ከም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ኴንካ ምግልጋል
“እቲ . . . ሰላም ዜውሪ . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”—ኢሳይያስ 52:7
1, 2. (ሀ) ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:7 ኣቐዲሙ እተዘርበ: እንታይ ብስራት ኢዩ ክዝርጋሕ ዘለዎ፧ (ለ) ናይ ኢሳይያስ ትንቢታዊ ቃላት ኣብ ኵነታት ናይ ጥንቲ እስራኤል እንታይ ትርጕም ነበሮ፧
ክእወጅ ዘለዎ ብስራት ኣሎ! ናይ ሰላም—እወ: ዜና ናይ ሓቂ ሰላም ኢዩ። ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኢዩ። ነዊሕ እዋን ይገብር: ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ሰላም እዚ ጽሒፉ ነይሩ ኢዩ: ቃላቱ ድማ ኣብ ኢሳይያስ 52:7 ተዓቝሩልና ኣሎ: ከምዚ ኸኣ ይንበብ:- “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: ንጽዮን ከኣ፣ ኣምላኽኪ ይነግስ: ዚብል: ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።”
2 የሆዋ ንጥቕሚ ጥንታውያን እስራኤል ሎሚ ድማ ንጥቕምና ክኸውን ኢሉ ንነብይኡ ኢሳይያስ ነዚ መልእኽቲ እዚ ክምዝግብ ብመንፈስ ደረኾ። ናይዚ ትንቢታዊ ቓላት ትርጕም እንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ኢሳይያስ ነዚ ቓላት እዚ ዝጸሓፈሉ ግዜ: ሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ድሮ ብኣሶራውያን ተማሪኹ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጸኒሑ ድማ: ተቐማጦ ናይቲ ደቡባዊ መንግስቲ ይሁዳ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ክውሰዱ ነበሮም። እቲ ህዝቢ ንየሆዋ ብዘይ ምእዛዙ: በዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ሰላም ስለ ዘይነበሮ: እቲ እዋን እቲ ኣብታ ሃገር እዋን ሕማም ልብን ህውከትን ኢዩ ነይሩ። ከምቲ የሆዋ እተዛረቦም: እቲ ሓጥእ ጠባያቶም ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ኣምላኾምን ምፍልላይ ኢዩ ዘስዕበሎም ነይሩ። (ኢሳይያስ 42:24፣ 59:2-4) ይኹን እምበር: የሆዋ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ኣብቲ ግዜኡ ደጌታት ባቢሎን ክርሖ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛረበ። ህዝቢ ኣምላኽ ናጻ ኰይኖም ናብ ዓዶም ክምለሱ: ኣብኣ ድማ ቤት መቕደስ የሆዋ እንደገና ክሃንጹ ነበሮም። ጽዮን ከትምለስ: ኣምልኾ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ድማ ኣብ የሩሳሌም እንደገና ክካየድ ነበሮ።—ኢሳይያስ 44:28፣ 52:1, 2
3. እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ናይ ምምላስ መብጽዓ ናይ ሰላም ትንቢት እውን ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧
3 እዚ ናይ ድሕነት መብጽዓ ናይ ሰላም ትንቢት እውን ኢዩ ነይሩ። ናብታ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሃገር ምምላስ መረጋገጺ ምሕረት ኣምላኽን ነስሓኦምን ኢዩ ነይሩ። ምስ ኣምላኽ ሰላም ከም ዝነበሮም የመልክት ነበረ።—ኢሳይያስ 14:1፣ 48:17, 18
‘ኣምላኽኪ ነጊሱ’
4. (ሀ) ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ‘የሆዋ ነጊሱ’ ኢዩ ክበሃል እተኻእለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ጸኒሑ ዝነበረ ዓመታት የሆዋ ንጥቕሚ ህዝቡ ክብል ንነገራት እተቘጻጸሮ ብኸመይ ኢዩ፧
4 የሆዋ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ነዚ ድሕነት እዚ ምስ ፈጸሞ: ንጽዮን ‘ኣምላኽኪ ነጊሱ’ ክበሃለላ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ: የሆዋ “ንጉስ ዘለኣለም” ኢዩ። (ራእይ 15:3 NW ) ይኹን እምበር እዚ ንህዝቡ ዝገበሮ ምድሓን ተወሳኺ መርኣያ ሉዓላውነቱ ኢዩ ነይሩ። ብዘደንቕ ኣገባብ: ኣብ ልዕሊ እቲ ክሳዕ ሽዑ ኣዝዩ ሓያል ዝነበረ ሰብኣዊ ግዝኣት ዘለዎ ጸብለልትነት ኣርእዩ ኢዩ። (ኤርምያስ 51:56, 57) ከም ውጽኢት ዕዮ መንፈስ የሆዋ ድማ: ካልኦት ኣንጻር ህዝቡ እተኣልሙ ውዲታት ፈሺሎም ኢዮም። (ኣስቴር 9:24, 25) ብተደጋጋሚ: የሆዋ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ምስ ምፍጻም ሉዓላዊ ፍቓዱ ከም ዝተሓባበሩ ንምግባር ብእተፈላለየ መገድታት ኢዱ ኣእትዩ ኢዩ። (ዘካርያስ 4:6) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝዀኑ ኣገረምቲ ፍጻመታት ኣብ መጽሓፍ እዝራ: ነህምያ: ሃጌ: ከምኡውን ዘካርያስ ተመዝጊቦምልና ኣለዉ። ነቲ ፍጻመታት ደጊምካ ምርኣዩ ክሳዕ ክንደይ እምነት ዘሐይል ኰን ኢዩ!
5. ኣብ ኢሳይያስ 52:13–53:12 እንታይ ፍጻመታት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧
5 እንተዀነ ግን: እቲ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ድሕሪኡ እተፈጸመ ነገር መጀመርታ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ምዕራፍ 52 ዘሎ ናይ ምምላስ ትንቢት: ኢሳይያስ ብዛዕባ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ጸሓፈ። (ኢሳይያስ 52:13–53:12) የሆዋ በቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እተረጋገጸ መሲሕ ኣቢሉ: ካብቲ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ነገር ዝዓበየ ኣገዳስነት እውን ከይተረፈ ዘለዎ መልእኽቲ ድሕነትን ሰላምን ክህብ ነበሮ።
ናይ የሆዋ ዝዓበየ ልኡኽ ሰላም
6. ናይ የሆዋ ዝዓበየ ልኡኽ ሰላም መን ኢዩ: ንኸመይ ዝበለ መዝነት ኢዩኸ ኣብ ርእሱ ዘውዓሎ፧
6 የሱስ ክርስቶስ ናይ የሆዋ ዝዓበየ ልኡኽ ሰላም ኢዩ። ንሱ ቃል ኣምላኽ: ናይ የሆዋ ብሕታዊ ኣፈኛ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:14) ምስዚ ዝሰማማዕ ድማ: የሱስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ድሕሪ ምጥማቑ ገለ እዋን ጸኒሑ: ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤት ጸሎት ደው ኢሉ ካብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 61 ብዛዕባ መዝነቱ ኣንበበ። እቲ መዝነት እቲ: ክሰብኮ እተላእከ “ምውጻእ ሓራ:” ‘ምምላስ’ ከምኡውን ስምረት የሆዋ ንምርካብ ኣጋጣሚ ምሃብ ዘጠቓልል ምዃኑ ንጹር ገበሮ። እንተዀነ ግን: የሱስ መልእኽቲ ሰላም ካብ ምእዋጅ ንላዕሊ ገይሩ ኢዩ። ኣምላኽ ንነባሪ ሰላም መሰረት ዝኸውን ነገር ከዳሉ እውን ኢዩ ልኢኽዎ።—ሉቃስ 4:16-21
7. ካብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ሰላም እንታይ ውጽኢት ኢዩ ክርከብ እተኻእለ፧
7 ኣብቲ የሱስ እተወልደሉ ግዜ: መላእኽቲ ንኣምላኽ እናወደሱ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ” ብምባል: ነቶም ኣብ ጥቓ ቤት ልሄም ዝነበሩ ጓሶት ተራእይዎም። (ሉቃስ 2:8, 13, 14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: እቶም ኣምላኽ ስምረቱ ዝሃቦም ሰባት ሰላም ክረኽቡ ነበሮም: ምኽንያቱ ኣብቲ ብወዱ ኣቢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ምድላው እምነት ኣርእዮም ኢዮም። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧ ሰባት ሓጢኣተኛታት ኰይኖም እኳ እንተ ተወልዱ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኣቃውማ: ስምረት ዘለዎ ርክብ ክረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም ማለት ኢዩ። (ሮሜ 5:1) ብኻልእ መገዲ ክርከብ ዘይከኣል ውሽጣዊ ህድኣትን ሰላምን ከስተማቕሩ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምዱብ ግዜ: ሕማምን ሞትን ሓዊስካ: ካብ ኵሉ ሳዕቤናት ናይቲ ካብ ኣዳም እተወርሰ ሓጢኣት “ሓራ ምውጻእ” ክህሉ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ሰባት ዕዉራት: ጸማማት: ወይ ሓንካሳት ኣይክዀኑን ኢዮም። ዘጨንቕ ድኻምን ዘጕሂ ኣእምሮኣዊ ምምዝባልን ንሓዋሩ ከልግስ ኢዩ። ንዘለኣለም ፍጹም ህይወት ምስትምቓር ዝከኣል ክኸውን ኢዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ ማቴዎስ 9:35፣ ዮሃንስ 3:16
8. ኣምላኻዊ ሰላም ንመን ኢዩ ዝወሃብ፧
8 አምላኻዊ ሰላም ንመን ኢዩ ዝወሃብ፧ ንዅሎም እቶም ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ኢዩ ዝወሃብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ: ዅሉ ንርእሱ ተዓረቖ’ ብምባል ጸሓፈ። እቲ ሃዋርያ ቀጺሉ እዚ ምትዕራቕ እዚ ‘ኣብ ሰማያት ዘሎ’ ማለት: እቶም ኣብ ሰማይ መዋርስቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት ዘጠቓልል ምዃኑ ተዛረበ። ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ’ ማለት: እቶም ምሉእ ብምሉእ ናብ ናይ ገነት ኵነታት ምስ ተለወጠት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ክህልዎም ስምረት ዝረኸቡ ሰባት እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ቈሎሴ 1:19, 20) ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ዋጋ መስዋእቲ የሱስ ከም እትጥቀም ስለ ዝገበርዋ ከምኡውን ንኣምላኽ ካብ ልቦም ተኣዛዝነት ስለ ዘርኣዩ: ኵሎም ምስ ኣምላኽ ምዉቕ ዕርክነት ከስተማቕሩ ይኽእሉ ኢዮም።—ምስ ያእቆብ 2:22, 23 ኣረኣእዮ።
9. (ሀ) ምስ ኣምላኽ ዝህሉ ሰላም ነየናይ ካልእ ርክባት ኢዩ ዝጸሉ፧ (ለ) ኣብ ኵሉ ቦታ ሰላም ምምጻእ ዝብል ዕላማ ብምሓዝ: የሆዋ እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ንወዱ ዝሃቦ፧
9 ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ሰላም ምህላውስ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ! ምስ ኣምላኽ ሰላም እንተድኣ ዘይብልካ: ኣብ ካልእ ዝዀነ ይኹን ርክባት ነባርን ትርጕም ዘለዎን ሰላም ክህልወካ ኣይክእልን ኢዩ። ምስ የሆዋ ሰላም ምህላው: መሰረት ናይቲ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ናይ ሓቂ ሰላም ኢዩ። (ኢሳይያስ 57:19-21) ምስዚ ዝሰማማዕ ከኣ: የሱስ ክርስቶስ መስፍን ሰላም ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6) ነዚ ሰባት ብእኡ ኣቢሎም ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቕሉ ኣካል: የሆዋ ናይ ምግዛእ ስልጣን እውን ብሕድሪ ሂብዎ ኢዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) የሆዋ ነቲ መስፍናዊ ግዝኣት የሱስ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ዝህልዎ ውጽኢት ኣመልኪቱ: ‘ሰላሙ መወዳእታ የብሉን’ ብምባል ይማባጻዕ።—ኢሳይያስ 9:7፣ መዝሙር 72:7
10. የሱስ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ሰላም ኣብ ምዝርጋሕ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ሰላም ንዅሉ ወድሰብ የድልዮ ኢዩ። የሱስ ብብሕቱ ነዚ ሰላም እዚ ኣብ ምስባኽ ቅንኢ ዘለዎ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ነዚ ድማ ኣብ ከባቢ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ: ኣብ ጸግዒ ከረን: ኣብ መገዲ: ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ዔላ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ: ከምኡውን ኣብ ናይ ሰባት ኣባይቲ ይገብሮ ነበረ። የሱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰባት ዝርከብሉ ቦታታት ብዛዕባ ሰላምን መንግስቲ ኣምላኽን ንምስባኽ ኣጋጣሚታት ይፈጥር ነበረ።—ማቴዎስ 4:18, 19፣ 5:1, 2፣ 9:9፣ 26:55፣ ማርቆስ 6:34፣ ሉቃስ 19:1-10፣ ዮሃንስ 4:5-26
ኣሰር ክርስቶስ ንምስዓብ እተለማመዱ
11. የሱስ ነየናይ ዕዮ ክዓዩ ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዘለማመዶም፧
11 የሱስ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ሰላም ክሰብኩ ንደቀ መዛሙርቱ ምሂርዎም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ የሱስ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” የሆዋ ዝነበረ: ንሳቶምውን ክምስክሩ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። (ራእይ 3:14፣ ኢሳይያስ 43:10-12) ንክርስቶስ ድማ ከም መራሒኦም ገይሮም ይርእይዎ።
12. ጳውሎስ ኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ጽሑፍ፤ ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን: ይብል እዩ” ብምባል ንኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ኣረዲኡ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ: ከም ናይ የሆዋ ቀንዲ ወኪል ድሕነት መጠን ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ዘርኢ ሰብ ኣይሓፍርን ኢዩ። ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ቀቢላዊ መበቈል ዘይብቑዕ ዝገብሮ ረቛሒ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ጳውሎስ ቀጺሉ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ እሞ: ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጕሌላን የልቦን” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። (ሮሜ 10:11-13) ሰባት ግን ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ብኸመይ ክማሃሩ ነበሮም፧
13. ሰባት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ እንተድኣ ኰይኖም እንታይ ኢዩ ዘድሊ: እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ኣድላይነት እዚ ዝመለስሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ጳውሎስ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋል የሆዋ ክሓስበሉ ዘለዎ ሕቶታት ብምሕታት ስብከት ናይቲ ብስራት ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። እቲ ሃዋርያ ከምዚ ብምባል ሓተተ:- “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ . . . እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” (ሮሜ 10:14, 15) እቲ ናይ መጀመርታ ክርስትና መዝገብ: ሰብኡትን ኣንስትን: ንኣሽቱን ዓበይትን ነቲ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝገደፉሎም ኣብነት ከም ዝመለስሉ ዝሕብር ጽኑዕ መረጋገጺ ኢዩ። ቀናኣት ኣወጅቲ ናይቲ ብስራት ኰይኖም ኢዮም። ንየሱስ ብምምሳል: ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰባት ክረኽብሉ ዝኸኣሉ ቦታታት ንሰባት ሰቢኾምሎም ኢዮም። ዋላ ሓደ ሰብ ክሓልፎም ስለ ዘይደለዩ: ኣገልግሎቶም ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ካብ ቤት ናብ ቤትን ኢዮም ዝፍጽምዎ ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:17፣ 20:20
14. “ኣእጋር” ናይቶም ነቲ ብስራት ዝእውጁ ሰባት “ጽቡቕ” ምዃኑ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ርግጽ ኢዩ: ንክርስትያን ሰበኽቲ ብሕያውነት ዝቕበሎም ኵሉ ሰብ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እቲ ጳውሎስ ካብ ኢሳይያስ 52:7 ጠቒሱ እተዛረቦ: ሓቂ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። “እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምሕታቱ: “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ: ዚብል ጽሑፍ [ኣሎ]” በለ። መብዛሕትና ኣእጋርና ጽቡቕ: ወይ ምልኩዕ ከም ዝዀነ ኣይንሓስብን ኢና። እሞ እዚ ጥቕሲ እዚ ድኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ሓደ ሰብ ንኻልኦት ክሰብከሎም ኢሉ ክኸይድ ከሎ ዝንቀሳቐስ ብእግሩ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣእጋር ብሓቂ ነቲ ሰብ ኢዩ ዝውክል። ከምኡውን ነቶም ካብ ሃዋርያትን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስን ብስራት ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት: እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት እዚኣቶም ብሓቂ ጽቡቓት ከም ዝነበሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 16:13-15) ልዕሊ እዚ ድማ: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት ኢዮም ነይሮም።
15, 16. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ልኡኻት ሰላም ምንባሮም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ከምቲ እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ዝገበርዎ ገይርና ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንታይ ኢዩ ክሕግዝና ዝኽእል፧
15 ሰዓብቲ የሱስ መልእኽቲ ሰላም ኢዩ ነይርዎም: ነዚ ድማ ሰላማዊ ብዝዀነ ኣገባብ ኢዮም ኣብጺሖምዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ዝስዕብ መምርሒታት ሃቦም:- “ኣብ ዝአቶኹምዋ ቤት: ቅድም፤ ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን: በሉ። ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ: ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ: እንተ ዜልቦ ግና: ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።” (ሉቃስ 10:5, 6) ሻ·ሎም ʹ: ወይ “ሰላም:” ናይ ኣይሁድ ባህላዊ ሰላምታ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሱስ መምርሒታት ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። እቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” ከም ምዃኖም መጠን: ንሰባት “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ” ብምባል የተባብዕዎም ነበሩ። (2 ቈረንቶስ 5:20) ምስ ናይ የሱስ መምርሒታት ብምስምማዕ: ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ከም ውልቀ-ሰባት መጠን ድማ ንዓኣቶም እንታይ ማለት ክትከውን ከም እትኽእልን ተዛሪቦምዎም ኢዮም። እቶም ዝሰምዑ በረኸት ክቕበሉ ከለዉ: እቶም ዝነጸግዎ ድማ በረኸት ይስእኑ።
16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሎሚ ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዮም ኣገልግሎቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ። እቲ ናብ ሰባት ዘብጽሕዎ ብስራት ናይ ርእሶም ዘይኰነስ: ናይቲ ዝለኣኾም ኢዩ። መዝነቶም ነቲ ብስራት ምብጻሕ ኢዩ። ሰባት ነዚ እንተድኣ ተቐቢሎምዎ: ዘደንቕ በረኸታት ንምቕባል ብቑዓት ይዀኑ። እንተድኣ ነጺጎምዎ ድማ: ምስ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝህልዎም ሰላም ኢዮም ዝነጽጉ።—ሉቃስ 10:16
ናዕቢ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ሰላማውያን
17. ሃሳዪ ዘረባ ዝዛረቡ ሰባት እውን ከይተረፈ እንተ ኣጋጠሙና: ከመይ ዓይነት ጠባይ ከነርኢ ኢዩ ዘሎና: ስለምንታይከ፧
17 ሰባት ብኸመይ ከም ዝምልሱ ብዘየገድስ: ኣገልገልቲ የሆዋ ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ምዃኖም ክዝክሩ ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ዓለም ሰባት ነቶም ዘሕረቕዎም ዓጽሚ ዝሰብር ዘረባ ብምዝራብ ወይ ሃሳዪ ብዝዀነ መገዲ ብምጭዳር: ኣብ ርሱን ግርጭት ይኣትዉን ቍጥዕኦም ድማ ይገልጹን ይዀኑ። ምናልባት ገለ ካባና ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከምኡ ገይርና ንኸውን። ይኹን እምበር: ሓድሽ ሰብነት እንተ ለቢስናን: ናይ ዓለም ክፍሊ ድማ እንተ ዘይኰንናን: መገድታቶም ኣይክንቀድሖን ኢና። (ኤፌሶን 4:23, 24, 31፣ ያእቆብ 1:19, 20) ካልኦት ዝገብርዎ ብዘየገድስ: ነቲ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዝብል ምኽሪ ኢና ኣብ ግብሪ እነውዕል።—ሮሜ 12:18
18. ሓደ መንግስታዊ በዓል-ስልጣናት ምሳና ምቅዳው እንተድኣ ስኢኑ ብኸመይ ኢና መልሰ-ግብሪ ከነርኢ ዘሎና: ስለምንታይከ፧
18 ኣገልግሎትና ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቅድሚ ሰበ-ስልጣናት ከም እንቐርብ ክገብረና ይኽእል ይኸውን። ስልጣኖም ብምጥቃም: ሓድሓደ ነገራት ስለምንታይ ከም እንገብሮ ወይ ኣብ ገለ እተወሰነ ንጥፈታት ምስታፍ ስለምንታይ ከም እንኣቢ ክንገልጸሎም ‘ይሓቱና’ ይዀኑ። ነቲ መልእኽቲ—ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘቃልዕን ብዛዕባ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝነግርን—ስለምንታይ ከም እንሰብኮ ክፈልጡ ይደልዩ ይዀኑ። ነቲ ብክርስቶስ እተሰርዓልና ኣብነት ዘሎና ኣኽብሮት ዓቕልን ዓሚቝ ክብርን ከነርኢ ከለዓዕለና ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:23፣ 3:15) ብተደጋጋሚ ግዜ: ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰበ-ስልጣናት ብኣቕሽሽቲ ወይ ድማ ምናልባት ብሓለፍቶም ጸቕጢ ይግበረሎም ኢዩ። ልኡም መልሲ ምሃብ: ዕዮና ንዓኣቶምን ንሰላም ናይቲ ማሕበረሰብን ዘስግእ ከም ዘይኰነ ንኽርድኡ ይሕግዞም ይኸውን። ከምዚ ዝበለ መልሲ ኣብቶም ዝቕበልዎ መንፈስ ናይ ኣኽብሮትን ምትሕብባርን ሰላምን ከዕቢ ይኽእል ኢዩ።—ቲቶስ 3:1, 2
19. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበየናይ ንጥፈታት ኢዮም ፈጺሞም ዘይሳተፉ፧
19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኣብ ናይ ዓለም ግርጭት ዘይካፈሉ ህዝቢ ምዃኖም ኢዮም ዝፍለጡ። ኣብቲ ብዛዕባ ዓሌት: ሃይማኖት: ወይ ፖለቲካ ዝግበር ናይ ዓለም ምስሕሓብ ኢዶም ኣየእትዉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:14) ቃል ኣምላኽ “ንዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ክንግዛእ” ስለ ዝነግረና: ፖሊስታት መንግስቲ ንምቅዋም ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣብያ ክንሳተፍ ኢልና እውን ኣይንሓስቦን ኢና። (ሮሜ 13:1 NW ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ንምግምጣል ኣብ ዘቃንዐ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ፈጺሞም ኣይካፈሉን ኢዮም። ብምኽንያት እቲ የሆዋ ንክርስትያን ኣገልገልቱ ክኸውን ኢሉ ዝሰርዖ መዐቀኒታት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምፍሳስ ደም ወይ ዓመጽ ክካፈሉ ዘይሕሰብ ኢዩ! ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ሰላም ይዛረቡ ጥራይ ዘይኰኑስ: ምስቲ ዝሰብክዎ ተሰማሚዖም ኢዮም ዝነብሩ።
20. ዓባይ ባቢሎን ንሰላም ዝምልከት እንታይ ዓይነት ጸብጻብ ኢዩ ዘለዋ፧
20 ምስ ሓቀኛታት ክርስትያናት ብምንጽጻር ክረኣዩ ከለዉ: እቶም ንሃይማኖታውያን ማሕበራት ህዝበ-ክርስትያን ዝውክሉ ኣካላት ልኡኻት ሰላም ኰይኖም ኣይተረኽቡን። ናይ ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታት—ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ክርስትያናት ዘይኰና ሃይማኖታትን—ነቲ ናይ ሃገራት ውግኣት ሸለል ኢለናኦ: ደጊፈናኦ: ብሓቂ ክርአ ከሎ ድማ ኣብቲ ውግእ መሪሕነት ወሲደን ኢየን። ኣብ ልዕሊ እቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ መስጐግቲ ኣለዓዒለን ከም ዝቕተሉ እውን ከይተረፈ ገይረን ኢየን። ስለዚ ኸኣ ኢያ ራእይ 18:24 ንዓባይ ባቢሎን ኣመልኪታ “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ” ብምባል እትእውጅ።
21. ብዙሓት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ጠባይ ህዝቢ የሆዋን ናይቶም ኣብ ሓሶት ሃይማኖት ዝኣምኑን ዘለዎ ፍልልይ ክርእዩ ከለዉ ከመይ ዝበለ ምላሽ ኢዮም ዝህቡ፧
21 ከም ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታትን ዝተረፈ ክፍሊ ዓባይ ባቢሎንን ዘይኰነስ: እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኣወንታዊ መገዲ ዘሕብር ሓይሊ ኢያ። የሱስ ክርስቶስ ነቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ ከምዚ በሎም:- “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:35) ነዚ ሎሚ ንወድሰብ ፈላልይዎ ዘሎ ሃገራዊ: ማሕበራዊ: ቁጠባዊ: ከምኡውን ዓሌታዊ ዶባት እትሰግሮ ፍቕሪ ኢያ። ነዚ ብምዕዛብ: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ይብልዎም ኣለዉ።—ዘካርያስ 8:23
22. ነቲ ጌና ክግበር ዘለዎ ዕዮ ምስክርነት ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧
22 ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን: በቲ ድሮ እተፈጸመ ነገራት ብዙሕ ንሕጐስ ኢና: እቲ ዕዮ ግን ጌና ኣይተወድአን። ሓደ ሓረስታይ ዘርኢ ምስ ዘርአን ግራቱ ምስ በቘለሉን ደው ኣይብልን ኢዩ። ብሕልፊ ኣብ እዋን ዓጺድ ብቐጻሊ ኢዩ ዝዓዪ። እዋን ዓጺድ ነዊሕን ብርቱዕን ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣምለኽቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝዓቢ ዓጺድ ኣለዎም። እዚ ግዜ ሓጐስ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:3) ሓቂ ኢዩ: ምጽራርን ናይ ዘይምግዳስ ስምዒትን የጋጥመና ኢዩ። ከም ውልቀ-ሰባት መጠን: ምስ ከቢድ ሕማም: ኣሸጋሪ ኵነታት ስድራቤት: ወይ ምስ ቁጠባዊ ጸገም ንቃለስ ንህሉ ንኸውን። ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ግን ንኸይንሕለል ከለዓዕለና ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ሂቡና ዘሎ መልእኽቲ ሰባት ክሰምዕዎ ዘድልዮም ነገር ኢዩ። እዚ ናይ ሰላም መልእኽቲ ኢዩ። ብሓቂ: እቲ የሱስ ባዕሉ ዝሰበኾ መልእኽቲ—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ—ኢዩ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኢሳይያስ 52:7 ኣብ ልዕሊ ጥንታውያን እስራኤል እንታይ ፍጻሜ ኢዩ ነይርዋ፧
◻ የሱስ ዝዓበየ ልኡኽ ሰላም ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢሳይያስ 52:7 ምስቲ ክርስትያናት ዝሳተፍዎ ዕዮ ብኸመይ ኢዩ ኣተሓሒዝዋ፧
◻ ኣብዚ ግዜና ልኡኽ ሰላም ኣብ ምዃን ተጠቓሊሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእልታት]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ልክዕ ከም የሱስ ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብኸመይ ከም ዝምልስሉ ብዘየገድስ ሰላማውያን ኰይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ