ሲላስ እቲ ምንጪ ምትብባዕ
ኣብ ታሪኽ ክርስትና ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ንምትብባዕን እቲ ብስራት ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ንምብጻሕን ዕዮ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም መጀመርታ እተመዘዙ ተዓዘብቲ: እቲ ነብይን ቀንዲ ኣባል ናይ ጉባኤ የሩሳሌምን ዝነበረ ሲላስ ኢዩ። ሲላስ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣገደስቲ ምዕባለታት ንምምጻእ ዓቢ ግደ ዝነበሮን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ዝሰበኹ ሚስዮናውያንን ኢዩ ነይሩ። ሲላስ ነዚ ዅሉ ንኽገብር ብቑዕ ዝገበሮ ብፍላይ እንታይ ኢዩ፧ ነየናይ ባህርያቱ እንተ ቐዳሕና ኢዩኸ ሰናይ ዝኸውን፧
ናይ ግዝረት ክርክር
ብ49 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ንግዝረት ዝምልከት ብርቱዕ ዝፈላሊ ሕቶ ምስ ተላዕለ: ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ክርስትያናት እተላዕለ ክርክር ንምድቃስ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ብሩህ ዝዀነ መምርሒ ከመሓላልፍ ኣድላዪ ኰይኑ ረኸቦ። ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ስልዋኖስ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሲላስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢዩ። እቲ ‘ብሃዋርያትን ሽማግለታትን’ እተመሓላለፈ ውሳነ ነቶም ኣብ ‘ኣንጾክያን ሶርያን ቂልቅያን ዝነበሩ ኣሕዋት’ ንኸብጽሕ ከም ወኪል ክኸውን እተመርጸን ሓደ ካብቶም ውሳነ ዘመሓላለፉ ሰባትን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣንጾክያ: ሲላስን ይሁዳን (በርሳባ) ምስኣቶም ከኣ በርናባስን ጳውሎስን ኰይኖም ነቲ ሒዞሞ ዝኸዱ መልእኽቲ ኣብጽሑዎ: ብቓላቶም ገይሮም ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ኣኼባ: እቲ እተበጽሐ ውሳነ: ከምኡውን ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳበ ከም ዝነገርዎም ንጹር ኢዩ። ‘ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል ኣበርትዕዎም።’ እቲ ደስ ዘብል ውጽኢት ከኣ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ክርስትያን ‘ተሐጐሱ።’—ግብሪ ሃዋርያት 15:1-32
ስለዚ እምበኣር ሲላስ ነዚ መሰረታዊ ዝዀነ ክርክር ንምድቃስ ዓቢ ግደ ነበሮ። እቲ ተመዚዙሉ ዝነበረ ዕዮ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ናይ ኣንጾክያ ጉባኤ ነቲ ውሳነ ብኸመይ ከም ዝቕበልዎ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ስለዚ ከምቲ ሓደ ወሃብ ርእይቶ ዝበሎ “ነቲ ሃዋርያት ኣብቲ ደብዳበ ዝጸሓፍዎ ነገር ንምብራህ ብዙሕ ጥበብን ክእለትን ዝሓትት ኢዩ ነይሩ።” ነዚ ተኣፋፊ ዝዀነ መዝነት ሲላስ ክሕዞ ምሕራዩ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ዝሕግዝ ኢዩ። ብተኣማንነት ንመምርሒታት ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንኸብርህ ትውክልቲ ክግበሮ ዝከኣል ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ጉባኤ ዘስግእ ክርክር ክለዓል ከሎ ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ጽልዋ ክገብር ዝኽእል ጥበበኛ ተዓዛቢ ነይሩ ክኸውን እውን ኣለዎ።
ምስ ጳውሎስ ይጓዓዝ
ሲላስ እዚ ዕዮ እዚ ድሕሪ ምፍጻሙ: ናብ የሩሳሌም ከም እተመልሰን ዘይተመልሰን ብርግጽ ዝፍለጥ ነገር ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ ግን ኣብ መንጎ በርናባስን ጳውሎስን ብምኽንያት ዮሃንስ ማርቆስ ባእሲ ምስ ተላዕለ: ጳውሎስ ናብተን ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ዝሰበኸለን ከተማታት ንኽበጽሕ ዝመደቦ ሓዲሽ ጕዕዞ: ነቲ ሽዑ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረ ሲላስ ክማልኦ መረጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:36-41
ሲላስ ንኽምረጽ ጽልዋ ዝገበረ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከምኡውን ነቲ ውሳነ ኣብቶም ኣብ ሶርያን ቂልቅያን ዝነበሩ ኣመንቲ ንምብጻሕ በቲ ከም ነብይን ልኡኽ ኣመሓዳሪ ኣካልን መጠን ዝነበሮ ስልጣን ኢዩ ዝኸውን። እቲ ውጽኢት ከኣ ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ኣብ ዘዝአተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ አዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።”—ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5
እቶም ሚስዮናውያን ክጓዓዙ ኸለዉ: መንፈስ ቅዱስ ክልተ ግዜ ነቲ ክኸድዎ ዝሓሰቡ ከም ዝልውጡ ገይርዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:6, 7) ብንጹር ዘይተልጸ እኳ እንተዀነ ብዛዕብኡ ‘ትንቢት’ ስለ ዝነበረ: እቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ጕጅለ ንጢሞቴዎስ ንእግረ-መገዶም ካብ ልስጥራ ተማልእዎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18፣ 4:14) ጳውሎስ ውህበት ምንባይ ስለ ዝነበሮ እቶም ብሓንሳእ ዝኸዱ ዝነበሩ ብጾት ናብ መቄዶንያ ክኸዱ ዝነግር ራእይ ረኣየ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10
ተቐጥቀጡን ተኣስሩን
ኣብታ ‘ቐዳመይቲ ከተማ ናይታ ኽፍሊ ሃገር’ ዝነበረት ፊሊጲ: ሲላስ ዘይርሳዕ ከቢድ ፈተና ወረዶ። ጳውሎስ ንሓንቲ መንፈስ ጥንቈላ ዝነበራ ጓል ኣድሓና እሞ: እቶም ጐይተታ እቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ መኽሰብ ሰኣኑ: ንሲላስን ንጳውሎስን ሒዞም ድማ ናብቶም ሓላቑ እታ ኸተማ ወሰድዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከም ገበርቲ ኽፉእ ተራእዩ: ክዳውንቶም ቀዲዶም ድማ ኣብ ዕዳጋ ብሽመል ገረፍዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:12, 16-22
ከምዚ ዝበለ መግረፍቲ ናይ ሰብ ትዕግስቲ ዝፈታተን ከቢድ መቕጻዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ናይ ጳውሎስን ሲላስን ኵነታት ክርአ ኸሎ ዘይሕጋዊ እውን ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ናይ ሮሜ ሕጊ ዋላ ሓደ ሮማዊ ዜጋ ክግረፍ ኣየፍቅድን ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ሮማዊ ዜግነት ነይርዎ ኢዩ: ሲላስ እውን ነይርዎ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ። “ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም” ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮም ኣእጋሮም ኣብ ጕንዲ ኣሰርዎም። እዚ ኣገባብ እዚ “ነቲ እሱር ኣእጋሩ ገቲሮም ብምእሳር ድቃስ ከም ዝስእን ዝገብሩሉ መሳርሒ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ጉስታፍ ሽታሊን ይገልጽ። ይኹን እምበር: ፍርቂ ለይቲ “ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ።” ሕቝኦም ቍስሊ ንቝስሊ መሊኡ የቐንዝዎም ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:23-25
እዚ ብዛዕባ እቲ ሲላስ ዝነበሮ ካልእ ባህሪ ይሕብረና። ምእንቲ ስም ክርስቶስ ይሳቐዩ ብምንባሮም ሕጉስ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:11, 12፣ 24:9) ሲላስን ብጾቱን ናብ ኣንጾክያ ከይዶም ነታ ጉባኤ ብምትብባዕን ብምብርታዕን ንክርስትያናት ብጾቶም ከም ዝሕጐሱ ክገብሩዎም ከለዉ ኣሳልጦ ከም ዝረኽቡ ዝገበሮም እዚ መንፈስ እዚ ኢዩ። ጳውሎስን ሲላስን ብተኣምራታዊ መገዲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹን ነቲ ርእሱ ክቐትል ሓሲቡ ዝነበረ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ኣብ ኣምላኽ ንኽኣምኑ ምስ ሓገዝዎምን ሓጐሶም ወሲኹ ክኸውን ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:26-34
ጳውሎስ ይኹን ሲላስ በቲ መግረፍትን ማእሰርትን ኣይፈርሁን። ንኽወጹ ምስ ተነግሮም: እቶም ሓላቑ ካብ ፊሊጲ ከም ሰረቕቲ ሞሊቘም ክወጹ እኳ ተጸብዮምዎም እንተ ነበሩ: ንሳቶም ግን በቲ መገዲ እቲ ኽወጹ ኣይደለዩን። ብትሪ ድማ እቲ ነገር ናብቶም ትዕቢተኛታት ሰበ-ስልጣን ከም ዝግልበጥ ገበሩ። ጳውሎስ “ንሕና ሮማውያን ክነስናስ: ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና: ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧” ኢሉ ሓተተ። “ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር: እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ” ድማ በለ። እቲ ኽመጾም ዝኽእል ሳዕቤን ስለ ዘፍርሖም እቶም ሓላቑ ንኽልቲኦም ካብታ ከተማ ክወጹ ክልምንዎም ተገደዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:35-39
ነቲ ከም ሮማውያን ዝነበሮም መሰል እቶም ሰበ-ስልጣን ከም ዝፈልጥዎ ድሕሪ ምግባሮም ጳውሎስን ሲላስን ምስ ድላይ ናይቶም ሹማምንቲ ተሰማምዑ: ከምኡ ዝገበሩ ግን ምስ ኣዕሩኾም ድሕሪ ምስንባቶም ኢዩ። ምስቲ ናይ ስብከት ጕዕዝኦም ብምስምማዕ ሲላስን ብጻዩን እንደገና ነቶም ኣሕዋት “መዐድዎም” ካብኡ ኸኣ መገዶም ጀመሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:40
ካብ መቄዶንያ ናብ ባቢሎን
ጳውሎስን ሲላስን እቶም ብጾቶምን በቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድረሎም ዝኽእል ዝነበረ ተመክሮ ተስፋ ከይቈረጹ: ናብ ሓድሽ ሚስዮናዊ ግራት ኣገልግሎት ቀጸሉ። ኣብ ተሰሎንቄ እንደገና ሽግር ኣጓነፎም። እቲ ጳውሎስ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰናብቲ ዝገበሮ ኣገልግሎት ዕዉት ስለ ዝነበረ: ቅንኢ ዝሓደሮም ተቓወምቲ እምባጋሮ ከም ዝለዓል ገበሩ እሞ እቶም ሚስዮናውያን ከኣ ብለይቲ ካብታ ከተማ ክወጹ ጥበባዊ ኰይኑ ረኸብዎ። ናብ ቤርያ ድማ ቀጸሉ። እቶም ተቓወምቲ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብታ ኸተማ ዝረኸብዎ ውጽኢት ምስ ፈለጡ ኸኣ ካብ ተሰሎንቄ ናብ ቤርያ ሰዓብዎም። ሲላስን ጢሞቴዎስን ነቶም ሓድሽ ተገዳስነት ዘርኣዩ ጕጅለ ሰባት ምእንቲ ኽሕግዙ ኣብ ቤርያ ተረፉ: ጳውሎስ ግን ካብኡ ወጺኡ ቀጸለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-15) ሲላስን ጢሞቴዎስን ንጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣርከብዎ: ካብቶም ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ እሙናት ኣዕሩኽ ከኣ ጥዑም ፍረ ምናልባት እውን ህያብ ሒዞም ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። እዚ ህያብ እዚ ኸኣ እቲ ሃዋርያ ነቲ ኣብ መንጎ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ሓዲጉ ብህርኩት መንፈስ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ስብከት ንኽምለስ ኣኽኢልዎ ክኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-5፣ 2 ቈረንቶስ 11:9) ኣብ ቈረንቶስ ሲላስን ጢሞቴዎስን ከም ወንጌላውያንን ብጾት ጳውሎስን ተዘሪቡሎም ኢዩ። ስለዚ ንጥፈታቶም ኣብታ ኸተማ እቲኣ እውን ከም ዘይዘሓለ ርዱእ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 1:19
ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ቈረንቶስ ተጻሒፉ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ እተላእከ ክልቲኡ መልእኽቲ: ከም “ከየብኰርና” ከምኡውን “ከነመስግኖ” ዝኣመሰላ ንሕና ንዝብል ክንዲ-ስም ዘመልክት ግስታት ብምህላወን ሲላስን ጢሞቴዎስን ኣብቲ ምጽሓፍ ግደ ከም ዝነበሮም ኢዩ ዝሕሰብ። ይኹን እምበር: ሲላስ ኣብ ናይ ምጽሓፍ ዕዮ ትሑዝ ምንባሩ ዘርኢ ቀንዲ ሓሳብ: እቲ ጴጥሮስ ኣብ ሓንቲ ካብተን ደብዳበታቱ እተዛረቦ ኢዩ። ጴጥሮስ ነታ ናይ መጀመርታ ደብዳቤኡ ካብ ባቢሎን ‘ብስልዋኖስ እቲ እሙን ሓው’ ከም ዝጸሓፋ ተዛሪቡ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:12, 13) እዚ ድማ ስልዋኖስ ተለኣኣኺ ምዃኑ ዝሕብር ትርጕም እኳ እንተለዎ: እቲ ኣብ መንጎ ናይ ጴጥሮስ ክልተ ደብዳበታት ዘሎ ፍልልይ ግን ጴጥሮስ ንሲላስ እተጠቕመ ነታ ቀዳመይቲ ደብዳበ ክጽሕፍ ከሎ እምበር ነታ ካልአይቲ ከም ዘይተጠቕመሉ ኢዩ ዘመልክት። በዚ መገዲ እዚ: ጸሓፊ ኰይኑ ምዕያዩ ካልእ ሲላስ ዝነበሮ ክእለትን ቲኦክራሲያዊ መሰልን ኢዩ።
ክሰዓብ ዘለዎ ኣብነት
ምልስ ኢልና ብዛዕባ እቲ እንፈልጦ ሲላስ ዝገበሮ ነገራት እንተድኣ ኣስተንቲንና እቲ ጸብጻብ ዝምስጥ ኢዩ። ነዞም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ዘለዉ ሚስዮናውያንን ገየሽቲ ተዓዘብትን ብሉጽ ኣብነት ኢዩ። ስጋዊ ረብሓ ወይ ክብሪ ንምርካብ ዘይኰነስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብዘይ ስስዐ ብዙሕ መስዋእቲ ብምግባር ሓያሎ ቦታታት ክሽፍን ክኢሉ ኢዩ። ዕላምኡ ኸኣ ብጥበብን ክእለት ዘለዎን ምኽሪ: ብጽቡቕ እተዳለወን ምዉቕን ዝርርባት: ከምኡውን በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቅንኢ ንምትብብዖም ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብቶም እተመሓደሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎካ ግደ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ኣብ ግዜ ሽግር እውን ከይተረፈ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወካ ትጽዕር እንተድኣ ዄንካ: ንስኻ እውን ነቶም ኣመንቲ ብጾትካ ምንጪ ናይ ምትብባዕ ክትኰኖም ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ናይ ጳውሎስ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ
ዓብዪ ባሕሪ
ኣንጾክያ
ደርቤ
ልስጥራ
ኢቆንዩም
ጥሮኣስ
ፊልጲ
ኣምፊጶሊስ
ተሰሎንቄ
ቤርያ
ኣቴና
ቈረንቶስ
ኤፌሶን
የሩሳሌም
ቂሳርያ
[ምንጪ ስእሊ]
Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.