ምስቲ ልባዊ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዕካ ተመላለስ
“ኣቦ፡ . . . ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ።”—ዮሃ. 17:1።
1, 2. የሱስ ብ33 ድ.ክ. ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ፋስጋ ምስ ኣብዓለ፡ እንታይ ከም ዝገበረሎም ግለጽ።
እዋኑ፡ ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስን ብጾቱን ፋስጋ ኣብዒሎም ነበሩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ካብ ባርነት ግብጺ ብኸመይ ሓራ ኸም ዘውጽኦም ዜዘኻኽሮም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ብዝዓበየ ደረጃ፡ “ናይ ዘለኣለም ድሕነት” ኪረኽቡ ይጽበዩ ነበሩ። ንጽብሒቱ፡ እቲ ሓጢኣት ዘይነበሮ መራሒኦም ብጸላእቱ ምቕታሉ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ። ግናኸ፡ እዚ እኩይ ተግባር እዚ፡ ናብ በረኸት ምቕያሩ እውን ዘይተርፍ ነገር እዩ ነይሩ። ደም የሱስ፡ ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዚድሕኑሉ መሰረት ዜንብር እዩ ነይሩ።—እብ. 9:12-14።
2 ነዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኸይንርስዖ፡ የሱስ ንፋስጋ ዚትክእ ሓድሽ ዓመታዊ በዓል ሰርዐ። ሽዑ፡ ብዘይበዅዐ ብሒቝ እተሰንከተ ቕጫ ቘሪሱ፡ ነቶም 11 እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ሃቦም እሞ፡ “እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። ነታ ጽዋእ ወይኒ ኣልዒሉ እውን፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ” በሎም።—ሉቃ. 22:18-21።
3. (ሀ) እንታይ ደድሕሪ ሞት የሱስ እተፈጸመ ዓበይቲ ለውጥታት እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ ነይሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት የሱስ ክንምርምር ከለና፡ ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧
3 እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ብስጋ እስራኤላውያንን ዝነበረ ብሉይ ኪዳን ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ። እቲ ብሉይ ኪዳን በቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስን ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ምትክኡ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ። የሱስ ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ኣዝዩ ይግደስ ነበረ። ብስጋ እስራኤላውያን ብሃይማኖታውን ብማሕበራውን ኵነታት ተጐጃጂሎም ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ዓብዪ ጸርፊ ኣምጺኦምሉ እዮም።። (ዮሃ. 7:45-49፣ ግብ. 23:6-9) ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ንስም ኣምላኽ ምእንቲ ኬኽብሩ ብፍጹም ሓድነት ኪሰምሩ እዩ ዚምነ ነይሩ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣዝዩ ማራኺ ዝዀነ ጸሎት ኣቕረበ። ነዚ ጸሎት እዚ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኼንብቦ ኽቡር መሰል ተዋሂብዎ ኣሎ። (ዮሃ. 17:1-26፣ ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ ርአ።) ነዚ ጸሎት እዚ ኽንምርምር ከለና፡ ‘ኣምላኽ ንጸሎት የሱስ መልሲ ሂቡሉ ድዩ፧ ኣነኸ ምስ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዐ እመላለስዶ ኣለኹ’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።
የሱስ ቀዳምነት ዝሃቦ ነገራት
4, 5. (ሀ) ካብቲ የሱስ ኣብ መእተዊ ጸሎቱ ዝጠቐሶ ነገራት እንታይ ንመሃር፧ (ለ) የሆዋ ነቲ የሱስ ብዛዕባ መጻኢኡ ዘቕረቦ ልመና ብኸመይ መለሰሉ፧
4 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኽቡር ፍልጠት ኣምላኽ እናሃበ ኽሳዕ ለይቲ ኺዛረብ ኣምሰየ። ቀጺሉ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “ኣቦ፡ እታ ሰዓት ኣኺላ እያ፣ ወድኻ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ፣ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ስልጣን ዝሃብካዮ እውን፡ ንብምሉኦም እቶም ዝሃብካዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። . . . ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ ኣለኹ። ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ።”—ዮሃ. 17:1-5።
5 ነቲ የሱስ ኣብ መእተዊ ጸሎቱ ቐዳምነት ዝሃቦ ነገራት ኣስተብህለሉ። ቀንዲ ዘገደሶ ኽብሪ ሰማያዊ ኣቦኡ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምስቲ “ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ዚብል ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ንመርኣያ ዘቕረቦ ጸሎት ይሰማማዕ። (ሉቃ. 11:2) ንየሱስ ቀጺሉ ዘገደሶ ንደቀ መዛሙርቱ ዜድልዮም ነገር እዩ። ከመይሲ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም” ለሚኑ እዩ። ድሕሪኡ፡ “ኣቦ፡ ሕጂ ኸምቲ ዓለም ከይኰነት ምሳኻ ኸለኹ ዝነበረኒ ኽብሪ፡ ምሳኻ ጌርካ ኣኽብረኒ” ብምባል፡ ንብሕቱ ዚምልከት ልመና ኣቕረበ። የሆዋ ነቲ እሙን ወዱ፡ ካብቲ ዝለመኖ ነገራት ንላዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ማለት ካብ ናይ ኵሎም መላእኽቲ “ኣዝዩ ዚበልጽ ስም” ብምሃብ ንጸሎቱ መሊሱሉ እዩ።—እብ. 1:4።
‘ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምፍላጡ’
6. ሃዋርያት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ የደልዮም ነበረ፧ ከም እተዓወቱኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
6 ብዘይካዚ፡ የሱስ ንሕና ሓጥኣን ነቲ ጸጋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንበቅዕ ክንገብሮ ዚግባእ ነገር ኣመልኪቱ እውን ጸልዩ እዩ። (ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።) ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ክርስቶስን ብቐጻሊ ‘ኽንፈልጥ’ ከም ዚግባእ ገሊጹ ኣሎ። ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ኽንፍጽሞ እንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ወዱን ብዝያዳ ንኽንፈልጥ ንኣዒንትናን ንኣእዛንናን ንጠቐመሉ። ካልኣይ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ህይወትና ንዕየየሉ። ሃዋርያት ነዚ ኽልተ ነገራት እዚ ዓይዮምሉ እዮም፣ ከመይሲ፡ የሱስ ኣብቲ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሂበዮም እየ፡ ንሳቶም እውን ተቐቢሎምዎ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃ. 17:8) ይኹን እምበር፡ ሃዋርያት የሱስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኼስተንትኑሉን ኣብ ህይወቶም ኪዓይዩሉን የድልዮም ነበረ። እሞኸ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያት ነዚ ኽሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቶም ዓይዮምሉ ድዮም፧ እወ፡ ብርግጽ ዓይዮምሉ እዮም። ከመይሲ፡ ስም ነፍሲ ወከፎም ኣብቲ 12 እምኒ መሰረት ሰማያዊት ሓዳስ የሩሳሌም ብዘይሕከኽ መገዲ ተጻሒፉ እዩ።—ራእ. 21:14።
7. ንኣምላኽ ‘ምፍላጥ’ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
7 ብመሰረት ምሁራት ቋንቋ ግሪኽኛ፡ እታ “ኪፈልጡ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ “ብቐጻሊ ኺፈልጡ ይግባእ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ክልቲኡ ትርጕም ተደጋጊፉ ምሉእ ሓሳባት ዚህብ ብምዃኑ ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ “ኪፈልጡ” ኺብሃል ከሎ፡ ብዛዕባኡ ብቐጻሊ ዝያዳ ፍልጠት ኪቐስሙ ኸም ዘለዎም እዩ ዜምልክት። እዚ ግና፡ ብዛዕባ ባህርያቱን ዕላማኡን ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ይሓትት። ምስኡን ምስ ካልኦት ኣገልገልቱን ድልድልቲ ፍቕሪ ኽትህልወካ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ” ብምባል ይገልጽ። (1 ዮሃ. 4:8) በዚ መሰረት እዚ፡ ንኣምላኽ ምፍላጥ ኪብሃል ከሎ፡ ትእዛዛቱ ምሕላው እውን የጠቓልል እዩ። (1 ዮሃንስ 2:3-5 ኣንብብ።) ምስቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎ ሰባት ክትቍጸርሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እተራእየ፡ እዚ ኽቡር ርክብ እዚ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንኽንዕቅቦ ኣበርቲዕና ንጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ጸጋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።—ማቴ. 24:13።
‘ስለ ስምካ’
8, 9. የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብቐዳምነት ዜገድሶ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ነየናይ ሃይማኖታዊ ልምዲኸ እዩ ነጺግዎ ኪኸውን ዘለዎ፧
8 ነቲ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት የሱስ ከነንብቦ ኸለና፡ የሱስ ነቶም ሽዑ ምስኡ ዝነበሩ ሃዋርያቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት እውን ኣጸቢቑ ኸም ዘፍቀሮም ንጹር እዩ። (ዮሃ. 17:20) ምስናይዚ እውን የሱስ ብቐዳምነት ዘገደሶ ብዛዕባ ድሕነትና ኸም ዘይኰነ ኽንግንዘብ ኣሎና። ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ስም ኣቦኡ ኪቕደስን ኬኽብርን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝነበረ ምኵራብ ኰይኑ ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ መዝነት ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ካብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኢሳይያስ፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እዩ” ዚብል ክፋል ኣንበበ። ነዚ ኼንብቦ ኸሎ፡ ንስም ኣምላኽ ኣነጺሩ ኣድሚጽዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜተሓታትት ኣይኰነን።—ሉቃ. 4:16-21።
9 ካብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጽኣሉ እዋን ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብመሰረት ልምዶም፡ ንሰባት ስም ኣምላኽ ንኸይጥቀሙ ጸቕጢ ይገብሩሎም ነበሩ። የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምዲ ኣትሪሩ ኸም ዝነጸጎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንተጻረርቱ፡ “ኣነ ብስም ኣቦይ እየ መጺአ፡ ንስኻትኩም ግና ኣይተቐበልኩምንን፣ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ ዚመጽእ፡ ንዕኡ ምተቐበልኩምዎ ኔርኩም” በሎም። (ዮሃ. 5:43) ቀጺሉ እውን ካብታ ዝሞተላ መዓልቲ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ብምባል፡ ኣብ ህይወቱ ቐንዲ ዜገድሶ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 12:28) ኣብ ብምሉኡ እዚ እንመያየጠሉ ዘሎና ጸሎት ብቐዳምነት ዜገድሶ ዝነበረ ስም ኣቦኡ ምዃኑ እንተ ኣጕልሐ እምበኣር ኬገርመና የብሉን።
10, 11. (ሀ) የሱስ ስም ኣቦኡ ኸም ‘ዚገሃድ’ ወይ ከም ዚፍለጥ ምግባሩ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ነየናይ ሸቶ እዮም ኪዓይዩሉ ዚግባእ፧
10 የሱስ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፦ “ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ኣግሂደሎም ኣለኹ። ናትካ እዮም ነይሮም፡ ንዓይ ከኣ ሂብካኒ፡ ቃልካ እውን ሓልዮም እዮም። ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፣ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፣ ኣነ እውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ቅዱስ ኣቦ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም።”—ዮሃ. 17:6, 11።
11 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ስም ኣቦኡ ‘ኣግሂዱሎም’ እዩ። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ነቲ ስም እቲ ብቓሉ ኻብ ምድማጽ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ስም ኣምላኽ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዚሕዘሉ መገድን ከም ዚውክል ንኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። (ዘጸ. 34:5-7) ብዘይካዚ፡ ኣብ ሰማይ ክቡር ቦታ ምስ ሓዘ እውን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ስም የሆዋ ንኼፍልጡ ሓጊዝዎም እዩ። ሸቶኡኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፋኡ ዝያዳ ደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኺእከቡ እዩ። ሽዑ፡ የሆዋ ነቶም እሙናት መሰኻኽሩ ንምድሓን ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ፡ ኵሎም ህዝብታት ነቲ ኽቡር ስም የሆዋ ኺፈልጥዎ እዮም።—ህዝ. 36:23።
“በዚ ኸምዚ፡ ዓለም . . . ትኣምን”
12. ኣብቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ምእንቲ ኽንዕወት እንታይ ሰለስተ ነገራት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
12 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ ድኽመታቶም ኬሰንፉ ንኺሕግዞም ብዙሕ ጽዒሩ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ኺዛዝምዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ድኽመታቶም እንተ ኣሰኒፎም ጥራይ እዩ ነይሩ። የሱስ፡ “ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፡ ኣነ እውን ናብ ዓለም ልኢኸዮም እየ” ኢሉ ጸለየ። ኣስዒቡ እውን፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ንኺዕወቱ ዜኽእሎም ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ኣጕሊሑ ኣሎ። ቀዳማይ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብዛ ርኽስቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ንኸይኰኑ ጸለየ። ካልኣይ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቂ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪቕደሱ ጸለየ። ሳልሳይ፡ ከምቲ ንሱን ኣቦኡን ሓድነት ዘለዎም፡ ደቀ መዛሙርቱ እውን ምሳታቶም ሓድነት ኪህልዎም ብተደጋጋሚ ለመነ። እዚ ርእስና ኸም እንምርምር ይገብረና። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ምስቲ የሱስ ኣብ ጸሎቱ ዝጠቐሶ ሰለስተ ነገራት ተሰማሚዐዶ እመላለስ ኣለኹ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገራት እዚ እንተ ፈጺሞምዎ፡ “በዚ ኸምዚ፡ ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ትኣምን” ብምባል ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቱ ኸም ዚቕበልዎ ብምትእምማን ገሊጹ ኣሎ።—ዮሃንስ 17:15-21 ኣንብብ።
13. ጸሎት የሱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እተመለሰ ብኸመይ እዩ፧
13 ነታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት፡ ደድሕሪ እተን ኣርባዕተ ወንጌላት ከኣ እትስራዕ፡ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምስ እንምርምራ፡ ጸሎት የሱስ ከም እተመለሰ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ኣይሁድን ኣህዛብን፡ ሃብታማትን ድኻታትን፡ ባሮትን ጐይቶትን ይርከብዎም ነበሩ። ስለዚ፡ ኣብ መንጎኦም እንታይ ዓይነት ምክፍፋል ኪፍጠር ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕሰብ። ኰይኑ ግና፡ ስሙር ሓድነት ስለ ዝነበሮም፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ እተፈላለየ ኣካል ወዲ ሰብ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ርእሶም ከኣ የሱስ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። (ኤፌ. 4:15, 16) እዝስ፡ ኣብዛ እተኸፋፈለት ናይ ሰይጣን ዓለም ከመይ ዝበለ ተኣምራዊ ፍጻመ ዀን እዩ! በዚ ኺምስገን ዚግብኦ፡ እቲ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ነዚ ሓድነት እዚ ኸም ዚከኣል ዝገበረ የሆዋ እዩ።—1 ቈረ. 3:5-7።
14. ጸሎት የሱስ ኣብዚ ግዜና እተመለሰ ብኸመይ እዩ፧
14 እቲ ዜሕዝን ግና፡ እዚ ተኣምራዊ ሓድነት እዚ፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ኣይቀጸለን። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ እኳ ደኣ፡ ዓብዪ ኽሕደት ተቐልቀለ፡ ብሰንኩ ድማ እተፈላለየ ኣንቈራታት ህዝበ ክርስትያን መጻ። (ግብ. 20:29, 30) ብ1919 ግና፡ የሱስ ነቶም ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ተማሪኾም ዝነበሩ ቕቡኣት ሰዓብቱ ናጻ ኣውጺኡ፡ በታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ኣሕበሮም። (ቈሎ. 3:14) ዕዮ ስብከቶምከ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ” ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ምስ ቅቡኣት ኣምላኽ ናብ ሓደ ስሙር መጓሰ ተሳሒቦም ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 7:9) እወ፡ እቲ የሱስ፡ “ዓለም ከምቲ ንዓይ ዘፍቀርካኒ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካንን ከም ዘፍቀርካዮምን ምእንቲ ኽትፈልጥሲ” ብምባል ናብ የሆዋ ዘቕርቦ ጸሎት ብዜደንቕ መገዲ ተመሊሱ እዩ።—ዮሃ. 17:23።
ባህ ዜብል መደምደምታ
15. የሱስ ኣብ ክንዲ ዅሎም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ፍሉይ ጸሎት እዩ ኣቕሪቡ፧
15 የሱስ ብ14 ኒሳን፡ ምሸት፡ ንሃዋርያቱ ኽብሪ ሃቦም፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ንኺነግሱ ኪዳን ብምግባር እዩ። (ሉቃ. 22:28-30፣ ዮሃ. 17:22) ስለዚ፡ የሱስ ንዅሎም ቅቡኣት ሰዓብቱ ኣመልኪቱ፡ “ኣቦ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ንስኻ ዝሃብካኒ እውን ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ዘለኽዎ ምሳይ ኪዀኑ እደሊ ኣለኹ” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃ. 17:24) እዚ ኸኣ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ የሱስ፡ ቅንኢ ዘይኰነስ፡ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም፣ ከምኡውን ኣብ መንጎ ዅሎም እዞም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያናት ሓድነት ከም ዘሎ የረጋግጽ።
16, 17. (ሀ) የሱስ ኣብ መደምደምታ ጸሎቱ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ዝገለጸ፧ (ለ) ንሕናኸ እንታይ ንኽንገብር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧
16 ኣብ ዓለም ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብመራሕቲ ሃይማኖቶም ስለ ዚጽለዉ፡ ነቲ ንየሆዋ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ንጹር መርትዖ ዕሽሽ እዮም ዚብልዎ። ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ፡ “ጻድቕ ኣቦ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፣ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ፣ እዚኣቶም እውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። ከምታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ምእንቲ ኽትህልዎምን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ” ብምባል ጸሎቱ ዝደምደመ።—ዮሃ. 17:25, 26።
17 የሱስ ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ኸም እተመላለሰ ዚከሓድ ኣይኰነን። ከም ርእሲ እታ ጉባኤ መጠን ከኣ፡ ስም ኣቦኡን ዕላማኡ ንኸነፍልጥ ብቐጻሊ ይሕግዘና ኣሎ። ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን ዝሃበና ትእዛዝ ብቕንኣት ብምፍጻም፡ ወትሩ ንርእስነቱ ንገዛእ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 10:42) ነቲ ኽቡር ሓድነትና ንኽንዕቅብ እውን ንጽዓር። ነዚ ነገራት እዚ እንተ ጌርና፡ ምስ ጸሎት የሱስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኢና፣ እዚ ኸኣ ንስም የሆዋ ኽብሪ፡ ንዓና ኸኣ ዘለኣለማዊ ሓድነት ኬምጽኣልና እዩ።