ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ
“ንሕናስ . . . ናይቲ ጐይታ [“የሆዋ: ” ትሓዓ ] ደኣ እምበር: ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ: ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት አሎና። ”—እብራውያን 8:1, 2
1. ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ደቅሰብ እንታይ ፍቕራዊ ምድላው ኢዩ ዝገበረሎም፧
የሆዋ ኣምላኽ ካብቲ ንሰባት ዘለዎ ዓቢ ፍቕሩ ተበጊሱ: ንሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ መስዋእቲ ኣዳለወ። (ዮሃንስ 1:29፣ 3:16) ናይቲ በዅሪ ወዱ ህይወት ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን እታ ኣይሁዳዊት ዝነበረት ድንግል ማርያም ከማሓላልፎ ኣድለዮ። መልኣኽ የሆዋ እቲ ቈልዓ “ቅዱስ: ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” ብምባል ንማርያም ኣብሪሁ ገሊጹላ ኢዩ። (ሉቃስ 1:34, 35) እቲ ንማርያም ተሓጽይዋ ዝነበረ ዮሴፍ እውን ብዛዕባ እቲ ትእምርታዊ ምጥናስ የሱስ ተነጊርዎ ኢዩ: እቲ ዝውለድ ድማ “ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም” ምዃኑ ፈሊጡ ነይሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 1:20, 21
2. የሱስ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ እንታይ ኢዩ ዝገበረ: ስለምንታይከ፧
2 የሱስ ምስ ዓበየ ነቲ ትእምርታዊ ምውላዱ ዝምልከት ገለ ሓቅታት ተረዲኡ ክኸውን ኣለዎ። ሰማያዊ ኣቦኡ ክገብሮ ዝደልዮ ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ ኣብ ምድሪ ከም ዘለዎ ፈሊጡ ኢዩ። ስለዚ ድማ የሱስ: ከም ወዲ 30 ዓመት ዝዀነ ምሉእ ሰብኣይ መጠን ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ንምጥማቕ ናብቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝዀነ ዮሃንስ ወረደ።—ማርቆስ 1:9፣ ሉቃስ 3:23
3. (ሀ) የሱስ “መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ንዅሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ ዝደልዩ እንታይ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈሎም፧
3 የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ይጽሊ ነበረ። (ሉቃስ 3:21) ብርግጽ ከምቲ ዳሕራይ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተጠቕሰ: ኣብ ህይወቱ ካብዛ ግዜ እዚኣ ጀሚሩ ነቲ ኣብ መዝሙር 40:6-8 ዘሎ ቃላት ፈጺምዎ ኢዩ:- “ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር: መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደሌኻን።” (እብራውያን 10:5) በዚ ኸምዚ ድማ የሱስ: ኣብቲ ናይ የሩሳሌም ቤተ-መቕደስ መስዋእቲ እንስሳታት ምስዋእ ክቕጽል ኣምላኽ ‘ከም ዘይደሊ’ ከም እተገንዘበ ኣርኣየ። ኣብ ክንድኡስ ንዕኡ ኣምላኽ ከም መስዋእቲ ንኽቐርብ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ህይወት ከም ዘዳለወሉ ተገንዘበ። እዚ ድማ ኣድላይነት ናይ ዝዀነ ይኹን ተወሳኺ መስዋእቲ እንስሳ ዘወግድ ኢዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ ክግዛእ ዘለዎ ልባዊ ድሌት ብምርኣይ: የሱስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “እንሆ: ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፤ ዎ ኣምላኽ: ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ አሎኹ።” (እብራውያን 10:7) የሱስ ንዅሎም እቶም ዳሕራይ ደቀ መዛሙርቱ ክዀኑ ዘለዎም ሰባት: ኣየ ከመይ ዝበለ ናይ ትብዓትን ሰስዐ ዘይብሉ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ናይ ምርኣይን ኣብነት ኰን ኢዩ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝገደፈ!—ማርቆስ 8:34
4. ኣምላኽ የሱስ ገዛእ ርእሱ ከቕርብ ከሎ ከም እተቐበሎ ብኸመይ ኣርኣየ፧
4 ኣምላኽከ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ናይ ጥምቀት ጸሎት ስምረቱ ገሊጽሉ ድዩ፧ እስከ ሓደ ካብቶም ሕሩያት ናይ የሱስ ሃዋርያት እቲ መልሲ ይንገረና:- “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።”—ማቴዎስ 3:16, 17፣ ሉቃስ 3:21, 22
5. ናይታ እትርአ ቤተ-መቕደስ መሰውኢ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
5 ኣምላኽ ነቲ የሱስ ንስጋኡ ከም መስዋእቲ ገይሩ ዘቕረቦ ምቕባሉ: ብመንፈሳዊ መገዲ ካብታ ኣብ ቤተ-መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ መሰውኢ ዝዓበየ ከም እተቐረበ ዘርኢ ኢዩ። እቲ እንስሳታት ከም መስዋእቲ ዝቐርብሉ ዝነበሩ ዝርአ መሰውኢ ናይቲ መንፈሳዊ መሰውኢ ጽላሎት ኢዩ: እዚ ድማ ብግዴኡ: ንሰብኣዊ ህይወት የሱስ ከም መስዋእቲ ከም እተቐበሎ ዘርኢ “ፍቓድ” ኣምላኽ ወይ ምድላው ኣምላኽ ኢዩ። (እብራውያን 10:10) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን [ወይ ቤተ-መቕደስ] ዜገልግሉ ኻብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና” ኢሉ ዝጸሓፈሎም። (እብራውያን 13:10) ብኻልእ ኣበሃህላ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብቲ ዝበዝሑ ኣይሁዳውያን ካህናት ዝነጸግዎ ዝበለጸ ሓጢኣት ዘተዓርቕ መስዋእቲ ይጥቀሙ ኢዮም ማለት ኢዩ።
6. (ሀ) ኣብቲ የሱስ እተጠመቐሉ ግዜ እንታይ ኢዩ ግልጺ ዝዀነ፧ (ለ) እቲ መሲህ: ወይ ክርስቶስ ዝብል መዓርግ እንታይ ማለት ኢዩ፧
6 ናይ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምቕባእ: ኣምላኽ ነቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዘገልግለሉ ናይ መንፈሳዊ ቤተ-መቕደሱ ምሉእ ምድላው ፈጺምዎ ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:38፣ እብራውያን 5:5) ወደ መዝሙር ሉቃስ ነዛ ኣገዳሲ ፍጻመ ዘለዋ ዓመት እዚኣ: “ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ” ከም ዝወዓለት ንኸመልክት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ኢዩ። (ሉቃስ 3:1-3) እዚኣ ካብታ ንጉስ ኣርታሕሽስታ መናድቕ የሩሳሌም እንደገና ክህነጽ ትእዛዝ ዘውጽኣላ ግዜ ጀሚሩ ልክዕ 69 ናይ ዓመታት ሰሙናት ወይ 483 ዓመታት እትውዕለላ ዕለት ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኢያ። (ነህምያ 2:1, 5-8) ብመሰረት እቲ ትንቢት “መሲህ: መስፍን” ኣብታ እተነግረት ዓመት ክቕልቀል ነበሮ። (ዳንኤል 9:25) ብዙሓት ኣይሁድ ብዛዕባ እዚ ብርግጽ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ሉቃስ ብዛዕባ ምቕልቃል ናይቲ መሲህ: ወይ ክርስቶስ ‘እቶም ህዝቢ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ’ ጸብጻብ ይህብ። እተን መሲሕ ወይ ክርስቶስ ዝብላ መዓርጋት ካብ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽን ቃላት ዝመጻ ኰይነን ምስቲ “ቕቡእ” ዝብል ሕደ ትርጕም ዘለወን ኢየን።—ሉቃስ 3:15
7. (ሀ) ኣምላኽ ነቶም “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” መዓስ ኢዩ ዝቐብኦም: እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ እንታይ ካልእ ኵነታት ኢዩ ዘጋጠሞ፧
7 በቲ የሱስ እተጠመቐሉ ግዜ: እቲ ኣብቲ ዝዓበየ ምድላው ናይ መንፈሳዊ ቤተ-መቕደስ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊ ቦታ ከም “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ” ኰይኑ ተቐብአ ወይ ተፈልየ። (ዳንኤል 9:24) እታ ‘ጐይታ [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ደኣ እምበር ሰብ ዘይተኸላ ድንኳን ሓቂ [ወይ: ቤተ-መቕደስ]’ ኣብ ህላወ መጺኣ ማለት ኢዩ። (እብራውያን 8:2) የሱስ ክርስቶስ ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን ብምጥማቑ እውን ከም መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ኰይኑ እንደገና ተወሊዱ ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 3:3 ኣረኣእዮ።) እዚ ማለት ድማ ኣምላኽ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ንወዱ ናብቲ “ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም” ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ብምዃን ኣብ የማን ኣቦኡ ዘገልግለሉ ናብ ሰማያዊ ህይወት መሊሱ ክጽውዖ ኢዩ።—እብራውያን 6:20፣ መዝሙር 110:1, 4
እታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን
8. ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋን ኣምላኽ እንታይ ካልእ ሓድሽ መዳያት ኢዩ ዝሓዘ፧
8 ኣብታ የሱስ እተጠመቐላ መዓልቲ: ሰማያዊ ዙፋን ኣምላኽ ሓድሽ መዳያት ሓዘ። እቲ ንናይ ዓለም ሓጢኣት ዘተዓርቕ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ ብምግሃዱ: ንቕድስና ኣምላኽ ምስ ናይ ሰባት ሓጢኣት ክወዳደር ከሎ ዘጕልሕ ኢዩ። ቍጥዓኡ ንኸዝሕል ወይ ንኽዕረቕ ፍቓደኛ ምዃኑ ብምርኣዩ እውን ምሕረት ኣምላኽ ጐሊሑ ኢዩ። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዝፋን ኣምላኽ ከምቲ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ብምሳልያዊ መገዲ ሓጢኣት ዘተዓርቕ ደም እንስሳ ሒዙ ዝኣትዎ ዝነበረ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይታ ቤተ-መቕደስ ኰነ።
9. (ሀ) እቲ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ዝነበረ መጋረጃ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) የሱስ ክንዮ እቲ ናይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ መጋረጃ ክኣቱ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
9 እቲ ንቕድስቲ ካብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ዝፈሊ ዝነበረ መጋረጃ ድማ ንናይ የሱስ ስጋዊ ኣካል ዘመልክት ኢዩ። (እብራውያን 10:19, 20) እዚ ኸኣ ከም ሰብ መጠን ኣብ ምድሪ ከሎ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ንኸይድይብ ከም ሓጹር ኰይንዎ ነይሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:50) ኣብቲ የሱስ ዝሞተሉ ግዜ “መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ክሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ።” (ማቴዎስ 27:51) እዚ: እቲ ንየሱስ ናብ ሰማይ ንኸይኣቱ ከልኪልዎ ዝነበረ ሓጹር ከም ዘልገሰ ዘመልክት ንጹር መግለጺ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ የሆዋ ኣምላኽ ግሩም ዝዀነ ትእምርቲ ገበረ። ንየሱስ ከም መዋቲ ስጋን ደምን ገይሩ ዘይኰነስ ከም ግርማ ዘለዎ “ንዘለኣለም ዚነብር” መንፈሳዊ ፍጡር ገይሩ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። (እብራውያን 7:24) ኣርባዓ መዓልቲ ጸኒሑ: የሱስ ናብ ሰማይ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረኣየልና” ናብቲ ሓቀኛ “ናይ ቅዱሳን ቅዱስ:” ኣተወ።—እብራውያን 9:24
10. (ሀ) የሱስ ናይ መስዋእቱ ዋጋ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ምስ ኣቕረበ እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ምቕባእ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧
10 ኣምላኽ ንዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ሓጢኣት ዓለም ከም ዘተዓርቕ ገይሩዶ ተቐቢልዎ ኢዩ፧ ብርግጽ ተቐቢልዎ ኢዩ። ናይዚ መረጋገጺ የሱስ ምስ ተንስአ ድሕሪ 50 መዓልቲ ኣብ ናይ መዓልቲ ጴንጠቈስጠ በዓል ተራእዩ ኢዩ። ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ብሓባር ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1, 4, 33) ኣብ ትሕቲ ናይ ኣምላኽ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ‘መንፈሳዊ መስዋእቲ ዘቕርቡ ቅዱስ ክህነት’ ኰይኖም ንኸገልግሉ ልክዕ ከምቲ ሊቀ ኻህኖም የሱስ ክርስቶስ ተቐብኡ። (1 ጴጥሮስ 2:5) ብተወሳኺ እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ሓድሽ ህዝቢ: ናይ መንፈሳዊ እስራኤል: ናይ ኣምላኽ “ቅዱስ ህዝቢ” ኣቘሙ። ስለዚ ድማ: እቲ ከም እኒ ኣብ ኤርምያስ 31:31 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ “ሓድሽ ኪዳን” መብጽዓ ዝኣመሰለ ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ነገራት ዝንበ ትንቢታት ብምሉኡ ነቶም ብሓቂ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝዀኑ ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ጉባኤ ዝውዕል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:9፣ ገላትያ 6:16
ካልእ መዳያት ናይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ
11, 12. (ሀ) ኣብ የሱስ ክውዕል ከሎ: እቲ ናይ ክህነት ኣጸድ እንታይ ኢዩ ዘመልክት: ኣብቶም ቅቡኣት ሰዓብቱ ክውዕል ከሎኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) እቲ ናይ ማይ ገበራ እንታይ ኢዩ ዘመልክት: ብኸመይከ ኢዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም፧
11 ሽሕ’ኳ ቅድስተ ቅዱሳን ነቲ ኣምላኽ ነጊስሉ ዘሎ “ሰማይ” ዘመልክት እንተዀነ: ካልእ ኵሉ መዳያት ናይታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ዘመልክት ኢዩ። (እብራውያን 9:24) ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ-መቕደስ: ንመስዋእቲ ዝኸውን መሰውኢ ከምኡውን እቶም ካህናት ቅዱስ ኣገልግሎት ቅድሚ ምቕራቦም ንገዛእ ርእሶም ዘጽርይሉ ማይ ዝሓዘ ዓቢ ገበራ ዝነበሮ ውሽጣዊ ናይ ክህነት ኣጸድ ነይሩ ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ ምድላው ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
12 ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክውዕል ከሎ: እቲ ውሽጣዊ ናይ ክህነት ኣጸድ: ነቲ የሱስ ከም ፍጹም ወዲ ኣምላኽ መጠን ዝነበሮ ሓጢኣት ዘይብሉ ኵነታት ዘምልክት ኢዩ። ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ በቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘርኣይዎ እምነት ይጸድቁ። በዚ ኸኣ ኣምላኽ ልክዕ ሓጢኣት ከም ዘይነበሮም ገይሩ ብምርኣይ ምስኦም ክመላለስ ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 5:1፣ 8:1, 33) ስለዚ ድማ እዚ ኣጸድ እዚ ነቲ እቶም ናይ ቅዱስ ክህነት ኣባላት ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘስተማቕርዎ ጻድቕ ሰብኣዊ ኵነታት ክመስል ይኽእል ኢዩ። ምስናይዚ ግን: ቅቡኣት ክርስትያናት ጌና ዘይፍጹማትን ሓጢኣት ንምግባር እተቓልዑን ኢዮም። እቲ ኣብቲ ኣጸድ ዝነበረ ማይ ከኣ: እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ቅዱስ ክህነት ብቐጻሊ ንምጽራይ ዝጥቀመሉ ቃል ኣምላኽ ዘመልክት ኢዩ። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ነዚ ናይ ምጽራይ መስርሕ እዚ ብምግዛእ: ንኣምላኽ ዘኽብርን ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ድማ ናብቲ ጽሩይ ኣምልኾኡ ዝስሕብን ዕዙዝ ትርኢት ክሕዙ ክኢሎም ኢዮም።—ኤፌሶን 5:25, 26፣ ምስ ሚልክያስ 3:1-3 ኣረኣእዮ።
ቅድስቲ ክፍሊ
13, 14. (ሀ) ኣብ የሱስን ቅቡኣት ስዓብቱን ክውዕል ከሎ ናይታ ቤተ-መቕደስ ቅድስቲ ክፍሊ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) እቲ ወርቃዊ ቀዋሚ ቀንዴል እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
13 እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ናይታ ቤተ-መቕደስ ካብቲ ናይቲ ኣጸድ ልዕል ዝበለ ኵነታት ዘመልክት ኢዩ። ኣብቲ ፍጹም ሰብ የሱስ ክርስቶስ ክውዕል ከሎ ኸኣ: ነቲ ከም መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ መጠን ናብ ሰማያዊ ህይወት ክምለስ እተወሰነሉ ካልኣይ ምላዱ ዘመልክት ኢዩ። እዞም ቅቡኣት ሰዓብቲ እዚኣቶም እውን በቲ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ዘርኣይዎ እምነት መሰረት ጻድቃን ምስ ተባህሉ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ተግባር ኣብኦም ይርአ። (ሮሜ 8:14-17) ብ“ማይን [ጥምቀቶም ማለት ኢዩ] መንፈስን” ኣቢሎም ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ኰይኖም ‘ካብ ላዕሊ [“እንደገና: ትሓዓ ] ይውለዱ።’ በዚ ኸምዚ: ክሳዕ ሞት እሙናት ኰይኖም እንተድኣ ተረኺቦም ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ መጠን ናብ ሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:5, 7፣ ራእይ 2:10
14 እቶም ኣብቲ ቅዱስ ክፍሊ ናይታ ምድራዊት ቤተ-መቕደስ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት: በቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኣምለኽቲ ኣይረኣዩን ኢዮም ነይሮም። ብተመሳሳሊ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትውን እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ተስፋ ዘለዎም: ዝበዝሑ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘይካፈልዎ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዘይርድእዎ መንፈሳዊ ኵነታት የስተማቕሩ ኢዮም። እቲ ናይ ማሕደር ወርቃዊ ቀዋሚ ቀንዴል ነቲ ብሩህ ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዘመልክት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዘይቲ ነቲ ቀንዴል ዘብርሆ: ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮታትውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብርሃን የብርህ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ እቶም ክርስትያናት ዝረኽብዎ ምርዳእ ንበይኖም ሒዞምዎ ስቕ ኣይብሉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ነቲ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። . . . ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝበለ የሱስ ኢዮም ዝእዘዝዎ።—ማቴዎስ 5:14, 16
15. እቲ ኣብ ናይ እንጌራ ምርኣይ ሰደቓ ዝነበረ ቅጫ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
15 እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብዚ ብርሃን ዘለዎ ኵነታት ንኽጸንሑ በቲ ኣብቲ እንጌራ ምርኣይ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ሰደቓ ዘሎ ቅጫ ዝምሰል መግቢ ስርዓታውያን ኰይኖም ክምገቡ ይግባእ። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይ መንፈሳዊ መግቦም እቲ መዓልቲ መዓልቲ ከንብብዎን ብእኡ ከስተንትኑን ዝጽዕሩ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። የሱስ እውን በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ “መግቦም በብጊዜኡ” ከም ዝቕርበሎም ተመባጺዑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45: ትሓዓ) እዚ “ባርያ” እዚ: ነቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ግዜ ኣብ ምድሪ ዝነብር ምሉአ ኣካል ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ዘመልክት ኢዩ። ክርስቶስ ነዞም ናይ ቅቡኣት ሰባት ኣካል ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜታት ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሕቲሞም ንምውጻእን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ድማ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ኣብ ዕለታዊ ናብራ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ እዋናዊ ዝዀነ መምርሒ ንምሃብን ይጥቀመሎም ኣሎ። ስለዚ ድማ ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ኵሉ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ምድላዋት ብሞሳ ኢዮም ዝምገቡ። እንተዀነ ግን: መንፈሳዊ ህይወቶም ቀጻሊ ንኽገብርዎ: ፍልጠት ኣምላኽ ናብ ሓሳቦምን ኣልባቦምን ካብ ምእታው ንላዕሊ ዝሓቶም ኢዩ። የሱስ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) ብተመሳሳሊ: ቅቡኣት ክርስትያናትውን ነቲ እተገልጸ ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ኣብ ተግባር ብምውዓል ዕግበት የስተማቕሩ ኢዮም።
16. እቲ ኣብ ናይ ዕጣን መሰውኢ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
16 ሓደ ካህን ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ ክፍሊ ዝነበረ ናይ ዕጣን መሰውኢ ንግሆን ምሸትን ዕጣን ይገብር ነበረ። እቲ ካህን ክዓጥን ከሎ ድማ እቶም ክህነት ዘይብሎም ኣምለኽቲ ኣብቲ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ናይቲ መቕደሱ ኰይኖም ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ። (ሉቃስ 1:8-10) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ዕጣን:” “እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ” ብምባል ይገልጾ። (ራእይ 5:8) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዳዊት “ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን” ኢዩ ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 141:2) ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ብጸሎት ናብ የሆዋ ንምቕራብ ዘለዎም መሰል ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ካብ ልቢ ዝወጽእ ጸሎት ከም ጥዑም መኣዛ ዘለዎ ዕጣን ኢዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ከናፍሮም ንኻልኦት ንምምሃር ክጥቀምሉ ከለዉ እውን ንኣምላኽ ብኻልእ መገዲ ይውድስዎ ኢዮም። ኣብ ግዜ ጸገም ዘርእይዎ ምጽማምን ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኦም ምሕላውን ብፍላይ ንኣምላኽ ደስ ዘብሎ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:20, 21
17. እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ መጀመርያ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ምእታዉ ዝገልጽ ትንቢታዊ ስእሊ ኣብ ምፍጻሙ: እንታይ ዝጠቓለል ነገር ኣሎ፧
17 ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ: ጓህሪ ብዝሓዘ ወርቃዊ ጽንሃህ ገይሩ ዕጣን ይዓጥን። እዚ ድማ እቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ደም ቅድሚ ምምጽኡ ክግበር ነበሮ። ከም ፍጻሜ ናይዚ ትንቢታዊ ስእሊ እዚ: የሱስ ንሓጢኣትና ነባሪ መስዋእቲ ገይሩ ህይወቱ ቅድሚ ምሃቡ: ንየሆዋ ዝነበሮ ፍጹም ንጽህና ሓልዩ ኢዩ። ስለዚ ድማ ሓደ ፍጹም ሰብ ሰይጣን ኣብ ልዕሊኡ ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ የወርድ ብዘየገድስ ንኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ክሕሉ ከም ዝኽእል ኣርኣየ። (ምሳሌ 27:11) የሱስ ኣብ ፈተና ምስ ኣተወ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን . . . ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን” ጸሎት ተጠቒሙ ኢዩ። (እብራውያን 5:7) በዚ መገዲ እዚ ድማ ንየሆዋ: ከም ጻድቕን ዝግብኦን ሉዓላዊ ገዛኢ ናይ ኣድማስ ገይሩ ኣኽቢርዎ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ካብ ምዉታት ናብ ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ብምትንሳእ ንየሱስ ዓስቡ ሂብዎ ኢዩ። ኣብዚ ልዕል ዝበለ ቦታ ኰይኑ ኸኣ ነቲ ንዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ሰባት ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ካልኣይ ምኽንያት ኣቓልቦ ይገብር።—እብራውያን 4:14-16
ዝዓበየ ክብሪ ናይታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ
18. የሆዋ ነታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደሱ ብሉጽ ክብሪ ዘምጽኣላ ብኸመይ ኢዩ፧
18 የሆዋ “ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛረበ። (ሃጌ 2:9) የሆዋ ንየሱስ ከም ዘይሓልፍ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ገይሩ ካብ ምዉታት ስለ ዘተንስኦ ነታ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደሱ ልዑል ክብሪ ኣምጽኣላ። ሕጂ የሱስ “ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም” ኣብ ዝዀነሉ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። (እብራውያን 5:9) እቶም መጀመርያ ከምዚ ዝበለ ምእዛዝ ዘርኣዩ: እቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ብመንፈስ ቅዱስ እተቐበሉ 120 ደቀ መዛሙርቲ ኢዮም። መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እዞም መንፈሳውያን ደቂ እስራኤል ኣብ መወዳእታ 144,000 ከም ዝዀኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 7:4) ብዙሓት ካብኣቶም ምስ ሞቱ ክሳዕ እቲ የሱስ ብንጉሳዊ ሓይሉ ዝመጸሉ ግዜ እናተጸበዩ ኣብቲ ተራ መቓብር ደቅሰብ ደቂሶም ክጸንሑ ነበሮም። እቲ ኣብ ዳንኤል 4:10-17, 20-27 ዘሎ ትንቢታዊ መስርዕ ፍጻመታት ን1914 የሱስ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ክገዝእ ዝጀመረሉ ግዜ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝሕብር። (መዝሙር 110:2) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሞም ነዛ ዓመት እዚኣ ንቑሓት ኰይኖም ይጽበዩዋ ነይሮም ኢዮም። ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጸ ኣብ ደቅሰብ ዝወረደ ወዮታትን የሱስ ብርግጽ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ከም ዝነገሰ መረጋገጺ ዝህብ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8) ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ “ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝጅምረሉ:” ግዜ ምስ በጽሐ: የሱስ ነቶም ብሞት ደቂሶም ዝነበሩ ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ “ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ይፍጽሞ።—1 ጴጥሮስ 4:17፣ ዮሃንስ 14:3
19. እቶም ናይ 144,000 ተረፍ ናብታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ክኣትዉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
19 እቶም ኣባላት ናይ 144,000 ምሉእ ብምሉእ ኵሎም ኣይተሓትሙን: ናብ ሰማያዊ ቤቶምውን ኣይተኣከቡን። ካብኣቶም ተረፍ ጌና ኣብ ምድሪ ኣብታ ብመንፈሳዊ ኵነታት በታ ቅድስቲ ክፍሊ ተመሲላ ዘላ: ካብቲ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ህላወ ድማ ብ“መጋረጃ” ወይ ሓጹር ናይ ስጋዊ ኣካላቶም ተፈልያ ዘላ ይነብሩ ኣለዉ። እዚኣቶም ብተኣማንነት ክሞቱ ከለዉ ነቶም ድሮ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ክፍሊ 144,000 ንኽሓብርዎም ብቕጽበት ናብ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጥረት ይትንስኡ።—1 ቈረንቶስ 15:51-53
20. እቶም ተረፍ ናይ ቅዱስ ክህነት ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧
20 ብዙሓት ኻህናት ምስቲ ዓቢ ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ኣብ ሰማይ ብምግልጋሎም እታ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ተወሳኺ ክብሪ ትረክብ። ክሳዕ ሽዑ ግን: እቶም ናይ ቅዱስ ክህነት ኣባላት ኣብ ምድሪ ክቡር ዝዀነ ዕዮ ክዓዩ ይጸንሑ። ከምቲ ኣብ ሃጌ 2:7 ኣቐዲሙ ተነገሩ ዘሎ: ኣምላኽ በቲ ስብከቶም ገይሩ ከም መግለጺ ናይ ፍርዱ ‘ንዅሎም ኣህዛብ የነቓንቖም’ ኣሎ። ምስኡ ድማ ከም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ኰይኖም ተገሊጾም ዘለዉ ሚልዮናት ኣምለኽቲ: ናብቲ ምድራዊ ኣጸድ የሆዋ ይውሕዙ ኣለዉ። እዚኣቶም ምስቲ ኣምላኽ ንኣምልኾ ዘለዎ ስርዓት ዝሰማምዑ ብኸመይ ኢዮም: ነታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደሱ ዝምልከት እንታይ መጻኢ ክብሪኸ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧
◻ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ስርዓት ኢዩ ክዓዩ ዝጀመረ፧
◻ ቅድስቲ ክፍልን ቅድስተ ቅዱሳንን እንታይ ኢየን ዘመልክታ፧
◻ እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ብኸመይ ኢያ ዝኸበረት፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ.ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአ:ናይ ኣምላኽ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ ክትዓዪ ጀመረት