ህይወትን ሰላምን ንምርካብ ብመንፈስ ተመላለስ
“ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ።”—ሮሜ 8:4።
1, 2. (ሀ) ሓደ ሰብ፡ ማኪና እናዘወረ ኸሎ ምስ ዜስግል እንታይ ከቢድ ሓደጋ እዩ ኼጋጥሞ ዚኽእል፧ (ለ) ብመንፈሳዊ መዳይ ምስ እነስግልከ እንታይ ሓደጋ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
“እናኣስገልካ ዚግበር ምሽክርካር ማካይን፡ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።” እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ጸሓፊ ኽፍሊ መጓዓዝያ ዝሃቦ ሓሳባት እዩ። ንሓደ ኣሽከርካሪ፡ እናዘወረ ኸሎ ኣብኡ ጥራይ ንኸየተኵር ዕንቅፋት ካብ ዚፈጥረሉ ነገራት ሓደ፡ ሞባይል ተሌፎን እዩ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ቓለ መጠይቕ ካብ እተገብረሎም ሓደጋ ዘጋጠሞም ወይ ካብ ሓደጋ ዘምለጡ ልዕሊ ሲሶ ዝዀኑ ሰባት፡ እቲ ኣሽከርካሪ፡ ሞባይል ተሌፎን ይጥቀም ከም ዝነበረ ገለጹ። ማኪና እናዘወርካ ኸለኻ ኻልእ ነገራት ምግባር ጠቓሚ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ውጽኢቱ ግና ሓደገኛ እዩ።
2 እዚ ኣብ መንፈሳዊ ድሕንነትና እውን ዚውዕል እዩ። ሓደ ዘስገለ ኣሽከርካሪ መብዛሕትኡ ግዜ ንምልክታት ሓደጋ ኣየስተብህለሉን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘስገለ ሰብ እውን ብቐሊሉ ሓደጋ ኼጋጥሞ ይኽእል እዩ። ካብ ክርስትያናዊ ጕዕዞናን ካብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትናን እንተ ደኣ ኣላጊስና፡ ናይ እምነት መርከብና ኽትስበረና ትኽእል እያ። (1 ጢሞ. 1:18, 19) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ” በለ። (ሮሜ 8:6) ጳውሎስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ “ሓሳብ ስጋ” ኣወጊድና፡ “ሓሳብ መንፈስ” ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
“ኵነኔ የብሎምን”
3, 4. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ብብሕቱ ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ እዩ ዝጸሓፈ፧ (ለ) እቲ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ ዅነታት ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
3 ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዘጋጠሞ፡ ኣብ መንጎ ስጋኡን ኣብ መንጎ ሓሳቡን ዝነበረ ቓልሲ ጸሓፈሎም። (ሮሜ 7:21-23 ኣንብብ።) ጳውሎስ የማኻኒ ወይ የስቈርቍር ኣይኰነን ነይሩ፣ ሓጢኣቱ ኣዝዩ ስለ ዝኸበዶ፡ ፈጺሙ ቕኑዕ ኪገብር ከም ዘይክኣለ እውን ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን እተመርጸ፡ ብመንፈስ እተቐብአ ብሱል ክርስትያን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 1:1፣ 11:13) ብዛዕባ እቲ ብብሕቱ ዚገብሮ ዝነበረ ቓልሲ ዝጸሓፈ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧
4 ጳውሎስ ብገዛእ ርእሱ ኸምቲ ዚብህጎ ዝነበረ ገይሩ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ከም ዘይክኣለ እዩ ብቕንዕና ኣፍልጦ ዚህብ ነይሩ። ከመይሲ፡ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” እዮም። (ሮሜ 3:23) ጳውሎስ፡ ዘርኢ ኣዳም ብምዃኑ ዘይፍጽምና ወሪሱ እዩ። ንሕና እውን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ መዓልታዊ ድማ ምስ ዘይፍጽምናና ስለ እንቃለስ፡ ሓሳባት ጳውሎስ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣቓልቦና ሰሪቑ ኻብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ኼውጽኣና ዚኽእል ሓያሎ ነገራት የጋጥመና እዩ። (ማቴ. 7:14) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ንዘጋጠሞ ዅነታት እተዋጽኣሉ፡ ንሕና እውን ነዚ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።
5. ጳውሎስ ካበይ እዩ ሓገዝን ዕረፍትን ረኺቡ፧
5 ጳውሎስ፡ “መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 7:24, 25) ቀጺሉ ኸኣ “ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ” ቕቡኣት ክርስትያናት ኣመልኪቱ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:1, 2 ኣንብብ።) የሆዋ ነዞም ቅቡኣት እዚኣቶም፡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ኪዀኑ ብምጽዋዕ፡ ከም ውሉዱ ገይርዎም እዩ። (ሮሜ 8:14-17) መንፈስ ኣምላኽን እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነትን ኣብቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ቓልሲ ኸም ዚዕወቱ እዩ ዚገብሮም። “ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” ሓራ ስለ ዝወጹ ድማ፡ “ኵነኔ የብሎምን” ኪበሃል ይከኣል እዩ።
6. ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምኽሪ ጳውሎስ ኬቕልቡሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
6 ጳውሎስ ንመልእኽቱ ናብ ቅቡኣት ክርስትያናት እኳ እንተ ጸሓፋ፡ እቲ ብዛዕባ መንፈስ ኣምላኽን መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስን ዝሃቦ ሓሳባት ግና፡ ተስፋኦም ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ብዘየገድስ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኪጠቕሞም ይኽእል እዩ። እቲ ምኽሪ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብምዃኑ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተረዲኦም ክትግብርዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኣምላኽ ‘ነቲ ሓጢኣት ስጋ ዝዀነኖ’ ብኸመይ እዩ፧
7, 8. (ሀ) እቲ ሕጊ ‘ብስጋ ድኹም’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ብመንፈሱን በቲ በጃን እንታይ እዩ ዓሚሙ፧
7 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 7፡ ሓጢኣት ኣብቲ ዘይፍጹም ስጋ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። ኣብ ምዕራፍ 8 ድማ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሓይሊ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ክርስትያናት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺነብሩን ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡን ንሓጢኣት ንምስናፍ ኣብ ዚገብርዎ ቓልሲ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱን ብመስዋእታዊ በጃ ወዱን ኣቢሉ፡ ሕጊ ሙሴ ኺፍጽሞ ዘይክኣለ ነገር ከም ዝፈጸመ ኣብሪሁ ኣሎ።
8 እቲ ብዙሕ ትእዛዛት ዝሓቘፈ ሕጊ ንሓጥኣን ኰኒንዎም እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ዘይፍጹማት ስለ ዝነበሩ፡ ንሓጢኣት ዚበቅዕ መስዋእቲ ኸቕርቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ እቲ ሕጊ ‘ብስጋ ድኹም’ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ “ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋ” ልኢኹ፡ በጃ ንኪኸውን ድማ ብምውፋይ፡ ‘ነቲ ሓጢኣት ስጋ ዀነኖ፡’ ነቲ ‘እቲ ሕጊ ኺገብሮ ዘይኰነሉ’ ነገር ድማ ከም ዚኸውን ገበሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብምእማን ከም ጻድቃን ኪቝጸሩ ኸኣሉ። ‘ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኸይመላለሱ’ ድማ ምኽሪ ተዋህቦም። (ሮሜ 8:3, 4 ኣንብብ።) እወ፡ “ኣኽሊል ህይወት” ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ምድራዊ ህይወቶም ክሳዕ ዚውድኡ ነዚ ምኽሪ እዚ ኺዓዩሉ ኣለዎም።—ራእ. 2:10።
9. እታ ኣብ ሮሜ 8:2 ተጠቒሳ ዘላ “ሕጊ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧
9 ጳውሎስ “ሕጊ መንፈስ” ከምኡውን “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” እውን ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 8:2) እዚ ሕግታት እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ሕጊ፡” ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቒሱ ዘሎ ዓይነት ሕግታት ወይ ስርዓታት ዜመልክት ኣይኰነን። ብመሰረት ሓደ መወከሲ፡ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ሕጊ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል፡ ነቲ ሰባት ዚገብርዎ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ነገራት እያ እተመልክት። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ህይወቶም ዚኽተልዎ መምርሒ እውን ተመልክት እያ።
10. ንሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ተገዛእቲ ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:12) ኵላትና ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ንሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ንግዛእ ኢና። እቲ ሓጥእ ስጋና ነቲ ናብ ሞት ዚመርሕ ንኣምላኽ ዘየሐጕስ ነገራት ንኽንገብር ይደፋፍኣና እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ገላትያ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራትን ባህርያትን “ግብሪ ስጋ” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን፡ “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ገለጸ። (ገላ. 5:19-21) እቶም ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ብስጋ እዮም ዚመላለሱ። (ሮሜ 8:4) እቲ ዘይፍጹም ስጋኦም ከኣ እዩ ዚመርሖም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ምንዝር፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ወይ ካልእ ከቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ጥራይ ድዮም ብስጋ ዚመላለሱ፧ ኣይፋሎምን፡ ከመይሲ፡ እቲ ግብሪ ስጋ ነቲ ገሊኣቶም ከም ባህርያዊ ድኽመት ጥራይ ገይሮም ዚርእይዎ፡ ከም ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ቅንኣት ዝኣመሰለ ባህርያት እውን የመልክት እዩ። መን ካባና እዩ እሞ ኣፉ መሊኡ ፈጺሙ ብስጋ ኸም ዘይመላለስ ኪዛረብ ዚኽእል፧
11, 12. የሆዋ ንሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ምእንቲ ኸነሰንፍ ኢሉ እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩልና፧ ሞገስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንረክብከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
11 ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሕጊ ሓጢኣትን ሞትን እነሰንፈሉ መገዲ ስለ ዝኸፈተልናስ፡ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። ፍቕሪ ኣምላኽ ብምቕባልን ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ካብቲ ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ዝመጸ ዅነኔ ሓራ ኽንወጽእ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 3:16-18) ስለዚ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ንሕና እውን ብሓጐስ፡ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” ኽንብል ንኽእል ኢና።
12 ካብ ከቢድ ሕማም ንፍወስ ከም ዘለና ጌርና እሞ ንሕሰብ። ምሉእ ብምሉእ ክንሓዊ እንተ ደሊና፡ ነቲ ሓኪም ክንእዘዞ ኣሎና። ኣብቲ በጃ ምእማን ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኼውጽኣና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ኢና። መንፈሳዊ ጥዕናና ዓቂብና ሞገስ ኣምላኽን በረኸቱን ምእንቲ ኽንረክብ እምበኣር ካልእ ክንገብሮ ዚግብኣና ነገር ኣሎ። ጳውሎስ፡ እቲ ጽድቃዊ “ድሌት ሕጊ” ምእንቲ ኺምላእ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ከም ዜድሊ ኣጕሊሑ ኣሎ።
ብመንፈስ ክንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13. ብመንፈስ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
13 ብመንፈስ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ፡ ቀጻሊ ዝዀነ መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ማለት ደኣ እምበር፡ ኣብ መንፈሳዊ ፍጽምና ምብጻሕ ማለት ኣይኰነን። (1 ጢሞ. 4:15) መዓልታዊ ብእተኻእለና መጠን፡ ምስ መሪሕነት መንፈስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ‘ብመንፈስ እንተ ተመላሊስና’ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ኢና።—ገላ. 5:16።
14. እቶም “ስጋውያን ዘበሉ” እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧
14 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ቀጺሉ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ዚጋጮ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ክልተ ዓይነት ሰባት ጠቒሱ ኣሎ። (ሮሜ 8:5 ኣንብብ።) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ስጋ ኺበሃል ከሎ ንኣካላት ሰብ ኣይኰነን ዜመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ስጋ” እትብል ቃል ሓድሓደ ግዜ ንዘይፍጽምናና ንምምልካት ትውዕል እያ። እቲ ዘይፍጽምናና ኸኣ ከምቲ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ፡ ኣብ መንጎ ስጋን ኣብ መንጎ ሓሳብን ቃልሲ ኸም ዚህሉ ይገብር። ኰይኑ ግና፡ እቶም “ስጋውያን ዘበሉ፡” ከም ጳውሎስ ኣይቃለሱን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚሓቶም ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓገዙ ኣብ ክንዲ ዚቕበሉ፡ “ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ።” መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስጋዊ ምሾቶም ብምትኳር ንስጋዊ ባህግታቶም ኬዕግቡ እዮም ዚደልዩ። እቶም “መንፈሳውያን” ግና ኣብ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ንጥፈታትን ብምትኳር፡ “ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ።”
15, 16. (ሀ) ሓደ ሰብ ብሓሳቡ ኣብ ሓደ ነገር ምስ ዜተኵር፡ ንኣእምሮኡ ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ምንታይ እዮም ዜተኵሩ፧
15 ሮሜ 8:6, 7 ኣንብብ። ሓደ ሰብ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ቅድሚ ምግባሩ፡ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ እዩ ዚሓስብ። ወትሩ ነቲ ናይ ስጋ ዚሓስቡ ሰባት፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይ ስጋ ጥራይ ዜተኵር ኣእምሮ ወይ ኣተሓሳስባ እዮም ዜማዕብሉ። ስምዒቶም፡ ተገዳስነቶም ኰነ ፍቕሮም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስጋዊ ነገራት እዩ ዜተኵር።
16 ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ምንታይ እዮም ዜተኵሩ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” በለ። (1 ዮሃ. 2:16) እዚ ፍትወት እዚ ኸም ጾታዊ ርኽሰትን ተፈላጥነትን ጥሪትን ዜጠቓልል እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ብሓቂ ስለ ዚደልይዎን ብዛዕባኡ ስለ ዚሓስቡን፡ መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ጋዜጣታት፡ ፊልምታት፡ ናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት፡ ከምኡውን ኢንተርነት ወትሩ ነዚ ነገራት እዚ እዩ ዜተባብዕ። ይኹን እምበር፡ “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ።” እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ሕጂ መንፈሳዊ ሞት የስዕብ፡ ኣብ ዚመጽእ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት የስእን ማለት እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።”—ሮሜ 8:7, 8።
17, 18. ሓሳብ መንፈስ ሒዝና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፡ ከምዚ እንተ ጌርናኸ እንታይ ኢና እንረክብ፧
17 “እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።” እዚ ኺበሃል ከሎ፡ ኣብ ዚመጽእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ፡ ሕጂ ድማ ናይ ልብን ኣእምሮን ሰላም ረኺብና፡ ምስ ኣምላኽ ብሰላም ንመላላስ ማለት እዩ። “ሓሳብ መንፈስ” ሒዝና ኽንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣዘውቲርና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብምትኳር መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ኸነማዕብል ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዚሳነን ‘ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ዚግዛእን’ ሓሳብ ይህልወና። ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ድማ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣይጠፍኣናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ሓሳብ መንፈስ ዚሰማማዕ ምርጫ ኽንገብር ክንድረኽ ኢና።
18 ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ናይ መንፈስ ክንሓስብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንምግባር ከኣ ‘ሓቛቝ ልብና ተዓጢቕና፡’ ከም ጸሎት፡ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኼባታት፡ ከምኡውን ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዜጠቓልል መንፈሳዊ ልማድ ከነማዕብል ኣሎና። (1 ጴጥ. 1:13) ስጋዊ ነገራት ኬስግለና ኣብ ክንዲ እነፍቅድ፡ ንኣእምሮና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜተኵር ብምግባር ነቲ ናይ መንፈስ ንሕሰብ። በዚ ኸምዚ ወትሩ ብመንፈስ ክንመላለስ ኢና። ከምዚ እንተ ጌርና፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ህይወትን ሰላምን ስለ ዝዀነ በረኸት ክንረክብ ኢና።—ገላ. 6:7, 8።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• ‘ሕጊ ብስጋ ዝደኸመ’ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽከ ብኸመይ ኰነኖ፧
• “ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን” እንታይ እዩ፧ ካብኡ ሓራ ኽንወጽእ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
• “ሓሳብ መንፈስ” ሒዝና ምእንቲ ኽንነብር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ስእልታት]
ብስጋ ዲኻ እትመላለስ ወይስ ብመንፈስ፧