‘ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኣፍቀረና’
“ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ: ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።”—1 ዮሃንስ 4:11
1. 23 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከብ ኣደራሻት መንግስትን ካልእ ናይ ኣኼባ ቦታታትን ዝእከቡ ስለምንታይ ኢዮም፧
ሰንበት 23 መጋቢት 1997: ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጥቀምሉ ኣደራሻት መንግስትን ኣብ ካልእ ናይ ኣኼባ ቦታታትን ልዕሊ 13,000,000 ሰባት ከም ዝእከቡ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣልባቦም በቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘርኣዮም ዝለዓለ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ተተንኪፉ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል: ኣብዚ ዘደንቕ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣተኲሩ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16
2. ንፍቕሪ ኣምላኽ እነርእዮ ምላሽ ዝምልከት: ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ኵልና ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓታ እንኽእል፧
2 ነቲ ኣምላኽ ዘገለጸልና ፍቕሪ ክንርኢ ከሎና: ንገዛእ ርእስና ‘ነቲ ኣምላኽ ዝገበረለይ ብሓቂ አማስወሉዶ ኢየ፧ ኣነባብራይከ ነቲ ዘሎኒ ሞሳ መረጋገጺ ይህብ ድዩ፧’ ብምባል ክንሓታ ሰናይ ኢዩ።
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
3. (ሀ) ፍቕሪ ምርኣይ ንኣምላኽ ዘይልሙድ ነገር ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ፍጥረት ዕዮታቱ ሓይልን ጥበብን እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
3 ኣምላኽ ፍቕሪ ምርኣዩ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን: ምኽንያቱ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) ፍቕሪ ቀንዲ ባህሪኡ ኢያ። ንምድሪ ደቅሰብ ምእንቲ ክነብሩላ ኢሉ ከዳልዋ ከሎ: ንኣኽራን ከም ዝርአ ምግባሩ ንማይ ድማ ናብ ቀላያትን ውቅያኖሳትን ምእካቡ ውኖኻ ዝምስጥ መግለጺ ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:9, 10) ኣምላኽ ነቲ ናይ ማይን ኦክስጅንን ዑደት ስርሑ ከም ዝጅምር ክገብሮ ኸሎ: ቀመማዊ ንጥረ-ነገራት ምድሪ ናብቲ ሰባት ብህይወት ምንባር ምእንቲ ክቕጽሉ ክበልዕዎ ዝኽእሉ መግቢ ንኽልወጥ ኢሉ ማእለያ ዘይብሎም ማይክሮኦርጋኒዝምን ኣትክልትን ክፈጥር ከሎ: ምስቲ ኣብ ፕላኔት ምድሪ ዘሎ ንውሓት መዓልትታትን ኣዋርሕን ንኽሰማማዕ ኢሉ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝርከብ ስነ-ህይወታዊ ናይ ግዜ መዐቀኒ ክሰርዖ ኸሎ: ዓቢ ጥበብ ኢዩ ኣርእዩ። (መዝሙር 104:24፣ ኤርምያስ 10:12) እንተዀነ ግን: ኣብዚ ዝርአ ፍጥረት ዝያዳ ጐሊሑ ዝግለጽ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ።
4. ኣብቲ ዝርአ ፍጥረት: ነየናይ መረጋገጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ኢና ኵልና ክንርእዮን ከነማስወሉን ዘሎና፧
4 ነቲ ብዘይጥርጥር ክዕንግለና ጥራይ ዘይኰነስ ባህ ከብለና ኢሉ እውን እተፈጥረ ምቁር ዝበሰለ ፍረ ክንበልዕ ከሎና ትንሓግና: ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ ይነግረና ኢዩ። ኣዒንትና ውኖኻ ዝምስጥ ዕራርቦ ጸሓይ: ደበና ኣብ ዘይብሉ ለይቲ ዘሎ ከዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ: እተፈላለየ ዓይነትን ውዕዉዕ ሕብርታትን ዘለዎ ዕንባባታት: ናይ ንኣሽቱ እንስሳታት ምስርሳር: ከምኡውን ናይ ኣዕሩኽ ምዉቕ ፍሽኽታ ክዕዘብ ከሎ ዘየደናግር መረጋገጺ ናይዚ ፍቕሪ እዚ ይርኢ ኢዩ። ኣፍንጫና ካብቲ ናይ ኣየት ዕንባባታት ዝመጽእ ምኡዝ ጨና ክሽትት ከሎ ብዛዕባዚ ከም እንግንዘብ ይግብረና። ኣእዛንና ድምጺ መንጫዕጫዕታ ማይ: ናይ ኣዕዋፍ መዝሙር: ከምኡውን ደሃይ እንፈትዎም ሰባት ክሰምዕ ከሎ ነዚ ይግንዘቦ ኢዩ። እንፈትዎ ሰብ ሕቝፍ ከብለና ኸሎ እዚ ፍቕሪ እዚ ይስምዓና ኢዩ። ገለ እንስሳታት ሰባት ዘይክእልዎ ናይ ምርኣይ: ምስማዕ: ወይ ናይ ምሽታት ክእለት ተዋሂብዎም ኢዩ። እዞም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ደቅሰብ ግን: ዝዀነ ይኹን እንስሳ ክገብሮ ብዘይክእል መገዲ ንፍቕሪ ኣምላኽ ናይ ምግንዛብ ክእለት ኣለዎም።—ዘፍጥረት 1:27
5. የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኣኽል-ታርፍ ፍቕሪ ዘርኣዮም ብኸመይ ኢዩ፧
5 የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት: ኣዳምን ሄዋንን ክፈጥሮም ከሎ: ኣብ ከባቢኦም ናይ ፍቕሩ መረጋገጺ ዝኸውን ነገራት ሂብዎም ኢዩ። ሓንቲ ስፍራ ኣታኽልቲ: ገነት ተኺሉ ኣብኣ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ከም ዝበቍል ገበረ። ማይ ዘስትያ ርባ ገበረላ ባህ ብዘብሉ ኣዕዋፍን እንስሳታትን ድማ መልኣ። እዚ ዅሉ ንኣዳምን ሄዋንን ቤቶም ክኸውን ሃቦም። (ዘፍጥረት 2:8-10, 19) የሆዋ ከም ደቁ: ክፍሊ ኣድማሳዊ ስድራቤቱ ገይሩ ረኣዮም። (ሉቃስ 3:38) ንኤደን ከም መርኣዪ ገይሩ ብምሃብ: እቲ ኣቦ ናይዞም ቀዳሞት ሰብኣውያን ጽምዲ ንምልእቲ ምድሪ እትሽፍን ገነት ናይ ምስፍሕፋሕ ዘዕግብ ዕዮ ኣብ ቅድሚኦም ኣንበረሎም። ምልእቲ ምድሪ ድማ ብዘርኦም ክትመልእ ነበራ።—ዘፍጥረት 1:28
6. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝወሰድዎ ዓለወኛ ስጕምቲ ከመይ ኢዩ ዝስማዓካ፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ከም እተማሃርናን ካብቲ ፍልጠት እቲ ድማ ከም እተጠቐምናን ክሕብር ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
6 ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣዳምን ሄዋንን ናይ ተኣዛዝነት ፈተና: እወ ናይ ተኣማንነት ፈተና ኣጋጠሞም። መጀመርታ ሓዲኦም ድሓር ድማ እቲ ኻልኣይ ነቲ እተለገሰሎም ፍቕሪ ሞሳ ካብ ምርኣይ ሰነፉ። እቲ ዝገበርዎ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ይቕረ ዘይብሃሎ ድማ ነበረ! ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ኣጥፍኡ: ካብ ስድራቤቱ ወጹ: ካብ ኤደን ከኣ ተሰጉ። ሎሚ ሳዕቤናት ሓጢኣቶም ጌና ይስምዓና ኣሎ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1-6, 16-19, 24፣ ሮሜ 5:12) ካብቲ እተፈጸመ ነገራት ግን ተማሂርናዶ፧ ንፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና እንምልሰሉ ዘሎና፧ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንገብሮ ውሳነታት ንፍቕሩ ሞሳ ከም እንህቦ የርኢ ድዩ፧—1 ዮሃንስ 5:3
7. ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ብዘየገድስ: የሆዋ ንዘርኦም ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
7 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ነቲ ዅሉ ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገራት ዝነበሮም ርኡይ ጕድለት ሞሳ: ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣይዓገቶን። ኣምላኽ ነቶም ሽዑ ገና ዘይተወልዱ ሰባት—ነዞም ሎሚ ብህይወት ዘሎና ሓዊስካ—ካብ ዝነበሮ ድንጋጽ እተላዕለ: ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ሙማቶም ደቂ ክወልዱ ኣፍቀደሎም። (ዘፍጥረት 5:1-5፣ ማቴዎስ 5:44, 45) ከምኡ እንተ ዘይገብር: ዋላ ሓደ ካባና ኣይምተወልደን ነይሩ። የሆዋ በብደረጅኡ ናይ ፍቓዱ መግለጺታት ብምሃብ: ንዅሎም እምነት ዘርኣዩ ዘርኢ ኣዳም ንተስፋ ዝኸውን መሰረት ኣዳለወሎም። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:18፣ ኢሳይያስ 9:6, 7) እቲ ዝገበሮ ምድላው ህዝብታት ኵለን ሃገራት ነቲ ከም ስምረት ዘለዎ ኣባል ኣህጉራዊ ስድራቤት ኣምላኽ መጠን ዝርከብ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጹም ህይወት እንደገና ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ዘጠቓለለ ኢዩ። ነዚ ድማ በጅነት ብምድላው ገበሮ።
ስለምንታይ በጅነት፧
8. ኣዳምን ሄዋንን ክሞቱ ዝግብኦም እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ካብቶም እዙዛት ዘርኦም ዋላ ሓደ ክመውት የብሉን ዝብል ትእዛዝ ጥራይ ከመሓላልፍ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ህይወት ሰብ ምኽፋል ዝሓትት ዋጋ በጅነት ብሓቂ ኣድላዪ ድዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ: ኣዳምን ሄዋንን ብምዕላዎም ክሞቱ ዝግብኦም እኳ እንተ ነበረ: ንኣምላኽ ዝእዘዙ ኵሎም ዘርኦም ግና ንዘለኣለም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ጥራይዶ ኣይምኸኣለን፧ እዚ በቲ ኣሕጺሩ ዝጥምት ኣተሓሳስባ ሰባት ክርአ ከሎ: ምኽንያታዊ ክመስል ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: የሆዋ “ጽድቅን ፍርድን [“ፍትሕን:” NW ] ይፈቱ” ኢዩ። (መዝሙር 33:5) ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣተኛታት ድሕሪ ምዃኖም ደቂ ስለ ዝወለዱ: ካብ ደቆም ፍጹም ኰይኑ እተወልደ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። (መዝሙር 51:5) ኵላቶም ናይ ሓጢኣት ውርሻ ኣለዎም: ዓስቢ ሓጢኣት ከኣ ሞት ኢዩ። የሆዋ ነዚ ሸለል ኢልዎ ነይሩ እንተ ዝኸውን: እዚ ነቶም ኣባላት ኣድማሳዊ ስድራቤቱ እንታይ ዓይነት ኣብነት ምሰርዓሎም፧ ነቲ ጽድቃዊ መዐቀኒታቱ ሸለል ክብሎ ኣይከኣለን። ነቲ ፍትሒ ዝሓቶ ብቕዓታት ኣኽቢርዎ ኢዩ። ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ እተላዕለ ብድሆታት እተጠቕመሉ ኣገባብ ሕጋዊ ብዝዀነ መገዲ ጕድለት ክረኽበሉ ዝኽእል ሰብ ዋላ ሓደ የለን።—ሮሜ 3:21-23
9. ብመሰረት እቲ መለኮታዊ መዐቀኒ ፍትሒ: እንታይ ዓይነት በጅነት ኢዩ ዘድለየ፧
9 ነቶም ንየሆዋ ፍቕራዊ ተኣዛዝነት ዘርኣዩ ዘርኢ ኣዳም ንምድሓን ዝጥዕም መሰረት ክዳሎ ዝኽእል ድኣ እሞ ብኸመይ ኢዩ፧ ፍጹም ሰብ መስዋእታዊ ሞት ክመውት እንተድኣ ዀይኑ ብመሰረት ፍትሒ: እዚ ፍጹም ህይወት እዚ ንሓጢኣት ናይቶም ብእምነት ነቲ በጅነት እተቐበልዎ ሰባት ክሽፍን ክኽእል ኢዩ። ሓጢኣት ሓደ ሰብኣይ: ኣዳም: ንብምሉኡ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓጢኣተኛ ከም ዝኸውን ካብ ገበሮ: ናይ ካልእ ፍጹም ሰብ ዝፈሰሰ ደም: ተመዓራራዪ ዋጋ ብምዃን ንሚዛን ፍትሒ ማዕረ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6) ከምዚ ዝበለ ሰብ ግን ኣበይ ክርከብ ይከኣል፧
እቲ ዋጋ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ነበረ፧
10. ዘርኢ ኣዳም እቲ ዘድሊ በጅነት ከዳልዉ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
10 ካብቶም ዘርኢ ናይቲ ሓጥእ ኣዳም: ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ናይ ህይወት ተስፋታት ንምምላስ ዘድሊ ነገር ክህብ ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። “ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ: ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ: ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን: ጋር ነፍሶም ክቡር: ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ።” (መዝሙር 49:7-9) የሆዋ ንደቅሰብ ብዘይ ተስፋ ኣብ ክንዲ ዝሓድጎም ምሕረት ብዝመልኦ መገዲ ምድላው ገበረ።
11. የሆዋ ንሓደ ዝሰማማዕ በጅነት ዘድሊ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንምድላው እንታይ መገዲ ኢዩ እተጠቕመ፧
11 ንሓደ መልኣኽ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ እናነበረ ኸሎ ነቲ ስጋ ዝለበሰ ኣካሉ ብምቕታል ከም ዝሞተ ንኸምስል ኢሉ የሆዋ ናብ ምድሪ መልኣኽ ኣይለኣኸን። ኣብ ክንድኡ: እቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ ጥራይ ክምህዞ ዝኽእል ተኣምራት ብምግባር: ንሓይሊ ህይወትን ብሕታዊ ባህርያትን ናይ ሓደ ሰማያዊ ውሉድ ናብ ማህጸን ናይ ሓንቲ ሰበይቲ: ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነት ማርያም ጓል ኤሊ: ኣመሓላለፎ። ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ: መንፈስ ቅዱስ: ንዕቤት ናይቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ሕጻን ሓለዎ: ፍጹም ሰብ ድማ ተወልደ። (ሉቃስ 1:35፣ 1 ጴጥሮስ 2:22) እምበኣር እዚ ፍጹም ሰብ እዚ ነቲ መለኮታዊ ፍትሒ ዝሓቶ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ዘዕግብ በጅነት ንምሃብ ዘድሊ ዋጋ ኣብ ኢዱ ነይሩ ኢዩ።—እብራውያን 10:5
12. (ሀ) የሱስ “ሓደ ወዱ” ንኣምላኽ ዝዀነ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ በጅነት ንምድላው ንወዱ ምልኣኹ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዘጕልሐ ብኸመይ ኢዩ፧
12 የሆዋ ካብቶም ኣእላፋት ሰማያውያን ደቁ ንመኖም ኢዩ እዚ መዝነት እዚ ዝሃቦ፧ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት “ሓደ ወዱ” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ ሂብዎ። (1 ዮሃንስ 4:9) እዚ መግለጺ እዚ: ከም ሰብ ኰይኑ ምስ ተወልደ ዘይኰነስ: ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ሰማያት ከሎ ዝነበሮ ኵነታት ንምግላጽ ኢዩ ውዒሉ። የሆዋ ብዘይ ናይ ዋላ ሓደ ምትሕብባር ብቐጥታ ዝፈጠሮ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ንሱ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ኢዩ። ኣምላኽ ንዅሉ ካልእ ፍጥረታት ኣብ ህላወ ንምምጻእ እተጠቕመሉ ኣካል ኢዩ። ከምቲ ኣዳም ወዲ ኣምላኽ ዝነበረ: መላእኽቲ ድማ ደቂ ኣምላኽ ኢዮም። የሱስ ግን “ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ” ዝበለ ኽብሪ ከም ዘለዎ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። “ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ” ዘሎ ድማ ተባሂልሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:14, 18) ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ ናይ መሕርሮ: እምንቶ ዘለዎ: ለዋህ ኢዩ። ፍቕሪ ኣቦኡ ንደቅሰብ የማቕል ኢዩ። ምሳሌ 8:30, 31 ኣቦኡ ብዛዕባ እዚ ወዲ እዚ: እቲ ወዲ ድማ ብዛዕባ ደቅሰብ ከመይ ከም ዝስምዖም ትገልጽ:- “ሽዑ . . . ምስኡ [የሆዋ] ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ . . . ተድላይ ከኣ [የሱስ: ቀንዲ ሰራሕተኛ የሆዋ: መሰሌታ ጥበብ] ብደቂ ሰብ ነበረ።” ኣምላኽ ነዚ ኣዝዩ ክቡር ወዲ ኢዩ በጅነት ክህብ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ‘ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ’ ዝብል ናይ የሱስ ዘረባስ ኣየ ከመይ ዝበለ ትርጕም ዘለዎ ኰን ኢዩ!—ዮሃንስ 3:16
13, 14. ካብቲ ኣብርሃም ንይስሃቅ ክስውኦ ምፍታኑ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ንኸነማስወሉ ክሕግዘና ዘለዎ እንታይ ኢዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:10)
13 እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ብመጠኑ ንኽንርዳእ ምእንቲ ክሕግዘና: የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ ነዊሕ ግዜ ይገብር: የሆዋ ንኣብርሃም ቅድሚ 3,890 ዓመታት “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ: ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ: ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ” ብምባል ኣዚዝዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 22:1, 2) ኣብርሃም ብእምነት ተኣዘዘ። ንርእስኻ ኣብ ቦታ ናይ ኣብርሃም እሞ ግበራ። እዚ ውሉድካ: ኣዚኻ እተፍቅሮ እንኮ ወድኻ ነይሩ እንተ ዝኸውንከ፧ ነቲ መስዋእቲ ምሕራር ዝኸውን ዕንጨይቲ ክትፍልጽ: ናብ ምድሪ ሞርያ ንምኻድ ናይ ነዊሕ መዓልትታት ጕዕዞ ክትገብር: ከምኡውን ንወድኻ ኣብቲ መሰውኢ ክትሰቕሎ ከሎኻ እንታይ ስምዒታት ምተሰምዓካ ነይሩ፧
14 ሓደ ድንጋጸ ዘለዎ ወላዲ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ዝህልዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዘፍጥረት 1:27 ኣምላኽ ንሰብ ብምስሉ ከም ዝፈጠሮ ትነግረና። ናይ ፍቕርን ድንጋጸን ስምዒታትና ብኣዝዩ ውሱን ዝዀነ መገዲ ናይ የሆዋ ፍቕርን ድንጋጸን ኢዩ ዘንጸባርቕ። ኣብ ናይ ኣብርሃም ኵነታት: ኣምላኽ ኢዱ ስለ ዘእተወ ይስሃቅ ናይ ሓቂ ኣይተሰውአን። (ዘፍጥረት 22:12, 13፣ እብራውያን 11:17-19) ይኹን እምበር: ንገዛእ ርእሱ ይኹን ንወዱ ዓቢ ዋጋ ዝሓቶም እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ኣብ ናቱ ኵነታት: ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት: በጅነት ካብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን። እቲ እተገብረ: ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ግዴታ ስለ ዝነበሮ ዘይኰነስ: መግለጺ ናይቲ ክትበቕዖ ዘይከኣል ፍሉይ ሕያውነት ኢዩ። ነዚ ምሉእ ብምሉእ ነማስወሉዶ ኢና፧—እብራውያን 2:9
እቲ በጅነት ዝገበሮ ነገር
15. እቲ በጅነት ንህይወት ናይቶም ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ዝትንክፍ ብኸመይ ኢዩ፧
15 እዚ ብኣምላኽ እተገብረ ፍቕራዊ ምድላው ኣብ ህይወት ናይቶም ብእምነት ዝቕበልዎ ሰባት ዓሚቝ ትርጕም ኣለዎ። ብሰንኪ ሳዕቤን ሓጢኣት ቀደም ካብ ኣምላኽ ርሑቓት ኢዮም ነይሮም። ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ‘ብሓሳቦምን ብኽፉእ ግብሮምን ጸላእቲ’ ኢዮም ነይሮም። (ቈሎሴ 1:21, 23) ይኹን እምበር ‘ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓሪቖም’ ኢዮም። (ሮሜ 5:8-10) ኣነባብርኦም ብምቕያር: እቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ዘርእዩ ሰባት ኢሉ ዘዳለዎ ይቕረታ ድማ ብምቕባል: ጽሩይ ሕልና ረኺቦም ኢዮም።—እብራውያን 9:14፣ 1 ጴጥሮስ 3:21
16. ኣብቲ በጅነት ብዘርኣይዎ እምነት እቶም ሒደት መጓሰ እንታይ በረኸታት ኢዩ እተዋህቦም፧
16 የሆዋ ካብዚኣቶም እተወሰነ ቝጽሪ ንዘለዎም ሰባት: ሒደት መጓሰ: ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ንምፍጻም ተስፋ ብምግባር ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ወዱ ንኽሓብሩ ዘይበቕዕዎ ዕደመ ዘርግሓሎም። (ሉቃስ 12:32) እዚኣቶም “ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን” ብምዃን “ኣብ ምድሪ . . . ኪነግሱ” “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” እተወስዱ ኢዮም። (ራእይ 5:9, 10) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚኣቶም “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ: ኣቦ: ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም . . . ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና” ብምባል ጸሓፈሎም። (ሮሜ 8:15-17) ፍሉይ ውልድነት እተቐበሉ ደቂ ኣምላኽ ክዀኑ ከለዉ: እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክቡር ርክብ ኢዩ ዝወሃቦም፣ ነዞም ደቂ እዚኣቶም ግን—ኣዳም ፈጺሙ ዘይነበሮ—ናይ ሰማያዊ ኣገልግሎት ተወሳኺ መሰላት ኢዩ ዝወሃቦም። ሃዋርያ ዮሃንስ “ርአዩ: ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል: እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና” እንተ በለስ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ዮሃንስ 3:1) ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት እታ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ (ኣ ·ጋ ʹፐ) ጥራይ ዘይኰነስ: ባህሪ ናይቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዘሎ ማእሰር ዝዀነት ለዋህ ምፍታው (ፊ ·ልʹያ) እውን ኢዩ ዝገልጸሎም።—ዮሃንስ 16:27
17. (ሀ) ንዅሎም እቶም ኣብቲ በጅነት እምነት ዘርእዩ: እንታይ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝወሃቦም፧ (ለ) “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ”ከ ንዓኣቶም እንታይ ማለት ኢዩ፧
17 የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝህቦ ለጋስ ናይ ህይወት ምድላው እምነት ዘርእዩ ካልኦት ሰባት እውን: ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክቡር ርክብ ንኽረኽብዎ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ሃረርታ ፍጥረት [ካብ ኣዳም ዝመጸ ሰብኣዊ ፍጥረት] ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ: [ማለት: እቶም ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ መዋርስቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ደቂ ኣምላኽ ምእንቲ ደቅሰብ ኣወንታዊ ስጕምቲ ዝወስድሉ ግዜ ንጹር ኰይኑ ዝርኣየሉ እዋን ይጽበዩ ኢዮም] . . . እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ: [ሞት ዝጽበዮም ብምዃን ብሓጢኣት ኢዮም ተወሊዶም: ገዛእ ርእሶም ካብዚ ሓራ ክገብርሉ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን መገዲ ድማ የብሎምን]: ስለቲ ብተስፋ [ብኣምላኽ እተዋህበ] ዘግዝኦ እዩ እምበር: ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ: እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።” (ሮሜ 8:19-21) እዚ ሓርነት እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ወጺኦም ማለት ኢዩ። ኣእምሮኣውን ኣካላውን ፍጽምና ክህልዎም ኢዩ: ገነት ቤቶም ክትከውን: ንፍጽምንኦም ዝሕጐስሉን ነቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ሞስኦም ዝገልጽሉን ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ክህልዎም ኢዩ። እዚ ዅሉ ከም ዝርከብ ክግበር እተኻእለ ብኸመይ ኢዩ፧ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ናይቲ ሓደ በይኑ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ።
18. 23 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ: እንታይ ኢና ክንገብር: ስለምንታይከ፧
18 የሱስ 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ላዕለይቲ ደብሪ: በዓል ዝኽሪ ሞቱ መስረተ። ዓመታዊ ዝኽሪ ሞቱ ኣብ ህይወት ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ። የሱስ ባዕሉ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኣዘዘ። (ሉቃስ 22:19) ኣብ 1997 ናይ ዝኽሪ በዓል 23 መጋቢት (14 ኒሳን እትጅምረላ) ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክውዕል ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ እዚ ተኻፋሊ ካብ ምዃን ዝዓቢ ኣገዳሲ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ኣምላኽ ንደቅሰብ ፍቕሪ ዘርኣዮም በየናይ መገድታት ኢዩ፧
◻ ንዘርኢ ኣዳም ንምብጃው ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ የሆዋ ነቲ በጅነት ዘዳለዎ ከመይ ዝበለ ዓቢ ዋጋ ብምኽፋል ኢዩ፧
◻ እቲ በጅነት ዝገበሮ ነገር እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ሂቡ ኢዩ