህራን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን እቶም ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑን እቶም ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኺፈልጥ ከም ዘይክእል ዚኣምኑን፡ ንፈጣሪ ብዘረባኦም እናኣላገጹ ኣብ ዚቕመጡላ ንኣምላኽ እተሕስር ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ኰይኑ ግን በዚ ኽንጽሎ የብልናን። ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ኣብነታት ነቕልበሎም፣ ነቲ “ኣምላኽ ኣማልኽቲ” “እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ንኽንጣበቐሉን ንኸነኽብሮን ዚሕግዝና ኣጋጣሚታት ንኽንረክብ ድማ ብንቕሓት ንከታተል።—ዘዳ. 10:17።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 6:3 ተጠቒሱ ዘሎ “ሚእትን ዕስራን ዓመት” ብዚምልከት፡ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2010 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
• ኖህ ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቱ ቐዳምነት ኪህብ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧
• ግዜና ምስ ዘመን ኖህ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
• ሙሴ ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘተኰረ ስለምንታይ እዩ፧
• ብመንፈስ ንቑሕ ንኽትከውን እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት እዩ ዚድርኸካ፧
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኖህን ስድራ ቤቱን ኣብ ዕዮ የሆዋ ኣተኰሩ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ርጉጽ መብጽዓታት ኣምላኽ ንሙሴ ንቑሕ ኪኸውን ሓገዞ