ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናጻ ክኸውን ኢዩ
“ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ: ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ: እአምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቍርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን: ንፈልጥ አሎና።”—ሮሜ 8:18-22
እዚ ጥቕሲ እዚ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ መልእኽቲ ዝርከብ ኰይኑ: ህይወት ሰብ ሓቀኛ ናጽነት ዝሰኣነሉ ከምኡውን መብዛሕትኡ እዋን ናይ ባዶነትን ቃንዛን ስምዒት ዝመልአ ስለምንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ጽማቝ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ። ጳውሎስ ሓቀኛ ናጽነት ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ እውን ይገልጽ።
‘ስቓይ እዚ ዘመንዚ’
ጳውሎስ ‘ስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኣይመዓራረዮን’ ኢዩ ብምባሉ “ንስቓይ እዚ ዘመንዚ” ኣየቃለሎን። እቶም ኣብ እዋን ጳውሎስን ብድሕሪኡን ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ ብዛዕባ መሰል ወድሰብ ብዙሕ ዘይግደስ ጭከና ዝመልኦ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሰበ-ስልጣን ሮሜ ኣዝዮም ተሳቕዮም ኢዮም። ስርዓት ሮሜ ክርስትያናት ጸላእቲ መንግስቲ ኢዮም ኢሉ ሓንሳእ ብምእማኑ: ኣደዳ ሕሱም መድቈስቲ ገይርዎም ኢዩ። ጸሓፍ ታሪኽ ጀይ. ኤም. ሮበርትስ “ኣብታ ርእሲ ከተማ ዝነበረት [ሮሜ] ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ሮሜ ቦታ ምርኢት ብዘስካሕክሕ መገዲ ከም እተቐትሉ ወይ ድማ እናሰምዑን እናረኣዩን ብሓዊ ከም ዝነደዱ እተረጋገጸ ኢዩ” ይብል። (ሾርተር ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ [እንግሊዝኛ]) ሓደ ኻልእ ጸብጻብ ድማ ብዛዕባ እዞም ኣደዳ መስጐጕቲ ኔሮ ዝዀኑ ሰባት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ገሊኦም ኣብ ዕንጨይቲ ብምስቃል ተቐቲሎም: ገሊኦም ቈርበት እንስሳ ከዲኖም ብኣኻልብ ከም ዝህደኑ ኰይኖም: ገሊኦም ስምዒ ተለኽዮም ምስ መሰየ ከም ሽግ ኰይኖም ንኸብርሁ ነዲዶም ኢዮም።”—ኤፍ. ኤፍ. ብሩስ ዘዳለዎ ኒው ተስታመንት ሂስትሪ [እንግሊዝኛ]።
እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት እዚኣቶም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ናጻ ኽወጹ ብሂጎም ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ናጽነት ንኽረኽቡ ኢሎም ግን ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ክጥሕሱ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ንኣብነት: ካብቲ ኣብ መንጎ መግዛእቲ ሮሜን ከም ዚለታውያን ዝኣመሰሉ ንናጽነት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣይሁድን ዝነበረ ቃልሲ ምሉእ ብምሉእ ገለልትነቶም ሓልዮም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ብዓይኒ ዚለታውያን: “ኣምላኽ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ክፈትሖ ምጽባይ እቲ እዋናዊ ቅልውላው ዘይጠልቦ ነገር ኢዩ ነይሩ።” እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ዝድለ ነገር “ኣንጻር ጸላኢ [ሮሜ] ጎነጻዊ ስጕምቲ ምውሳድ” ኢዩ ይብሉ ነበሩ። (ኒው ተስታመንት ሂስትሪ ) ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሓሳባት እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። እቲ እንኮ ክውንነታዊ ምርጭኦም “ኣምላኽ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ክፈትሖ ምጽባይ” ኢዩ ነይሩ። “ንስቓይ እዚ ዘመንዚ” ንሓዋሩ ደው ዘብሎን ነባሪ ዝዀነ ሓቀኛ ናጽነት ድማ ዘምጽእን ብዘይካ መለኮታዊ ሓይሊ ካልእ ዋላ ሓንቲ ከም ዘየለ ይተኣማመኑ ነበሩ። (ሚክያስ 7:7፣ ኣንባቆም 2:3) እዚ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ቅድሚ ምርኣይና ግን ካብ መጀመርትኡ ‘ፍጥረት ንኸንቱ እተገዝአ’ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር።
“ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ”
ቤንጃሚን ዊልሰን ኣብ ዘ ኢምፋቲክ ዳያግሎት እታ “ፍጥረት” እትብል ቃል ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ “ንእንስሳታትን ህይወት ዘይብሉ ነገራትን” ዘይኰነስ “ወድሰብ ብጠቕላላ ” እተመልክት ኢያ ይብል። (ምስ ቈሎሴ 1:23 ኣረኣእዮ።) ንብምልኡ ሰብኣዊ ስድራቤት—ንዅላትና እቶም ናጽነት እንብህግ ሰባት—እትገልጽ ኢያ። ብምኽንያት እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወሰድዎ ስጕምቲ ‘ንኸንቱ ተገዚእና’ ኢና። ከምዚ ዝዀነ ግን ‘ብፍቓድና’ ወይ ሳዕቤን ናይቲ ነፍሲ ወከፍና ብብሕትና ዝገበርናዮ ምርጫ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዅነታትና ዝወረስናዮ ኢዩ። ብቕዱስ ጽሑፋዊ ኣመለኻኽታ እንተድኣ ርኢናዮ: እቲ ሩሶ “ሰብ ናጻ ዀይኑ ኢዩ ተወሊዱ” ዝበሎ ጌጋ ኢዩ ነይሩ። ኵላትና ኣብ ትሕቲ ማእሰር ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኢና ተወሊድና: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድማ ባሮት እቲ ብጭንቀትን ከንቱነትን ዝመልአ ኣገባብ ኢና ዄንና።—ሮሜ 3:23
ስለምንታይ ኢና ግን ከምዚ ዄንና፧ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ባዕሎም ሕማቕን ጽቡቕን ብምውሳን ‘ከም ኣምላኽ’ ክዀኑን ምሉእ ስልጣን ርእሰ-ውሳነ ክህልዎምን ስለ ዝደለዩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:5) ንናጽነት ዝምልከት ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ረሲዖም ኢዮም። ምሉእ ናጽነት ክህልዎ ዝኽእል ፈጣሪ ጥራይ ኢዩ። ንሱ ኣብ ብዘሎ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:22፣ ራእይ 4:11) ናይ ሰባት ናጽነት ገደብ ዘለዎ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ወደ መዝሙር ያእቆብ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት በቲ “ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት” ክቕየዱ ዘተባብዖም።—ያእቆብ 1:25
የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣድማሳዊ ስድራቤቱ እንተ ሰጐጎም እምበኣር ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:19) እቶም ዘርኦምከ፧ ምንም እኳ ኣዳምን ሄዋንን ከሕልፉሎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ነገር ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሞትን ጥራይ እንተ ነበረ: የሆዋ ግን ቈልዑ ክወልዱ ብምሕረት ኣፍቀደሎም። ስለዚ “ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:12) በዚ መገዲ እዚ ኣምላኽ ነቲ ፍጥረት ‘ንኸንቱ ኣግዝኦ።’
“ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ”
የሆዋ እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ከም ዝግዛእ ዝገበረ: ሓደ እዋን ብዕዮታት “ደቂ ኣምላኽ” ኣቢሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናጽነት ክምለሰሉ ብዝብል ‘ተስፋ’ ኢዩ። እዞም “ደቂ ኣምላኽ” መን ኢዮም፧ እዚኣቶም ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሰብኣውያን “ፍጥረት” ባሮት ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኰይኖም እተወልዱ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኢዮም። እዚኣቶም ኣብታ ጽፍፍትን ፍጽምትን ኣድማሳዊት ስድራቤት ኣምላኽ ቦታ ክረኽቡ ብትውልዲ መሰል የብሎምን። የሆዋ ግን ሓደ ፍሉይ ነገር ይገብረሎም። በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ካብቲ ዝወረስዎ ባርነት ሓጢኣት ናጻ ይገብሮም: ‘ጻድቃን’ ወይ ብመንፈሳዊ መገዲ ጽፉፋት ከም ዝዀኑ ድማ ይገብሮም። (1 ቈረንቶስ 6:11) ድሕርዚ ናብታ ኣድማሳዊት ስድራቤቱ ብምምላስ መሰል ውልድነት “ደቂ ኣምላኽ” ይህቦም።—ሮሜ 8:14-17
ከም መሰል ውልድነት እተቐበሉ ደቂ የሆዋ መጠን: ክቡር መሰል ክህልዎም ኢዩ። ‘ንኣምላኽና ካህናት’ ክዀኑ ኢዮም: ከም ኣባላት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ድማ ምስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ‘ኣብ ምድሪ ክነግሱ ኢዮም።’ (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-4) እዚኣ ኣብ ስርዓታት ግፍዕን ውልቀ-ምልክን ዘይኰነስ ኣብ ስርዓታት ናጽነትን ፍትሕን ኣጽኒዓ እተመስረተት መንግስቲ ኢያ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 61:1-4) እዞም ደቂ ኣምላኽ እዚኣቶም ተሓባበርቲ ናይቲ ንነዊሕ እዋን መብጽዓ እተገብረሉ ‘ዘርኢ ኣብርሃም’ ዝዀነ የሱስ ምዃኖም ሃዋርያ ጳውሎስ ይዛረብ። (ገላትያ 3:16, 26, 29) ከምዚ ብምዃኖም ከኣ ነቲ ኣምላኽ ንዓርኩ ኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ ግደ ይህልዎም። ገለ ክፍሊ ናይቲ መብጽዓ ኸኣ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ብዘርኢ (ወይ ከኣ ውላድ) ኣብርሃም ኣቢሎም “ኪባረኹ” ምዃኖም ኢዩ።—ዘፍጥረት 22:18
ንወድሰብ ከመይ ዝበለ በረኸት ኢዮም ዘምጽኡሉ፧ ደቂ ኣምላኽ ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራቤት ካብቲ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ኣዳማዊ ሓጢኣት ናጻ ኣብ ምውጻእን ንወድሰብ ናብ ፍጽምና ኣብ ምምላስን ይካፈሉ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን” እተኣከቡ ሰባት ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምግባርን ነቲ ሕያውነት ዝመልኦ መንግስታዊ ግዝኣቱ ብምእዛዝን ክባረኹ ይኽእሉ ኢዮም። (ራእይ 7:9, 14-17፣ 21:1-4፣ 22:1, 2፣ ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) በዚ መገዲ እዚ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት” እንደገና “ሓርነት . . . ደቂ ኣምላኽ” ከስተማቕር ኢዩ። እዚ ገደብ ዘለዎ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘይኰነስ ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ሉዓላውነት ኣምላኽ ዝነጸግሉ ግዜ ኣትሒዙ ንሰብኣዊ ስድራቤት ስቓይን ጭንቀትን ዘስዓበሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ናጻ ዝገብር ናጽነት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ስቓይ እዚ ዘመንዚ’ ነቲ እቶም እሙናት ሰባት ዝፍጽምዎ ክቡር ኣገልግሎት ‘ኣይመዓራረዮን’ ኢዩ እንተ በለ ዘገርም ኣይኰነን!
“ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” መዓስ ኢዩ ዝጅምር፧ ድሕሪ ቐረባ ግዜ: የሆዋ ደቂ ኣምላኽ በዓል መን ምዃኖም ንዅሉ ምስ ገለጸሉ ክጅምር ኢዩ። እዚ ድማ እዞም ናብ መንፈሳዊ ግዝኣት እተመልሱ “ደቂ” እዚኣቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ነዛ ምድሪ እዚኣ ካብ እከይን ግፍዕን ንምጽራይ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ውግእ ኣርማጌዶን ክካፈሉ ኸለዉ ክፍጸም ኢዩ። (ዳንኤል 2:44፣ 7:13, 14, 27፣ ራእይ 2:26, 27፣ 16:16፣ 17:14፣ 19:11-21) ኣብቲ ኣምላኽ ንዕልወትን ነቲ ሳዕቤኑ ዝዀነ እከይን ዘርኣዮ ነዊሕ ተጻዋርነት ዘብቅዓሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ምህላውና ዝገልጽ ኣብ ከባቢና እናወሰኸ ዝኸይድ መርትዖ ንርኢ ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ማቴዎስ 24:3-31
እወ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ተዛሪብዎ ዘሎ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን’ ምህላዉ ሓቂ ኢዩ። ንነዊሕ ግዜ ግን ኣይክቕጽልን ኢዩ። ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራቤት ዝምለሰሉ ሰላምን ናጽነትን ፍትሕን ሓዊስካ ነቲ “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኵሉ” ክርእይዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 3:21
ኣብ መወዳእታ ዝርከብ ሓቀኛ ናጽነት
ነዚ “ሓርነት . . . ደቂ ኣምላኽ” ንምርካብ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።” (ዮሃንስ 8:31, 32) ንትእዛዛትን ትምህርትታትን ክርስቶስ ምፍላጥን ምእዛዝን ናይ ናጽነት ምስጢር ኢዩ። እዚ ሕጂውን እንተዀነ እተወሰነ ናጽነት የምጽእ ኢዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ የሱስ ምሉእ ናጽነት ከምጽእ ኢዩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር “ቃል” የሱስ ምፍላጥ ጥበብ ዝመልኦ ስጕምቲ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ጉባኤ እቶም ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ብንጥፈት ሕበር። ከምዚ ብምግባር: ካብቲ ሎሚ የሆዋ በታ ማሕበሩ ኣቢሉ ዘዳልወልና ዘሎ ናጻ ዘውጽእ ሓቂ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 10:24, 25
‘ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ እናተጸበኻ’ ስቓይን ምጕዳል ፍትሕን ዳርጋ ክትጻወሮ ዘይከኣል ኣብ ዝመስል እዋን እውን ከይተረፈ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ዕቝባ ክኸውን ዝኽእል ሓልዮትን ደገፍን ክርስቶስ ዝነበሮ ዓይነት እምንቶ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ። ጳውሎስ ብዛዕባ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ገሊጹ ምስ ወድአ: ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ . . . ጭንቀትዶ: ጸበባዶ: ስደትዶ: ጥሜትዶ: ዕርቃንዶ: ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧” (ሮሜ 8:35) ብቓላት ሩሶ እንተድኣ ርኢናዮ: እቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያናት ገና “ኣብ ትሕቲ ባርነት” እቶም እተፈላለዩ ደቘስቲ ሓይልታት ከም ዝነበሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ልክዕ ‘ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ ምሉእ መዓልቲ ይቕተሉ’ ነበሩ። (ሮሜ 8:36) እዚ ግን ከም ዝሰዓሩ ገይርዎምዶ ኢዩ፧
ጳውሎስ “በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና” ኢሉ ይጽሕፍ። (ሮሜ 8:37) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ክጽመምዎ ዝነበሮም ነገራት ብዙሕ ክነሱ: ብኸመይ ኢዮም ክስዕሩ ክኢሎም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ክምልስ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ።” (ሮሜ 8:38, 39) ነቲ ክሳዕ ሽዑ ክትጽመሞ ዘሎካ ዝዀነ ይኹን ‘ጭንቀት: ጸበባ: ወይ ስደት’ ብምስጋር ንስኻ እውን ‘ክትስዕር’ ትኽእል ኢኻ። ፍቕሪ ኣምላኽ ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ‘ካብ [ኵሉ] ባርነት ናብ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ሓራ ክንወጽእ’ ምዃንና ውሕስነት ይህብ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእልታት]
‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ የስቈርቍርን የቕለሉን ኣሎ’
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
‘ፍጥረት ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኽወጽእ ኢዩ ’