ብኸመይ ንቑሕ ከም እትኸውን፡ ካብ ሃዋርያት የሱስ ተምሃር
“ምሳይውን ንቕሑ።”—ማቴ. 26:38።
ካብዚ ዚስዕብ ነጥብታት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧
ኣበይ ከም እትሰብኽ መምርሒ ንኺወሃበካ ብንቕሓት ብዛዕባ ምክትታል
ብጸሎት ንቑሕ ብዛዕባ ምዃን
ዕንቅፋት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ብእተማልአ መገዲ ብዛዕባ ምምስካር
1-3. ሃዋርያት ኣብታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ ንቑሓት ዘይነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ካብ ጌጋኦም ከም እተማህሩ ዚሕብርከ እንታይ እዩ፧
ኣብታ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ ዘጋጠመ ነገራት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። የሱስ ናብታ ብሸነኽ ምብራቕ የሩሳሌም እትርከብ ዚፈትዋ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኸደ። ምስ እሙናት ሃዋርያቱ እዩ ናብታ ቦታ ኸይዱ። ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ብዙሕ ዘተሓሳሰቦ ጕዳይ ስለ ዝነበሮ፡ ንኺጽሊ ብሑት ቦታ ደለየ።—ማቴ. 26:36፣ ዮሃ. 18:1, 2።
2 የሱስ ነቶም ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዝስሞም ሰለስተ ሃዋርያቱ ተማሊኡ፡ ናብ ውሽጢ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣተወ። “ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ” ኢልዎም ድማ፡ ኪጽሊ ኻብኦም ፍንትት በለ። ተመሊሱ ምስ መጸ ግና፡ ደቂሶም ረኸቦም። ከም ብሓድሽ፡ “ንቕሑ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ኰይኑ ግና፡ ድሕርዚ ኽልተ ሳዕ ደቀሱ! በታ ለይቲ እቲኣ ጸኒሖም፡ ኵሎም እቶም ሃዋርያት ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ንቑሓት ከም ዘይነበሩ ተራእየ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ንየሱስ ሓዲጎምዎ ሃደሙ!—ማቴ. 26:38, 41, 56።
3 እቶም ሃዋርያት፡ ብዘይምንቃሖም ተጣዒሶም እዮም። ብቕልጡፍ ድማ ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም እዮም። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ብመንፈስ ንቑሓት ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ከም ዝሓደጉ ትገልጽ እያ። እቲ ኣብነታዊ ኣኻይዳኦም ንክርስትያናት ብጾቶም ከምኡ ንኺገብሩ ኸም ዝጸለዎም ኣየጠራጥርን እዩ። ሎሚ ብዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 24:42) እምበኣር፡ ብኸመይ ንቑሓት ክንከውን ከም እንኽእል፡ ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሰለስተ ነጥብታት ንርአ።
ኣበይ ከም ዚሰብኩ መምርሒ ንኺወሃቦም ብንቕሓት ይከታተሉ ነበሩ
4, 5. መንፈስ ቅዱስ ንጳውሎስን ንመጓዕዝቱን ዚመርሖም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
4 እቶም ሃዋርያት፡ ኣበይ ከም ዚሰብኩ መምርሒ ንኺወሃቦም ብንቕሓት ይከታተሉ ነበሩ። ኣብ ሓደ ጸብጻብ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ በቲ የሆዋ ዝሃቦ መንፈስ ገይሩ ንሃዋርያ ጳውሎስን ንመጓዕዝቱን ናብ ዘይተለምደ ጕዕዞ መርሖም። (ግብ. 2:33) እንታይ ከም ዘጋጠመ እስከ ንርአ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:6-10 ኣንብብ።
5 ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብታ ኣብ ደቡባዊ ገላትያ እትርከብ ከተማ ልስጥራ ነቐሉ። ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት፡ ናብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዚነብረሉ ምዕራባዊ ኽፋል ኣውራጃ እስያ ዚወስድ ሮማውያን ዝጸረግዎ መገዲ በጽሑ። እቶም ተጓዓዝቲ በቲ መገዲ ኣቢሎም ናብተን ብዛዕባ ክርስቶስ ኪሰምዑ ዘለዎም ኣሽሓት ሰባት ዚቕመጡለን ከተማታት እዮም ኪኸዱ ደልዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነገር ከልከሎም። ኣብ ቍጽሪ 6 ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ።” መንፈስ ቅዱስ ነቶም ተጓዓዝቲ ኣብ ኣውራጃ እስያ ንኸይሰብኩ ኸልከሎም። የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ፡ ንጳውሎስን ንብጾቱን ናብ ካልእ ኣንፈት እዩ ኺመርሖም ደልዩ ነይሩ።
6, 7. (ሀ) ንጳውሎስን ነቶም ካልኦት ተጓዓዝትን ኣብ ቢቲንያ እንታይ ኣጋጠሞም፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ውሳነ እዮም ገይሮም፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧
6 እሞኸ እቶም ህንጡያት ተጓዓዝቲ ናበይ እዮም ከይዶም፧ ቍጽሪ 7 ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን” ትብል። ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ኸይሰብኩ ስለ እተኸልከሉ፡ ኣብ ከተማታት ቢቲንያ ንምስባኽ ናብ ሰሜን ገጾም ኣቕንዑ። ይኹን እምበር፡ ጥቓ ቢቲንያ ምስ በጽሑ፡ የሱስ ዳግም ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኸልከሎም። ድሕርዚ፡ እቶም ሰብኡት ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ። እንታይ ከም ዚሰብኩን ብኸመይ ከም ዚሰብኩን ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣበይ ከም ዚሰብኩ ግና ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ናብቲ ናብ እስያ ዚመርሕ ኣፍ ደገ እኳ እንተ ኸዱ፡ ኣይተኸፍተሎምን። ናብቲ ናብ ቢቲንያ ዚመርሕ ኣፍ ደገ ኸይዶም እውን ኣይተኸፍተሎምን። እሞኸ ተስፋ ቘሪጾምዶ፧ ፈጺሞም ኣይቈረጹን!
7 ሽዑ እቶም ሰብኡት፡ ዜገርም ውሳነ ገበሩ። ቍጽሪ 8፡ “ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ” ትብል። እወ፡ እቶም ሰብኡት ናብ ምዕራብ ተጠውዮም፡ ናብታ ናብ መቄዶንያ እተስግር ወደብ ጥሮኣስ ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ሓያሎ ኸተማታት እናሓለፉ ን563 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ጳውሎስን ብጾቱን ንሳልሳይ ግዜ ብሓደ ኣፍ ደገ ኺኣትዉ ፈተኑ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ጋህ ኢሉ ተራሕወሎም! ቍጽሪ 9 ብዛዕባ እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ነገር ክትገልጽ ከላ፡ “ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፤ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ” ትብል። ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስ ኣበይ ከም ዚሰብኽ ፈለጠ። ብኡብኡ ድማ፡ እቶም ሰብኡት ብመርከብ ናብ መቄዶንያ ኸዱ።
8, 9. ካብቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
8 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ጳውሎስ ናብ እስያ ኪኸይድ ድሕሪ ምንቃሉ እዩ መንፈስ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ። ቀጺሉ፡ ናብ ቢቲንያ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ የሱስ ጣልቃ ኣትዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጥሮኣስ ድሕሪ ምብጻሑ ኸኣ እዩ የሱስ ናብ መቄዶንያ ኺሓልፍ መምርሒ ሂብዎ። የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ እውን ንዓና ብተመሳሳሊ መገዲ መምርሒ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 1:18) ንኣብነት፡ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ወይ ከኣ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኽትግዕዝ ትሓስብ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሸቶኻ ንምውቃዕ ንጹር ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳድካ እዩ የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ ኺመርሓካ ዚኽእል። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓደ መራሕ ማኪና ንማኪናኡ ናብ ጸጋም ወይ ናብ የማን ኪመርሓ ዚኽእል፡ ማኪናኡ ኽትንቀሳቐስ ድሕሪ ምጅማራ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ኣገልግሎትካ ንኸተስፍሕ ዚመርሓካ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ማለት ሸቶኻ ንምውቃዕ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ኽትገብር ድሕሪ ምጅማርካ እዩ።
9 ኰይኑ ግና፡ ጻዕርታትካ ብኡብኡ ፍረ እንተ ዘየፍረየኸ፧ ክትሕለልን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘይመርሓካ ዘሎ ጌርካ ኽትሓስብን ይግባእዶ፧ ጳውሎስ እውን ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሞ ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ዚኽፈተሉ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ዚረክብ፡ ጻዕሩ ኣየቋረጸን። ንስኻ እውን “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” ንምርካብ ብጽንዓት እንተ ጽዒርካ፡ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ።—1 ቈረ. 16:9።
ብጸሎት ንቑሓት ነበሩ
10. ብጸሎት ምጽናዕ፡ ንኽንነቅሕ ከም ዚሕግዘና ዚሕብር እንታይ እዩ፧
10 ሕጂ፡ ብዛዕባ ንቑሕ ምዃን፡ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋትና እንመሃሮ ኻልኣይ ትምህርቲ ንርአ። ንሳቶም ብጸሎት ንቑሓት እዮም ነይሮም። (1 ጴጥ. 4:7) ብጸሎት ምጽናዕ፡ ንኽንነቅሕ ይሕግዘና እዩ። የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ቐቅድሚ እታ እተታሕዘላ እዋን፡ ነቶም ሰለስተ ሃዋርያቱ፡ “ንቕሑን ጸልዩን” ኢልዎም ከም ዝነበረ ዘክር።—ማቴ. 26:41።
11, 12. ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ጴጥሮስ ግፍዒ ዘውረደ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧
11 እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝነበረ ጴጥሮስ፡ ተጊህካ ምጽላይ ዘለዎ ጥቕሚ ብተመክሮ ርእይዎ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:1-6 ኣንብብ።) ኣብተን ኣብ መጀመርታ ዘለዋ ቝጽርታት ከም እተገልጸ፡ ሄሮድስ ብኣይሁድ ኪፍቶ ስለ ዝደለየ፡ ኣብ ክርስትያናት ግፍዒ ኼውርድ ጀመረ። ያእቆብ ሃዋርያ ኸም ዝነበረን ምስ የሱስ ኣጸቢቑ ይቀራረብ ምንባሩን፡ ሄሮድስ ፈሊጡ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ “ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ . . . ኣሰየፎ።” (ቍጽሪ 2) በዚ ኸምዚ፡ እታ ጉባኤ ሓደ ፈቃር ሃዋርያ ሰኣነት። እዚ ነቶም ኣሕዋት ከቢድ ፈተና እዩ ነይሩ።
12 ሄሮድስ ቀጺሉ እንታይ ገበረ፧ ቍጽሪ 3 ኸምዚ ትብል፦ “እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረአየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሐዞ።” ኰይኑ ግና፡ ሃዋርያት ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኼምልጡ ኽኢሎም ነይሮም እዮም፣ ጴጥሮስ እውን ሓደ ኻባታቶም እዩ ነይሩ። (ግብ. 5:17-20) ሄሮድስ ነዚ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ከም ዘየምልጥ ንምግባር ቈረጸ። ንጴጥሮስ “ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ደልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ።” (ቍጽሪ 4) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሄሮድስ ንጴጥሮስ ኣብ መንጎ 2 ሓለውቲ ብመቝሕ ከም ዚእሰርን 16 ሓለውቲ ድማ ለይትን መዓልትን በብእብረ ኸም ዚሕልውዎን እዩ ገይሩ። ድሕሪ ፋስጋ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣቕሪቡ ንኼሐጕሶም ኢሉ ንሞት ኪፈርዶ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜፍርህ ኵነታት፡ ክርስትያናት ብጾት ጴጥሮስ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ ነይሮም፧
13, 14. (ሀ) ጴጥሮስ ምስ ተኣስረ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ገበረት፧ (ለ) ካብቲ ክርስትያናት ብጾት ጴጥሮስ ንጸሎት ብዚምልከት ዝገበርዎ ነገር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
13 እታ ጉባኤ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ኣብ ቍጽሪ 5 ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዅሉ ሳዕ [“ተጊሃ፡” ትርጕም 1990] ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።” እወ፡ እቶም ኣሕዋት ምእንቲ እቲ ፍቑር ሓዎም፡ ተጊሆም ካብ ልቦም እዮም ዚጽልዩ ነይሮም። ብሞት ያእቆብ ኣይተዳህሉን፣ ጸሎቶም ከንቱ ኸም ዝዀነ ገይሮም እውን ኣይሓሰቡን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ጸሎት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ትርጕም ከም ዘለዎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እቲ ዚቐርብ ጸሎት ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ይምልሰሉ እዩ።—እብ. 13:18, 19፣ ያእ. 5:16።
14 ካብቲ ክርስትያናት ብጾት ጴጥሮስ ዝገበርዎ ነገር እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንቑሓት ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምጽላይ እውን ዜጠቓልል እዩ። (ኤፌ. 6:18) ብዙሕ ፈተናታት ዚወርዶም ዘሎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ትፈልጥዶ፧ መስጐጕቲ፡ እገዳ፡ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚኣቶም ስለምንታይ ካብ ልቢ ዘይትጽልየሎም፧ ብዙሕ ኣትኵሮ ዘይግበረሉ ዓይነት ጸገማት ዜሕልፉ ክርስትያናት እውን ትፈልጥ ትኸውን። ኣብ ስድራ ቤቶም ሽግር ዘለዎም፡ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ዜጋጥሞም፡ ወይ ጥዕና ዝሰኣኑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ምጽላይካ እንተ ኣስተንቲንካ፡ ነቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ የሆዋ ኽትጠቕሰሉ እትኽእል ሓያሎ ስማት ክትዝክር ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 65:2።
15, 16. (ሀ) መልኣኽ የሆዋ ንጴጥሮስ ብኸመይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዘውጸኦ ግለጽ። (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንጴጥሮስ ዘድሓነሉ መገዲ ምስትንታንና ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧
15 ይኹን እምበር፡ ንጴጥሮስ እንታይ ኣጋጠሞ፧ በታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ለይቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ነቒሖም ዚሕልዉ ሓለውቲ ደቂሱ ነበረ፣ ብተኸታታሊ ድማ መስተንክር ፍጻመታት ኣጋጠመ። (ግብሪ ሃዋርያት 12:7-11 ኣንብብ።) ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! ብሃንደበት፡ ኣብታ ጴጥሮስ ተኣሲሩላ ዝነበረ ኽፍሊ፡ ብርሃን በርሀ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ ንጴጥሮስ ኣበራበሮ፣ እቶም ሓለውቲ ነቲ መልኣኽ ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እቲ ጴጥሮስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ዘይስበር ዚመስል መቓውሕ ከኣ፡ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ! እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ካብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ኽፍሊ መሪሕዎ ወጸ፡ ክልቲኦም ብጥቓ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ሓለፉ፡ ሰላሕ ኢሎም እውን ናብቲ ዓብዪ ማዕጾ ሓጺን ከዱ። ናብቲ ማዕጾ ምስ ቀረቡ፡ “ባዕሉ” ተኸፍተሎም። ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ናብ ሓደ መገዲ በጽሑ እሞ፡ እቲ መልኣኽ ተሰወረ። ጴጥሮስ ድማ ናጻ ዀነ።
16 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምድሓን ኪጥቀመሉ ዚኽእል ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ምስትንታንናስ ንእምነትና ዜበራትዕዶ ኣይኰነን፧ ልክዕ እዩ፡ ሎሚ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ኪገብረሎም ኣይንጽበን ኢና። ይኹን እምበር፡ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ህዝቡ ንምድጋፍ ንሓይሉ ኸም ዚጥቀመሉ ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን ኢና። (2 ዜና 16:9) በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ 2 ጴጥ. 2:9) ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ፡ ብወዱ ኣቢሉ ንሚልዮናት ሰባት ካብቲ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ፡ ማለት ካብ ሞት ሓራ ኼውጽኦም እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) ኣብቲ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓታት ዘሎና እምነት፡ ሎሚ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ብዙሕ የተባብዓና እዩ።
ዕንቅፋት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ብእተማልአ መገዲ መስከሩ
17. ጳውሎስ ብቕንኣትን ብናይ ህጹጽነት መንፈስን ብምስባኽ ዝመጸ፡ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧
17 ብዛዕባ ንቑሓት ምዃን ካብ ሃዋርያት እንመሃሮ ሳልሳይ ትምህርቲ እውን ኣሎ፣ ንሳቶም ዕንቅፋታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ብእተማልአ መገዲ ኻብ ምምስካር ኣየቋረጹን። ንቑሓት ንኽንከውን፡ ብቕንኣትን ብናይ ህጹጽነት መንፈስን ክንሰብኽ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ናብ ሓያሎ ቦታታት እናገሸ ብዙሓት ጉባኤታት ብምቛም፡ ብቕንኣት ይዓዪ ነበረ። ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ቅንኣቱ ወይ ናይ ህጹጽነት መንፈሱ ኣየጥፍአን።—2 ቈረ. 11:23-29።
18. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንሰባት ዚምስክረሎም ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
18 ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ንመወዳእታ እተጠቕሰሉ ኣብ ምዕራፍ 28 ዚርከብ ጸብጻብ እስከ ንርአ። እዚ ሃዋርያ እዚ ኣብ ቅድሚ ኔሮ ምእንቲ ኪቐርብ፡ ናብ ሮሜ ኸደ። ኣብኡ ድማ ኣብ ቤት ይሕሎ ነበረ፣ ምናልባት ከኣ ምስቲ ሓላዊኡ ብመቝሕ ተኣሲሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ቐናእ ሃዋርያ እዚ፡ መቝሕ እውን ስቕ ኣየበሎን። ንሰባት ዚምስክረሉ መገድታት ይረክብ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:17, 23, 24 ኣንብብ።) ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣውራታት ኣይሁድ ንኺምስክረሎም ጸውዖም። ድሕሪኡ፡ ኣብታ እተቛጸሩላ መዓልቲ ብዝሰፍሐ መገዲ መስከረሎም። ቍጽሪ 23 ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “[እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣይሁድ] መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ [“ብእተማልአ መገዲ እናመስከረ፡” NW] ተርጐመሎም።”
19, 20. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ምምስካር ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ፡ ነቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ብስራት ዘይተቐበልዎ ዅሎም እኳ እንተ ዘይነበሩ፡ እንታይ ምላሽ ሃበ፧
19 ጳውሎስ ኣብ ምምስካር ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዘንበብናያ ቝጽሪ 23 እተፈላለየ ምኽንያታት ጐሊሑ ኣሎ። (1) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ የሱስ ክርስቶስን ኣተኰረ። (2) ንሰማዕቱ “እናኣረድኤ” ኼእምኖም ይጽዕር ነበረ። (3) ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኣዘራረቦም። (4) “ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት” ብምምስካር፡ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ምዃኑ ኣርኣየ። ጳውሎስ ሓያል ምስክርነት እኳ እንተ ሃበ፡ ኵሎም ግና ኣይኰኑን ተቐቢሎምዎ። ቍጽሪ 24፡ “ገሊኦም ነቲ እተነግረ አመንዎ፡ ገሊኦም ግና አበይዎ” ትብል። ኣብ መንጎኦም ምክፍፋል ስለ እተፈጥረ፡ ተፋላለዩ።
20 ጳውሎስ፡ ነቲ ብስራት ዘይተቐበልዎ ዅሎም ብዘይምንባሮም ተዳሂሉዶ፧ ኣይፋሉን! ግብሪ ሃዋርያት 28:30, 31፡ “ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረየላ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ” ትብል። እታ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ በዚ ዜጸናንዕ ሓሳብ እዚ እያ እትዛዝም።
21. ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
21 ካብቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ጳውሎስ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኽ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሎም እቶም ናብ ቤቱ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ብምምስካር፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሓዘ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ ብምኽንያት እምነቶም ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስሩ፡ ሓጐሶም ኣየጥፍኡን፡ ስብከቶም እውን ኣየቋረጹን። ገሊኣቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንኪ እርጋን ወይ ሕማም፡ ካብ ቤት ኣይወጹን እዮም፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ፡ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እዮም ዚነብሩ። ኰይኑ ግና፡ ከም ዓቕሞም፡ ንሓካይምን ንሰራሕተኛታትን ንበጻሕትን ንኻልኦት ናብኦም ዚመጹ ሰባትን ይሰብኩሎም እዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ ንኺምስክሩ ልባዊ ባህጊ ኣለዎም። ንሕና እውን ነቲ ኣብነቶም ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
22. (ሀ) ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ መሰናድዎ እዩ ተገይሩልና ዘሎ፧ (ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሳጹን ርአ።) (ለ) ንመወዳእታ እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ እናተጸበኻ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
22 ብኸመይ ንቑሓት ከም እንኸውን፡ ካብ ሃዋርያትን ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናትን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንመወዳእታ እዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ እናተጸበና፡ ብትብዓትን ብቕንኣትን ብምምስካር፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንምሰሎም። ከመይሲ፡ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ ኻብ ምምስካር’ ዚበልጽ ካልእ ፍሉይ መሰል የልቦን።—ግብ. 28:23።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]
“ብዛዕባ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ”
ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነታ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’ እትብሃል መጽሓፍ ምስ ኣንበባ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒቱ ገለጸ፦ “ብዛዕባ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ተቐዪሩ እዩ። ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ብተደጋጋሚ ኣንቢበዮ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ሽምዓ ሒዘን ዝረስሐ መነጽር ገይረን ዘንብቦ ዝነበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ሕጂ ግና፡ ነቲ ዜደንቕ ግርማ እታ መጽሓፍ፡ ከም ኣብ ድምቕቲ ጸሓይ ዝርእዮ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ መልኣኽ ንጴጥሮስ ብዓብዪ ማዕጾ ሓጺን መርሖ