-
“መልክዐኛ ሰበይቲ”ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017 | ቍ. 3
-
-
ኣብርሃም ብውዕውዕ ስምዒት ናብ ሳራ መጸ። እቲ ዘጋጠሞ ነገር ደንጽይዎ እዩ ነይሩ። እቲ ዜምልኽዎ ኣምላኽ እዩ ተዛሪብዎ! ብመልኣኽ ኣቢሉ ድማ እዩ ተገሊጹሉ ኪኸውን ዘለዎ። ሳራ በተን ጽቡቓት ኣዒንታ፡ ዓይኒ ዓይኒ ሰብኣያ እናጠመተት፡ “እንታይ እዩ ኢሉካ፧ በጃኻ ንገረኒ!” ኢላ ኽትሓትት ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ምናልባት ኣብርሃም ሓሳቡ ምእንቲ ኺጥርንፍ ፈለማ ኾፍ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ፡ የሆዋ፡ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፣ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ” ኸም ዝበሎ ነገራ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3) እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ውዕውዕ ስምዒት ምስ ዘሓለ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ኣስተንተኑ። ነቲ ርጉእን ምሹእን ናብራኦም ሓዲጎም ሰበኽ ሳግም ኰይኖም ኪነብሩ እዩ ነይርዎም። ሳራ እንታይ እያ ኽትብል፧ ኣብርሃም ብህንጥዮት ይጥምታ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብዚ ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ዝዀነ ዅነታት ክትድግፎ ፍቓደኛ ኽትከውን ድያ፧
እቲ ሳራ ኽትገብሮ ዝነበራ ምርጫ ንዓና ዘይምልከተና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ‘ኣምላኽ ንዓይ ኰነ ንመጻምድተይ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክንገብር ሓቲቱና ኣይፈልጥን እዩ።’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኵላትና ተመሳሳሊ ምርጫ ደይኰነን ዜጋጥመና፧ ብሕታዊ ምሾትናን ዋኒንናን ድሕንነትናን ከነቐድም ኣብ እተተባብዓና ፍቕረ ንዋይ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካልእ ምርጫ ኽንገብር፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብን ኣብ ክንዲ ንርእስና ንኣምላኽ ባህ ምባል ከነቐድምን እዩ ዜተባብዓና። (ማቴዎስ 6:33) ነቲ ሳራ ዝገበረቶ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ‘ኣብ ህይወተይ እንታይ ምርጫ እየ ኽገብር፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተታ።
-
-
“መልክዐኛ ሰበይቲ”ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017 | ቍ. 3
-
-
ስድራ ቤቶምከ፧ ሳራ ንመነመን እያ ሓዲጋቶም ክትከይድ ነይርዋ፧ እዚ፡ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ንዓኣ ብፍላይ በዳሂ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ ፍሽሕውትን ፈቃርን ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣዝያ እትቐርቦም፡ መሊሳ እውን ዘይክትርእዮም እትኽእል ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ደቂ ኣሕዋት፡ ሓትኖታት፡ ኣሞታት፡ ሓወቦታት ከምኡ ድማ ኣኮታት ነይሮምዋ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሳራ ብቘራጽነት በብመዓልቱ ንንቕሎ ትዳሎ ነበረት።
-