ምዕራፍ 22
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”
ጳውሎስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ቈሪጹ ናብ የሩሳሌም ከደ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 21:1-17 እተመስረተ
1-4. ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብኣኸ እንታይ ይጽበዮ ነበረ፧
ጳውሎስን ሉቃስን ካብ ሚሊጦስ ኪነቕሉ ኸለዉ፡ ኵላቶም ብዙሕ ሓዘኑ። እዞም ክልተ ሚስዮናውያን እውን ምስቶም ዚፈትውዎም ሽማግለታት ኤፌሶን ምፍልላይ ከቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንጕዕዞ ዜድልዮም ነገራት ሒዞም ድማ፡ ኣብ መርከብ ተሰቕሉ። ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ሽጉራት ክርስትያናት ዚኸውን እተዋጽአ ገንዘብ ሒዞም ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ኼብጽሑ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም።
2 ንፋስ ነቲ ጋንጽላ ምስ ደፍኦ፡ እታ መርከብ ካብቲ ጫውጫው ዝበዝሖ መዓርፎ መርከብ እናረሓቐት ከደት። እቶም ክልተ ሰብኡትን ሸውዓተ ኻልኦት ብጾቶምን ነቶም ኣብ ገጾም ሓዘን ዚንበብ ዝነበረ፡ ኣብ ገምገም ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣሕዋቶም ጠመትዎም። (ግብ. 20:4, 14, 15) ካብ ኣዒንቶም ክሳዕ ዚስወሩ፡ ደሓን ኩኑ ንምባል ኣእዳዎም ኣወዛወዙ።
3 ጳውሎስ ንሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ሽማግለታት ኤፌሶን ብቐረባ ዕይዩ እዩ። ድሕርዚ ግና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ የሩሳሌም ኣቕንዐ። እንታይ ከም ዚጽበዮ ዝነበረ፡ ብእተወሰነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣቐዲሙ ነቶም ሸማግለታት፡ “ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፣ ኣብኣ እንታይ ከም ዚረኽበኒ እኳ ኣይፈልጥን እየ፣ ብዘይካ እቲ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ከም ዚጽበየኒ ኣብ ከከተማኡ ብተደጋጋሚ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ኣይፈልጥን እየ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:22, 23) ናብ ሓደገኛ ዅነታት ይጐዓዝ እኳ እንተ ነበረ፡ “ብመንፈስ ተኣሲረ” ስለ ዝበለ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ እተዋህቦ መሪሕነት ንምስዓብ ግዴታ ተሰምዖ፡ ፍቓደኛ እውን ነበረ። ንህይወቱ ኣኽቢሩ ይርእያ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ግና ልዕሊ ዅሉ የገድሶ ነበረ።
4 ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ፍቓዱ ምግባር ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኸም ዜገድሰና መብጽዓ ንኣቱ ኢና። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ተኣማንነት ዝሓደጎ ኣብነት እንተ መርሚርናዮ፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
“ንደሴት ቆጵሮስ” ሓዲግናያ ኸድና (ግብሪ ሃዋርያት 21:1-3)
5. ጳውሎስን ብጾቱን በየን ኣቢሎም እዮም ናብ ጢሮስ ተጓዒዞም፧
5 ጳውሎስን ብጾቱን ብመርከብ ምስ ተበገሱ፡ ‘ትኽ ኢሎም’ ተጓዕዙ። እዚ ቓላት እዚ፡ ናብ ቆስ ክሳዕ ዚበጽሑ ብህድእ ዝበለ ንፋስ እናተደፍኡ ኸም እተጓዕዙ የመልክት። (ግብ. 21:1) እታ መርከብ ናብ ሮዶስን ጳጥራን ቅድሚ ምኻዳ፡ ኣብ ቆስ መልህቕ ደርብያ ሓዲራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቶም ኣሕዋት ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ገምገም ንእሽቶ እስያ እትርከብ ጳጥራ ምስ በጽሑ፡ ኣብ ዓባይ መርከብ ጽዕነት ተሰቒሎም ብቐጥታ ናብታ ኣብ ፊንቄ እትርከብ ጢሮስ ከዱ። ድሕርዚ፡ “ንደሴት ቆጵሮስ ምስ ረኣናያ፡ ብጸጋምና ንድሕሪት ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ገጽና ኸድና” ዚብል ቃላት ነንብብ። (ግብ. 21:3) እቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ ሉቃስ፡ ነዚ ዝርዝር ነጥቢ እዚ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧
6. (ሀ) ጳውሎስ ንቆጵሮስ ምርኣዩ እተተባብዐ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኸካን ዝሓገዘካን ምሕሳብካ፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ የብጽሓካ፧
6 ምናልባት ጳውሎስ ናብታ ደሴት እናኣመልከተ ተመክሮኡ ነጊርዎም ይኸውን። ኣስታት ትሽዓተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስ በርናባስን ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስን ከሎ፡ ኣብታ ደሴት ንስብከቶም እተጻረሮ ኤልማስ ዚብሃል ጠንቋሊ ኣጓኒፍዎ ነይሩ እዩ። (ግብ. 13:4-12) ነታ ደሴት እቲኣ ምርኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኣ ዘጋጠሞ ነገር ከኣ ምሕሳቡ፡ ንዚጽበዮ ነገር ምእንቲ ኺዋጽኣሉ ኣተባቢዕዎን ኣበራቲዕዎን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሕና እውን፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝባረኸናን ንፈተናታት ክንዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዘናን እንተ ሓሲብናሉ፡ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምኡ ምግባርና፡ ከም ዳዊት፡ “ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣ የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ንምባል ኪድርኸና ይኽእል እዩ።—መዝ. 34:19።
“ደቀ መዛሙርቲ ደሊና ምስ ረኸብና” (ግብሪ ሃዋርያት 21:4-9)
7. እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ ጢሮስ ምስ በጽሑ እንታይ እዮም ገይሮም፧
7 ጳውሎስ ኣገዳስነት ክርስትያናዊ ሕብረት ይርዳእ ስለ ዝነበረ፡ ምስቶም ከም ናቱ ዓይነት እምነት ዘለዎም ኪኸውን ይህንጠ ነበረ። ሉቃስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጢሮስ ምስ በጽሑ ዝገበርዎ ኺገልጽ ከሎ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ደሊና ምስ ረኸብና” ኢሉ ኣሎ። (ግብ. 21:4) እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ ጢሮስ ክርስትያን ብጾት ከም ዘለዉ ፈሊጦም፡ ደልዮም ረኸብዎም፣ ምናልባት እውን ምሳታቶም ቀነዩ። ሓደ ኻብቲ ሓቂ ምፍላጥና ዜምጽኣልና ዓብዪ በረኸት፡ ኣብ ዝኸድና እኳ እንተ ኸድና፡ ከማና ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓንጐፋይ ኢሎም ዚቕበሉና ኣመንቲ ኽንረክብ ምኽኣልና እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩን ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚመላለሱን፡ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ፈተውቲ ኣለውዎም።
8. ግብሪ ሃዋርያት 21:4 ብኸመይ ክንርድኣ ኣሎና፧
8 ሉቃስ ነቲ ኣብኣ ሸውዓተ መዓልቲ ዝቐነዩሉ ግዜ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሳቶም [ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት] ግና ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይከይድ ደጋጊሞም ነገርዎ” ብምባል ንምርዳኡ ዜሸግር ዚመስል ነገር መዝገበ። (ግብ. 21:4) የሆዋ ሓሳቡ ቐዪሩ ድዩ፧ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይኸይድ መምርሒ ይህቦ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋል። እቲ መንፈስ፡ ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ግፍዒ ኸም ዚወርዶ ደኣ እምበር፡ ናብታ ኸተማ ኸይከይድ ኣይኰነን መምርሒ ሂቡ። እቶም ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም፡ ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ሓሳረ መከራ ኸም ዚወርዶ ዝፈለጡ እዮም ዚመስሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ካብ ሓልዮት ተላዒሎም፡ ንጳውሎስ ናብታ ኸተማ ኸይከይድ ተማሕጸንዎ። ካብቲ ዜንጸላሉ ዝነበረ ሓደጋ ኼምልጥ ይደልዩ ነበሩ። ጳውሎስ ግና ፍቓድ የሆዋ ኺገብር ቈሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ናብ የሩሳሌም ጕዕዞኡ ቐጸለ።—ግብ. 21:12።
9, 10. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ነቶም ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ዘሻቐሎም ነገር ምስ ሰምዐ፡ እንታይ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧ እዚኸ ምስቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ብኸመይ ይጋጮ፧
9 ጳውሎስ ነቲ ንኣሕዋት ዘሻቐሎም ነገር ምስ ሰምዐ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ከም ዚድይብን ከም ዚስቀን ከም ዚቕተልን ድሕሪ ምንጋሩ፡ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ኸም ዘጋጠሞ ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጴጥሮስ ብስምዒት ተደሪኹ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ፣ እዝስ ኣይብጻሕካ” በሎ። የሱስ ግና፡ “ናብ ድሕረይ ኪድ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንዓይ መዐንቀፊ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 16:21-23) የሱስ በቲ ኣምላኽ ዝመደበሉ ርእሰ መስዋእታዊ መገዲ ኺመላለስ ቈሪጹ ነበረ። ጳውሎስ እውን ከምኡ ተሰምዖ። ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ከም እተዛረብዎ ዜጠራጥር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ግና ኣየስተውዓሉን።
10 ሎሚ ብዙሓት ሰባት ካብ ሽግር ኬምልጡ ወይ በቲ ዝቐለለ መገዲ ኺጐዓዙ እዮም ዚደልዩ። ሰባት ብሓፈሻ፡ ዚጥዕሞምን ካብ ምእመናኑ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ብቕዓት ዘይሓትትን ሃይማኖት እዮም ዚደልዩ። የሱስ ግና ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ኺህሉ እዩ ተማሕጺኑ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ኢሉ ነገሮም። (ማቴ. 16:24) ንየሱስ ምስዓብ፡ ጥበባዊ መገዲ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀሊል ግና ኣይኰነን።
11. ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስ ከም ዚፈትውዎን ከም ዚድግፍዎን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
11 ነዊሕ ከይጸንሐ ጳውሎስን ሉቃስን መጓዕዝቶምን ዚነቕሉሉ እዋን ኣኸለ። ሽዑ ብኸመይ ከም እተሰናበቱ ዚገልጽ ቃላት፡ ልቢ ዚትንኪ እዩ። ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስ ከም ዚፈትውዎን ንኣገልግሎቱ ኸም ዚድግፉን ኣርእዮም እዮም። እቶም ሰብኡት ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም፡ ንጳውሎስን ነቶም ምስኡ ዚጐዓዙን ክሳዕ ገምገም ባሕሪ ኣፋነውዎም። ኵላቶም ተምበርኪኾም ድሕሪ ምጽላዮም፡ ተሰነባበቱ። ድሕሪኡ፡ ጳውሎስን ሉቃስን ካልኦት መጋይሽቶምን ኣብ መርከብ ተሰቒሎም ናብ ጵቶልማዩስ በጽሑ፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ ኣሕዋት ሓንቲ መዓልቲ ወዓሉ።—ግብ. 21:5-7።
12, 13. (ሀ) ፊልጶስ ብተኣማንነቱ እንታይ ታሪኽ እዩ ነይርዎ፧ (ለ) ፊልጶስ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያን ኣቦታት ጽቡቕ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧
12 ሉቃስ ቀጺሉ፡ ጳውሎስን መጓዕዝቱን ናብ ቂሳርያ ኸም ዘቕንዑ ጸብጸበ። ኣብ ቂሳርያ ምስ በጽሑ፡ “ናብ ቤት . . . ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ” ኸም ዝኣተዉ ኸኣ ገለጸ።a (ግብ. 21:8) ንሳቶም ምስ ፊልጶስ ምርኻቦም፡ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ። ፊልጶስ ኣስታት 20 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምግቢ ኣብ ምዕዳል ኬገልግል ብሃዋርያት ተሸይሙ ነይሩ። ንነዊሕ እዋን ከኣ፡ ብቕንኣት ዘገልገለ ሰባኺ እዩ ነይሩ። መስጐጕቲ ንደቀ መዛሙርቲ ፋሕ ምስ ኣበሎም፡ ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ኸይዱ ኸም ዝሰበኸ ትዝክሮ ትኸውን። ጸኒሑ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ሰቢኹሉን ኣጠሚቕዎን እዩ። (ግብ. 6:2-6፣ 8:4-13, 26-38) እወ፡ ብተኣማንነት ንነዊሕ ግዜ ኣገልጊሉ እዩ።
13 ፊልጶስ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ኣየጥፍአን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቂሳርያ ይቕመጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ብምንባሩ፡ ሉቃስ፡ “ወንጌላዊ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ኣዋልድ ከም ዝነበራኦ እውን ተሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣዋልዱ ኣሰር ኣቦአን ከም ዝሰዓባ ይሕብር።b (ግብ. 21:9) ፊልጶስ እውን ንመፈሳውነት ስድራ ቤቱ ንምህናጽ ብዙሕ ጽዒሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ኣቦታት ኣብ ኣገልግሎት መሪሕ ብምዃንን ንደቆም ፍቕሪ ወንጌላውነት ኬሕድሩ ብምሕጋዝን፡ ኣብነት ፊልጶስ ኪስዕቡ ኣለዎም።
14. ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ምብጻሑ እንታይ ኣፍርዩ ኪኸውን ኣለዎ፧ ሎሚኸ እንታይ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎ፧
14 ጳውሎስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ክርስትያናት ብጾት ይደልን ምሳታቶም ግዜ የሕልፍን ነበረ። እቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎ ኣሕዋት እውን ነዚ ገያሺ ሚስዮናውን ንብጾቱን ጽቡቕ ገይሮም የአንግድዎም ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጽሓት፡ ‘ንሓድሕዶም ኪተባብዑ’ ኸም ዝሓገዘ ኣየጠራጥርን እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ኣሎ። መነባብሮኻ ትሑት እኳ እንተ ዀነ፡ ንሓላው ወረዳን ሰበይቱን ኣብ ቤትካ ምቕባል፡ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ።—ሮሜ 12:13።
“ንሙማት . . . ተዳልየ ኣለኹ” (ግብሪ ሃዋርያት 21:10-14)
15, 16. ኣጋቦስ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላለፈ፧ እዚኸ ኣብቶም ዝሰምዕዎ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧
15 ጳውሎስ ምስ ፊልጶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣጋቦስ ዚብሃል ኣኽቢርካ ዚርአ ኻልእ በጻሒ መጸ። እቶም ኣብ ቤት ፊልጶስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ ኣጋቦስ ነብዪ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ብዘመን ቅላውዴዎስ ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ግብ. 11:27, 28) ምናልባት፡ ‘ስለምንታይ እዩ ኣጋቦስ መጺኡ፧ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ መጺኡ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ። እናጠመትዎ ኸለዉ፡ ነቲ ገንዘብን ካልእ ነገራትን ዚቕመጠሉ ብዓለባ እተሰርሐ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ገይሩ ኣሰረ። ድሕሪኡ፡ “መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣይሁድ ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም፡ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም’” ብምባል ከቢድ ዘረባ ተዛረበ።—ግብ. 21:11።
16 እቲ ትንቢት፡ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚኸይድ ኣረጋገጸ። ኣብታ ኸተማ ድማ፡ ኣይሁድ “ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ” ምዃኖም ሓበረ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ነቲ ትንቢት ዝሰምዑ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኣሕደረ። ብዛዕባ እዚ ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ኣብኡ ዝነበሩን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንናዮ። ሽዑ፡ ጳውሎስ፡ ‘ኣቱም እትበኽዩን ልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፧ ኣነ ንማእሰርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ንሙማት እውን ተዳልየ ኣለኹ’ ኢሉ መለሰ።”—ግብ. 21:12, 13።
17, 18. ጳውሎስ ኣብ ውሳነኡ ኸም ዝጸንዐ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እቶም ኣሕዋትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧
17 ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። እቶም ኣሕዋት፡ እንተላይ ሉቃስ፡ ንጳውሎስ ጕዕዞኡ ኸይቅጽል ለመንዎ። ገሊኦም ከኣ ይበኽዩ ነበሩ። ጳውሎስ በቲ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕራዊ ሓልዮት ተደሪኹ፡ “ልበይ እትሰብሩ” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ካብ ውሳነኡ ፈልከት ኣይበለን፣ ከምቲ ኣብ ጢሮስ ዝነበሩ ኣሕዋት ምስ ለመንዎ ውሳነኡ ዘይቀየረ፡ ለመና ወይ ንብዓት ነቕ ከም ዚብል ኣይገበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ስለምንታይ ጕዕዞኡ ኪቕጽል ከም ዘለዎ ገለጸሎም። ኣየ ትብዓት! ኣየ ቘራጽነት! ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ጳውሎስ እውን ብቘራጽነት ናብ የሩሳሌም ኣቕንዐ። (እብ. 12:2) ሰማእት ኪኸውን ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ፣ ንክርስቶስ የሱስ ብምስዓቡ ሰማእት እንተ ዀይኑ ግና፡ ነዚ ኸም ክብሪ እዩ ቘጺርዎ።
18 እቶም ኣሕዋትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ነቲ ድሌቱ ኣኽበሩሉ። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ከነእምኖ ፈቲንና ምስ ኣበየና፡ ‘ፍቓድ የሆዋ ይኹን’ ኢልና ምቅዋሙ ሓደግና” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 21:14) እቶም ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይኸይድ ኬእምንዎ ዝፈተኑ፡ ግዲ ኺብልዎ ኣይፈተኑን። ንጳውሎስ ሰምዕዎ፡ እቲ ዝበሎ ፍቓድ የሆዋ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ኸኣ፡ ዋላ እኳ እናኸበዶም ንዘረባኡ ተቐበልዎ። ጳውሎስ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ሞቱ ዚመርሕ ጕዕዞ ጀመሮ። እቶም ዚፈትውዎ ሰባት ኬጐናድብዎ ዚገብርዎ ነገር፡ ንጳውሎስ ከም ዚኸብዶ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ረብሓ ኣይነበሮን።
19. ካብቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ነገር እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃር፧
19 ካብቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ነገር ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃር ኢና፦ ካልኦት ሰባት ንኣምላኽ ንምግልጋል ጥቕሚ ርእሶም ኪስውኡ ኸለዉ፡ ሓሳቦም ከነቐይሮም ክንፍትን የብልናን። ነዚ ትምህርቲ እዚ ንህይወትን ሞትን ኣብ ዚትንኪ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ክንዓይየሉ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኼገልግሉ ኢሎም ናብ ርሑቕ ቦታታት ይኺዱ ኺሓድግዎም ዜጸግሞም እኳ እንተ ዀነ፡ ከየጐናድብዎም ግና ቈሪጾም እዮም። ፊሊስ ዝስማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ክርስትያን፡ ጓላ ሚስዮናዊት ኰይና ኸተገልግል ናብ ኣፍሪቃ ኣብ እትኸደሉ እዋን ከመይ ከም እተሰምዓ ኸምዚ ኢላ ገለጸት፦ “ስምዒተይ ተረቢሹ ነይሩ። ኣርሒቓ ኸም እትኸይድ ምፍላጠይ ከቢዱኒ ነይሩ። ብሓንሳእ ጓህን ሓበንን ይስምዓኒ ነይሩ። ብዛዕባኡ ብዙሕ እየ ጸልየ። ውሳነኣ ስለ ዝዀነ፡ ከቐይራ ኣይፈተንኩን። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክትህብ እውን ኵሉ ሳዕ እምህራ ነይረ እየ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣገልጊላ እያ፣ ብተኣማንነት ክትጸንዕ ብምኽኣላ ድማ ንየሆዋ መዓልታዊ አመስግኖ እየ።” እምበኣር፡ ነቶም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸነተባብዖም ኣሎና።
“እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና” (ግብሪ ሃዋርያት 21:15-17)
20, 21. ጳውሎስ ምስ ኣሕዋት ኪኸውን ይደሊ ኸም ዝነበረ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧ ከም ናቱ ዓይነት እምነት ምስ ዝነበሮም ሰባት ኪኸውን ዚደሊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
20 ንጕዕዞ ዚኸውን ምድላዋት ምስ ተገብረ፡ ጳውሎስ ድማ በቶም ብምሉእ ልቦም ዚድግፍዎ ዝነበሩ ኣሕዋት ተሰንዩ ጕዕዞኡ ቐጸለ። ጳውሎስን እቶም ዜሰንይዎ ዝነበሩ ሰባትን፡ ኣብ ኵሉ እቲ ናብ የሩሳሌም ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪራኸቡ ይደልዩ ነበሩ። ኣብ ጢሮስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ረኺቦምን ንሸውዓተ መዓልቲ ምሳታቶም ቀንዮምን እዮም። ኣብ ጵቶልማዩስ፡ ንኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ኢሎም፡ ምሳታቶም ከኣ ሓንቲ መዓልቲ ውዒሎም እዮም። ኣብ ቂሳርያ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ቀንዮም እዮም። ድሕርዚ፡ ገለ ኣብ ቂሳርያ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስን ብጾቱን ክሳዕ የሩሳሌም ኣሰነይዎም፣ ናብ ቤት ሓደ ምናሶን ዚብሃል ናይ ቀደም ወደ መዝሙር ድማ መርሕዎም። እቶም ተጓዓዝቲ ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ ሉቃስ፡ “እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ።—ግብ. 21:17።
21 ጳውሎስ ምስቶም ከም ናቱ ዓይነት እምነት ዘለዎም ሰባት ኪኸውን ይደሊ ምንባሩ ንጹር እዩ። ከምዚ ንሕና ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መተባብዒ እንረክብ፡ ንሱ እውን ከምኡ ይተባባዕ ነበረ። እቲ መተባብዒ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኪቐትልዎ ዝደለዩ ቝጡዓት ተጻረርቲ ጸኒዑ ደው ኪብል ከም ዘበራተዖ ኣየጠራጥርን እዩ።
a “ቂሳርያ—ርእሲ ኸተማ እታ ብሮሜ እትመሓደር ዝነበረት ይሁዳ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b “ክርስትያናት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣገልገልቲ ኪዀና ይኽእላ ነይረን ድየን፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።