-
ኣልኣዛር ተንስአየሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
-
-
ቀያፋ ኣብቲ ዋዕላ ጽልዋ ብምሕዳሩ፡ ንየሱስ ኪቐትሉ ውዲት ኣለሙ። እቲ ኣባል እቲ ዋዕላን ብዛዕባ የሱስ ዚግደስን ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ እዚ ውዲት እዚ ንየሱስ ነጊርዎ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ብኡብኡ ኻብ ከባቢ የሩሳሌም ረሓቐ፣ በዚ ኸምዚ እውን ቅድሚ እታ ኣምላኽ ዝመደባ ግዜ ኸይመውት ኣምለጠ።
-
-
ዓሰርተ ድዉያት እኳ እንተ ሓወዩ፡ ሓደ ጥራይ ኣመስገነየሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
-
-
የሱስ ካብቲ እቲ ዋዕላ ንምቕታሉ ዝገበሮ ውዲት ንምምላጥ፡ ናብታ ብሰሜናዊ ምብራቕ የሩሳሌም እትርከብ ኤፍሬም እትብሃል ከተማ ኸደ። ካብ ጸላእቱ ርሒቑ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ጸንሐ። (ዮሃንስ 11:54) ይኹን እምበር፡ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ቀሪቡ ብምንባሩ፡ የሱስ ከም ብሓድሽ ኪጐዓዝ ነበሮ። ብሰማርያ ኣቢሉ ናብ ሰሜን ገጹ ተጓዒዙ ኸኣ ናብ ገሊላ ኸደ፣ ቅድሚ ሞቱ ድማ ናብቲ ቦታ እቲ ንመወዳእታ ግዜ እዩ ኸይዱ።
-