ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 30 ኣሞጽ
ጸሓፊ:- ኣሞጽ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ይሁዳ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 804 ቅ.ክ.
የሆዋ ንኣሞጽ ኪጽውዖን ናብ ህዝቡ ይሁዳ ጥራይ ዘይኰነስ ናብታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ንኺንበ ኺልእኮን ከሎ: ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ደኣ እምበር: ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይነበረን። ሓደ ኻብቶም ኣብ 2 ነገስት 17:13, 22, 23 እተጠቕሱ ነብያት እዩ ነይሩ። ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ደቡብ 16 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ: ካብ ደቡባዊ ዶብ እቲ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ መንግስቲ እስራኤል ከኣ መገዲ ሓደ መዓልቲ ርሒቓ እትርከብ: ኣብ ይሁዳ እትርከብ ተቆዓ እዩ ዚነብር ነይሩ።—ኣሞ. 1:1፣ 7:14, 15
2 ኣብ መኽፈቲ ትንቢቱ: ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ዳግማይ ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን: ክልተ ዓመት ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺንበ ኸም ዝጀመረ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት እቶም ክልተ ነገስታት ዚገጣጠመሉ ኻብ 829 ክሳዕ ከባቢ 804 ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ 26 ዓመት ተነብዩ ማለት እዩ። ነብዪ ዘካርያስ ብግዜ ኡዝያ ንሰባት ብፍርሂ ኸም ዚሃድሙ ዝገበሮም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዘጋጠመ ገሊጹ ኣሎ። (ዘካ. 14:5) እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ኡዝያ ብድፍረት ኣብ ቤተ መቕደስ ኪዓጥን ምስ ፈተነ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዘጋጠመ ገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: እቲ ኣሞጽ ዝጠቐሶ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ኣቐዲሙ ኣብ ግዜ ንግስነት ኡዝያ ዘጋጠመ እዩ ዚመስል።
3 ኣሞጽ ዚብል ስም “ሰኸም ምዃን” ወይ “ሰኸም ምስካም” ማለት እዩ። ንእስራኤልን ይሁዳን (ከምኡውን ንሓያሎ መምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ ኣህዛብ) ጾር ዝዀነ መልእኽትታት እኳ እንተ ተሰከመ: ብዛዕባ ምምላስ ህዝቢ የሆዋ ዚገልጽ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ እውን ተሰኪሙ እዩ። ንእስራኤል ጾር ዝዀነ ኣዋጅ ዚእወጀሉ ብቑዕ ምኽንያታት ነይሩ እዩ። ብልጽግና: ጣዕሚ ናብራ: ከምኡውን ብዕልግና ኣብ መዓልታዊ ናብራ ልሙድ ኰይኑ ነበረ። እቲ ህዝቢ ንሕጊ የሆዋ ረሲዕዎ ነበረ። እቲ ዝረኸብዎ ብልጽግና: ከም ሓንቲ እምብዛ ኻብ ምብሳላ እተላዕለ እትምሽምሽ ዘላ ፍረ ናብ ጥፍኣት ይኸዱ ኸም ዘለዉ ንኸየስተውዕሉ ኣዖሮም። ኣሞጽ ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት: ህዝቢ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ተማሪኹ ስግር ደማስቆ ኸም ዚኸይድ ተነበየ። በዚ ኸምዚ ንጽድቅን ልዑላውነትን የሆዋ ኣጕልሐ: ንየሆዋ ኸኣ 21 ሳዕ “ልዑላዊ ጐይታ” ኢሉ ጸውዖ።—ኣሞ. 1:8 NW
4 እዝን ካልእን ትንቢታት ምፍጻሙ: ንሓቅነት ትንቢት ኣሞጽ ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ነብዪ: ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ጸላእቲ—ማለት ሶርያውያን: ፍልስጥኤማውያን: ጢሮሳውያን: ኤዶማውያን: ዓሞናውያን: ከምኡውን ሞኣባውያን—ብሓዊ ኸም ዚጠፍኡ ተነበየ። ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸላእቲ ዓሪዶምሉ ዝነበሩ ቦታ ኸም እተሰብረ ታሪኽ ዚምስክሮ እዩ። ይሁዳን እስራኤልን እውን ንየሆዋ ሓዲገን ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ይመላለሳ ብምንባረን ዝያዳ መቕጻዕቲ ዚግብአን እየን። እታ ናይ መወዳእታ ዕርዲ እስራኤል ዝዀነት ከተማ ሰማርያ: ብሰልመናስር ሓምሻይ ብዚምራሕ ሰራዊት ኣሶር ተኸበት: ብ740 ቅ.ክ. ከኣ ወደቐት። (2 ነገ. 17:1-6) ይሁዳ ኻብቲ ንሓብታ ዘጋጠማ ነገር ኣይተማህረትን: ስለዚ ድማ ብ607 ቅ.ክ. ተደምሰሰት።
5 ኣሞጽ ንእስራኤላውያን በቲ ምሾት ዝበዝሖ ናብራኦም ኰነኖም: ከመይሲ እቶም ሃብታማት ነቶም ድኻታት ኣታሊሎም “ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሔ ኣባይቲ” ይሃንጹ: ኣብኡ እውን ወይኒ ብብዝሒ ይሰትዩን ምግቢ ብብዝሒ ይበልዑን ነበሩ። (ኣሞ. 3:15፣ 5:11, 12፣ 6:4-7) ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብልጽግና ኸም ዝነበረ መርትዖ ረኺቦም እዮም። ኣብ ሰማርያ ብዅዕታ ብዙሕ ኣቝሑ ስኒ ሓርማዝ ወጺኡ እዩ። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣርክዮሎጂካል ኤክስካቬሽንስ ኢን ዘ ሆሊ ላንድ ዚበሃል መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ክልተ ቐንዲ ጕጅለታት ኪፍለ ይከኣል እዩ:- 1. ልዑል ቅርጾ ዘለዎ ጽላት: . . . 2. ትሑት ቅርጾ ዘለዎ ጽላት: ብተወሳኺ ድማ ብኽቡር ኣእማን: ሕብራዊ ጥርሙዝ: ወረቐት ወርቂ: ወዘተ እተሰለመ። . . . ስኒ ሓርማዝ ከም ምህርቲ ስነ-ጥበብ ፍንቅያውያን ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ: እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ነገስታት እስራኤል ከም ኣቝሑ ዀይኑ ንምምልኻዕ የገልግል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣከኣብ ‘ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤት’ (1 ነገ. 22:39) ከምኡውን ነቲ ኣሞጽ ነቶም ምሾት ዝበዝሖ ናብራ ዝነበሮም ኣብ ሰማርያ ዝነበሩ ሰባት ንምግናሕ ዝጠቐሶ ‘ዓራት ስኒ ሓርማዝ’ (6:4) ይጠቅስ እዩ።”a
6 መጽሓፍ ኣሞጽ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ እትውቲ ምዃና ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ እስጢፋኖስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7:42, 43 ንሓሳባት እቲ ሰለስተ ቝጽርታት ጠቒሱ እተዛረቦ ኸምኡውን ያእቆብ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:15-18 ካብታ መጽሓፍ ዝጠቐሶ ሓሳባት ንሓቅነታ ዜረጋግጽ እዩ።—ኣሞ. 5:25-27፣ 9:11, 12
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
13 ሎሚ ዘለዉ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ኣሞጽ ንእስራኤልን ይሁዳን ካልኦት ጥቓአን ዝነበሩ ኣህዛብን መጠንቀቕታ ዝሃበሉ ምኽንያት ብምስትብሃል ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እቶም ንሕጊ የሆዋ ዚነጽጉ: ንድኻታት ዜታልሉን ዚጭቍኑን: ስሱዓትን ርኹሳትን ዝዀኑ: ከምኡውን ጣኦት ዜምልኹ: ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግን: የሆዋ ነቶም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚምለሱን ዚንስሑን ይቕረ ይብለሎም: ምሕረት ድማ ይገብረሎም እዩ። ኣብዛ እክይቲ ዓለም ካብ ዘሎ ዜበላሹ ዕርክነት ምርሓቕናን ነቲ “ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” ዚብል ማዕዳ ምስማዕናን ጥበብ እዩ።—5:4, 6, 14
14 እስጢፋኖስ ሰማእት ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ካብ ኣሞጽ ጠቐሰ። እስራኤል ንኸም ሞሎኽን ሬፋንን ዝኣመሰሉ ጓኖት ኣማልኽቲ ምምላኹ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰድ ከም ዝገበሮ ንኣይሁድ ኣዘኻኸሮም። እቶም ኣይሁድ እቲኣቶም ቃላት ኣሞጽ እንደገና ኺንገሮም ከሎ ተጠቒሞምዶ፧ ኣይፋሎምን! ብቝጥዓ ተላዒሎም ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ: በዚ ኸምዚ ድማ የሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን ተወሳኺ መዓት ኣብ ርእሶም ኣምጽኡ።—ኣሞ. 5:25-27፣ ግብ. 7:42, 43
15 ንፍጻመ እቲ ኣብ እስራኤልን ይሁዳን ካልኦት ኣህዛብን ብዛዕባ ዚወርድ መቕጻዕቲ ዚገልጽ ትንቢታት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት እተፈጸመሉ ኣገባብ እውን ምምርማር ጠቓሚ እዩ። ከምቲ የሆዋ ብኣሞጽ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል: እቶም ምሩኻት እስራኤል ነተን ዝባደማ ኸተማታቶም ኪሃንጽወንን ኪነብርወንን: ወይንን ኣታኽልትን ከኣ ኪተኽሉ ብ537 ቅ.ክ. ተመልሱ።—ኣሞ. 9:14፣ እዝ. 3:1
16 ይኹን እምበር: ትንቢት ኣሞጽ ብግዜ ሃዋርያት ግርማውን ሃናጽን ፍጻመ ነበሮ። ያእቆብ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚእከቡሉ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ: ብመንፈስ ተደሪኹ ኣብ ኣሞጽ 9:11, 12 ብትንቢት ተነጊሩ ኸም ዝነበረ ንጹር ገበሮ። ‘ከም ብሓድሽ ምስራሕ እታ ወዲቓ ዝነበረት ድንኳን ዳዊት’ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም እተፈጸመ ሓበረ፣ “እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዅሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ . . . ጐይታ ይብል” ኢሉ እውን ጠቐሰ። ኣብዚ እምበኣር ነቲ ስምኦን ጴጥሮስ ዘዘንተዎ ሓድሽ ኵነታት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ደገፍ ተረኺቡ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ “ንስሙ ህዝቢ” የውጽእ ምንባሩ እዩ።—ግብ. 15:13-19
17 እቲ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: “ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት” ዚወርስን ንዘለኣለም ዚገዝእን “ወዲ ዳዊት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ሉቃ. 1:32, 33፣ 3:31) ስለዚ: ትንቢት ኣሞጽ ንፍጻመ እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ዚምልከት ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን እያ እትሕብር። እቲ ኣብ መዛዘሚ ትንቢት ኣሞጽ ዚርከብ ቃላት ብዛዕባ እቲ “ድንኳን ዳዊት” ኣብ ዚለዓለሉ ግዜ ዚህሉ ኣኺሉ ዚተርፍ ብልጽግና ጥራይ ዘይኰነስ: መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪት ከም እትኸውን እውን ይገልጽ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ: ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ።” የሆዋ ነታ “ድንኳን ዳዊት” ከም ብሓድሽ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣልዓላ: ምድሪ ብዘለኣለማዊ በረኸት ክትመልእ እያ።—ኣሞ. 9:13-15
[እግረ-ጽሑፍ]
a 1978: የሩሳሌም: ገጽ 1046