ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ
“ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ። ”—ሮሜ 13:7
1, 2. (ሀ) ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ: ክርስትያናት ነቲ ንኣምላኽን ንቄሳርን ዘለዎም ግዴታ ብኸመይ ኢዮም ሚዛናዊ ገይሮም ክሕዝዎ ዘለዎም፧ (ለ) እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጀመርያ ደረጃ ዘገድሶም ነገር እንታይ ኢዩ፧
ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ: ንኣምላኽ ክንህቦ ዝግብኣና ነገራት ኣሎ: ንቄሳር ወይ ንመንግስቲ ክንህቦ ዝግብኣና ነገራት ድማ ኣሎ። የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። በዘን ሒደት ቃላት ገይሩ: ንጸላእቱ ኣስደሚምዎም ኢዩ: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድናን ምስ መንግስቲ ዘሎና ርክብን ዝምልከት ክህልወና ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ድማ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ገለጾ። እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ‘ብእኡ ምግራሞም’ ዘደንቕ ኣይኰነን!—ማርቆስ 12:17
2 ልክዕ ኢዩ: እቲ ንኣገልገልቲ የሆዋ ብመጀመርያ ደረጃ ዘገድሶም ነገር እቲ ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ክህቡ ኢዩ። (መዝሙር 116:12-14) ይኹን እምበር: ከምዚ ክገብሩ ከለዉ: የሱስ ገለ እተወሰነ ነገር ንቄሳር ክህቡ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ምንባሩ እውን ኣይርስዑን ኢዮም። እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኦም ነቲ ቄሳር ዝሓቶም ነገራት ክሳዕ ክንደይ ክህብዎ ከም ዝኽእሉ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐርቡ ኢዩ ዝገብሮም። (ሮሜ 13:7) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እዚ ብዙሓት ፈላጣት ሕጊ: ናይ መንግስቲ ስልጣን ደረት ከም ዘለዎን ሰባትን መንግስታትን ድማ ብተፈጥሮኣዊ ሕጊ እተቐየዱ ምዃኖምን ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም።
3, 4. ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ: እተገልጸ ሕጊ: ከምኡውን ሰብኣዊ ሕጊ እንታይ ኣገዳሲ ሓሳብ ኢዩ እተዋህበ፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ዓለም ሰባት ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዚ ጠቒስዎ ኣሎ:- “ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ: እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ። ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ: እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።” እንተድኣ መልሲ ሂቦምሉ: እዚ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ እዚ ሕልና ናይዞም ዘይኣምኑ እውን ከይተረፈ ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ድማ ጳውሎስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: . . . እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም።”—ሮሜ 1:19, 20፣ 2:14, 15
4 ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን: እቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ናይ ሕጊ ምሁር ዊልያም ብላክስቶን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ መሰታ [ብዕድመ ማዕረ] ሰብ ከምኡውን ኣምላኽ ባዕሉ ዝገበሮ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ [ተፈጥሮኣዊ ሕጊ] እዚ: ካብ ኵሉ ካልእ ክንእዘዞ ዘሎና ሕጊ ዝለዓለ ኢዩ። ኣብ ዙርያ ዓለም: ኣብ ኵለን ሃገራት: ኵሉ ግዜ ዘሎ ኢዩ:- ዝዀነ ይኹን ሕጊ ሰብ: ኣንጻር እዚ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ዋጋ የብሉን።” ብላክስቶን ቀጺሉ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ እቲ “እተገልጸ ሕጊ” ከምዚ ብምባል ሓሳባት ሃበ:- “ኵሉ ሰብኣዊ ሕግታት ኣብዘን ክልተ መሰረታት ማለት ናይ ተፈጥሮ ሕግን እተገልጸ ሕግን እተመርኰሰ ኢዩ፣ እዚ ማለት ድማ ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ሕጊ ነዚ ክጻረር ክፍቀደሉ የብሉን ማለት ኢዩ።” እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ማርቆስ 12:17 ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽን ቄሳርን ዝበሎ ነገር ዝሰማማዕ ኢዩ። ብንጹር እምበኣር: ኣምላኽ ነቲ ቄሳር ካብ ክርስትያናት ክሓቶ ዝኽእል ነገር ደረት ዝገብረሉ ቦታታት ኣሎ። እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዋዕላ ነቶም ሃዋርያት ብዛዕባ የሱስ ምስባኽ ደው ከብሉ ምስ ኣዘዞም: ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ደረት ሓሊፉዎ ኢዩ። ስለዚ ድማ እቶም ሃዋርያት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ብምባል ብልክዕ መለሱ። —ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29
“ናይ ኣምላኽ”
5, 6. (ሀ) ነቲ ብ1914 እተፈጸመ ምውላድ መንግስቲ ኣምላኽ ብምርኣይ: ክርስትያናት ብዝያዳ ክዝክርዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ መርትዖ ከቕርብ ዝኽእል፧
5 ብፍላይ ካብ 1914 ኣትሒዙ: እቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ በታ ናይ የሱስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ምግዛእ ካብ ዝጅምር: ክርስትያናት እቲ ናይ ኣምላኽ ንቄሳር ከይህቡ ክጥንቀቑ ነበሮም። (ራእይ 11:15, 17) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ሕጊ ኣምላኽ: ክርስትያናት ‘ካብ ዓለም ከይኰኑ’ ኣጠንቂቑዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:16) ነቲ ወሃብ ህይወቶም ኣምላኽ ስለ እተወፈዩ: ናይ ገዛእ ርእሶም ከም ዘይኰኑ ብንጹር ዝዀነ መገዲ ከርእዩ ኣለዎም። (መዝሙር 100:2, 3) ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ናይ ጐይታ [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ኢና።” (ሮሜ 14:8) ብተወሳኺ ድማ: ሓደ ክርስትያን ክጥመቕ ከሎ: ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰይኑ ኢዩ ተቐቢኡ: ስለዚ ኸኣ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰይኑ ‘ኣምላኽ ኣገልገልቲ ክንከውን ከኣልቲ ገበረና’ ክብል ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 3:5, 6
6 ሃዋርያ ጳውሎስ “መልእኽተይ [“ኣገልግሎተይ:” ትሓዓ ] ኤኽብር አሎኹ” ኢሉ እውን ጽሒፉ ኢዩ። (ሮሜ 11:13) ብርግጽ ድማ ከምኡ ኢና ክንገብር ዘሎና። ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይኹን ኣብቲ ናይ ክፍለ-ግዜ ኣገልግሎት ንካፈል ብዘየገድስ: የሆዋ ባዕሉ ኣብቲ ዘሎናዮ ኣገልግሎት ከም ዝመደበና ክንዝክር ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 2:17) ገሊኣቶም ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኣቕዋም ኣመልኪቶም ሕቶ ከልዕሉ ስለ ዝኽእሉ: ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ብሓቂ ኣገልጋሊ ናይቲ ብስራት ምዃኑ ንጹርን ኣወንታውን መልሲ ንምሃብ እተዳለወ ክኸውን ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኣገልግሎቱ በቲ ዘርእዮ ጠባይ እውን ከይተረፈ ክረጋገጽ ኣለዎ። ሓደ ክርስትያን: ከም ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን ንንጹህ ስነ-ምግባር ክጣበቕን ኣብ ተግባር ከውዕልን: ናይ ስድራቤት ሕብረት ክዕቅብ: ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ: ከምኡውን ንሕግን ስርዓትን ዘኽብር ክኸውን ይግባእ። (ሮሜ 12:17, 18፣ 1 ተሰሎንቄ 5:15) ንሓደ ክርስትያን እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብን ብመለኮታዊ መገዲ እተመዘዘሉ ኣገልግሎቱን ኣብ ህይወቱ እቶም ቀንዲ ኣድለይቲ ነገራት ኢዮም። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ብትእዛዝ ናይ ቄሳር ክገድፎም ኣይክእልን ኢዩ። ብርግጽ ድማ ምስቶም “ናይ ኣምላኽ” ዝበሃሉ ነገራት ክቝጸሩ ኣለዎም።
“ናይ ቄሳር”
7. ግብሪ ብምኽፋል ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበለ ስም ኢዩ ዘለዎም፧
7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ‘ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት:’ ማለት ንመንግስታውያን ገዛእቲ ‘ክእዘዙ’ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ኢዮም። (ሮሜ 13:1 ትሓዓ ) ስለዚ ድማ ቄሳር: መንግስቲ: ግቡእ ዝዀነ ነገራት ክገብሩ ክሓቶም ከሎ እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኦም ነዚ ነገራት እዚ ክገብሩ የፍቅደሎም ኢዩ። ንኣብነት: ሓቀኛታት ክርስትያናት ግብሪ ብምኽፋል ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝበለጹ ምሳሌ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት ኢዮም። ኣብ ጀርመን ሓንቲ ሙንሽነር መርኩር እተባህለት ጋዜጣ (ብቛንቋ ጀርመን) ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ በለት:- “ኣብታ ፈደራላዊት ረፑብሊክ እቶም ኣዝዮም ሓቀኛታት ከምኡውን ብልክዕ ግብሪ ዝኸፍሉ ሰባት ኢዮም።” ኣብ ኢጣልያ ድማ እታ ላ ስታምፓ እትብሃል ጋዜጣ (ጣልያንኛ) ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “[ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ዝዀነ ይኹን ሰብ ክብህጎም ዝኽእል ኣዝዮም እሙናት ዝዀኑ ዜጋታት ኢዮም:- ግብሪ ካብ ምኽፋል ኣይሃድሙን ኢዮም ወይ ዘይሰማምዖም ሕግታት ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ክልውጡ ኣይፍትኑን ኢዮም።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ‘ስለ ሕልና ኢሎም’ ኢዮም ዝገብርዎ።—ሮሜ 13:5, 6
8. እቲ ቄሳር ካባና ዝደልዮ ነገራት ኣብቲ ብመልክዕ ገንዘብ ዝወሃብ ግብሪ ጥራይ እተወሰነ ድዩ፧
8 “ናይ ቄሳር” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ግብሪ ኣብ ምኽፋል ጥራይ እተሓጽረ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ጳውሎስ ከም ፍርህን ኣኽብሮትን ዝኣመሰለ ካልእ ነገራት እውን ዘርዚሩ ኣሎ። ጀርመናዊ ምሁር ሃይንሪክ መየር: ኣብታ ክርቲካል ኤንድ ኤክሳጀቲካል ሃንድ-ቡክ ቱ ዘ ጎስፔል ኦቭ ማቲው እትብል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እዚ ማለት [ንቄሳር ዝወሃብ ነገራት] . . . ንዅሉ እቲ ሕጋዊ ግዝኣቱ ዝሓቶ ነገራት ምሃብ ድኣምበር ሲቪላዊ ግብሪ ምኽፋል ጥራይ ገይርና ክንርድኦ የብልናን።” ጸሓፍ ታሪኽ ኢ. ዳብሊው. ባርነስ ኣብታ ዘ ራይዝ ኦቭ ክርስችያኒቲ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ሓደ ክርስትያን ግብሪ ክኸፍል ዝግብኦ እንተድኣ ኰይኑ ኢዩ: ከምኡውን “ብተመሳሳሊ ካልእ ኵሉ እቲ መንግስቲ ዝሓቶ ግዴታታት ዝፍጽም እቲ ንኣምላኽ ዝግባእ ነገራት ንቄሳር ክህብ እንተ ዘይተሓቲቱ ጥራይ ኢዩ” በለ።
9, 10. ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ንቄሳር ዝወሃብ ነገራት እንታይ ምውልዋል ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል: እንተዀነ ግን እንታይ ሓቅታት ኢዩ ክዝከር ዘለዎ፧
9 ነቲ ብልክዕ ንኣምላኽ ዝግባእ ነገራት ከይጠሓሰ: መንግስቲ ከመይ ዝበለ ነገራት ክወሃቦ ኢዩ ክሓትት ዝኽእል፧ ገሊኣቶም ንቄሳር ብመልክዕ ግብሪ ገንዘብ ክህብዎ ከም ዘለዎም ካልእ ግን ምንም ክህብዎ ከም ዘይግባእ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ቲኦክራቲካዊ ንጥፈታት ክሓልፍ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ግዜ ንቄሳር ምሃብ ኣይወሓጠሎምን ኢዩ። ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ‘ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልብና: ነፍስና: ሓሳብና: ከምኡውን ሓይልና’ ከነፍቅሮ እንተሎና: የሆዋ ብጀካ ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣብ ካልእ እውን ግዜና ክንጥቀመሉ ይጽበየና ኢዩ። (ማርቆስ 12:30፣ ፊልጲ 3:3) ንኣብነት: ምርዑዋት ክርስትያናት ምስ ናይ መርዓ ብጻዮም ግዜ ከሕልፉ ይምከሩ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ነገራት ጌጋ ኣይኰኑን: ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ‘ናይ ጐይታ’ ዘይኰነስ ‘ናይዛ ዓለም እዚኣ’ ኢሉ ኢዩ ገሊጽዎም ዘሎ።—1 ቈረንቶስ 7:32-34፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ኣረኣእዮ።
10 ብተወሳኺ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ግብሪ ‘ክህቡ’ ኣዚዙዎም ኢዩ: እዚ ድማ ብርግጽ ካብቲ ንየሆዋ ዝወፈናዮ ግዜ ክንጥቀም ክሓተና ኢዩ: ምኽንያቱ ህይወትና ብምሉኡ ንዕኡ እተወፈየ ኢዩ። እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝኽፈል ግብሪ ብገምጋም 33 ካብ ሚእቲ (ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ካብዚ ዝለዓለ ኢዩ) እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ገምጋም ሰራሕተኛ ካብቲ ዘእትዎ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ዝኸውን ደሞዙ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ካዝና ኢዩ ዝኣቱ። ብኻልእ መገዲ ክግለጽ ከሎ: ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰራሕተኛ ኰይኑ እተቘጽረሉ ዓመታት: ገምጋም ሰራሕተኛ ነቲ “ቄሳር” ዝሓቶ ናይ ግብሪ ገንዘብ ንምኽፋል ዳርጋ ናይ 15 ዓመት ደሞዝ ይኸፍል። ናይ ትምህርቲ ጕዳያት እውን ሕሰበሉ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ሕጊ ወለዲ ንደቆም ንእተወሰነ ዓመታት ትምህርቲ ከምህርዎም ይሓቶም ኢዩ። ንውሓት ናይቲ ክማሃርዎ ዘለዎም ዓመታት ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ይፋላለ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝሓትት ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጠቓሚ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ካብቲ ናይቲ ቈልዓ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ትምህርቲ ክሓልፍ ከም ዘለዎ ዝውስን ቄሳር ኢዩ: ክርስትያናት ወለዲ ድማ ምስ እዚ ናይ ቄሳር ውሳነ ይሰማምዑ ኢዮም።
ግድነታዊ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት
11, 12. (ሀ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቄሳር እንታይ ክግበረሉ ኢዩ ዝሓትት፧ (ለ) እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም፧
11 ኣብ ገለ ሃገራት ቄሳር ዝሓቶ ካልእ ነገር ድማ ግድነታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና: ብዙሓት ሃገራት ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግዜ ውግእ ገለ ገለ ድማ ኣብ ግዜ ሰላም እውን ከይተረፈ ኣተኣታትየናኦ ኢየን። ኣብ ፈረንሳ እዚ ግዴታ እዚ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ደም ግብሪ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ: እዚ ማለት ድማ ነፍሲ ወከፍ ጐበዝ ንሃገር ክብል ህይወቱ ክስውእ ፍቓደኛ ክኸውን ነይርዎ ማለት ኢዩ። እዝስ እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ክርስትያናት ብሕልና ተለዓዒሎም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ድዩ፧ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም፧
12 እቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ንፉዓት ዜጋታት ክዀኑ እኳ ይጽዕሩ እንተነበሩ: ንህይወት ካልኦት ከየጥፍኡ ወይ ህይወቶም ምእንቲ መንግስቲ ከይስውኡ እምነቶም ይኽልክሎም ነይሩ ኢዩ። እቲ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቶም ናይ መጀመርያ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣቦታት: ንተርቱልያንን ኦሪገንን እውን ሓዊስካ: ክርስትያናት ህይወት ሰብ ካብ ምጥፋእ እተቘጠቡ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ኢዮም: እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ሮሜ ሰራዊት ንኸይካፈሉ ዝዓገቶም ስርዓት ኢዩ ነይሩ።” ፕሮፌሰር ሲ. ጀይ. ካዱ ኣብታ ዘ ኤርሊ ቸርች ኤንድ ዘ ዎርልድ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እንተ ወሓደ ክሳዕ ማርኩስ ኣውረሊስ ዝነግስ: ዋላ ሓደ ክርስትያን ምስ ተጠመቐ ወተሃደር ኣይከውንን ኢዩ ነይሩ።”
13. ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምቲ ናይቶም ናይ መጀመርያ ክርስትያናት ገይሮም ዘይርእይዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
13 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣባላት ነዚ ነገር እዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገይሮም ዘይርእይዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብምኽንያት እቲ ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዘጋጠመ ቅጽበታዊ ለውጢ ኢዩ። እታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስችያን ካውንስል እትብል ናይ ካቶሊክ ጽሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ብዙሓት ክርስትያናት: . . . ኣብ ትሕቲ ኣረማውያን ሃጸያት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ሃይማኖታዊ ስክፍታ ነይርዎም ኢዩ: መሳርያ ምልዓል ነጺጎም ወይ ድማ ኣብዮም ኢዮም። [እቲ ብ314 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ኣርለስ እተኻየደ] ሲኖደስ ነቲ ቆስጣንጢኖስ ዘተኣታተዎ ለውጥታት ክዛራረበሉ ከሎ: ክርስትያናት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክካፈሉ ኣለዎም ዝብል ግዴታ ሰርዐ: . . . ምኽንያቱ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ሓደ ንክርስትያናት ዝፈቱ መስፍን ኣብ ናይ ሰላም (ኢን ፔስ) እዋን ስለ ዝነበረት ኢዩ።” ከም ውጽኢት ናይቲ ንትምህርትታት የሱስ ምግዳፍ ድማ: ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ዋላ እኳ ገለ ውልቀ-ሰባት ከም ናይ ሕልና ተቓወምቲ ኰይኖም ኣቕዋም እንተ ወሰዱ: ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ክሳዕ ሎሚ ነተን መጓሰኦም ኣብቲ ናይ ሃገራት ሰራዊት ንኸገልግላ ኣተባቢዖምወን ኢዮም።
14, 15. (ሀ) ኣብ ገለ ሃገራት ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ እንታይ ተመርኲሶም ኢዮም ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ንክዀኑ ዝሓቱ፧ (ለ) ኣብቲ ናጻ ዝገብር ሕጊ ዘይብሉ ቦታታት: ሓደ ክርስትያን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ቅኑዕ ውሳነ ንኽገብር ኣየናይ ቅዱስ ጽሓፋዊ ስርዓታት ኢዩ ዝሕግዞ፧
14 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናትከ በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ንብዙሓት ክስዕቡ ይግደዱ ድዮም፧ ኣይግደዱን ኢዮም። ሓደ ህይወቱ ወፍዩ እተጠምቀ ክርስትያን: ኣብ ሓደ ናይ ሃይማኖት ኣገልገልቲ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ዝዀንሉ ሃገር ዝነብር እንተድኣ ኰይኑ: ብሓቂ ኣገልጋሊ ስለ ዝዀነ ነዚ ምድላው እዚ ክጥቀመሉ ይኽእል ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 4:5) ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራልያን ሓዊስካ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ግዜ ውግእ እውን ከይተረፈ ከምዚ ዝበለ ናጻ ዝገብር ሕጊ ኣለወን። ኣብ እዋን ሰላም ከኣ ኣብ ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ግድነት ዝዀነለን ሃገራት: ከም ናይ ሃይማኖት ኣገልገልቲ መጠን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ተባሂሎም ኢዮም። በዚ ኸኣ በቲ ዝገብርዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት: ንህዝቢ ምሕጋዝ ክቕጽሉ ይኽእሉ።
15 ሓደ ክርስትያን ኣብተን ንናይ ሃይማኖት ኣገልገልቲ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ክዀኑ ዘየፍቅዳ ሃገራት ዝነብር ምስ ዝኸውንከ፧ ምስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኡ ብምስምማዕ ብሕታዊ ውሳነ ክገብር ኣለዎ። (ገላትያ 6:5) ነቲ ቄሳር ዘለዎ ስልጣን ኣብ ግምት ብምእታው: ንየሆዋ ክወሃብ ዘለዎ ነገር እንታይ ምዃኑ ተጠንቂቑ ከመዛዝን ኣለዎ። (መዝሙር 36:9፣ 116:12-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28) እቲ ክርስትያን: ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ወይ ድማ ነቶም ኣባላት ናይ ካልእ ዓሌት ዝዀኑ ኵሎም ኣመንቲ ብጾቱ ፍቕሪ ምርኣይ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያን ምልክት ምዃኑ ክዝክር ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ጴጥሮስ 2:17) ብተወሳኺ ድማ ነቲ ኣብ ከም በዓል ኢሳይያስ 2:2-4፣ ማቴዎስ 26:52፣ ሮሜ 12:18፣ 14:19፣ 2 ቈረንቶስ 10:4፣ ከምኡውን እብራውያን 12:14 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዝርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣይርስዖን ኢዩ።
ሲቪላዊ ኣገልግሎት
16. ኣብ ገለ ሃገራት: ቄሳር ነቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይቅበሉ ሰባት እንታይ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ኣገልግሎት ክገብሩ ኢዩ ዝሓቶም፧
16 ይኹን እምበር: ኣብ ገለ ሃገራት ዘለዋ መንግስታት ዋላ እኳ ንናይ ሃይማኖት ኣገልገልቲ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ እንተ ዘይገበራኦም: ገለ ውልቀ-ሰባት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዝቃወምዎ ኣፍልጦ ይህባ ኢየን። ብዙሓት ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ነዞም ናይ ሕልና ተቓወምቲ ሰባት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ከይግደዱ ምድላው ይገብራ ኢየን። ኣብ ገለ ቦታታት ነቲ ማሕበረሰብ ዝጠቅም ነገራት ከም ምስራሕ ዝኣመሰለ ዝሕተት ሲቪላዊ ኣገልግሎት: ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ። ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ክሳተፍ ኣለዎ ድዩ፧ ኣብዚ እውን እንደገና ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን: ኣብቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተዓለመ ሕልናኡ ተመርኲሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ኢዩ ክገብር ዘለዎ።
17. ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ ኣሎዶ ኢዩ፧
17 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ግድነታዊ ኣገልግሎት ይግበር ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ሓንቲ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ይሁዳ ዝእከብ ዝነበረ ግብርን ግቡኣትን ኮርቬ [በቶም ናይ ህዝቢ ሰበ-ስልጣናት ዝውሰድ ዝነበረ ገንዘብ ዘይክፈሎ ጉልበት] እውን ነይሩ ኢዩ። እዚ እቶም ናይ ግሪኽን ናይ ሮሜን ሰበ-ስልጣናት ዝዕቅብዎ ዝነበሩ ኣብ ምብራቕ ዝነበረ ናይ ጥንቲ ሕጊ ኢዩ። . . . ሓድሽ ኪዳን እውን ኣብነታት ናይቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ኮርቬ ክሳዕ ክንደይ ልሙድ ከም ዝነበረ ብምርኣይ ይጠቅስ ኢዩ። ምስ እዚ ልምዲ እዚ ብምስማማዕ: እቶም ወተሃደራት ንስምኦን ቀሬናዊ ነቲ ናይ የሱስ መስቀል [ናይ መሳቐዪ ዕንጨይቲ] ከም ዝስከም ገይሮምዎ ኢዮም (ማቴዎስ 5:41፣ 27:32፣ ማርቆስ 15:21፣ ሉቃስ 23:26)።”
18. ምስ ከመይ ዝበለ ወተሃደራውን ሃይማኖታውን ዘይኰነ ዓይነት ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መብዛሕትኡ ግዜ ዝተሓባበሩ፧
18 ብተመሳሳሊ: ሎሚውን ኣብ ገለ ሃገራት ዘለዉ ዜጋታት በቲ መንግስቲ ወይ ድማ ብሰበ-ስልጣናት ናይቲ ከባቢ ኣብ እተፈላለየ ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ክሳተፉ ይሕተቱ ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ: እዚ ከም ዔላታት ምዅዓት ወይ ጽርግያታት ምስራሕ ዝኣመሰለ ውሱን ስራሕ ክኸውን ይኽእል፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ከም ጽርግያታት: ኣብያተ ትምህርትታት: ወይ ሆስፒታላት ምጽራይ ዝኣመሰለ ሰሙናዊ መደብ ምስራሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንጥቕሚ ናይቲ ማሕበረሰብ ምስ ዝኸውን: ከምኡውን ምስ ሓሶት ሃይማኖት ዘይተሓሓዝ ወይ ብገለ ካልእ መገዲ ንሕልና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጻረር ምስ ዘይከውን: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብዚ ይሳተፉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:13-15) እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉጽ ዝዀነ ምስክርነት ኣምጺኡ ኢዩ: ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ነቶም ብሓሶት ንመሰኻኽር ኣንጻር ምምሕዳራት ከም ዝዀኑ ገይሮም ዝኸስዎም ኣፎም ከም ዝዓብሱ ገይርዎም ኢዩ።—ምስ ማቴዎስ 10:18 ኣረኣእዮ።
19. ቄሳር ንሓደ ክርስትያን ንእተወሰነ ግዜ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህብ ምስ ዝሓቶ ብኸመይ ኢዩ ክቕበሎ ዘለዎ፧
19 እቲ መንግስቲ ንሓደ ክርስትያን: ከም ክፍሊ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሕሰብ ኣብ ትሕቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኰይኑ: ንእተወሰነ ግዜ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክገብር ምስ ዝሓቶኸ፧ ኣብዚ እውን እንተዀነ ክርስትያናት ኣብቲ እተዓለመ ሕልናኦም ተመርኲሶም ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም። “ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና።” (ሮሜ 14:10) እቶም ቄሳር ንዝሓቶ ነገራት ዝምልከት ውሳነ ክገብሩ ዘለዎም ክርስትያናት ነቲ ነገር ብጸሎት ገይሮም ክሓስብሉን ብዛዕባኡ ከስተንትኑን ይግባእ።a ነቲ ነገር ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብሱላት ኣሕዋት ኴንካ ክትዛረበሉ እውን ጥበባዊ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብድሕርዚ ብሕታዊ ዝዀነ ውሳነ ክግበር ኣለዎ።—ምሳሌ 2:1-5፣ ፊልጲ 4:5
20. ንሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሲቪላዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽሓስብ ዝሕግዝዎ ሕቶታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ኣየኖት ኢዮም፧
20 ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ምምርማር ክገብር ከሎ: እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት እውን ኣብ ግምት የእቱ ኢዩ። ጳውሎስ ‘ንሓላቑን ንስልጣናትን ክንግዛእ: ንመራሕትና ክንእዘዝ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለና ክንከውን . . . ልኡማት: ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ከነርኢ’ ከም ዝግብኣና ተዛሪቡ ኢዩ። (ቲቶስ 3:1, 2) ክርስትያናት ምስ እዚ ብምስምማዕ: ነቲ ዝቐርበሎም ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክምርምርዎ ጽቡቕ ኢዩ። እንተድኣ ተቐቢሎምዎ: ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ክሕልዉ ክኽእሉ ድዮም፧ (ሚክያስ 4:3, 5፣ ዮሃንስ 17:16) ምስ ገለ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝሕውሶም ድዩ፧ (ራእይ 18:4, 20, 21) ንዕኡ ክሰርሑ ከለዉ ነቲ ክርስትያናዊ ሓላፍነታት ካብ ምፍጻም ዝኽልክል ወይ ምኽኑይ ብዘይኰነ መገዲ ዝድርቶም ድዩ፧ (ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25) ብኻልእ መገዲ: ነቲ እተሓተትዎ ኣገልግሎት እናፈጸሙ ምናልባት ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምስታፍ መንፈሳዊ ዕብየት ምግባር ይኽእሉ ድዮም፧— እብራውያን 6:11, 12
21. እቲ ውሳነኡ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ንሓደ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከቕርብ እተሓተተ ሓው እታ ጉባኤ ብኸመይ ክትርእዮ ኣለዋ፧
21 እቲ ሓደ ክርስትያን ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ዝህቦ ቅንዕና ዘለዎ መልሲ: ሃገራዊ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ምሃብ ነቶም ሰበ-ሰልጣናት ብምእዛዝ ዝግበር “ሰናይ ዕዮ” ምዃኑ ኣብ ምድምዳም ምስ ዝመርሖኸ፧ እዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝገብሮ ውሳነኡ ኢዩ። እቶም እተመዘዙ ሸማግለታትን ካልኦትን: ናይዚ ሓው እዚ ሕልና ከኽብርሉን ጽቡቕ ኣቕዋም ዘለዎ ክርስትያን ከም ዝዀነ ገይሮም ምርኣዩ ክቕጽሉን ይግብኦም። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ንኸምዚ ዝበለ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እንተተሰምዖ ድማ: ነዚ እውን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣቕዋም ክኽበረሉ ኣለዎ። ንሱውን ጽቡቕ ኣቕዋም ከም ዘለዎ ኰይኑ ኢዩ ዝቕጽል: ፍቕራዊ ደገፍ ድማ ክወሃቦ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 10:29፣ 2 ቈረንቶስ 1:24፣ 1 ጴጥሮስ 3:16
22. ዝዀነ ይኹን ኵነታት የጋጥመና ብዘየገድስ: እንታይ ምግባር ኢና ክንቅጽል ዘሎና፧
22 ከም ክርስትያናት መጠን “ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት” ካብ ምሃብ ኣይክንቑጠብን ኢና። (ሮሜ 13:7) ጽቡቕ ስርዓት ከነኽብር: ከምኡውን ሰላማውያንን ብሕጊ ዝቕየዱን ዜጋታት ክንከውን ንደሊ ኢና። (መዝሙር 34:14) ነቲ ክርስትያናዊ ህይወትናን ዕዮናን ዝትንክፍ ውሳነ ክገብሩ ከለዉ “ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን” እውን ከይተረፈ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብና ‘ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሀዲእና ብዘይ ህውከት ከም እንነብር’ ክገብረና ተስፋ ንገብር። (1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2) ልዕሊ ኵሉ ድማ: ብሕልና ተደሪኽና ነቲ ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ እናሃብና: እቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ እንኮ ተስፋ ናይ ደቅሰብ ምዃኑ ምስባኽ ክንቅጽል ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ነቲ ምስ ቄሳርን የሆዋን ዘለዎ ዝምድና ሚዛናዊ ገይሩ ኣብ ምሓዝ: ንሓደ ክርስትያን ብመጀመርያ ዘገድሶ እንታይ ኢዩ፧
◻ ንቄሳር ፈጺምና ክንህቦ ዘይንኽእል ንየሆዋ ዝግባእ እንታይ ኢዩ፧
◻ ንቄሳር ብግቡእ ክንህቦ እንኽእል ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ንግድነታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ውሳነ ክንገብር ከሎና ክሕግዙና ዝኽእሉ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣየኖት ኢዮም፧
◻ ወተሃደራዊ ዘይኰነ ሃገራዊ ሲቪላዊ ኣግልግሎት ንኽንገብር እንተድኣ ተሓቲትና: ክንዝክሮም ዝግብኣና ገለ ነጥብታት ኣየኖት ኢዮም፧
◻ ንየሆዋን ንቄሳርን ዝምልከት እንታይ ምግባር ኢና ክንቅጽል ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ሃዋርያት ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዋዕላ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” በልዎ