-
ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ጥቅምቲ
-
-
መገዲ ኣጵዮስ ካብ ዚህነጽ 900 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ፕሮኮፕዩስ ዚበሃል ቢዛንትዩማዊ ጸሓፍ ታሪኽ “መስተንክር” ብምባል ገሊጽዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዝባን እቲ ጽርግያ እተነጽፈ ጽላት ኣእማን: “ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ተቘጽረ: ሓያሎ ሰረገላታት እውን መዓልታዊ ብእኡ እኳ እንተ ሓለፈ: ኣይተበላሸወን: ገና ብጽቡቕ እዩ ተሰሪዑ ዘሎ” ኢሉ ጸሓፈ።
-
-
ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ጥቅምቲ
-
-
ይኹን እምበር: ክርስትያን ወንጌላውያን መደብ ብምግባር ሓያሎ ነዊሕ መገሻታት ገይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ: ከምቲ ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ: ናብ ምብራቕ ገጹ ኪኸይድ ከሎ: ነቲ ዓብላሊ ንፋሳት ምእንቲ ኺጥቀመሉ ኢሉ ብባሕሪ ይጐዓዝ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:25, 26፣ 20:3፣ 21:1-3) ኣብ መዲተራነያን እዚ ንፋሳት እዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ኻብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ እዩ ዚነፍስ። ጳውሎስ ናብ ምዕራብ ኪጐዓዝ ከሎ ግን: መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ጽርግያታት ሮማውያን ኣቢሉ ብምድሪ እዩ ዚጐዓዝ። በዚ ሜላ እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ኻልኣይን ሳልሳይን ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ዝወደቦ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:36-41፣ 16:6-8፣ 17:1, 10፣ 18:22, 23፣ 19:1)a ብ59 ድ.ክ. ኣቢሉ ጳውሎስ በቲ መገዲ ኣጵዮስ ኣቢሉ ናብ ሮማ ተጓዕዘ: ኣብቲ ኻብ ሮማ ብደቡባዊ ምብራቕ 74 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ሰብ ዚበዝሖ ኣጵዮስ ፎሩስ: ወይ ዕዳጋ ኣጵዮስ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ተራኸበ። ካልኦት ከኣ ኣብቲ ሰለስተ መሓድር ዚበሃል ካብ ሮማ 58 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ቦታ ዀይኖም ተጸበይዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:13-15) ብ60 ድ.ክ. ኣቢሉ: ጳውሎስ እቲ ብስራት “ኣብ ኵላ ዓለም”—ማለት ኣብታ ሽዑ እትፍለጥ ዝነበረት ዓለም—ተሰቢኹ ኺብል ክኢሉ እዩ። (ቈሎሴ 1:6, 23) እቲ ጽርግያታት ነዚ ኣብ ምፍጻም ግደ ነይርዎ እዩ።
-
-
ጽርግያታት ሮማ ቅርሲ ጥንታዊ ህንደሳግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ጥቅምቲ
-
-
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣብቲ ሰብ ዚበዝሖ ኣጵዮስ ፎሩስ: ወይ ዕዳጋ ኣጵዮስ ተራኸበ
-