ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ነቲ ናይ የሱስ ናይ ስንብታ ቃላት ብምቕላብ
ኣብ ኒሳን 14: ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረት ምሸት: የሱስ ክርስቶስን እቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱን ኣብ ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ ላዕለዋይ ደርቢ ክፍሊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ሞቱ ከም ዝቐረበ ስለ እተረድአ “ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ” በሎም። (ዮሃንስ 13:33) ርግጽ ኢዩ: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ምስቶም ንየሱስ ክቐትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ንኽማሻጠር ድሮ ከይዱ ኢዩ ነይሩ።
ካብቶም ኣብታ ናይ ላዕለዋይ ደርቢ ክፍሊ ዝነበሩ ሰባት ከም የሱስ ገይሩ ህጹጽነት ናይቲ ኵነታት እተሰምዖ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ክሳቐ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። የሱስ በታ ምሸት እቲኣ ሃዋርያቱ ክሓድግዎ ምዃኖም እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:31፣ ዘካርያስ 13:7) እዛ ግዜ እዚኣ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ምስ ሃዋርያቱ ዝዛረበላ ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ብምንባራ: እተን ናይ ስንብታ ቃላቱ ኣብ ሓደ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ዘተኰራ ምንባረን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ብምዃን: ነቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ምስጋር ዝትክእ ሓድሽ በዓል ኣቘመ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ በዓል እዚ “መኣዲ [“ድራር:” ትሓዓ ] ጐይታ” ኢሉ ጸውዖ። (1 ቈረንቶስ 11:20) የሱስ ዘይበዅዐ ቅጫ ኣልዒሉ ጸለየ። ድሕርዚ ነቲ ቅጫ ቈራሪሱ ንሃዋርያቱ ሃቦም። “እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ” በሎም። ቀጺሉ ድማ ጽዋእ ወይኒ ኣልዒሉ ጸለየ: “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” ብምባል ንሃዋርያቱ ሃቦም።—ማቴዎስ 26:26-28
ናይዚ ፍጻመ እዚ ትርጕም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ: እቲ ቅጫ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋኡ ኢዩ ዘመልክት። (እብራውያን 7:26፣ 1 ጴጥሮስ 2:22, 24) እቲ ወይኒ ነቲ ሓጢኣት ዘተዓርቕ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ኢዩ ዘመልክት። እቲ መስዋእታዊ ደሙ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን እቶም ኣብ መወዳእታ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ 144,000 ደቅሰብን እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እውን ግቡእ መሰረት ዝህቦ ኢዩ። (እብራውያን 9:14፣ 12:22-24፣ ራእይ 14:1) የሱስ ንሃዋርያቱ ካብዚ መኣዲ እዚ ክበልዑ ዕድመ ከቕርበሎም ከሎ: ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስኡ ክሓብሩ ምዃኖም ኢዩ ዘመልክት ነይሩ።
የሱስ ነዚ ናይ መዘከርታ መኣዲ ዝምልከት “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። (ሉቃስ 22:19) እወ: ድራር ጐይታ ከምቲ በዓል ምስጋር ክበዓል ከሎ ዝግበር ዝነበረ: ዓመት ዓመት ዝዝከር ፍጻመ ክኸውን ነበሮ። በዓል ምስጋር: ናይቲ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ መዘከርታ ክኸውን ከሎ: ድራር ጐይታ ድማ ኣብ ሓደ ካብኡ ዝዓበየ ሓራ ምውጻእ—በጅነት ዘድልዮም ደቅሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ምውጻእ—ዘተኵር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:7፣ ኤፌሶን 1:7) ብተወሳኺ: እቶም ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ ሰባት ብዛዕባ እቲ ከም ነገስታትን ካህናትን መጠን ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንመጻኢ ዝህልዎም መሰል ኢዮም ዝዘኻኸሩ።—ራእይ 20:6
ናይ የሱስ ክርስቶስ ሞት ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ብሓቂ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ። እቶም የሱስ ንዝገበሮ ነገራት ዘማስዉሉ ሰባት ነቲ ንድራር ጐይታ ኣመልኪቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ይሕልዉ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብታ ኒሳን 14 እትውዕለላ መዓልቲ ናይ የሱስ ሞት ይዝክሩ ኢዮም። ኣብ 1996 እዛ መዓልቲ እዚኣ ሚያዝያ 2 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኢያ እትውዕል። ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መንግስቲ ኣዳራሽ ክትካፈል ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ።
“ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ”
የሱስ ድራር ጐይታ ኣብ ልዕሊ ምምስራቱ: ንሃዋርያቱ ዝኸውን ገለ ናይ ስንብታ ምኽሪ ሂቡ ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሽሕ’ኳ ጽቡቕ ዝዀነ ልምምድ ተዋሂብዎም እንተ ነበረ: ብዙሕ ዝማሃርዎ ነገራት ግን ነይርዎም ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ የሱስ: ብዛዕባኦም: ወይ ድማ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ዝነበሮ ዕላማ መሊኦም ኣይተረድእዎን ነይሮም። ይኹን እምበር: የሱስ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ሽዑ ክገልጸሎም ኢሉ ኣይፈተነን። (ዮሃንስ 14:26፣ 16:12, 13) ኣብ ክንድኡ: ብዛዕባ ሓደ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ኢዩ ተዛሪቡ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።” ወሲኹ ድማ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 13:34, 35
በየናይ መገዲ ኢዩ እዚ “ሓድሽ ትእዛዝ” ዝነበረ፧ ሕጊ ሙሴ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ይኹን እምበር: የሱስ ንሰዓብቱ ንክርስትያናት ብጾትካ ህይወትካ ክሳዕ ምሕላፍ እተብጽሕ: ርእሳ እትስውእ ዓይነት ፍቕሪ ከርእዩ ኢዩ ነጊርዎም። ልክዕ ኢዩ: እዚ ‘ናይ ፍቕሪ ሕጊ’ ኣብ ድሓን ዝዀነ ኵነታት እውን ይውዕል ኢዩ። ኣብ ኵሉ ኵነታት ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ንኻልኦት ብመንፈስ ይኹን ብኻልእ ነገራት ብምሕጋዝ ፍቕሪ ንምርኣይ ተበግሶ ይወስድ ኢዩ።—ገላትያ 6:10
ኣብዛ ናይ የሱስ ምድራዊ ህይወት ናይ መወዳእታ ዝዀነት ምሸት: የሱስ ኣብ ክንዲ ደቀ መዛሙርቱ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክጽሊ ፍቕሪ ኣለዓዒልዎ ኢዩ። ገለ ካብቲ ዝጸለዮ “ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም አለዉ: ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ: ነዞም ዝሀብካኒ: ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: ብስምካ ሐልዎም” ዝብል ነበረ። (ዮሃንስ 17:11) ኣብዚ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ ልመና: የሱስ ሰዓብቱ ፍቕራዊ ሓድነት ክህልዎም ከም ዝጸለየ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:20-23) ‘ከምቲ የሱስ ዘፍቀሮም: ነንሓድሕዶም ክፋቐሩ’ የድልዮም ነበረ።—ዮሃንስ 15:12
እቶም እሙናት ሃዋርያት ነቲ ናይ የሱስ ናይ ስንብታ ቃላት ኣቕሊቦምሉ ኢዮም። ንሕናውን ምስቲ ትእዛዛቱ ክንሰማማዕ ኣሎና። ኣብዘን ጽንኩራት “ዳሕሮት መዓልትታት” ኣብ መንጎ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ፍቕርን ሓድነትን ምህላው ካብ ናይ ቅድም ዝበለጸ ሎሚ ኣድላዪ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብርግጽ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ናይ የሱስ ትእዛዛት ይሕልዉ ሕውነታዊ ፍቕሪ ድማ የርእዩ ኢዮም። እዚ ነቲ ንድራር ጐይታ ምዝካር እተዋህበ ትእዛዝ ምሕላው ዘጠቓልል ኢዩ።