የሆዋ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ
ሓንቲ ኣብ ሳራየቮ ዘላ መንእሰይ ጓል ስለምንታይ ኢዮም ኣብዚ ከተማ ዘለዉ ቈልዑት ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ብምባል ንገዛእ ርእሳ ትሓትት። “ምንም ነገር ኣይበደልናን። ንጹሃት ኢና” ድማ ትብል። ዓቕለን ዝጸበበን ኣዴታት እቶም ዝጠፍኡ ደቀን ኣበይ ከም ዘለዉ ነቲ መንግስቲ ንምሕታት ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኸውን ኣብቲ ኣብ ቦነስ ኣየረስ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣደባባይ ተመላሊሰን ኢየን። ሓደ ኣዲኡን ሰለስተ ኣሓቱን ኣብ ምጅማር ቀቢላዊ ዓመጽ ብጭከና እተቐትላ ኢማኑኤል እተባህለ ኣፍሪቃዊ ድማ ኣትሪሩ ከምዚ ይብል:- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ልክዕ ዝዀነ ዓስቡ ክረክብ ኣለዎ። . . . ፍትሒ ኢና ንደሊ።”
ፍትሒ ሓደ ካብቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ቀንዲ ባህርያት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” ትሓዓ ] እዩ” ይብል። ብርግጽ: የሆዋ “ጽድቅን ፍርድን [“ፍትሕን:” ትሓዓ ] ይፈቱ” ኢዩ። (ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 33:5) ንኣምላኽ ጽቡቕ ገይርና ንኽንፈልጦ: ፍትሑ እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእን ንዕኡ ንኽንቀድሖ ድማ ክንማሃርን ይግብኣና።—ሆሴእ 2:19, 20፣ ኤፌሶን 5:1: ትሓዓ
ምናልባት ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎና ምርዳእ በቲ ሰባት ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ተቐሪጹ ይኸውን ኢዩ። ኣብ ገለ ክፍልታት ናይ ዓለም ንፍትሒ ሓንቲ ዓይና እተዓመተት ኣብ ኢዳ ድማ ሰይፍን ጽምዲ ሚዛንን ዝሓዘት ሰበይቲ ገይሮም ኢዮም ዝስእልዋ። ናይ ሰብ ፍትሒ ኣድልዎ ዘይብሉ: ብገንዘብ ወይ ብኻልእ ጽልዋታት ዘይልወጥ ክኸውን ነይርዎ። በቲ ሚዛን ብምጥቃም ናይቲ ተኸሳሲ ገበን ወይ ቅንዕና ተጠንቂቑ ዘመዛዝን ክኸውን ኣለዎ። በቲ ሰይፉ ገይሩ ድማ ነቲ ንጹህ ዝከላኸለሉ: ነቶም ገበነኛታት ድማ ዝቐጽዕ ክኸውን ኣለዎ።
እታ ራይት ኤንድ ሪዝን—ኢቲክስ ኢን ቲዮሪ ኤንድ ፕራክቲስ እትብል መጽሓፍ “ፍትሒ ምስ ሕጊ: ግዴታ: መሰል: ከምኡውን ምስ ግቡእካ ምፍጻም እተተሓሓዘት ኢያ: እቲ እትህቦ ፍርዲ ድማ ኣብ ማዕርነት እተመርኰሰ ወይ ከምቲ ነቲ ሰብ ዝግባእ ገይራ ኢያ እትህብ” ትብል። እንተዀነ ግን: ናይ የሆዋ ፍትሒ ክንዮ እዚ ኢዩ ዝሓልፍ። ነዚ ናይቲ ነቦኡ ኣጸቢቑ ዝመስሎ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ተግባራትን ባህርያትን ብምርኣይ ክንርድኦ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 1:3
እተን ኣብ ኢሳይያስ 42:3 ዘለዋ ቃላት: እቲ ጸሓፊ ወንጌል: ማቴዎስ ኣብ የሱስ ኣውዒሉወን ኣሎ። ከምዚ ድማ በለ:- “ፍርዲ [“ፍትሒ:” ትሓዓ ] ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ: ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን: ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።” የሱስ ነቶም ከም ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኰይኖም ዝጐበጡን አረ እተጨፍለቑ እውን ከይተረፈ ሓደ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኣዊጁሎም ነበረ። ልክዕ ከም ሓንቲ እታ ናይ መጨረሽታ ናይ ብርሃና ቍልዒ ክጠፈእ ዝቐረበት ተኻኺት ፈትሊ ጥዋፍ ኢዮም ነይሮም። የሱስ ኣብ ክንዲ ነቲ ምሳልያዊ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝሰብር ከምኡውን ነቲ ዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍ ዘጥፍእ ነቶም እተጐድኡ ደንገጸሎም: ማሃሮምን ኣሕወዮምን: ከምኡውን ናይ የሆዋ ኣምላኽ ፍትሒ ከም ዝርድኦም ገበረ። (ማቴዎስ 12:10-21) ከምቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ኣቐዲሙ እተዛረቦ: እዚ ዓይነት ፍትሒ እዚ ተስፋ ዝህብ ኢዩ ነይሩ።
ምሕረትን ናይ የሆዋ ፍትሕን
ምሕረት ናይ ኣምላኽ ፍትሒ ሓደ ቀንዲ ክፍሊ ኢዩ። እዚ ድማ የሱስ ኣብ ምድሪ መጺኡ ከሎ ተራእዩ ኢዩ። ናይ ኣምላኽ ናይ ፍትሕን ጽድቅን መዓቀኒታት ምሉእ ብምሉእ ኣርእዩ ኢዩ። ናይ ኣይሁድ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግን ነቲ መብዛሕትኡ ባዕላቶም ዝገበርዎ ተሪር ሕጊ ብምስዓብ ኢዮም ጽድቂ ክረኽቡ ዝደልዩ ነይሮም። እቲ ሕጋዊ ዝዀነ ፍትሖም መብዛሕትኡ ግዜ ምሕረት ዘይብሉ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ኣየናይ ምዃኑ ዝምልከት ድማ ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ምግርጫዋት ነይሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 9:10-13፣ ማርቆስ 3:1-5፣ ሉቃስ 7:36-47
ንኻልኦት ብኸመይ ብልክዕን ብጽድቅን ክንሕዞም ከም ዘሎና የሱስ ብኣብነት ገሊጽዎ ኢዩ። ሓደ ፈላጥ ሕጊ ንየሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክወርስ እንታይ ከም ዘድሊ ሓተቶ። የሱስ ሕቶ ሓተቶ: እቲ ሰብኣይ ድማ እተን ክልተ ኣዝየን ኣድለይቲ ሕግታት ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ: ነፍስኻ: ሓሳብካ: ሓይልኻ ከተፍቅሮ ከምኡውን ንብጻይካ ከም ነብስኻ ከተፍቅሮ ምዃነን ምስ መለሰሉ የሱስ ነኣዶ። ድሕሪኡ እቲ ሰብኣይ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ ምሳሌ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምንጋር መለሰሉ።—ሉቃስ 10:25-37
ናይ የሆዋ ጽድቅን ምሕረት ዝመልኦ ፍትሕን ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ዝሃቦ ምሳሌ ተገሊጹ ኣሎ። ንሓደ ዘይፈልጦ ሰብኣይ ብዘይስስዐ ተለዓዒሉ ምሕጋዙ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ቅኑዕ: ልክዕ: ከምኡውን ምሕረት ገይሩ ኢዩ። የሱስ እውን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምድሪ ከሎ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ኢዩ ኣርእዩ። ጻድቕን ልክዕን ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ነቶም መሳኪን: ንስቓይን ሕማምን ሞትን እተቓልዑ ሓጢኣተኛታትን ዘይፍጹማትን ደቅሰብ ህይወቱ ሂቡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጽድቂ ምስቲ እተገብረ ናይ በጅነት ምድላው ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ: ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።” (ሮሜ 5:18) እዛ ‘ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ’ እዚኣ ነቶም ብቐጥታ ተሓተቲ ዘይኰኑ እዙዛት ደቅሰብ ካብቲ ኣዕናዊ ዝዀነ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣዳም ንምድሓን እተገብረት ናይ ኣምላኽ ምድላው ኢያ።
ፍትሒ ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣተኛታት ሰባት ንምብጃው: በቲ ሓደ ወገን ድማ ንጽድቃዊ ስርዓታት ከማልእ ዝደሊ ኢዩ ነይሩ። ንሓጢኣት ሸለል ምባል ዓመጻ ንኸስፋሕፍሕ ዘተባብዕ ብምዃኑ ዘይልክዕን ዘይፍቕራውን ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ፍትሒ ኣምላኽ ዓስቢ ወይ መቕጻዕቲ ኣብ ምሃብ ጥራይ እተወሰነ እንተዝኸውን ነይሩ ኵነታት ደቅሰብ ተስፋ ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ‘ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ኢዩ’ ከምኡውን “ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን።” (ሮሜ 3:10፣ 6:23) ንዕኡን ነቲ ፍቑር ወዱን ዓቢ ብሕታዊ ዋጋ ምኽፋል ዝሓትት ክነሱ የሆዋ ንሓጢኣት ዘልግስ መስዋእቲ ኣዳለወ።—1 ዮሃንስ 2:1, 2
እቲ በጅነት: መለኮታዊ ፍትሒ ምስ ኣብ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ (ብግሪኽ ኣ·ጋʹፐ) እተኣሳሰረ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። ብርግጽ ናይ ኣምላኽ ፍትሒ ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ብዝበለጸ ዝፍጽመሉ መገዲ ኢዩ። እወ: ንስነ-ምግባር ከም ዝጣበቕ ዘንጸባርቐሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ብኣምላኽ ክትግለጽ ከላ ኣ·ጋʹፐ መለኮታዊ ፍትሒ እተመስረተላ ፍቕሪ ኢያ። (ማቴዎስ 5:43-48) ስለዚ: ናይ የሆዋ ምሕረት ብሓቂ እንተድኣ ተረዲእናዮ ኣብቲ ፍርዳዊ ውሳነታቱ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ክህልወና ኢዩ። ‘ፈራድ ኵላ ምድሪ’ ከም ምዃኑ መጠን ኵሉ ግዜ ቅኑዕ ዘበለ ኢዩ ዝገብር።—ዘፍጥረት 18:25፣ መዝሙር 119:75
ንናይ የሆዋ ናይ ፍትሒ ኣብነት ቅድሓዮ
መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣምላኽ ምሰልዎ” ብምባል የተባብዓና። (ኤፌሶን 5:1 ትሓዓ) እዚ ማለት ድማ ፍትሑን ፍቕሩን ምቕዳሕ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ዘይፍጹማት ብምዃንና መገድታትና ከምቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 55:8, 9፣ ህዝቅኤል 18:25) ስለዚ: ጽድቅን ፍትሕን ንፈቱ ምዃንና ብኸመይ ኢና ከነረጋግጽ እንኽእል፧ ነቲ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ [“ብፍቓድ:” ትሓዓ ] ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ” ብምልባስ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:24) ድሕርዚ እቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮ ከነፍቅር እቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ድማ ክንጸልእ ኢና። ‘ናይ ሓቂ ጽድቂ’ ንዓመጽ: ንዘይስነ-ምግባራውነት: ንርኽሰት: ከምኡውን ንኽሕደት ይፍንፍኖ ኢዩ: ምኽንያቱ ከምዚኣቶም ዝበሉ ነገራት ነቲ ቅዱስ ዘበለ ዝጥሕሱ ኢዮም። (መዝሙር 11:5፣ ኤፌሶን 5:3-5፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:16, 17) ኣምላኻዊ ፍትሒ ኣብ ካልኦት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከነርኢ እውን የለዓዕለና ኢዩ።—መዝሙር 37:21፣ ሮሜ 15:1-3
ብተወሳኺ ድማ: ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ባህርያት ፍትሒ ኣምላኽ ነማስወሉ እንተድኣ ኴንና ንመንፈሳውያን ኣሕዋትና ወይ ኣሓትና ናይ ምፍራድ ዝንባለ ኣይከነሕድርን ኢና። ከምቲ የሆዋ ዝገብሮ ገይርና ብኸመይ ኢና ክንርድኦም እንኽእል፧ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይተረጋገጸ ኣረኣእያ ተላዒልና ንፈርዶምዶ ኸይኰንና፧ ስለዚ ድማ ኢዩ የሱስ ከምዚ ኢሉ ዘጠንቀቐ:- “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም: ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ: ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ: ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ: ትብሎ፧ እንሆ: ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ: ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።” (ማቴዎስ 7:1-5) ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ዘይፍጽምና ቅኑዕ ዝዀነ ገምጋም ምስ ዝህልወና: የሆዋ ምስ ሓጢኣት ዝቈጽሮ ፍርድታት ካብ ምግባር ክንድሕን ኢና።
ከቢድ ዝዀነ ሓጢኣት ምስ ዝግበር ክፈርዱ ተመዚዞም ዘለዉ እቶም እተሸሙ ሽማግለታት ጥራይ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:12, 13) ከምኡ ኽገብሩ ከለዉ: ዝከኣል ምስ ዝኸውን ናይ ኣምላኽ ፍትሒ ምሕረት ከርኢ ከም ዝደሊ ክዝክሩ ኣለዎም። ከምቲ ኣብ ኵነታት ናይቶም ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ዝርአ: ንምሕረት ዝኸውን ምኽንያት እንተድኣ ዘየሎ: ምሕረት ክግበር ኣይከኣልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ሽማግለታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ በደለኛ ብቂም ተላዒሎም ካብታ ጉባኤ ኣይሰጉዎን ኢዮም። እቲ ናይ ምውጋድ ስጕምቲ ነቲ ሰብ ናብ ልቡ ከም ዝምለስ ንኽገብሮ ኢዮም ተስፋ ዝገብሩ። (ምስ ህዝቅኤል 18:23 ኣረኣእዮ።) ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ኰይኖም እቶም ሽማግለታት ምእንቲ ፍትሒ ኢዮም ዘገልግሉ: እዚ ድማ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ምዃን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ኢሳይያስ 32:1, 2) ስለዚ እምበኣር: ኣድልዎ ዘይምህላውን ምኽንያታውነትን ከርእዩ ኣለዎም።—ዘዳግም 1:16, 17
ብጽድቂ ዘርኢ ዝራእ
ነታ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም እናተጸበና: መለኮታዊ ስምረት ምእንቲ ከነስተማቕር ‘ጽድቂ ክንደሊ’ ይግብኣና። (ጸፎንያስ 2:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ሆሴእ 10:12 ብጽቡቕ ዝዀነ መገዲ ተገሊጹ ኣሎ:- “ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ: ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲ: ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ግዜ እዩ እሞ: ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ: ከም መጠን ምሕረቱ [“ፍቕራዊ ሕያውነቱ:” ትሓዓ ] ኸኣ ዕጸዱ: ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።”
ከምቲ የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ዝገለጾ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ‘ጽድቂ ክንዘርኣሉ እንኽእል’ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። የሆዋ ድማ በቲ ‘ፍቕራዊ ሕያውነቱ ከም እንዓጽድ’ ከረጋግጸልና ኢዩ። ኣብ “መገዲ ፍትሒ” ምምልላስ ምስ እንቕጽል: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ብጽድቂ መምሪሒ ምቕባል ክንቅጽል ኢና። (ኢሳይያስ 40:14 ትሓዓ) ግዜ እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ ብዘይጥርጥር የሆዋ ጽድቅን ፍትሕን ዝፈቱ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ከነማስወሉ ኢና።—መዝሙር 33:4, 5
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ የሆዋ ፍትሒ ኣብነት ኢዩ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ነቶም ከም ጭፍሉቕ ሰልሰላ ኰይኖም እተሃስዩ ሰባት ደንጊጹሎም ኢዩ