ጥምቀት እንታይ እዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ጥምቀት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ናይ ምጥሓል ኵነት የመልክት።a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ጥምቀታት ተመዝጊቡ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41) ገለ ኻብኡ እቲ የሱስ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ እተጠምቀሉ ኣጋጣሚ ኺጥቀስ ይከኣል። (ማቴዎስ 3:13, 16) ድሕሪ ዓመታት ከኣ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኺጥመቕ ደለየ። ንሱን ፊልጶስን ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣብ ደረት መገዲ ናብ ዚርከብ ማይ በጽሑ። ስለዚ፡ “ናብቲ ማይ ወረዱ፡” ኣብኡ እውን ፊልጶስ ኣጥመቖ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:36-40።
የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኪጥመቑ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ነዚ ንጹር ገይርዎ ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 3:21።
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦
ጥምቀት እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
ጥምቀት ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ተጠማቒ ኻብ ሓጢኣቱ ኸም እተነስሐን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ከም እተመባጽዐን ንሰባት ዜርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ። ንኣምላኽን ንየሱስን እዙዝ ኰይኑ እውን ይመላለስ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ናብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይኣቱ።
ኣብ ማይ ብምጥሓል ዚግበር ጥምቀት፡ ነቲ እቲ ተጠማቒ ኣብ ህይወቱ ዚገብሮ ለውጢ ዜርኢ ጽቡቕ ተምሳል እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥምቀት ምስ ቀብሪ ተመሳሲሉ ኣሎ። (ሮሜ 6:4፣ ቈሎሴ 2:12) ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ማይ ኪኣቱ ኸሎ፡ ምስቲ ናይ ቀደም ህይወቱ ብእተተሓሓዘ ኸም ዝሞተ እዩ ዜርኢ። ካብ ማይ ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ ርእሱ ዝወፈየ ክርስትያን ብምዃን ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመረ እዩ ዜርኢ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት ሕጻናት እንታይ ይብል፧
ሕጻናት ኪጥመቑ ኸም ዚግባእ ዚገልጽ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ።b
ጥምቀት ሕጻናት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሳነ ኣይኰነን። ኪጥመቕ ዚደሊ ሰብ እተወሰነ ብቕዓታት ኬማልእ ከም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። ንኣብነት፡ መሰረታዊ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪፈልጥ፡ ምስቲ ትምህርትታት ተሰማሚዑ ድማ ኪመላለስ ኣለዎ። ካብ ሓጢኣቱ እውን ኪንሳሕ ኣለዎ። ብጸሎት ኣቢሉ ኸኣ ህይወቱ ንኣምላኽ ኪውፊ ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38, 41፣ 8:12) ሕጻናት ነዚ እተጠቕሰ ነገራት ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም።
ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ምጥማቕ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) “ብስም” ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ተጠማቒ ነቲ ኣቦን ወድን ዘለዎም ስልጣንን ቦታን፡ ከምኡ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ኸም እተቐበሎ የመልክት። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ሓንካስ ንዝነበረ ሰብኣይ፡ “ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:6) እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ንጹር እዩ። ጴጥሮስ ንስልጣን ክርስቶስ ከም እተቐበሎን እቲ ሰብኣይ ሳላ ክርስቶስ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዚሓውን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
“ኣቦ” ተባሂሉ ዘሎ፡ የሆዋc ኣምላኽ እዩ። ፈጣርን ወሃብ ህይወትን ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ኣለዎ።—ዘፍጥረት 17:1፣ ራእይ 4:11።
“ወዲ” ተባሂሉ ዘሎ እቲ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ሮሜ 6:23) የሱስ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ወሳኒ ግደ ኸም ዘለዎ እንተ ዘይተረዲኡናን ነዚ እንተ ዘይተቐቢልናዮን፡ ድሕነት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።—ዮሃንስ 14:6፣ 20:31፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:8-12።
“መንፈስ ቅዱስ” ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ወይ ዚዓዪ ዘሎ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።d ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ፍጥረታት ፈጢሩ፡ ህይወት ሂቡ፡ ንነብያት ኰነ ንኻልኦት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉሎም፡ ፍቓዱ ንምግባር እውን ሓይሊ ሂብዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:2፣ እዮብ 33:4፣ ሮሜ 15:18, 19) ብዘይካዚ፡ በዚ መንፈስ እዚ ኣቢሉ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳቡ ኸም ዚምዝግቡ ገይርዎም እዩ።—2 ጴጥሮስ 1:21።
ዳግመ ጥምቀት ሓጢኣት ድዩ፧
ብዙሓት ሰባት ሃይማኖቶም ይቕይሩ እዮም። ኣብታ ዝቐደመት ቤተ ክርስትያኖም ተጠሚቖም እንተ ነይሮም ግና፡ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚግባእ፧ ዳግም እንተ ተጠሚቖም ሓጢኣት ድዩ ዚዀኖም፧ ገሊኦም ‘እወ’ ኢሎም ይምልሱ እዮም። ከምኡ ንምባል ከም መሰረት ዚጠቕስዎ ድማ፡ ኣብ ኤፌሶን 4:5 ዚርከብ፡ “ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት” ሓሳብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ ሓደ ሰብ ዳግም ኪጥመቕ ከም ዘይብሉ ኣይኰነትን እትሕብር ዘላ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንብል፧
ኣብ ከባቢ ዘሎ ሓሳባት። ነቲ ኣብ ከባቢ ኤፌሶን 4:5 ዘሎ ሓሳባት እንተ ርኢናዮ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ናይ እምነት ሓድነት ኪህልዎም ከም ዚግባእ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ዜጕልሕ ነይሩ። (ኤፌሶን 4:5, 1-3, 16) ከምዚ ዓይነት ሓድነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ንሓደ ጐይታ ማለት ንየሱስ ክርስቶስ ኪስዕብዎ፡ ሓንቲ እምነት ክትህልዎም ማለት ሕደ ርድኢት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎም፡ ናብ ጥምቀት ዜብቅዕ ሕደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እውን ኪስዕቡ ነይርዎም።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንገሊኦም ተጠሚቖም ዝነበሩ ሰባት ዳግም ኪጥመቑ ኣተባቢዕዎም እዩ። ስለምንታይሲ፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምሉእ ርድኢት ከይረኸቡ እዮም ተጠሚቖም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 19:1-5።
ንጥምቀት ዚኸውን ግቡእ መሰረት። ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎ፡ ኣብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ሓደ ሰብ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚጋጮ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ተመስሪቱ እንተ ተጠሚቑ፡ እቲ ጥምቀቱ ብኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን። (ዮሃንስ 4:23, 24) እቲ ሰብ እቲ ብቕንዕና ዘንቀደ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ “ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ” ስጕምቲ ግና ኣይኰነን ወሲዱ። (ሮሜ 10:2) ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር፡ ነቲ እተማህሮ ኺትግብሮ፡ ህይወቱ ንኣምላኽ ኪውፊ፡ ዳግም እውን ኪጥመቕ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ዳግመ ጥምቀት ሓጢኣት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኪግበር ዚግባእ ቅኑዕ ነገር እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ካልእ ጥምቀታት
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዚገብርዎ ጥምቀት እተፈልየ ትርጉም ዘለዎ ጥምቀታት ተጠቒሱ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ዮሃንስ መጥምቕ ዝገበሮ ጥምቀት።e ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ነቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦም ሕጊ ስለ ዝጠሓሱ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብዚ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከም እተነስሑ ንምርኣይ ኣጥመቖም። ጥምቀት ዮሃንስ ነቶም ሰባት እቲኦም፡ ነቲ መሲሕ ዝዀነ የሱስ ብዓል ናዝሬት ኬለልይዎን ኪቕበልዎን እዩ ኣዳልይዎም።—ሉቃስ 1:13-17፣ 3:2, 3፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:4።
የሱስ እተጠምቆ ጥምቀት። የሱስ ብዮሃንስ መጥምቕ እተጠምቆ ጥምቀት ካብ ካልእ እተፈልየ እዩ ነይሩ። የሱስ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ፡ ሓጢኣት እውን ኣይገበረን። (1 ጴጥሮስ 2:21, 22) ስለዚ፡ ጥምቀቱ ኸም እተነስሐ ዜርኢ ኣይነበረን ወይ ‘ካብ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ይልምን’ ከም ዘሎ ዜርኢ ኣይነበረን። (1 ጴጥሮስ 3:21) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ምዃኑ መጠን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ገዛእ ርእሱ የቕርብ ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ምሃብ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።—እብራውያን 10:7-10።
ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ። ዮሃንስ መጥምቕን የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ምጥማቕ ተዛሪቦም ነይሮም እዮም። (ማቴዎስ 3:11፣ ሉቃስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1-5) እዚ ጥምቀት እዚ ምስቲ ብስም መንፈስ ቅዱስ ዚግበር ጥምቀት ሕደ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 28:19) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧
ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቑ፡ ውሱናት ሰዓብቲ የሱስ ጥራይ እዮም። ንሳቶም ከኣ ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንምግዛእ ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡ እዮም።f (1 ጴጥሮስ 1:3, 4፣ ራእይ 5:9, 10) ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ሚልዮናት ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ተገዛእቶም ኪዀኑ እዮም።—ማቴዎስ 5:5፣ ሉቃስ 23:43።
ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልዎምን ተኻፈልቲ ሞቱ ኪዀኑን ዚጥመቑ። ብመንፈስ ቅዱስ ዚጥመቑ ሰባት ‘ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ኪህልዎም’ እውን ይጥመቑ እዮም። (ሮሜ 6:3) ስለዚ፡ እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ቕቡኣት ሰዓብቱ እዮም ነዚ ጥምቀት እዚ ዚጥመቕዎ። ምስ የሱስ ሓድነት ኪህልዎም ስለ ዚጥመቑ ኸኣ፡ ኣባላት ጉባኤ ቕቡኣቱ ይዀኑ እዮም። ንሱ ርእሲ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣካላት ሰብነት እዮም።—1 ቈረንቶስ 12:12, 13, 27፣ ቈሎሴ 1:18።
ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ተኻፈልቲ ሞት የሱስ ኪዀኑ’ እውን ይጥመቑ እዮም። (ሮሜ 6:3, 4) ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ዘተኰረ ህይወት ይመርሑ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘይብሎም እውን ይፈልጡ እዮም። ድሕሪ ሞቶም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ናብ ሰማያዊ ህይወት ምስ ተንስኡ ድማ፡ በዚ ምሳልያዊ ጥምቀት እዚ ይሓልፉ እዮም።—ሮሜ 6:5፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44።
ብሓዊ ምጥማቕ። ዮሃንስ መጥምቕ ንሰማዕቱ፡ “ንሱ [የሱስ] ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ንዓውዱ እውን ኣጸቢቑ ኼጽርዮ እዩ፣ ንስርናዩ ኣብ ማዕከኑ ኺእክብ፡ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 3:11, 12) ኣብ መንጎ ብሓዊ ምጥማቕን ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ፍልልይ ኣሎ። እሞ ደኣ ዮሃንስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
እቲ ስርናይ ነቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎን ዚእዘዝዎን እዩ ዜመልክት። ንሳቶም ብመንፈስ ቅዱስ ኪጥመቑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ብቝቡቝ ግና ነቶም ንየሱስ ዘይሰምዕዎ እዩ ዜመልክት። ንሳቶም ብሓዊ ኺጥመቑ እዮም፣ እዚ ድማ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት የመልክት።—ማቴዎስ 3:7-12፣ ሉቃስ 3:16, 17።
a እታ “ጥምቀት” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ብመሰረት ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ፡ “ጠሊቕካ ወይ ጥሒልካ ናይ ምውጻእ መስርሕ” ዚብል ትርጉም ተዋሂብዋ ኣሎ።
b ጥምቀት ሕጻናት ነቲ ብመሰረት ልምዲ ገሊኡ ኣብያተ ክርስትያን ንሕጻናት ስም ኬውጽኡሎም ከለዉ ማይ ብምንጻግ ወይ ማይ ኣብ ርእሶም ብምፍሳስ ዚግበር “ጥምቀት” የመልክት።
c የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d “መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
e “ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
f “ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
g ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኸም ምጥላቕ ኣቕሑ ዝኣመሰለ ገሊኡ ስርዓት ምሕጻብ ኪገልጾ ኸሎ፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ጥምቀት” ዚብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። (ማርቆስ 7:4፣ እብራውያን 9:10) እዚ ኻብቲ የሱስን ሰዓብቱን ኣብ ማይ ብምጥላቕ እተጠምቅዎ ጥምቀት ፈጺሙ እተፈልየ ምዃኑ ንጹር እዩ።