-
ምእንቲ እምነትና ምጥባቕግምቢ ዘብዐኛ—1998 | 1 ታሕሳስ
-
-
12. ንጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኢቆንዩም ብትብዓት ንኽዛረቡ ዘለዓዓሎም ኵነታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
12 ናይ ጳውሎስን በርናባስን ኣብነት እውን እስከ ንርአ። ግብሪ ሃዋርያት 14:1, 2 ከምዚ ትብል:- “ኣብ ኢቆንዩም ኰነ: ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ አትዮም: ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዝአምኑ: ተዛረቡ። እቶም ዘይአመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን።” ኣብ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይንበብ:- “እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግን ነቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያን ኣለዓዓልዎም: ኣእምሮኦም ከኣ መረዙ።” እቶም ኣይሁድ ተጻረርቲ ንርእሶም ነቲ መልእኽቲ ምንጻጎም ስለ ዘየዕገቦም: እቶም ኣህዛብ ኣንጻር ክርስትያናት ብሕማቕ ኣቐዲሞም ምእንቲ ክፈርዱ ብሓሶት ናይ ምጽላም ወፈራ ጀመሩ።a እቲ ንክርስትና ምጽልኦም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዓሚቝ ዝነበረ! (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 10:28 ኣረኣእዮ።) እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ በቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተገብረ ጸርፊ መንፈሶም ምእንቲ ከየጥፍኡ: ጳውሎስን በርናባስን እዚ ናይ ‘ምዝራብ ግዜ’ ኢዩ ኢሎም ሓሰቡ። ስለዚ ጳውሎስን ባርናባስን በቲ ተኣምራት ክገብሩ ሓይሊ ብምሃብ ስምረቱ ዘርኣዮም ‘ጐይታ ተአሚኖም: ብትብዓት እናተዛረቡ ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ።’ እዚ ኸኣ “ገሊኦም ምስ ኣይሁድ: ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት” ከም ዝዀኑ ገበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:3, 4
-
-
ምእንቲ እምነትና ምጥባቕግምቢ ዘብዐኛ—1998 | 1 ታሕሳስ
-
-
a ማትዩ ሄንሪ ኮመንታሪ ኦን ዘ ሆል ባይብል (እንግሊዝኛ) ክገልጽ ከሎ እቶም ዝጻረሩ ዝነበሩ ኣይሁድ “ናብቶም ዝፈልጥዎም ዘበሉ [ኣህዛብ] ብምኻድ ኣእምርኦም ወይ እከዮም ክምህዞ ዝኽእል ዘበለ ነገራት ብምዝራብ ኣብ ውሽጦም ሕሰም ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ክርስትና ሕማቕ ኣረኣእያ እውን ከእትውሎም ውራየይ ኢሎም ተተሓሓዝዎ።”
-