ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንቓል ኣምላኽ የኽብርዎ
“ቃልካ ሓቂ እዩ።”—ዮሃ. 17:17።
ነዚ ነጥብታት እዚ ኣስተብህለሉ፦
እቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ፡ ምስቲ ድሕሪኡ እተገብረ ዋዕላታት ቤተ ክርስትያን ዚፈላለ ብኸመይ እዩ፧
ገለ ኻብቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ንቓል ኣምላኽ እተሓለቑሉ እንመን ነበሩ፧
እቶም ኣብ መወዳእታ 1800ታት ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት፡ እንታይ ሜላ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
1. ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለዩሉ መዳያት፡ ንስኻ ብውልቅኻ ዘስተብሃልካሉ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ጥቐስ።
ብዛዕባ እቲ ንፈለማ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበርካዮ ትርጕም ዝነበሮ ምይይጥ እሞ ሕሰብ። ካብቲ ምይይጥ እንታይ ትዝ ይብለካ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብምሉኡ ሕቶታተይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መለሱለይ፡ ኣዝየ እየ ተገሪመ’ ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ። ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ምዃኑ፡ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን፡ ከምኡውን እቶም ብሞት እተፈልዩና እነፍቅሮም ሰባት እንታይ ተስፋ ኸም ዘለዎም ምስ ፈለጥና፡ ሓጐስና ወሰን ኣይነበሮን።
2. ገለ ኻብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ዝጀመርካሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
2 ይኹን እምበር፡ ብዝያዳ ምስ ኣጽናዕና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንህይወትን ንሞትን ንመጻእን ዚምልከት ሕቶታትና ዚምልስ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘ ኸም ዝዀነ እውን ተረዲእና ኢና። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ፡ ግዜኡ ዘይሓልፎ እዩ፣ እቶም ብጥንቃቐ ዚስዕብዎ ኸኣ፡ ዕዉታትን ሕጉሳትን እዮም ዚዀኑ። (መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ።) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ” ገይሮም ኣይቅበልዎን እዮም። (1 ተሰ. 2:13) ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንምርምር፡ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ዜኽብርዎን ኣብ መንጎ እቶም ዘየኽብርዎን ሰባት ዘሎ ፍልልይ ኪጐልሓልና ይኽእል እዩ።
መዕለቢ እተገብረሉ ኣከራኻሪ ጕዳይ
3. እንታይ ንሓድነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ጕዳይ እዩ ተላዒሉ፧ እዚኸ ኣጸጋሚ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
3 እቲ ኻብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ብመንፈስ ካብ ዚቕባእ ድሕሪ 13 ዓመት፡ ንሓድነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ጕዳይ ተላዕለ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ኣህዛብ፡ ክርስትና ይቕበሉ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ‘እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰብኡት፡ ቅድሚ ጥምቀቶም ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኪግዘሩ ኣለዎምዶ፧’ እትብል ሕቶ ተላዕለት። እዛ ሕቶ እዚኣ ንሓደ ኣይሁዳዊ ኣዝያ እያ እትኸብዶ። ከመይሲ፡ እቶም ንሕጊ ሙሴ ዚሕልዉ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ይትረፍዶ ኻብ ኣህዛብ ምስ ዝመጸ ሰብ ኪቀራረቡሲ፡ ናብ ቤቱ እውን ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም። ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ፡ ነቲ ናይ ቀደም ሃይማኖቶም ስለ ዝሓደግዎ፡ ድሮ ኸቢድ መስጐጕቲ ወሪድዎም ነይሩ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኪቕበልዎም እንተ ጀሚሮም እሞ ኸኣ፡ ነቲ ምስቶም ንሕጊ ሙሴ ዚሕልዉ ሰባት ዘለዎም ርክብ እዩ ዜሐርፍፎ፣ ነቲ መስጐጕቲ ድማ ብዝያዳ እዩ ዜጋድዶ።—ገላ. 2:11-14።
4. ንጕዳይ ግዝረት ዝመርመርዎ መን እዮም፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ኺለዓል ዚኽእል ነይሩ፧
4 ብ49 ድ.ክ. እቶም ንባዕሎም ግዙራት ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን የሩሳሌም፡ “ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተአከቡ።” (ግብ. 15:6) እቲ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ንዘይረብሕ ዝርዝር ጕዳያት ዚምልከት ዜሰልኪ ሃይማኖታዊ ኽትዕ ዘይኰነስ፡ ባህ ዜብል ሰረተ እምነታዊ ምይይጥ እዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም ተሳተፍቲ ነናቶም ርእይቶ ሂቦም እዮም። እሞኸ ብብሕታዊ ምርጫ ወይ ብጽልኢ ተደሪኾምዶ ይውስኑ ይዀኑ፧ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዅነታት ክሳዕ ዚመሓየሽዶ ነቲ ጕዳይ ይውዝፍዎ ይዀኑ፧ ወይ ከኣ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምእንቲ ኺበጽሑ ኢሎም፡ ዋላ እኳ እንተ ዘይኣመኑሉ፡ ይለማለሙ ደዀን ይዀኑ፧
5. እቲ ብ49 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ፡ ካብቲ ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ዘመናት እተገብረ ዋዕላታት ቤተ ክርስትያን እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
5 ኣብቲ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ዋዕላ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ኢልካ ምልምላምን እትደልዮ ሓሳብ ንኺድገፈልካ ኢልካ ምጽዓርን ልሙድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ፡ ከምኡ ኣይተገብረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እቶም ተኣከብቲ ብሓደ ድምጺ እዮም ወሲኖም። ብኸመይ፧ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ነናቱ ጽኑዕ ርእይቶ እኳ እንተ ነበሮ፡ ኵላቶም ግና ንቓል ኣምላኽ የኽብርዎ ነበሩ፣ ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ እውን፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት እዮም ተጠቒሞም።—መዝሙር 119:97-101 ኣንብብ።
6, 7. ጕዳይ ግዝረት መዕለቢ ምእንቲ ኺግበረሉ፡ እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ብቕዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧
6 ጕዳይ ግዝረት መዕለቢ ንኺግበረሉ ዝሓገዘት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣሞጽ 9:11, 12 እያ ነይራ። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዚርከብ ቃላት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:16, 17 ተጠቒሱ ኣሎ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል፦ “እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዅሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ።”
7 ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ፡ ‘እዛ ጥቕሲ እዚኣ ግና፡ እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ኪግዘሩ ኸም ዘይብሎም ኣይትሕብርን እያ’ ኺብል ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣይትሕብርን እያ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ትርድኦም እያ። ከመይሲ፡ ነቶም እተገዝሩ ኣህዛብ ከም ‘ኣህዛብ’ ዘይኰነስ፡ ከም ኣሕዋቶም ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ዘጸ. 12:48, 49) ንኣብነት፡ ብመሰረት እቲ ባግስተር ዘዳለዎ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኣስቴር 8:17፡ “ብዙሓት ኣህዛብ ተገዝሩ እሞ፡ ኣይሁድ ኰኑ” ትብል። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:16, 17 ተገሊጹ ዘሎ፡ እቶም ዝተረፉ ቤት እስራኤልን (ኣይሁድን ናብ ኣይሁድነት እተቐየሩ እተገዝሩ ጵሮሴሊታትን) “ዅሎም ኣህዛብን” (ዘይተገዝሩ ኣህዛብ) ብስም ኣምላኽ ሓደ ህዝቢ ኸም ዚዀኑ ዚገልጽ ትንቢት፡ ንጹር መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። እቶም ክርስትያናት ኪዀኑ ዚደልዩ ኣህዛብ፡ ኪግዘሩ ኣየድልዮምን እዩ።
8. እቲ እተገብረ ውሳነ፡ ትብዓት ዜድልዮ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
8 ቃል ኣምላኽን መንፈሱን፡ ነቶም ቅኑዓት ክርስትያናት ‘ብሓደ ዀይኖም ከም ዚምድቡ’ ወይ ከም ዚውስኑ ገበሮም። (ግብ. 15:25) እቲ ውሳነ ነቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ዝያዳ መስጐጕቲ ዜስዕበሎም እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም እሙናት ሰባት ግና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ እተገብረ ውሳነ ምሉእ ብምሉእ ደገፍዎ።—ግብ. 16:4, 5።
ዓብዪ ፍልልይ
9. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚብከል ዝገበረ ኣገዳሲ ረቛሒ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣየናይ ኣገዳሲ ሰረተ እምነትከ እዩ ተበኪሉ፧
9 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ክርስትና ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ኸም ዚብከል ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 7 ኣንብብ።) ገለ ኻብቶም ‘ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይተዓገስዎ’ ሰባት፡ ሓላፍነት ዘለዎም እዮም ነይሮም። (2 ጢሞ. 4:3) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሽማግለታት፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:30) ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ ቄናን ኣተሓሳስባ ኸም ዚህሉ ብዛዕባ ዝገበረ ቐንዲ ረቛሒ ኺገልጽ ከሎ፡ “እተወሰነ ፍልስፍና ግሪኽ እተማህሩ ክርስትያናት፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልጠት ንኼዕግቡን ነቶም ምሁራት ዝነበሩ ኣረማውያን ሰባት ንኺልውጥዎምን ኢሎም፡ ንእምነቶም በቲ ናይ ግሪኻውያን ስያመታት ገይሮም ኪገልጽዎ ዘለዎም ኰይኑ ተሰምዖም” በለ። ሓደ ኻብቲ ብኣረማዊ እምነት እተበከለ ኣገዳሲ ሰረተ እምነት፡ መንነት የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ፣ ፈተውቲ ፍልስፍና ግሪኽ ግና፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኺገልጹ ጀመሩ።
10. እቲ ንመንነት ክርስቶስ ዚምልከት ጕዳይ፡ ብቐሊሉ መዕለቢ ኺግበረሉ ዚከኣል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
10 እዚ ጕዳይ እዚ፡ ኣብ ሓያሎ ዋዕላታት ቤተ ክርስትያን ክትዕ ተኻይዱሉ እዩ። እቶም ተሳተፍቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣኽብሮት እንተ ዚህልዎም ነይሩ ድማ፡ እቲ ጕዳይ ብቐሊሉ መዕለቢ ምተገብረሉ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኦም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ገና እቲ ዋዕላ ኸይተጀመረ ኸሎ፡ ወሲኖም እዮም መጺኦም ነይሮም፣ ውሳነኦም ኬቐይሮም ዚኽእል ድማ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ዋዕላታት ዝወጸ ትእዛዛትን ኣዋጃትን እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈጺሙ ኣይጠቐሰን።
11. መራሕቲ ሃይማኖት ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ ብኣበው ቤተ ክርስትያን እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧ ስለምንታይከ፧
11 መራሕቲ ሃይማኖት ንቕዱሳት ጽሑፋት ብሰፊሑ ዘይመርመርዎ ስለምንታይ እዮም፧ ቻርለስ ፍሪማን ዚብሃል ምሁር ነዚ ኺምልሶ ኸሎ፡ እቶም ንየሱስ ከም ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ሰባት፡ “ነቲ የሱስ እተዛረቦ ኻብቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ከም ዚትሕት ዚገልጽ ሓሳብ፡ ጌጋ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ኬቕርቡ ኣይከኣሉን” በለ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ካብ ወንጌላት ንላዕሊ፡ ንልምድታት ቤተ ክርስትያንን ነቲ ገሊኣቶም ሰባት ጸኒሖም ዝሃብዎ ርእይቶን ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። ክሳዕ ሎሚ ድማ፡ ብዙሓት ኣቕሽሽቲ ንቓል ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ነቲ በቶም ኣበው ቤተ ክርስትያን ዚብሃሉ እተዳለወ መንፈስ ኣምላኽ ዘይነፈሶ ጽሑፋት ኣኽቢሮም ይርእይዎ ኣለዉ። ምስ ሓደ ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ እተማህረ ሰብ ብዛዕባ ስላሴ እንተ ተመያይጥካ፡ ነዚ ኣስተብሂልካሉ ትኸውን።
12. ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧
12 ሃጸያት ሮሜ ኣብ ዋዕላታት ቤተ ክርስትያን ዓብዪ ጽልዋ ነይርዎም እዩ። ፕሮፌሰር ሪቻርድ ሩበንስቲን ብዛዕባ ዋዕላ ኒቅያ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ቆስጣንጢኖስ [ነቶም ኣቡናት] ካብ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ እዩ ኸም ዚጥዕሞምን ከም ዚህብትሙን ገይርዎም። ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ እቲ ሓድሽ ሃጸይ፡ ዳርጋ ንብምሉኡ ኣብያተ ክርስትያናቶም መሊሱሎም ወይ እንደገና ሃኒጹሎም እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ስኢኖምዎ ዝነበሩ ስርሖምን ክብሮምን መለሰሎም። . . . ነቲ ንኣረማውያን ካህናት ተዋሂብዎም ዝነበረ ፍሉይ መሰላት ድማ፡ ንኣቕሽሽቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዚወሃቦም ገበረ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ቆስጣንጢኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጻመታት ኒቅያ ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኪእዝዝ ይኽእል ነበረ።” ቻርለስ ፍሪማን፡ “እዚ ፍጻመ እዚ፡ እቲ ሃጸይ ነታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምድልዳል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰረተ እምነታ ጽልዋ ኣብ ምሕዳር እውን ኢዱ ንኼእቱ መገዲ ኸፈተሉ” ኢሉ ገለጸ።—ያእቆብ 4:4 ኣንብብ።
13. መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ንጹር ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ዝገበሮም ረቛሒታት እንታይ እዩ ነይሩ፧
13 መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ንናይ ሓቂ መንነት የሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ ኣጸጊምዎም እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ተራ ህዝቢ ግና ቐሊል እዩ ነይሩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ኢሎም፡ ኣብቲ ኻብቲ ሃጸይ ዚረኽብዎ ገንዘብ ወይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝነበሮም ስልጣን የተኵሩ ስለ ዝነበሩ እዩ፣ እቶም ተራ ህዝቢ ግና፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዜንብብዎ ዝነበሩ ነገራት ብንጹር ይርድእዎን ይቕበልዎን ነበሩ። ግሪጎሪ ብዓል ኒሳ ዚብሃል ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ ብዛዕባ እቶም ተራ ህዝቢ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ብላግጺ ተዛረበ፦ “ሸየጥቲ ኽዳን፡ ኣሽረፍቲ ገንዘብ፡ ሰብ ድኳን፡ ኵሎም ናይ ሃይማኖት ምሁራት እዮም። ንስኻ ብዛዕባ ዋጋ ገንዘብካ ትሓትት፡ ሓደ ፈላስፋ ኸኣ ኣቦ ኻብ ወዲ ኸም ዚፍለ ይገልጸልካ። ንስኻ ዋጋ ባኒ ትሓትት፡ ንሳቶም ግና ኣቦ ኻብ ወዲ ኸም ዚዓቢ ይነግሩኻ። ንስኻ ባኞ ተዳልዩ እንተ ዀይኑ ትሓትት፡ ንሳቶም ከኣ ወዲ ፍጡር ምዃኑ ይሕብሩኻ።” እወ፡ እቶም ተራ ህዝቢ ኸምቶም መራሕቲ ሃይማኖት ስለ ዘይነበሩ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም እዮም ሓሳባቶም ዚገልጹ ነይሮም። ግሪጎሪን መራሕቲ ሃይማኖትን ነቶም ተራ ህዝቢ እንተ ዚሰምዕዎም ምሓሸ ነይሩ።
“ስርናይ”ን “ክርዳድ”ን ብሓባር ዓበዩ
14. ካብ ቀዳማይ ዘመን ንነጀው፡ ኵሉ ግዜ እተወሰኑ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ምንባሮም ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
14 የሱስ ኣብ ሓደ ምሳሌ፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ንነጀው፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዚህልዉ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ነዚኣቶም ከኣ ምስቶም ኣብ መንጎ “ኽርዳድ” ዚዓብዩ “ስርናይ” ኣመሳሰሎም። (ማቴ. 13:30) እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ኣየኖት ውልቀ ሰባት ወይ ጕጅለታት ምዃኖም ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ኵሉ ግዜ ንቓል ኣምላኽ ብትብዓት እተሓለቑሉን ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ዘቃልዕዎን ሰባት ከም ዝነበሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እተወሰነ ኣብነታት እስከ ንርአ።
15, 16. ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ዝነበሮም ሰባት እንመን ምንባሮም ግለጽ።
15 ኣብ ልዮን፡ ፈረንሳ ዚነብር ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ኣጎባርድ (779-840 ድ.ክ.)፡ ንኣምልኾ ጣኦት፡ ነቲ ንቕዱሳን ተባሂሉ ዚስራሕ ኣብያተ ክርስትያን፡ ከምኡውን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ቕዳሰን ተግባራትን ቤተ ክርስትያን ተቓወሞ። ሓደ ኻብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት፡ ማለት ቅላውዴዎስ ዝስሙ ኣቡን፡ ንልምድታት ቤተ ክርስትያን ነጸጎ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ ናብ ቅዱሳን ዚግበር ጸሎትን ነቲ ንቕዱስ ዚብሃል ነገራት ዚቐርብ ኣምልኾን ተቓወሞ። ኣብ መበል 11 ዘመን፡ ኣብ ቱር፡ ፈረንሳ ዚነብር ዝነበረ በረንጋሪየስ ዚብሃል ሊቀ ዲያቆናት፡ ነቲ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እትምህሮ፡ ቅጫን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ዚገልጽ ትምህርቲ ስለ ዝነጸጎ፡ ተወገዘ። በረንጋሪየስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ልምድታት ቤተ ክርስትያን ከም ዚበልጽ እውን ይኣምን ነበረ።
16 ኣብ መበል 12 ዘመን፡ ክልተ ኣፍቀርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐልቀሉ፣ ንሳቶም ከኣ፡ ጴጥሮስ ብዓል ብርዊን ሄንሪ ብዓል ሎዛንን እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ትምህርትታት ካቶሊክ፡ ማለት ምስ ጥምቀት ሕጻናት፡ ምስቲ ቅጫን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ምስ ጸሎተ ፍትሓት፡ ከምኡውን ምስ ኣምልኾ መስቀል ከም ዘይሰማማዕ ምስ ተረድአ፡ ነቲ ኻህን ኰይኑ ዚዓይዮ ዝነበረ ዕዮ ሓደጎ። ብ1140 ድማ ተቐትለ። እቲ ፈላሲ ዝነበረ ሄንሪ፡ ነቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ብልሽውናን ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ቕዳሰን ብግልጺ ኣቃልዖ። ብ1148 ተታሒዙ ኸኣ፡ ዕድመ ይፍታሕ ተፈርዶ።
17. ዋልዶን ሰዓብቱን እንታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧
17 ጴጥሮስ ብዓል ብርዊ ብድፍረት ንቤተ ክርስትያን ብምንቃፉ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ብሓዊ ኣብ ዝነደደሉ እዋን፡ ጸኒሑ ኣብ ዝርጋሐ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዓብዪ ጽልዋ ዚህልዎ ሰብ ተወልደ። እዚ ሰብ እዚ፡ በቲ ቫልደስ ወይ ዋልዶ ዚብል ናይ ስድራ ቤቱ ስም እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ።a ከም ጴጥሮስ ብዓል ብርዊን ሄንሪ ብዓል ሎዛንን ዘይኰነስ፡ ተራ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ዝነበሮ ስጋዊ ሃብቲ ተጠቒሙ፡ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ እቶም ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ዝነበሩ ተራ ሰባት ከም ዚትርጐም ገበረ። ገሊኣቶም ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኪሰምዕዎ ብምኽኣሎም ኣዝዮም ተደነቑ፣ ንብረቶም ሓዲጎም ድማ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ብትግሃት ኪዓይዩ ጀመሩ። እታ ቤተ ክርስትያን ግና፡ ነዚ ፈጺማ ኣይፈተወቶን። ብ1184 እዞም ጸኒሖም ዋልደንሳውያን ተባሂሎም ኪጽውዑ ዝጀመሩ ቐናኣት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብጳጳስ ተወገዙ፣ ሓደ ኣቡን ከኣ ናብ ኣባይቶም ከይምለሱ ኸልከሎም። እዚ ኸኣ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ቦታታት ንኺበጽሕ መገዲ ኸፈተ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኤውሮጳ፡ ሰዓብቲ ዋልዶን ጴጥሮስ ብዓል ብርዊን ሄንሪ ብዓል ሎዛንን ካልኦት ካብ ቤተ ክርስትያን እተፈልዩ ሰባትን ነበሩ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት እውን፡ ካልኦት ንቓል ኣምላኽ እተሓለቑሉ ሰባት ነይሮም እዮም፣ ንኣብነት፡ ጆን ዊክሊፍ (ከባቢ 1330-1384)፡ ዊልያም ቲንደል (ከባቢ 1494-1536)፡ ሄንሪ ግሪው (1781-1862)፡ ከምኡውን ጆርጅ ስቶርስ (1796-1879) ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።
“ቃል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ”
18. እቶም ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ ቕኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ሜላ ኣጸናንዓ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
18 ጸላእቲ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ንዝርጋሐኡ ኺዓግትዎ ኣይከኣሉን። 2 ጢሞቴዎስ 2:9፡ “ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ” ትብል። ብ1870 ሓንቲ ጕጅለ ቕኑዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ኸተናዲ ጀመረት። ኣባላት እታ ጕጅለ ብኸመይ እዮም ዜጽንዑ ነይሮም፧ ሓደ ኻባታቶም ሕቶ የበግስ እሞ፡ ይመያየጡሉ። ንዅሉ ምስቲ ሕቶ ዚተሓሓዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ የንብብዎ፣ ድሕሪኡ፡ በቲ ኣብ መንጎ እቲ ጥቕስታት ዘሎ ስኒት ምስ ዓገቡ፡ ኣብ ሓደ መደምደምታ ይበጽሑ፣ ነቲ እተሰማምዑሉ ሓሳብ ድማ ኣብ ጽሑፍ የስፍርዎ። እዞም ኣብ መወዳእታ 1800ታት ዝነበሩ ኸም “መንፈሳውያን ኣባሓጎታትና” ጌርና ኽንርእዮም እንኽእል እሙናት ሰብኡት፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ንእምነቶም ምስ ቃል ኣምላኽ ኬሰማምዕዎ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ምፍላጥካስ ኣየተባብዓካንዶ፧
19. ጥቕሲ ዓመት 2012 እንታይ እያ፧ ብቕዕቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧
19 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ መሰረት እቲ እንኣምነሉ ነገራት እዩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ፡ ጥቕሲ ዓመት 2012 ኪኸውን ወሲኑ ኣሎ። (ዮሃ. 17:17) ዝዀነ ይኹን ሞገስ ኣምላኽ ኪረክብ ዚደሊ ሰብ ብሓቂ ኺመላለስ ስለ ዘለዎ፡ ኵልና ወትሩ ብቓል ኣምላኽ ንኽንምራሕ ንጽዓር።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓድሓደ ግዜ፡ ቫልደስ፡ ፒየር ቫልደስ ወይ ፒተር ዋልዶ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነይሩ እዩ፣ እቲ ናይ መጀመርታ ስሙ እንታይ ከም ዝነበረ ግና ርግጸኛታት ኣይኰንናን።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ጥቕሲ ዓመት 2012፦ “ቃልካ ሓቂ እዩ።”—ዮሃንስ 17:17
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዋልዶ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ዊክሊፍ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ቲንደል
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ግሪው
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ስቶርስ