‘ጽቡቕን ክፉእን ክትፈሊ’ ትኽእልዶ ኢኻ፧
‘ንጐይታ ዘሐጕሶ መርምሩ።’—ኤፌሶን 5:10
1. ሎሚ ህይወት እተሓላለኸ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
“ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:23) እዚ ኤርምያስ ዘስተውዓሎ ጕዳይ ኣብዚ ግዜና ዝያዳ ትርጕም ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ከመይሲ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነገረ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና ንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ውሳነና ዘድልየሉ እተሓላለኸ ዅነታት የጋጥመና ኢዩ። እዚ ውሳነታት እዚ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ ኣብ ኣካላዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ ድሕንነትና ሓያል ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል ኢዩ።
2. ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይርካ ዝውሰድ እንታይ ውሳነታት ኣሎ: እንተዀነ ግን ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነዚ ብኸመይ ይርእይዎ፧
2 ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ መብዛሕትኡ ምርጫታት ከም ልሙድ ነገር ወይ ኣገዳስነት ዘይብሉ ገይርካ ይውሰድ ይኸውን። ንኣብነት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንኽደኖ: እንበልዖ: ክንረኽቦም እንደሊ ሰባት: ከምኡውን ካልእ ምርጫታት ንገብር ኢና። ነዚ ምርጫታት እዚ ንምግባር ብዙሕ ኣይንሓስበሉን ኢና። እዚ ነገራት እዚ ግን ብሓቂ ኣገዳስነት ዘይብሉ ድዩ፧ ህይወትና ንዝወፈና ክርስትያናት: እቲ ኣብ ኣከዳድናናን ትርኢትናን: ኣብ እንበልዖን እንሰትዮን: ከምኡውን ኣብ ኣዘራርባናን ኣካይዳናን እንገብሮ ምርጫ ወትሩ ኣገልገልቲ እቲ ልዑል: የሆዋ ኣምላኽ: ምዃንና ስለ ዘርኢ ኣዝዩ የገድሰና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝብል መዘኻኸሪ ሂቡና ኢዩ:- “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።”—1 ቈረንቶስ 10:31፣ ቈሎሴ 4:6፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10
3. ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ዝግባእ እንታይ ምርጫታት ኣሎ፧
3 ዝያዳ ኣርዚንና እንሓስበሉ ምርጫታት እውን ኣሎ። ንኣብነት: ንኽትምርዖ ወይ ንጽል ኴንካ ንኽትቅጽል እትገብሮ ውሳነ: ኣብ ህይወትካ ዓሚቝን ነባርን ጽልዋ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ምሉእ ህይወትካ ብጸይቲ እትዀነካን እትሰማምዓካን ርግጸኛ ዄንካ ምምራጽ ቀሊል ጕዳይ ኣይኰነን።a (ምሳሌ 18:22) ብተወሳኺውን ብዛዕባ ኣዕሩኽ: ዓይነት ትምህርቲ: ስራሕ: ከምኡውን መዘናግዒ እንገብሮ ምርጫ ኣብ መንፈሳውነትና ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ዘለኣለማዊ ድሕንነትና ዓቢ ጽልዋ ኽገብር: አረ ወሳኒ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ሮሜ 13:13, 14፣ ኤፌሶን 5:3, 4
4. (ሀ) እንታይ ክእለት ክህልወና ኢዩ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢዩ ኽሕሰበሉ ዘለዎ፧
4 ምርጫ ኽንገብረሉ ዘድልየና ዅሉ እዚ ነገራት እዚ ስለ ዘጋጥመና: ጽቡቕን ክፉእን ወይ ጽቡቕ ዝመስልን ብሓቂ ጽቡቕ ዝዀነን ነገር ናይ ምፍላይ ክእለት ብርግጽ የድልየና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 14:12) ስለዚ: ከምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ ክእለትና ብኸመይ ከነማዕብሎ ንኽእል፧ ውሳነ ኣብ ምግባር ዘድልየና መምርሒ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧ ቅድም ዝነበሩ ይኹኑ ሕጂ ዘለዉ ሰባት ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ: እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧’
‘ጥበብ ዓለምን ከንቱ ምጥባርን’
5. ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለት ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም፧
5 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብናይ ግሪኽን ሮሜን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ሓሳባትን ኣብ እተዓብለለት ዓለም ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። በቲ ሓደ ሸነኽ ብዙሓት ዝቐንእሉ ምቾትን ተድላን ዝመልኦ ናብራ ሮማውያን ነይሩ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ምሁራት ኣተሓሳስባ ብፍልስፍናዊ ኣረኣእያ ፕላቶን ኣሪስቶትልን ጥራይ ዘይኰነስ በቶም ከም ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ዝኣመሰሉ ዝነበሮም ሓድሽ ኣረኣእያታት ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ኣቴንስ ምስ ከደ: ምስቶም “ዓጃው” ዝበልዎን ካብኡ ዝበልጹ ዀይኑ ዝስምዖም ዝነበሩን ኤጲቁሬዎሳውያንን እስጦይኮሳውያንን ፈላስፋታት ተራኺቡ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:18
6. (ሀ) ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እንታይ ንምግባር ኢዮም እተፈተኑ፧ (ለ) ጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧
6 እምበኣር ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት በቲ ናይ ረኣዩለይ ኣካይዳን ኣነባብራን ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት እንተ ተሳሕቡ ኣየገርምን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:10) እቶም ክፍሊ ናይቲ ኣገባብ እቲ ዝነበሩ ዝያዳ ጥቕሚ ዝረኽቡ ኢዮም ዝመስሉ: እቲ ዝገብርዎ ምርጫ ድማ ቕኑዕ ይመስል ነበረ። ዓለም: ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ዘይረኽቦ ጠቓሚ ነገራት እትህብ ኢያ ትመስል ነይራ። እንተዀነ ግን: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን [“ፍልስፍናን:” NW ] ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ።” (ቈሎሴ 2:8) ጳውሎስ ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧
7. ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ብሓቂ እንታይ ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ፧
7 ጳውሎስ ብዓለም ከም እትስሓብ ዝገብር ኣተሓሳስባ ኣንጸላልዩ ምንባሩ ስለ እተገንዘበ ኢዩ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ሂቡ። ‘ፍልስፍናን ከንቱ ምጥባርን’ ምባሉ ብፍላይ ዘገድስ ኢዩ። “ፍልስፍና” ቃል ብቓሉ “ንጥበብ ምፍቃርን ምስዓብን” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። እዚ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ: ብፍላይ ከኣ መጽሓፍ ምሳሌ: ነቲ ቕኑዕ ዝዓይነቱ ፍልጠትን ጥበብን ክንስዕብ የተባብዓና ኢዩ። (ምሳሌ 1:1-7፣ 3:13-18) እንተዀነ ግን: ጳውሎስ “ንፍልስፍና” ምስ “ኸንቱ ምጥባር” ብሓደ ገይሩ ኢዩ ኣቕሪብዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ዓለም እትህበና ጥበብ: ከንቱን ጠባርን ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ርእይዎ። ከም እተነፍሐ ባላንቺና ጭቡጥ ነገር ዘለዎ ይመስል: ምንም ጥቕሚ ግን የብሉን። ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ኣብ ከም ‘ጥበብ ዓለምን ከንቱ ምጥባርን’ ዝኣመሰለ ዘይጭቡጥ ነገር ምምርኳስ: ብርግጽ ከንቱ: አረ ጐዳኢ እውን ኢዩ።
“ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ”
8. (ሀ) ሰባት ምኽሪ ንምርካብ ናብ መን ኢዮም ዝኸዱ፧ (ለ) እንታይ ዓይነት ምኽሪ ኢዩ ዝወሃብ ዘሎ፧
8 ሎሚ ዘሎ ዅነታት እውን ብዙሕ እተፈልየ ኣይኰነን። ኣብ ኵሉ መዳያት ሰብኣዊ ህይወት: ብዙሓት ክኢላታት ኣለዉ። ናይ ሓዳርን ስድራ-ቤትን ኣማኸርቲ: ምኽሪ ዝሓዘ ዓምድታት ዘዳልዉ: ናይ ኣእምሮ ሓካይም ኢና በሃልቲ: ቈጸርቲ ከዋኽብቲ: ከምኡውን ካልኦት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እናኽፈሉ ኣገልግሎት ዝህቡ ብዙሓት ክኢላታት ኣለዉ። እንታይ ዓይነት ምኽሪ ኢዮም ግን ዝህቡ፧ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ስነ-ምግባር ዕሽሽ ብምባል ነቲ ሓድሽ ስነ-ምግባር ተባሂሉ ዝፍለጥ ኢዮም ቀዳምነት ዝህብዎ። ንኣብነት: መንግስቲ ነቶም “ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ዝገብርዎ መርዓ” ምምዝጋብ ብምእባዩ: ሓንቲ ኣብ ካናዳ እትሕተም ዘ ግሎብ ኤንድ መይል እትበሃል ብዙሓት ኣንበብቲ ዘለዉዋ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ኸምዚ በለት:- “ኣብ ዓመት 2000: ዝፋቐሩን ኣዝዮም ዝተሓላለዩን መጻምድቲ ሓደ ዓይነት ጾታ ስለ ዘለዎም ጥራይ ዝብህግዎ ነገር ንኸይገብሩ ክኽልከሉ ዘገርም ኢዩ።” እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዝንባለ ኣብ ክንዲ ምቅዋም ንዅሉ ጸዋር ምዃን ዝብል ኢዩ። ኵሉ ነገር ብተዛማዲ ኢዩ ዝርአ: ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዝበሃል ነገር የለን።—መዝሙር 10:3, 4
9. ክቡራት ዝበሃሉ ውልቀ-ሰባት ብዙሕ ግዜ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧
9 ገሊኦም ድማ ውሳነ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ነቶም ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን መዳይ ዕዉታት ዝዀኑ ሃብታማትን ውሩያትን ሰባት ከም ኣብነት ገይሮም ይርእይዎም። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ: ሃብታማትን ውሩያትን ከም ክቡራት ገይርካ ዝርኣዩ እኳ እንተዀኑ: ብዛዕባ ቕንዕናን ሕድሪ ዘጽንዕ ምዃንን ግን ብኣፎም ካብ ምዝራብ ሓሊፎም ኣብ ግብሪ ኣየውዕልዎን ኢዮም። ስልጣንን ገንዘብን ንምርካብ ሕግታት እንተ ጠሓሱ ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እንተ ኣፍረሱ ዕጅብ ኣይብሎምን ኢዩ። ገሊኣቶም ዝናን ተፈላጥነትን ንኽረኽቡ ኢሎም ነቲ ቕቡል ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዕሽሽ ብምባል ስጊንጥርን ዘሰምብድን ባህርያት የርእዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ “ዅሉ ነገር ቕቡል ኢዩ” ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎን ንጥቕሙ ጥራይ ዝጐዪን ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ: ጽቡቕን ክፉእን ብዛዕባ ምፍላይ ዝመጸ ሰባት እንተ ተደናገሩን ጋን እንተ ተሰርሑን ዘገርም ድዩ፧—ሉቃስ 6:39
10. ኢሳይያስ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን እተዛረቦ ነገር እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ኣብ ግጉይ መምርሒታት ተመርኲስካ ዝግበር ዘይጥበባዊ ውሳነታት ዘምጽኦ ሳዕቤን ንርእዮ ኣሎና፣ ምብትታን ሓዳርን ስድራቤታትን: ሓሽሽ ምጥቃም: ዓቐን ዘይብሉ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ: ሕሱማት ዓዋሉ: ፍኑው ርኽሰት: ከምኡውን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት ገለ ኻብቲ ሳዕቤናት ኢዩ። ሰባት ነቲ ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ዝሕግዞም ስርዓታት ብምሉኡ እናነጸግዎ ኸለዉ እሞ ከመይ ገይርና ኢና ኻብዚ እተፈልየ ውጽኢት እንጽበ፧ (ሮሜ 1:28-32) ልክዕ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝበሎ ኢዩ:- “እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ: ንጸልማትሲ ብርሃን: ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ: ንመሪርሲ ጥዑም: ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም። እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን: ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም።”—ኢሳይያስ 5:20, 21
11. ጽቡቕን ክፉእን ክትውስን ከሎኻ ኣብ ርእስኻ ምውካል ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ኣምላኽ ነቶም “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን” ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ኣይሁድ ተሓተትቲ ብምግባሩ: ንሕና ጽቡቕን ክፉእን ክንውስን ከሎና ኣብ ርእስና ናይ ምውካል መንፈስ ፈጺምና ኸነርሕቕ ከም ዝግባእ ዝሕብር ኢዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት: ነቲ “ልብኻ ባህ ብዝበሎ ተመላለስ” ወይ “ቅኑዕ ኰይኑ እተሰምዓካ ግበር” ንዝብል ርእይቶ ይሰማምዑሉ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ጥበባዊ ድዩ፧ እዚ ኣረኣእያ እዚ ጥበባዊ ከም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ: ከመይሲ ብንጹር “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ኢዩ ዝብል። (ኤርምያስ 17:9) ሓደ ጐራሕን ሕሱምን ሰብ ውሳነ ኣብ ምግባር ንኽመርሓካ ምተወከልካዮዶ፧ ፈጺምካ ኣይትውከሎን ኢኻ። እኳ ድኣስ: ምናልባት ኣንጻሩ ምገበርካ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ: ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ብምባል ዘዘኻኽረና።—ምሳሌ 3:5-7፣ 28:26
ነቲ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ንማሃር
12. “ፍቓድ ኣምላኽ” ክንምርምር ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ጽቡቕን ክፉእን ብምፍላይ ዝመጸ ኣብ ጥበብ ዓለም ኰነ ኣብ ርእስና ክንውከል ካብ ዘይብልና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ነዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ንጹርን ዘየማትእን ምኽሪ ርአ:- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12:2) ፍቓድ ኣምላኽ ክንምርምር ዘድልየና ስለምንታይ ኢዩ፧ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል: መገድታተይ ካብ መገድታትኩም: ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ብምባል ቀጥታውን ሓያልን ምኽንያት ይህበና ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:9) ስለዚ: ኣብ ናይ ርእስና ምስትውዓል ወይ ጽቡቕ ኰይኑ ኣብ ዝስምዓና ነገር ኣብ ክንዲ እንምርኰስ ‘ንጐይታ ዘሐጕሶ ኽንምርምር’ ኢና ተማዒድና ዘሎና።—ኤፌሶን 5:10
13. ኣብ ዮሃንስ 17:3 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሱስ: ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ምፍላጥ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ብኸመይ ኢዩ፧
13 የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ክብል ከሎ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ምፍላጥ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) እታ ኣብዚ “ኪፈልጡ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ኣዝዩ ዓሚቝ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ብመሰረት ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) “ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ዝፈልጥ ሰብን እቲ ዝፍለጥ ነገርን ዝህሉ ርክብ እተመልክት ኢያ፣ እቲ ፍልጠት ነቲ ሰብ ጥቕሚ ወይ ኣገዳስነት ኣለዎ: እቲ ዝምስረት ርክብ እውን ጠቓምን ኣገዳስን ኢዩ።” ምስ ሓደ ሰብ ርክብ ምምስራት ክበሃል ከሎ መን ምዃኑ ወይ ስሙ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ሰብ እንታይ ከም ዝፈቱን እንታይ ከም ዝጸልእን: ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱ: ከምኡውን መዐቀኒታቱ ምፍላጥን ምኽባርን እውን ዘጠቓልል ኢዩ።—1 ዮሃንስ 2:3፣ 4:8
ንልቦናና ነላምዶ
14. ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ብመንፈስ ቈልዑን ብጹሓትን ብዛዕባ ዘሎ ቐንዲ ፍልልይ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
14 ከመይ ገይርና ደኣ ኢና ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ ክእለት ከነጥሪ እንኽእል፧ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት እተዛረቦ ነገር ናይዚ መልሲ ይህበና ኢዩ። ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ: ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ [“እናተጠቕሙ:” NW ] ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” ጳውሎስ ነቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ቝጽሪ “ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ” ዝበሎ “ጸባ” ምስቲ እቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት” ዝምገብዎ “ዕጹም ብልዒ” ኣወዳዲርዎ ኣሎ።—እብራውያን 5:12-14
15. ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካብ ምጽዓር ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 እዚ ኸኣ: ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ ስርዓታት ርጡብ ፍልጠት ንኽንረክብ ክንጽዕር ኣሎና ማለት ኢዩ። ክንገብሮ ዘሎናን ክንገብሮ ዘይብልናን ነገራት ዝሕብር እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል ዝርዝር ሕግታት ኣይኰንናን እንደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ካብቲ ትምህርቲ: ተግሳጽ: ከምኡውን ምእዳብ ምእንቲ ኽንጥቀም: ኣእምሮናን ናይ ምሕሳብ ክእለትናን ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተዀነ ውጽኢቱ ግን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምካ እተዳለኻ’ ስለ እትኸውን ክጽዓረሉ ዝግባእ ኢዩ።—ምሳሌ 2:3-6
16. ንልቦና ምልማድ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
16 ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ብጹሓት ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንልቦናኦም ዘላመዱ’ ኢዮም። እቲ ቐንዲ ቑም ነገር ኣብዚ ኢዩ ዘሎ። “ንልቦናኦም ዜላምዱ” ቃል ብቓሉ “(ከም ሓደ ምውስዋስ ኣካላት ዘዘውትር ሰብ) ዕሉም ናይ ህዋስ ኣካላት ምህላው” ማለት ኢዩ። (ትርጕም ኪንግደም ኢንተርሊንያር [እንግሊዝኛ]) ሓደ ብምውስዋስ ኣካላት ክኢላ ዝዀነ ሰብ: ቋሕ ሰም ክሳዕ እትብል ካብ ቍጽጽር ሕጊ ስሕበት ወይ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ወጻኢ ከም ዝዀነ ክሳዕ ዝመስል እተንጠልጠለ ገመድ ሒዙ ወይ ኣብቲ ናይ መገለባበጢ ቀዋሚ ኣዕኑድ ክገለባበጥ ይኽእል ኢዩ። ወትሩ ንኣካላቱ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝቈጻጸሮ: ነቲ ዝገብሮ ምውስዋስ ብዓወት ምእንቲ ኽዛዝም ድማ እንታይ ምንቅስቓስ ክገብር ከም ዘለዎ ብቕጽበት ኢዩ ዝፈልጥ። እዚ ዅሉ ውጽኢት ናይ ብርቱዕ ስልጠናን ዘየቋርጽ ልምምድን ኢዩ።
17. ከም ምውስዋስ ኣካላት ዘዘውትር ሰብ ክንከውን ዘሎና ብኸመይ ኢና፧
17 እንገብሮ ውሳነን ምርጫን ወትሩ ቕኑዕ ክኸውን ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ምውስዋስ ኣካላት ዘዘውትር ሰብ ዕሉማት ክንከውን ኣሎና። ንስምዒታትናን ኣካላትናን ወትሩ ክንቈጻጸር ኣሎና። (ማቴዎስ 5:29, 30፣ ቈሎሴ 3:5-10) ንኣብነት: ኣዒንትኻ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ንኸይርእያ: ኣእዛንካ እውን ሕማቕ ሙዚቃ ወይ ዘረባ ንኸይሰምዓ ትግስጸን ዲኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ ነገራት ኣብ ዝኸድካዮ ከም ዝርከብ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ሱር ክሰድድን ከይሰድድን እንውስን ባዕልና ኢና። ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ክንመስሎ ንኽእል ኢና:- “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን: ንግብሪ ብልያል እጸልኦ አሎኹ: ኣይኪጠብቀንን እዩ። . . . ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።”—መዝሙር 101:3, 7
ንልቦናኻ እናተጠቐምካ ኣላምዶ
18. ኣብቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ልቦና ንምልማድ ዝሃቦ መግለጺ: ‘እናተጠቐምካ’ ምባሉ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
18 ልቦናና ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ከነላምዶ እንኽእል ምስ ‘እንጥቀመሉ’ ጥራይ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ወትሩ ውሳነ ኽንገብር ከሎና: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት እንታይ ከም ዝብልን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእልን ንምስትውዓል ንኣእምሮና ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምርምር ናይ ምግባር ልምዲ ኣማዕብል። (ማቴዎስ 24:45) ርግጽ ኢዩ: ሓገዝ ናይ ብሱላት ክርስትያናት ክንደሊ ንኽእል ኢና። እቲ ንቓል ኣምላኽ ንምጽናዕ እንገብሮ ብሕታዊ ጻዕሪ በቲ የሆዋ መምርሒኡን መንፈሱን ንኽህበና እነቕርቦ ጸሎት ክስነ ኸሎ: ኣብ መወዳእታ ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ ኢዩ።—ኤፌሶን 3:14-19
19. ንልቦናና ብቐጻሊ እንተድኣ ኣላሚድናዮ እንታይ በረኸታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
19 ንልቦናና ብቐጻሊ ምስ እነላምዶ ‘ድሕሪ ሕጂ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዝኸውን ተንኰልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ኣይንኸውንን ኢና።’ (ኤፌሶን 4:14) ኣብ ክንድኡስ: ኣብቲ ንኣምላኽ ብዛዕባ ዘሐጕሶ ነገራት ዘሎና ፍልጠትን ምርዳእን ብምምርኳስ: ንዓና ዝጠቕመና: ንኣመንቲ ብጾትና ዝሃንጽ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሐጕስ ዓበይትን ንኣሽቱን ጥበባዊ ውሳነታት ኽንገብር ንኽእል። (ምሳሌ 27:11) እዝስ ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸትን ዕቝባን ኰን ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዶ/ር ቶማስ ሆልምስን ዶ/ር ሪቻርድ ራይን ኣብ ዘዳለዉዎ ዝርዝር ናይቲ ንሰባት ብርቱዕ ጭንቀት ዝፈጥረሎም 40 ነገራት: ሞት ናይ መርዓ ብጻይ: ፍትሕ: ከምኡውን ምፍልላይ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ቦታ ሒዘን ኣለዋ። ምምርዓው ድማ ሻውዓይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር እንታይ ክእለት የድሊ፧
• ጽቡቕን ክፉእን ንምውሳን ካብ ምርኡያት ሰባት መምርሒ ምድላይ ወይ ኣብ ስምዒታትና ምምርኳስ ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
• ውሳነ ኽንገብር ከሎና ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ነገር ክንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧
• ‘ንልቦናና ምልማድ’ እንታይ ማለት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ሃብታማትን ውሩያትን መምርሒ ምድላይ ከንቱነት ኢዩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ሓደ ምውስዋስ ኣካላት ዘዘውትር ሰብ: ንስምዒታትናን ኣካላትናን ምሉእ ብምሉእ ክንቈጻጸሮ ኣሎና