ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 48 ገላትያ
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ቈረንቶስ ወይ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 50–52 ድ.ክ.
እተን ኣብ ገላትያ 1:2 ተጠቒሰን ዘለዋ ማሕበራት (ጉባኤታት) ገላትያ: ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ደርቤን ዚበሃላ ኣብ እተፈላለየ ኽፍሊ ሃገራት ግን ከኣ ኣብ ሓንቲ ብሮሜ እትግዛእ ሃገር ንዚርከባ ጉባኤታት ዜጠቓልላ ኪዀና ኣለወን። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 13ን 14ን ነቲ ጳውሎስ ምስ በርናባስ በዚ ኸባቢ እዚ ኣቢሉ ዝገበሮ ቐዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ተገሊጹ ኣሎ: እዚ ኸኣ ኣብ ገላትያ ጉባኤታት ንኪቘማ መገዲ ኸፈተ። እዘን ጉባኤታት እዚኣተን ብኣይሁድን ኣይሁድ ብዘይኰኑ ኣህዛብን ዝቘማ ኪዀና ኸለዋ: ሰልታውያን ወይ ጎላውያን ከም ዝነበርወን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ድማ ጳውሎስ ብ46 ድ.ክ. ኣቢሉ ናብ የሩሳሌም ድሕሪ ምብጻሑ ነዊሕ ከይጸንሐ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 12:25
2 ብ49 ድ.ክ. ኣቢሉ: ጳውሎስን ሲላስን ናብቲ ኣብ ግዝኣት ገላትያ ዚርከብ ቦታታት: ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ጀመሩ፣ እዚ ኸኣ ‘ነተን ማሕበራት ብእምነት ንኺጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ንኺውስኽ’ ኣበርክቶ ገበረ። (ግብ. 16:5፣ 15:40, 41፣ 16:1, 2) ይኹን እምበር: እግሪ እግሮም ንገሊኣቶም ኣብ ጉባኤታት ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ግዝረትን ምሕላው ሕጊ ሙሴን ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ክርስትና ምዃኑ ዘእመንዎም ንኣይሁድነት ዚጣባቑ ናይ ሓሶት መምህራን ሰዓብዎም። እዚ ኪኸውን ከሎ: ጳውሎስ ብሚስያ ሓሊፉ ናብ መቄዶንያን ግሪኽን ተጓዕዘ፣ ኣብ ቈረንቶስ ምስ በጽሐ ድማ ኣብኡ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተቐመጠ። ድሕሪኡ ብ52 ድ.ክ. ብኤፌሶን ኣቢሉ ናብታ ዚዓርፈላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኣብ ውሽጢ እታ ዓመት እቲኣ በጽሐ።—ግብ. 16:8, 11, 12፣ 17:15፣ 18:1, 11, 18-22
3 ጳውሎስ ነታ ናብ ሰብ ገላትያ ዝለኣኻ መልእኽቲ ኣበይን መዓስን እዩ ጽሒፍዋ፧ ብዛዕባ እቶም ተጣበቕቲ ኣይሁድነት ዚገልጽ መልእኽቲ ምስ በጽሖ ብኡንብኡ ኸም ዝጸሓፋ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ድማ ኣብ ቈረንቶስ: ኤፌሶን: ወይ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል ማለት እዩ። ኣብ ቈረንቶስ ካብ 50-52 ድ.ክ. ንዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን: ካብ ገላትያ ሓበሬታ ንኺመጾ እኹል ግዜ ስለ ዝነበሮ: ኣብ ቈረንቶስ እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዘለዎ። ኤፌሶን ንእግረ መገዱ ኺሓልፍ ከሎ ንሓጺር ግዜ ዘዕረፈላ ብምዃና: ኣብኣ ኸሎ ጽሒፍዋ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ክረምቲ 52 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብታ መዕረፊቱ ዝዀነት ኣንጾክያ ናይ ሶርያ “ሓያሎ መዓልቲ . . . ቀነየ” ዚብል ስለ እነንብብ: ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ንእሽቶ እስያን ከኣ ብቐሊሉ መልእኽቲ ይበጻጻሕ ስለ ዝነበረ: እቲ ብዛዕባ እቶም ተጣበቕቲ ኣይሁድነት ዚገልጽ ወረ ዝሰምዖን ንሰብ ገላትያ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎምን ካብ ሶርያ ናይ ኣንጾክያ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 18:23
4 ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ: “ሃዋርያ—ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር: ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ: ጳውሎስ ከም ሃዋርያ መጠን ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዚርከቡ ሃዋርያት ተሰማሚዑ ኸም ዝዓየየን ስልጣኑ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ንምእራም ከም እተጠቕመሉን ብምግላጽ: ብዛዕባ ህይወቱን ሃዋርያነቱን ብዙሕ ነጥብታት ትሕብር እያ።—ገላ. 1:1, 13-24፣ 2:1-14
5 ንሓቅነትን ቀኖናውነትን ገላትያ ዚድግፍ እንታይ ሓቅታት ኣሎ፧ ኣብ ጽሑፋት ኢሪንየስን ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያን ተርቱልያንን ኦሪጀንን ብስማ ተጠቒሳ ኣላ። ብተወሳኺ: ኣብዚ በዚ ዚስዕብ ዚፍለጥ ኣገዳሲ ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ እያ:- ሲና: እስክንድርያ: ቫቲካን ቍ. 1209: ኮዴክስ ኤፍራይሚ ሲሪ ሪስክሪፕተስ: ኮዴክስ ቢዛይ: ከምኡውን ፓፒሩስ ቸስተር ቢቲ ቍ. 2 (P46)። ኣብ ልዕሊ እዚ: ምስ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ምስቲ ብተደጋጋሚ እትጠቕሶ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ምሉእ ብምሉእ ትሰማማዕ እያ።
6 ጳውሎስ ኣብታ “ናብ ማሕበራት ገላትያ” ዝለኣኻ ሓያልን ቀጥታዊትን መልእኽቲ: (1) ንሱ ናይ ሓቂ ሃዋርያ ምዃኑ (እቶም ተጣበቕቲ ኣይሁድነት ንሃዋርያነቱ ይቃወምዎ ነበሩ): (2) ፍርዲ ዚወሃበና በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎና እምነት ደኣ እምበር: ብግብሪ ሕጊ ዘይምዃኑ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ግዝረት ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ መርትዖ ኣቕረበ። ጳውሎስ ንመልእኽትታቱ ብኻልእ ጸሓፊ ገይሩ ዜጽሕፎ እኳ እንተ ነበረ: ንሰብ ገላትያ ግን ‘ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢዱ ጸሓፈሎም።’ (6:11) ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ንጳውሎስ ኰነ ንሰብ ገላትያ ልዑል ኣገዳስነት ነበሮ። እታ መጽሓፍ ነቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ዝረኸብዎ ሓርነት ሞሳ ኺህልዎም እተጕልሕ እያ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
14 እታ ናብ ሰብ ገላትያ እተላእከት መልእኽቲ: እቲ ሕሱም ሰጓጒ ዝነበረ እሞ ደሓር ንጡፍ ሃዋርያ ዝዀነ ጳውሎስ: ንጥቕሚ ኣሕዋቱ ወትሩ ዚቃልስ ምዃኑ ትሕብር። (1:13-16, 23፣ 5:7-12) ሓደ ሓላዊ ጸገማት ንምፍታሕ: ትምህርቲ ጥበራ ድማ ብርትዓውን ቅዱስ ጽሑፋውን መገዲ ንምቅላዕ: ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘለዎ: ካብ ኣብነት ጳውሎስ ኪመሃር ይኽእል እዩ።—1:6-9፣ 3:1-6
15 እታ መልእኽቲ ነቲ እተን ኣብ ገላትያ ዝነበራ ጉባኤታት ብክርስቶስ ዝረኸባኦ ሓርነት ብንጹር ኣብ ምግላጽ ኰነ ነቶም ነቲ ብስራት ዚልውጥዎ ኣብ ምቅላዕ ጠቓሚት እያ ነይራ። ሰብ ብእምነት ከም ዚጸድቕ: ግዝረት ድማ ኣብ ድሕነት ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ብንጹር ትገልጽ። (2:16፣ 3:8፣ 5:6) ነቲ ኣይሁድን ኣህዛብን ዚብል ስጋዊ ፍልልያት ብምእላይ: ክርስትያናት ከም ኣባላት ሓንቲ ጉባኤ መጠን ከም ዚሓብሩ ገበረቶም። “ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ስለ ዘይተረፈ: እቲ ኻብቲ ሕጊ እተረኽበ ሓርነት: ንትምኒት ስጋ ምኽንያት ኪኸውን የብሉን። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እውን ከም መምርሒ ዀይኑ የገልግሎም እዩ።—5:14
16 እታ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓያል ምሳሌታት ብምውሳድ: ንሰብ ገላትያ ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ብዙሕ ትምህርቲ ሂባቶም እያ። እታ ኣብ ኢሳይያስ 54:1-6 እትርከብ ሰበይቲ የሆዋ: “እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ምዃና ብመንፈስ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ። ወረስቲ መብጽዓታት ኣምላኽ ዚዀኑ: እቶም ብክርስቶስ ሓራ ዝዀኑ ደኣ እምበር እቶም ኣብ ትሕቲ ባርነት እቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዘይኰኑ ብምግላጽ: ነቲ ብዛዕባ ኣጋርን ሳራን ዚሕብር “ምስሊ” ወይ “ኣምሳል” (ትርጕም 1990) ትገልጾ። (ገላ. 4:21-26፣ ዘፍ. 16:1-4, 15፣ 21:1-3, 8-13) እቲ ሕጊ ኺዳን ነቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ከም ዘየፍረሶ: የግዳስ ከም ዝወሰኸሉ ብንጹር ትገልጽ። ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ኺዳን እተኣትወሉ እዋን 430 ዓመት ዚኸውን ንውሓት ከም ዝነበረ እውን ትሕብር፣ እዚ ኸኣ መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽብጻብ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ገላ. 3:17, 18, 23, 24) ሎሚ ክርስትያናዊ እምነትና ንምህናጽ ምእንቲ ኺሕግዘና: እዚ ጸብጻባት እዚ ተዓቂቡልና ኣሎ።
17 ልዕሊ ዅሉ: እቲ ዅሎም ነብያት እተነበዩሉ ዘርኢ እታ መንግስቲ መን ምዃኑ ንሰብ ገላትያ ብዘየማትእ መገዲ ተሓቢርዎም እዩ። “እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ . . . ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። እቶም በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘለዎም እምነት ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑ: ክፋል እዚ ዘርኢ እዚ ኸም ዚዀኑ ተገሊጹ ኣሎ። “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም: ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም: ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም” ተባሂሎም ኣለዉ። (3:16, 29) እቶም ወረስቲ እታ መንግስትን ምሳታቶም ዚጽዕሩ ሰባትን ነቲ ኣብ ገላትያ ተዋሂቡ ዘሎ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ጽቡቕ ማዕዳ ኬቕልቡሉ ኣለዎም:- ‘ኣብቲ ክርስቶስ ዝሃበኩም ሓርነት ጽንዑ!’ “እንተ ዘይተጸልኣናስ: ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ: ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።” “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።”—5:1፣ 6:9, 10
18 ኣብ መወዳእታ: እቶም ግብሪ ስጋ ዚገብሩ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ዚገልጽ ሓያል መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ። እምበኣር: ኵላቶም ካብ ርስሓትን ባእስን እዛ ዓለም እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቁ: ልቦም ድማ ኣብቲ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ፍረ መንፈስ ኪገብሩ ኣለዎም።—5:19-23