ምዕራፍ ዓሰርተው ሸሞንተ
“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”
1. (ሀ) የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ክንዲ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ፧ (ለ) ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ቀቅድሚ እታ እተቐትለላ ምሸት ኣብ ክንዲ ደቀ መዛሙርቱ ጸልዩ ነይሩ። ሰይጣን ብዙሕ ጸቕጢ ኸም ዜውርደሎም ብምግንዛብ: የሱስ ነቦኡ “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በሎ። (ዮሃንስ 17:15, 16) ካብ ዓለም ምፍላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ። ክርስትያናት ክፍሊ እዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዘላ ዓለም ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም።—ሉቃስ 4:5-8፣ ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19
2. የሱስ ካብ ዓለም ዘይነበረ ብኸመይ እዩ፧
2 የሱስ ካብ ዓለም ኣይነበረን ኪበሃል ከሎ: ንኻልኦት ፍቕሪ ኣይነበሮን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ንሕሙማት ኣሕውዩ: ንምዉታት ኣተንሲኡ: ከምኡውን ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምሂሩ እዩ። አረ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ምእንቲ ደቅሰብ ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። ነቲ እቶም መንፈስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዎም ሰባት ዜንጸባርቕዎ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ኣረኣእያታትን ተግባራትን ግን ኣየፍቀሮን። ስለዚ: ካብ ርኹስ ትምኒት: ካብ ፍቕረ-ንዋይ: ከምኡውን ካብ ተፈላጥነት ምድላይ ክንርሕቕ ከም ዚግባእ ኣጠንቀቐ። (ማቴዎስ 5:27, 28፣ 6:19-21፣ ሉቃስ 20:46, 47) እምበኣር: የሱስ ካብ ፖለቲካ እዛ ዓለም እዚኣ እንተ ረሓቐ ዜገርም ኣይኰነን። ኣይሁዳዊ እኳ እንተ ነበረ: ኣብቲ ኣብ መንጎ ሮሜን ኣይሁድን ዝነበረ ፖለቲካዊ ግጭት ኢዱ ኣየእተወን።
“መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን”
3. (ሀ) መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ እንታይ ኢሎም እዮም ዝኸሰስዎ: ስለምንታይከ፧ (ለ) የሱስ ሰብኣዊ ንጉስ ኪኸውን ይደሊ ኸም ዘይነበረ ዜርኢ እንታይ እዩ፧
3 እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ሒዞም ናብቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ ወሰድዎ ዘጋጠመ ነገራት እሞ ንርአ። ከም ሓቂ እኳ: እዞም መራሕቲ እዚኣቶም የሱስ ንግብዝናኦም ስለ ዜቃልዖ እዮም ተበሳጭዮም። እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ልዕሊ የሱስ ስጕምቲ ንኺወስድ ኢሎም ግን: “እዚ: ንህዝብና ኼስሕቶም: ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ኪኽልክሎም: ርእሱ፤ ክርስቶስ ንጉስ እየ: ኢሉውን ኪዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ከሰስዎ። (ሉቃስ 23:2) እዚ ሓሶት ምንባሩ ንጹር እዩ። ከመይሲ: ኣቐድም ኣቢሉ በታ ዓመት እቲኣ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ኬንግስዎ ምስ ደለዩ: ኣብይዎም እዩ። (ዮሃንስ 6:15) ኣብ መጻኢ ሰማያዊ ንጉስ ኪኸውን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃስ 19:11, 12) ንግስነቱ እውን ካብ ሰባት ዘይኰነስ ካብ የሆዋ እዩ ዚቕበል።
4. የሱስ ንምኽፋል ግብሪ ዚምልከት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧
4 ካብታ የሱስ እተታሕዘላ ሰለስተ መዓልቲ ኣቐዲሙ: እቶም ፈሪሳውያን ንምኽፋል ግብሪ ዚምልከት ዜወንጅሎ ነገር እንተ ተዛረበ ኢሎም ፈቲኖምዎ ነይሮም። ንሱ ግን “እቲ ዲናር [ናይ ሮሜ ሳንቲም] ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧” በሎም። “ናይ ቄሳር” ኢሎም ምስ መለሱሉ: “እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡ” በሎም።—ሉቃስ 20:20-25
5. (ሀ) የሱስ ኣብ እተታሕዘላ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) የሱስ ምኽንያት እቲ ዝገበሮ ነገራት ብኸመይ ገለጸ፧ (ሐ) ኣብ መወዳእታ ግን እንታይ ተፈርዶ፧
5 እወ: የሱስ ካብ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ንኽንዓሉ ኣይመሃረን። ዓቀይቶትን ካልኦት ሰባትን ንየሱስ ኪኣስርዎ ምስ መጹ: ጴጥሮስ ሰይፉ መሊሑ ንሓደ ኻብቶም ሰባት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ግን “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” በሎ። (ማቴዎስ 26:51, 52) ንጽብሒቱ የሱስ ንጲላጦስ ብዛዕባ ተግባራቱ ኺገልጸሉ ኸሎ: “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: ብኣይሁድ ከይተሐዝ: ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ጲላጦስ ንየሱስ ‘ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸበሉ’ ተኣመነ። ነቲ ኻብቲ ህዝቢ ዝወረዶ ጸቕጢ ስለ እተምበረክኸ ግን ንየሱስ ሰቐሎ።—ሉቃስ 23:13-15፣ ዮሃንስ 19:12-16
ደቀ መዛሙርቲ ኣስኣሰር የሱስ ሰዓቡ
6. ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እናረሓቑ ንሰባት ዜፍቅሩ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
6 በዚ ኸምዚ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ዓለም ዘይምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ተረድኦም። ካብቲ ኣምላኽ ዘይፈትዎ መንፈስን ተግባራትን እዛ ዓለም እዚኣ ምርሓቕ ማለት ኪኸውን ከሎ: እዚውን ካብቲ ኣብ ሰርከስን ቲያትርን ሮማውያን ዚርአ ዝነበረ ዓመጻ ዝመልኦን ብዕሉግን መዘናግዒ ምርሓቕ ዜጠቓልል ነበረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብዚ ብምርሓቖም ጸላእቲ ደቅሰብ ተባህሉ። እንተዀነ ግን: ንሰብ ዚጸልኡ ዘይኰኑስ: ካልኦት ካብቲ ኣምላኽ ንድሕነት ዝገበሮ ምድላው ምእንቲ ኺጥቀሙ ኢሎም ብትግሃት ዚዓዩ እዮም ነይሮም።
7. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ዓለም ብዘይምዃኖም እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ብዛዕባ ፖለቲካውያን መራሕትን ምኽፋል ግብርን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮም: ስለምንታይከ፧
7 ሰዓብቲ የሱስ ከምቲ ንመራሒኦም መስጐጕቲ ዝወረዶ: ንሳቶም እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቶም ግጉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰበ-ስልጣን መስጐጕቲ ይወርዶም ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ብ56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት [ፖለቲካውያን መራሕቲ] ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ የሆዋ ንመንግስትታት ዓለም ኣቚምወን ማለት ዘይኰነስ: መንግስቱ ንበይና ንዅላ ምድሪ ኽሳዕ እትገዝኣ ኣብ ስልጣን ኪቕጽላ ፈቒዱለን ማለት እዩ። ስለዚ: ጳውሎስ ንክርስትያናት: ንሰበ-ስልጣን ዓለም ኬኽብሩን ግብሪ ኪኸፍሉን ኪምዕዶም ሓቁ እዩ።—ሮሜ 13:1-7፣ ቲቶስ 3:1, 2
8. (ሀ) ክርስትያናት ንስልጣናት ዚግዝኡ ኽሳዕ ኣበይ ደረጃ እዩ፧ (ለ) ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብነት የሱስ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧
8 ይኹን እምበር: ንፖለቲካውያን ገዛእቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይኰነስ ብእተወሰነ ደረጃ ኢኻ እትግዝኦም። ኣብ መንጎ ሕግታት የሆዋን ሕግታት ሰብን ግጭት ምስ ዚፍጠር: እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ንሕግታቱ እዮም ዚእዘዙ። ኦን ዘ ሮድ ቱ ሲቪላይዜሽን—ኤ ዎርልድ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝበለቶ እሞ ኣስተብህለሉ:- “ክርስትያናት ኣብቲ ዜጋታት ሮሜ ኸማልእዎ ዝነበሮም እተወሰነ ግዴታታት ምክፋል ኣበዩ። እቶም ክርስትያናት . . . ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ንእምነቶም ምኽሓድ ኰይኑ ተሰምዖም። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይሕዙን ነበሩ። ንሃጸይ እውን ኣየምልኹን ነበሩ።” እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ንኸይሰብኩ ‘ኣምሪሩ ምስ ከልከሎም:’ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29
9. (ሀ) እቶም ብ66 ከ.ኣ.ዘ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ናብ ኣኽራን ዝሃደሙ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እዚ ኣገዳሲ ኣብነት ዝዀነና ብኸመይ እዩ፧
9 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንፖለቲካውን ወተሃደራውን ምስሕሓብ ብዚምልከት: ጸኒዖም ገለልትነቶም እዮም ዚሕልዉ ነይሮም። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ኣይሁድ ካብ ቄሳር ዓለዉ። ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ብቕልጡፍ ከበባ። ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ገበሩ፧ ነቲ የሱስ ካብታ ኸተማ ንኽወጹ ዝሃቦም ምኽሪ ዘከሩ። እቶም ሮማውያን ንእተወሰነ ግዜ ምስ ኣንሰሓቡ: እቶም ክርስትያናት ርባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ኣኽራን ፔላ ሃደሙ። (ሉቃስ 21:20-24) እቲ ገለልትነቶም ከኣ ነቶም ድሕሪኦም ዝመጹ እሙናት ክርስትያናት ኣብነት ኰኖም።
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዘለዉ ገለልተኛታት ክርስትያናት
10. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ካብ ምግባር እዮም ዘየቋረጹ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ካብ ምንታይከ እዮም ገለልተኛታት፧
10 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብምምሳል ጸኒዖም ገለልትነቶም ዝሓለዉ ጕጅለ ኸም ዘለዉ ታሪኽ ይሕብር ድዩ፧ እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቶም ጽድቂ ዜፍቅሩ ሰላምን ብልጽግናን ሓጐስን እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ኻብ ምስባኽ ኣየቋረጹን። (ማቴዎስ 24:14) እንተዀነ ግን: ካብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ጸኒዖም ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም።
11. (ሀ) እቲ ገለልትነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ኣቕሽሽቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ኣብ ፖለቲካ ዘለዎም ኣቕዋም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧
11 ብኣንጻሩ ግን: ኣቕሽሽቲ ሃይማኖታት ዓለም ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጥሒሎም እዮም ዘለዉ። ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ነቶም ንስልጣን ዚወዳደሩ ሕጹያት ብምድጋፍ ወይ ብምቅዋም ወፈራ ገይሮም እዮም። አረ ገሊኣቶም ኣቕሽሽቲ እሞ ኸኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዞም ኣለዉ። ገሊኣቶም ድማ ነቲ ዚደልይዎ ነገራት ንኺግበረሎም ንፖለቲከኛታት ጸቕጢ ገይሮምሎም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። እንተዀነ ግን: ንኻልኦት ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንኸይኣትዉ: ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርካብ ንኸይወዳደሩ: ወይ ኣብ ምርጫ ድምጺ ንኸይህቡ ኸታርፍዎም ኣይፍትኑን እዮም። የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዓለም ዘይምዃኖም ስለ ዝገለጸ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካ ግደ የብሎምን።
12. ሃይማኖታት እዛ ዓለም እዚኣ ገለልተኛታት ብዘይ ምዃነን እንታይ ሳዕቤን ኣምጽኣ፧
12 ከምቲ የሱስ እተነበዮ: ሃገራት ብተደጋጋሚ ተዋጊአን እየን። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዚነብሩ ጃንዳታት እውን ከይተረፉ ንሓድሕዶም ተዋጊኦም እዮም። (ማቴዎስ 24:3, 6, 7) መራሕቲ ሃይማኖት ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ኪበሃል ይከኣል: ምስ ሓንቲ ሃገር ወይ ሓደ ጃንዳ ወጊኖም ንሰዓብቶም ምስቶም ካልኦት ንኺዋግኡ ተላብዮም እዮም። እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽአ፧ ኣባላት ሓንቲ ሃይማኖት እተፈላለየ ዜግነት ስለ ዘለዎም ወይ ካብ እተፈላለየ ቐቢላ ብምዃኖም ጥራይ ኣብ ውግእ ንሓድሕዶም ተቓቲሎም እዮም። እዚ ድማ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ።—1 ዮሃንስ 3:10-12፣ 4:8, 20
13. ብዛዕባ ገለልትነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መርትዖታት እንታይ እዩ ዚሕብር፧
13 ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ግጭታት ጸኒዖም ገለልትነቶም ሓልዮም እዮም። ብ1 ሕዳር 1939 ዝወጸት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ኵሎም እቶም ብወገን ጐይታ ዚዀኑ: ካብተን ዚዋግኣ መንግስትታት ገለልተኛታት እዮም” በለት። ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታትን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣቕዋም እዚ ሒዞም ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ዝፈላሊ ፖለቲካን ውግእን እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ሓድነቶም ንኼፍርሶ ኣይፈቕዱን እዮም። “ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት” ሰሪሖም እዮም። ገለልተኛታት ብምዃኖም: ደጊም ውግእ ኣይኪመሃሩን እዮም።—ኢሳይያስ 2:3, 4፣ 2 ቈረንቶስ 10:3, 4
14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዓለም እተፈልዩ ብምዃኖም እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧
14 ገለልትነት ካብ ዘምጽኦ ነገራት ሓደ እንታይ እዩ፧ የሱስ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 15:19) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃኖም ጥራይ ተኣሲሮም እዮም። ገሊኣቶም ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም ተሳቕዮም: ሕሉፍ ሓሊፉውን ተቐቲሎም እዮም። እዚ ኸኣ እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን: ነቶም ካብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰኑ ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዚጻረሮም እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:12
15. (ሀ) ኵሎም ኣህዛብ ናብ ምንታይ እዮም ዚጐዓዙ ዘለዉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ካብ ምንታይ እዮም ዚርሕቑ፧ (ለ) ካብ ዓለም እተፈለኻ ምዃን ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
15 ኵሎም ኣህዛብ ናብ ኣርማጌዶን ናብ ጥፍኣት ገጾም ይጐዓዙ ስለ ዘለዉ: ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ዓለም ዘይምዃኖም የሐጕሶም እዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14, 16፣ 19:11-21) ካብ ዓለም ዝረሓቕና ብምዃንና: ካብቲ ጥፍኣታ ኸነምልጥ ኢና። ኣብ መላእ ምድሪ እንርከብ ሓድነት ዘሎና ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን: ንሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ኢና። ካብ ዓለም ብዘይምዃንና: ኣደዳ ላግጽን መስጐጕትን ከም ዝዀንና ዚከሓድ ኣይኰነን። ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ግን እዛ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም ንዘለኣለም ስለ እትጠፍእ: እቲ ላግጽን መስጐጕትን ደው ኪብል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ኣብታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትግዛእ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—2 ጴጥሮስ 3:10-13፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17
መመያየጢ ሕቶታት
• ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ነገራት ከም ዜጠቓልል የሱስ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
• እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት (ሀ) ንመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ: (ለ) ንገዛእቲ ዓለም: (ሐ) ንምኽፋል ግብሪ: ብዚምልከት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም፧
• ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ከም ዝሓለዉ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
[ኣብ ገጽ 165 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ: ንሱን ሰዓብቱን ‘ካብ ዓለም ዘይምዃኖም’ ገለጸ