ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ ኻብ ኣምላኽ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብዅሉ መዳያት ልክዕ ዝዀነ መጽሓፍ
ብስነ ፍልጠት ልክዕ
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ኺጠቅስ ከሎ ብልክዕ እዩ ዚገልጽ። ካብ ዓውዲ ስነ ጠፈርን ስነ ጂንን እተወሰነ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ስነ ጠፈር—ዝናም ዚፍጠረሉ መገዲ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣ ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ። ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ” ይብል።—እዮብ 36:27, 28።
ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዑደት ማይ ከም ዚህሉ ዚገብር ሰለስተ ቐንዲ ነገራት እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እቲ ምንጪ ጸሓያዊ ሙቐት ዝዀነ ኣምላኽ፡ (1) ብህፍፈት ኣቢሉ “ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ።” ድሕርዚ፡ እቲ ንላዕሊ ዝሃፈፈ ማይ (2) ይድስክል፡ ማለት ደበናታት ይፈጥር። ደበናታት ድማ ብመልክዕ (3) ዝናም ወይ ካልእ መገዲ ኣቢሉ ነቲ ማይ ናብ ምድሪ የፍስሶ። ተመራመርቲ ስነ ጠፈር ሕጂ እውን ከይተረፈ ነቲ ዝናም ዚፍጠረሉ ዝርዝር ተርእዮታት ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ንቐጸላ ደበናታት፡ . . . ኺርድኦ ዚኽእል ኣሎዶ፧” ብምባል ይሓትት እዩ። (እዮብ 36:29) ፈጣሪ ግና ንዑደት ዝናም ይርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ሰብኣዊ ጸሓፊ ነቲ ሓቅታት ብልክዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜስፍሮ እውን ገይሩ እዩ። ነዚ ድማ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ገና ሰባት ነዚ መሰረታዊ መስርሕ እዚ ብስነ ፍልጠታዊ መገዲ ቕድሚ ምግላጾም እዩ ገይርዎ።
ስነ ጂን—ምዕባለ ድቂ
ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ንጉስ ዳዊት ንኣምላኽ፡ “ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣ . . . ኵሉ እቲ ኣካላት . . . ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ” በሎ። (መዝሙር 139:16) ዳዊት ብመልክዕ ግጥሚ ገይሩ፡ ሓደ ድቂ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ኣብ እተጻሕፈ “መጽሓፍ” ወይ መደብ ዘሎ መምርሒታት ከም ዚምዕብል እዩ ዚገልጽ ዘሎ። እቲ ዜደንቕ ግና፡ እዚ ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እዩ ተጻሒፉ!
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ሕግታት ጂን ንመጀመርታ ግዜ እተፈልጠ፡ ኣብ መፋርቕ 1800ታት ተመራማሪ ስነ ኣትክልቲ ዝዀነ ኦስትርያዊ ግሬገር መንደል ብዝገበሮ መጽናዕቲ እዩ።። ተመራመርቲ ብዛዕባ ኣሰራርዓ እቲ ኣካል ደቂ ሰብ ንምህናጽ ዜድሊ ምሉእ ጀነቲካዊ ሓበሬታ ዝሓዘ ዲ.ኤን.ኤ. ምሉእ ብምሉእ እተረድኡ ድማ ኣብ ሚያዝያ 2003 ጥራይ እዩ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከም ዚገልጽዎ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መዝገበ ቓላት ዘሎ ፊደላትን ቃላትን ብተርታ ዚስርዑ፡ ኣብ ጂንና ዘሎ ጀነቲካዊ መምርሒታት እውን ብግቡእ እተሰርዐ እዩ። ከም እኒ ሓንጐል፡ ልቢ፡ ሳንቡእ፡ መሓውር ዝኣመሰሉ ኽፋላት ድቂ ድማ ኣብዚ መምርሒታት እዚ ተመርኲሶም እዮም በቲ ልክዕ መስርዖምን ግዜኦምን ዚዓብዩ። ዲ.ኤን.ኤ. ብተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ “መጽሓፍ ህይወት” ተባሂሉ እንተ ተጸውዐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ንጉስ ዳዊት ልክዕ ዝዀነ መግለጺ ኺህብ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ንሱ፡ “መንፈስ የሆዋ ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኣብ ልሳነይ ነበረ” ብምባል ብትሕትና ተኣሚኑ እዩ።a—2 ሳሙኤል 23:2።
ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ይንበ
መንግስትታትን ከተማታትን፡ መዓስን ብኸመይን ከም ዚትንስኣ ዀነ ኸም ዚወድቃ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ወይ ድማ ዘይከኣል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብዛዕባ ጥፍኣት ሓያላት መንግስትታትን ከተማታትን ብዝርዝር ተነብዩ ነይሩ እዩ። ክልተ ኣብነት ጥራይ ንርአ።
ምውዳቕን ምብዳምን ባቢሎን
ጥንታዊት ባቢሎን ሕምብርቲ እቲ ንዘመናት ዚኣክል ኣብ ምዕራባዊ እስያ ጽልዋ ዝነበሮ ብርቱዕ ሃጸያዊ ግዝኣት እያ ነይራ። ሓደ እዋን ከኣ ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ከተማ እያ ነይራ። ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ፡ 200 ዓመት ኣቐዲሙ ነቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኢሳይያስ፡ ባቢሎን ቂሮስ ብዝስሙ ወራሪ ኸም እትግልበጥን ንዘለኣለም ኣብኣ ሰብ ከም ዘይነብርን ኪንበ ብመንፈሱ ደረኾ። (ኢሳይያስ 13:17-20፣ 44:27, 28፣ 45:1, 2) እሞኸ፡ ብሓቂ ኸምኡ ድዩ ኣጋጢሙ፧
ኣብ ሓንቲ ለይቲ ናይ ጥቅምቲ 539 ቅ.ክ.፡ ቂሮስ እቲ ዓብዪ ንባቢሎን ሰዓራ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ንፍርያም ዞባ እቲ ኸባቢ ዜስቲ ዝነበረ መትረባት ብሰንኪ ሸለልትነት ተዓብሰ። ብ200 ቅ.ክ.፡ እቲ ኸባቢ ምድረ በዳ ኸም ዝዀነ ድማ እዩ ዚንገረሉ። ሎሚ፡ ባቢሎን ዑና ዀይና ተሪፋ ኣላ። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እተነበዮ፡ ባቢሎን ‘ጠሪሳ ባዲማ’ እያ።—ኤርምያስ 50:13።
እዚ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ታሪኽ ብልክዕ ኪጽሕፍ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብራእይ ዝረኣዮ ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ” ኸም ዝነበረ እዩ ዚገልጸልና።—ኢሳይያስ 13:1።
ነነዌ—‘ከም ምድረ በዳ ደረቕ’
እታ ርእሰ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር ዝነበረት ነነዌ፡ ብስነ ህንጻ ኣዝያ እተደንቕ እያ ነይራ። እታ ኸተማ በቲ ገፊሕ ጐደናታታ፡ ናይ ኣደባባይ ስፍራ ኣታኽልታ፡ ኣብያተ መቕደሳ፡ ከምኡ ድማ በቲ ዓበይቲ ህንጻታታ ትምካሕ ነበረት። ኰይኑ ግና፡ ነብዪ ጸፎንያስ፡ እዛ እተደንቕ ከተማ ‘ኽትባድም፡ ከም ምድረ በዳ እውን ደረቕ’ ክትከውን ምዃና ተነበየ።—ጸፎንያስ 2:13-15።
ነነዌ ኣብ መበል ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ብባቢሎናውያንን ብሜዶናውያንን ጠሪሳ ጠፍአት። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እዛ እተሳዕረት ከተማ “ን2500 ዓመት ተረሲዓ እያ።” ሰባት ንእተወሰነ እዋን፡ ነነዌ እትብሃል ከተማ ምንባራ እውን የጠራጥሮም ነይሩ እዩ። ኣብ መፋርቕ 19 ዘመን ግና ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብዝገበርዎ ዅዕታ፡ ዑናታት ነነዌ ረኸቡ። ሎሚ እዚ ቦታ እዚ ይበላሾን ብሰባት ይዓኑን ስለ ዘሎ፡ ቅርስታት ኣብ ምዕቃብ ዚነጥፍ ግሎባል ሀሪቴጅ ፋንድ ዚብሃል ትካል፡ “ተረፍ ጥንታዊት ነነዌ እንደገና ንሓዋሩ ኺጠፍእ ይኽእል እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ።
ጸፎንያስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚፍጸም ነገር ኪፈልጥ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ በቲ ናብኡ “ዝመጸ ቓል የሆዋ” ኸም ዝዀነ ባዕሉ ተኣሚኑ እዩ።—ጸፎንያስ 1:1።
መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ይምልስ
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ህይወትና እነልዕሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት፡ ዜዕግብ መልሲ ይህበሉ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እሞ ንርአ።
ኣብ ዓለም እከይን መከራን በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እከይን መከራን ብሰፊሑ ይዛረብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጽ፦
“ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ።”—መክብብ 8:9።
ብቕዓት ዘይብሉን ብልሹውን ግዝኣት ደቂ ሰብ፡ እዚ ዘይብሃል መከራ ኣምጺኡ እዩ።
“ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።”—መክብብ 9:11።
ከም ከቢድ ሕማም፡ ሓደጋ፡ ወይ ዕንወት ዝኣመሰለ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣጋጣሚታት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ኬጓንፎ ይኽእል እዩ።
“ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት።”—ሮሜ 5:12።
እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ሞትን ኣይነበረን። ሓጢኣት “ናብ ዓለም ዝኣተወ” ደይ መደይ ኢሎም ንትእዛዝ ፈጣሪኦም ምስ ጠሓሱ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ስለምንታይ መከራ ኸም ዚወርዶም ይገልጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ንእከይ ከም ዜጥፍኦ እውን የተስፉ እዩ። ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።
ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ምሉእ ብምሉእ ሃለዋትካ እተጥፍኣሉን ዘይንጡፍ እትዀነሉን ኵነታት ምዃኑ እዩ ዚገልጽ። መክብብ 9:5፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፣ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ትብለና። ምስ ሞትና፡ ‘ሓሳባትና ይጠፍእ’ እዩ። (መዝሙር 146:4) ስለዚ፡ ምስ ሞትና ዅሉ ንጥፈታት ሓንጐልና፡ እንተላይ ዕዮ እቶም ናይ ስምዒት ህዋሳትና የቋርጽ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ድሕሪ ሞት ገለ እኳ ኺስምዓና፡ ክንሓስብ፡ ወይ ክንዓዪ ኣይንኽእልን ኢና።
ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ይገልጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብትንሳኤ ኣቢሎም ካብ ዓሚቝ ድቃስ ሞት ከም ዚትንስኡ ዚገልጽ ዜሐጕስ ተስፋ እውን ይህብ እዩ።—ሆሴእ 13:14፣ ዮሃንስ 11:11-14።
ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ። (ዘፍጥረት 1:27) ስለዚ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም፡ “ወዲ ኣምላኽ” ተባህለ። (ሉቃስ 3:38) ሰብ ንሓደ ዕላማ፡ ማለት ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዕርክነት ኪምስርት፡ ሕጉስን ኣፍራይን ኰይኑ ድማ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ ተፈጢሩ። በዚ ኸኣ እዩ ንዅሎም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ምፍላጥ ተፈጥሮኣዊ ድሌት ወይ መንፈሳዊ ኽእለት እተዋህቦም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ይብል።—ማቴዎስ 5:3።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ይብል። (ሉቃስ 11:28) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ይምህረና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ዜሐጕስ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ድማ ንዘለኣለም ክንነብር ይሕግዘና እዩ።
ነቲ መለኮታዊ ደራሲ ቕረቦ
ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚምልከት መርትዖታት ምስ መርመርዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ደምዲሞምን ኣሚኖምን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ እንተላይ ንዓኻ ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገዲ እዩ። ንኣምላኽ ክትፈልጦን ፈታዊኡ ኽትከውንን ንዘቕረበልካ ዕድመ ዝሓዘ እውን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ይብል።—ያእቆብ 4:8።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቝካ እንተ መርሚርካዮ፡ ባህ ዜብል ነገር ክትረክብ ኢኻ። እንታይ ኢኻ እትረክብ፧ ልክዕ ከምቲ ንሓንቲ መጽሓፍ ምንባብካ ብዛዕባ ኣተሓሳስባ እቲ ደራሲኣ ዚሕብረካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብካ እውን ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን እቲ ደራሲኡ ዝዀነ ኣምላኽ ኪገልጸልካ እዩ። እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኪህልዎ ኸም ዚኽእል እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ ኣረኣእያን ስምዒታትን ፈጣሪኻ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚስዕብ ነገራት ይገልጽ እዩ፦
ስምን ዜደንቕ ባህርያትን ኣምላኽ።
ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ዕላማ።
ከመይ ጌርካ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክትምስርት ከም እትኽእል።
ዝያዳ ኽትፈልጥ ምደለኻዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይ ክፍሊት ክትምሃር ምድላው ኪገብሩልካ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ኽትቀርቦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኸም ዝዀነ ዚሕብር እተወሰነ መርትዖታት ኣቕሪባ እያ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 2 ርአ። ኣብ www.jw.org/ti ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ነዚ ኮድ እዚ ስካን ግበሮ
ነታ ኣብ www.jw.org/ti እትርከብ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ክትርእያ ትኽእል ኢኻ
ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቪድዮታት ርአ
a ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።—መዝሙር 83:18።