በርናባስ—“ወዲ ምጽንናዕ”
ካብ ዓርክኻ ምጽንናዕ ዝረኸብካላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መዓስ ኢያ፧ ንኻልእ ሰብ ዘጸናናዕካሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲኸ ትዝክራዶ ኢኻ፧ ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ኵላትና ምትብባዕ ንደሊ ኢና: ነቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ምጽንናዕ ዝህቡ ሰባት ድማ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስዎም! ምጽንናዕ: ንኽትሰምዕን ንኽትርዳእን ንኽትሕግዝን ግዜ ክትወስድ ከም ዘድሊ ዝሕብር ኢዩ። ከምኡ ንኽትገብር ድሉው ዲኻ፧
ኣብነታዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ድልውነት ዘርኣየ: እቲ “መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ” ዝነበረ በርናባስ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:24) ብዛዕባ በርናባስ ከምኡ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧ ነዚ መግለጺ እዚ ንኽበቅዕ ዘኽኣሎ ነገርከ እንታይ ኢዩ ገይሩ፧
ለጋስ ሓጋዚ
እቲ ናይ ሓቂ ስሙ ዮሴፍ ኢዩ ነይሩ: እቶም ሃዋርያት ግን ነቲ ምስ ባህርዩ ኣዝዩ ዝሰማማዕ በርናባስ: “ወዲ ምጽንናዕ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ካልእ ስም ኣውጽእሉ።a (ግብሪ ሃዋርያት 4:36) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቅድሚ ቕሩብ ግዜ ኣቢላ ተመስሪታ ነበረት። ገሊኦም በርናባስ ሓደ ካብ ደቀ መዝሙር የሱስ ዝዀነ ኣቐድም ኣቢሉ ኢዩ ብምባል ይሓስቡ። (ሉቃስ 10:1, 2) እዚ ሓቂ ድዩ ኣይኰነን ብዘየገድስ: እዚ ሰብ እዚ ጽቡቕ ስም ኣትሪፉ ኢዩ።
ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ሌዋዊ በዓል ቆጵሮስ በርናባስ ብወለንትኡ መሬቱ ሸጠ: ነቲ ገንዘብ ድማ ነቶም ሃዋርያት ሃቦም። መሬቱ ዝሸጠ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት: “ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ” ብምባል ይነግረና። በርናባስ ሓገዝ ናይ ምሃብ ኣድላይነት ከም እተገንዘበ ርዱእ ኢዩ: ብምዉቕ ልቢ ተላዒሉ ድማ ንኽሕግዝ ሓደ ነገር ገበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:34-37) ሃብታም ሰብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ንረብሓታት እታ መንግስቲ ንምድንፋዕ ግን ስጋዊ ጥሪቱን ገዛእ ርእሱን ንምውፋይ ኣይተወላወለን።b ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ እተባህለ ምሁር “በርናባስ ኣብ ዝኸደ ይኺድ ምትብባዕ ዘድልዮም ሰባት ወይ ድማ ኵነታት ምስ ዝረክብ: ዝኽእሎ ዘበለ ምትብባዕ ሂቡ ኢዩ” ብምባል ርእይቶ ይህብ። ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ካልኣይ ኣጋጣሚ ድማ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ።
ኣብ ከባቢ 36 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ሕጂ ክርስትያን ዝዀነ ሳውል በዓል ጤርሰስ (እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ እተባህለ) ምስታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ክራኸብ ደለየ: “ንሳቶም ግና: ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይአመንዎ: ኵላቶም ፈርሁ።” እቲ ዘረብኡ ሓቂ ድኣ እምበር ነታ ጉባኤ ዝያዳ ንምዕናው ተባሂሉ እተገብረ መዐሸዊ ዘረባ ከም ዘይኰነ ከመይ ገይሩ ከእምና ይኽእል፧ “በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ።”—ግብሪ ሃዋርያት 9:26, 27፣ ገላትያ 1:13, 18, 19
በርናባስ ንሳውል ዝኣመነሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን። ዝዀነ ዀይኑ ግን: እቲ “ወዲ ምጽንናዕ” ንጳውሎስ ብምስማዕን ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ዝመስል መጻብቦ ብምሕጋዝን ምስቲ ካልእ ስሙ ተሰማሚዑ ኢዩ። ድሕርዚ ጳውሎስ ናብቲ እተወልደሉ ዓዱ እኳ እንተ ተመልሰ: እዞም ክልተ ሰባት ግን ዕርክነት መስሪቶም ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ዓመታት: እቲ ዕርክነቶም ኣገዳሲ ውጽኢታት ነይርዎ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:30
ኣብ ኣንጾክያ
ኣብ ከባቢ 45 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዘይልሙድ ምዕባለ ማለት ሓያሎ ተዛረብቲ ግሪኽ ዝዀኑ ነበርቲ እታ ኸተማ ኣመንቲ ይዀኑ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ብስራት ናብ የሩሳሌም በጽሐ። እታ ጉባኤ ነቲ ኣብኡ ዝዕየ ዝነበረ ዕዮ ንኽዕዘብን ንኸመሓድሮን ንበርናባስ ለኣኸቶ። ካብዚ ንላዕሊ ጥበባዊ ምርጫ ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ሉቃስ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ንሱ ምስ መጸ: ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሐጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ: ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ኪነብሩ መኸሮም: ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ።”—ግብሪ ሃዋርያት 11:22-24
እቲ ንሱ ዝገበሮ ነገራት እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ጁዘፐ ሪቾቲ እተባህለ ምሁር ከም ዝበሎ “በርናባስ ተግባራዊ ሰብ ኢዩ ነይሩ: እቲ ክዕምብብ ምዃኑ ተስፋ እተገብረሉ ኣኽል-ታርፍ ዝዀነ ምህርቲ ምእንቲ ኽሕፈስ ብኡንብኡ ነቲ ዕዮ ናይ ምጅማር ኣድላይነት ተረድኦ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ብቐዳምነት ዝድለ ነገር ምህርቲ ዝእክቡ ዓየይቲ ኢዩ ነይሩ።” በርናባስ ካብ ቆጵሮስ ክምለስ ከሎ: ምስቶም ኣህዛብ ርክብ ናይ ምግባር ልምዲ ኣሕዲሩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣረማውያን ክሰብኽ ብቑዕ ከም ዝዀነ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ዘሐጕስን ዘተባብዕን ንጥፈት ካልኦት ከም ዝሓብሩ ክገብር ድሉው ኢዩ ነይሩ።
በርናባስ ብዛዕባ ሳውል ሓሲቡ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ምልዋጥ ጳውሎስ: እቲ ቕድም ዘሳጕግ ዝነበረ ሰብ ‘ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ስም [የሱስ] ንምጻር ሕሩይ ኣቕሓ’ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ንሃናንያ እተዋህበ ትንቢታዊ ራእይ ተገንዚቡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15) ስለዚ ኸኣ ንጳውሎስ ኣብ ጠርሴስ ንምድላይ ገለ 200 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ጕዕዞ ንምግባር ተበገሰ። ዓመት ምሉእ ድማ ክልቲኦም ከም መገላግልቲ ኰይኖም ዓየዩ: “እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ክርስትያን [እተሰምዩሉ]” ግዜ ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:25, 26
ኣብ እዋን ንግስነት ቅላውዴዎስ: ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ግዝኣት ሮሜ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እቲ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ታሪኽ ጆሰፈስ ከም ዝበሎ: ኣብ የሩሳሌም “መግቢ ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ስለ ዘይነበረ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።” ስለዚ ኸኣ: እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ “ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።” ነቲ መዝነት ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምፍጻሞም ከኣ: ክልቲኦም ምስ ዮሃንስ ማርቆስ ኰይኖም ናብታ ካብ መንጎ ነብያትን መምሃራንን ኰይኖም እተጠቕሱላ ጉባኤ: ናብ ኣንጾክያ ተመልሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:29, 30፣ 12:25፣ 13:1
ፍሉይ ሚስዮናዊ መዝነት
ድሕርዚ ሓደ ሓለፍ ዝበለ ፍጻመ ተፈጸመ። “እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጾሙን ከለዉ ኸኣ: መንፈስ ቅዱስ፤ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ: በሎም።” ሕስብ እሞ ኣብሎ! ክልቲኦም ሓደ ፍሉይ መዝነት ክቕበሉ መንፈስ የሆዋ ኣዘዘ። “ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።” በርናባስ እውን ሃዋርያ ወይውን ልኡኽ ተባሂሉ ክጽዋዕ ብልክዕ ዝከኣል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:2, 4፣ 14:14
ናብ ቆጵሮስ ምስ ተጓዕዙን ነቲ ኣብ ሮሜ ናይ ደሴት ኣመሓዳሪ ዝነበረ ሰርግዮስ ጳውሎስ ኣማኒ ክኸውን ምስ ሓገዝዎን: ናብታ ዮሃንስ ማርቆስ ካብኦም እተፈለየላን ናብ የሩሳሌም እተመልሰላን ቦታ ማለት ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ጴርጌ ገጾም ከዱ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:13) ዝያዳ ተመክሮ ከም ዘለዎ ዓያዪ መጠን ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ መሪሕነት ዝወስድ ዝነበረ በርናባስ ኢዩ ዝመስል። ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ግን: መሪሕነት ዝወስድ ሳውል (እቲ ሕጂ ጳውሎስ እተሰምየ) ኢዩ። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:7, 13, 16፣ 15:2 ኣረኣእዮ።) በርናባስ እዚ ለውጢ እዚ ምስ ተገብረ ኣስተማሲሉዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: የሆዋ ሓይሊ ብዘሎዎ መገዲ ንመገላግልቱ እውን ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ብቕንዕና እተገንዘበ ብሱል ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። የሆዋ: ገና ካልእ ዞባታት እውን ብኣታቶም ኣቢለን ብስራት ክሰምዓ ደለየ።
ሓቂ ኢዩ: ክልቲኦም ካብታ ኣብ ጵስድያ እትርከብ ኣንጾክያ ቅድሚ ምስጓጎም: እቲ ኸባቢ ብምልኡ ካብ ጳውሎስን በርናባስን ቃል ኣምላኽ ሰሚዑ ነበረ: ሓያሎ ሰባት ድማ ነቲ መልእኽቲ ተቐበልዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:43, 48-52) ኣብ ኢቆንዩም “ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ [ኣመኑ]።” እዚ ንጳውሎስን በርናባስን ‘በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም ክግበር ዝሃበ ጐይታ ተኣሚኖም ብትብዓት ብምዝራብ’ ነዊሕ ግዜ ንኸሕልፉ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። ብዳርባ እምኒ ንምቕታሎም ውዲት ከም እተኣልመ ምስ ሰምዑ: ክልቲኦም ብጥበብ ሃደሙ: ዕዮኦም ድማ ኣብ ሊቃኦንያን ልስጥራን ደርቤን ቀጸሉ። በርናባስን ጳውሎስን ኣብ ልስጥራ ንህይወቶም ዘስግእ ተመክሮታት እኳ ኣጋጢምዎም እንተ ነበረ: “ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፤ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ: እናብሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:1-7, 19-22
እዞም ክልተ ንቑሓት ሰበኽቲ እዚኣቶም ፍርሒ ከጃጅዎም ኣይፈቐዱን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ኣብቲ ድሮ ሓያል ምጽራር ኣጋጢምዎም ዝነበረ ቦታታት ዘለዉ ሓደስቲ ክርስትያናት ንምትብባዕ ተመልሱ: እዚ ድማ ነቶም ብቑዓት ሰብኡት ኣብተን ሓደስቲ ዝነበራ ጉባኤታት መሪሕነት ንኽወስዱ ብምሕጋዝ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
ንግዝረት ዝምልከት ክርክር
ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ገለ 16 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ: በርናባስ ኣብቲ ታሪኻዊ ፍጻመ ዝዀነ ንግዝረት ዝምልከት ክርክር እቱው ነበረ። “ካብ ይሁዳ [ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ] ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፤ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ: ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ: ኢሎም መሀርዎም።” በርናባስን ጳውሎስን እዚ ነገር እዚ ከምኡ ከም ዘይኰነ ካብ ተመክሮ ተረድኡ: ነቲ ጉዳይ ድማ ተቓወምዎ። ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ክንዲ ዝማጐቱ: እዚ ሕቶ እዚ እንተድኣ ደቂሱ ብምልኡ እቲ ማሕበር ኣሕዋት ረብሓ ክረክብ ከም ዝኽእል ተገንዘቡ። ስለዚ ነቲ ሕቶ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብጽሕዎ: እቲ ጸብጻቦም ድማ እቲ ጕዳይ ንኽድቅስ ሓገዘ። ብድሕርዚ: ጳውሎስን በርናባስን “[ፍቑራት] . . . ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሀቡ ሰባት” ተባሂሎም ተገሊጾም ኢዮም: ካብ መንጎ እቶም ነቲ ውሳነ ናብቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ከብጽሕዎ እተመዘዙ ሰባት ድማ ነበሩ። እታ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝመጸት ደብዳበ ምስ ተነበትን ዝርርብ ምስ ተዋህበን: እታ ጉባኤ ‘በቲ ምጽንናዕ ተሓጐሰት’: ‘ተበራተዐት’ ድማ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2, 4፣ 25-32
“ባእሲ”
ብዛዕብኡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣወንታዊ ጸብጻባት ድሕሪ ምርኣይና: ንኣብነት በርናባስ ክንመስሎ ፈጺምና ከም ዘይንኽእል ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ “ወዲ ምጽንናዕ” ልክዕ ከማና ዘይፍጹም ሰብ ኢዩ ነይሩ። ንሱን ጳውሎስን ነተን ጉባኤታት ንኽበጽሕወን ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ክገብሩ ምስ መደቡ: ዘይምስምማዕ ተፈጥረ። በርናባስ ነቲ ወዲ ሓወብኡ ዝነበረ ዮሃንስ ማርቆስ ክማልእዎ ወሰነ: ይኹን እምበር ዮሃንስ ማርቆስ ካብቲ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ተፈልዩ ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ንዕኡ ምምላእ ግቡእ ኣይኰነን ኢሉ ሓሰበ። “ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ: ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ: በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ” እሞ ብኻልእ መገዲ ኸደ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:36-40
ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ዘሕዝን እኳ እንተዀነ: እቲ ፍጻመ ብዛዕባ ናይ በርናባስ ባህሪ ካልእ ነገር ይነግረና ኢዩ። ሓደ ምሁር “በርናባስ ነቲ ዝስዕብ ሓደጋ ንኽቕበል ድሉው ብምንባሩን ኣብ ማርቆስ ንኻልኣይ ግዜ እምንቶ ብምሕዳሩን ኵሉ ግዜ ዘኽብሮ ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። እቲ ጸሓፊ ከም ዝጠቐሶ: እቲ “በርናባስ ኣብኡ ዝገበሮ እምንቶ: እንደገና ምትእምማን ከሕድር ሓጊዝዎ ከም ብሓድሽ ቃል ክኣቱ ኸኣ ኣለዓዒልዎ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነገራት ምስ ተቕየሩ: እቲ እምንቶ እቲ ምሉእ ብምሉእ ሓቅነቱ ኣረጋጊጹ ነይሩ ኢዩ: ከመይሲ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ማርቆስ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክጠቅም ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ዝህበሉ ግዜ መጺኡ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:11፣ ምስ ቈሎሴ 4:10 ኣረኣእዮ።
እቲ ናይ በርናባስ ኣብነት ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ንኽንሰምዖምን ንኽንርድኦምን ንኸነተባብዖምን ግዜ ኽንወስድ: ሓገዝ ከም ዘድሊ ኣብ ዝፈለጥናሉ እዋን ድማ ተግባራዊ ሓገዝ ንምሃብ ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ። እቲ ንኣሕዋቱ ብልእመትን ብትብዓትን ንምግልጋል ዘርኣዮ ድሉውነቱ: ከምኡውን እቲ ከምኡ ምግባሩ ዘፍረዮ ብሉጽ ውጽኢታት ዝገልጽ ጸብጻባት ንባዕሉ ዘተባብዕ ኢዩ። ሎሚውን ኣብ ጉባኤታትና ከም በርናባስ ዝኣመሰሉ ሰባት ምህላዎም ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንሓደ ሰብ በቲ ዘሎዎ ባህርይ “ወዲ . . .” ኢልካ ምጽዋዕ ሓለፍ ንዝበለ ጠባዩ ዘጕልሕ ኢዩ። (ዘዳግም 3:18 NW እግረ-ጽሑፍ ርአ።) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ንናይ ሓደ ሰብ ባህርያት ቈላሕታ ንምግባር ኢልካ ካልእ ስም ምውጻእ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። (ምስ ማርቆስ 3:17 ኣረኣእዮ።) እቲ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ኣስማት ኢዩ ነይሩ።
b ገሊኦም ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ቈይሙ ዝነበረ ነገር ብምሕሳብ: እቲ ሌዋዊ ዝነበረ በርናባስ መሬት ክውንን ዝኸኣለ ከመይ ገይሩ ኢዩ ብምባል ይሓቱ። (ዘሁልቍ 18:20) ይኹን እምበር: እቲ ጥሪት ዝነበረሉ ቦታ ኣብ ፍልስጤም ድዩ ወይስ ኣብ ቆጵሮስ ንጹር ከም ዘይኰነ ክስትብሃል ኣሎዎ። ብተወሳኺ: እቲ በርናባስ ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ኣጥርይዎ ዝነበረ መሬት ንመቕበሪ ዝኸውን ቃጽዖ ጥራይ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ይኹን እቲ: በርናባስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ጥሪቱ ወፍዩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
በርናባስ “መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ ” ነይሩ