ንድሕነት ዝኸውን ህዝባዊ ምእማን ግበሩ
“ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ።”—ሮሜ 10:13
1. ኣብ መላእ ታሪኽ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ክቃላሕ ጸኒሑ፧
ታሪኽ እተፈላለየ ‘መዓልትታት የሆዋ’ ይገልጽ ኢዩ። ብዘመን ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ: ምጥፋእ ሶዶምን ጎሞራን: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት ዓበይትን ዘፍርሃን መዓልትታት የሆዋ ኢየን ነይረን። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር የሆዋ ዝዓለዉ ሰባት ፍትሓዊ ዝዀነ ስጕምቲ እተወስደለን መዓልትታት ኢየን ነይረን። (ሚልክያስ 4:5፣ ሉቃስ 21:22) ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን ብምኽንያት እከዮም ብዙሓት ጠፊኦም ኢዮም። ገለ ግን ድሒኖም ኢዮም። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኽድሕኑ ኣጋጣሚ ከም ዝረኽቡ ብምግባር የሆዋ ነቶም እኩያት ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ መጠንቀቕታታት ኣቃሊሑ ኢዩ።
2, 3. (ሀ) ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ እንታይ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ኢዩ እተጠቕሰ፧ (ለ) ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧
2 እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ ጥፍኣት ናይዚ ጕሉሕ ኣብነት ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ዳርጋ 900 ዓመታት ኣቐዲሙ ነብዪ ዮኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት: ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን: ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት: ጸሓይ ኣብ ጸልማት: ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።” ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘፍርህ እዋን ብኸመይ ክድሕን ይኽእል፧ ዮኤል ብመንፈስ ተደሪኹ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኪኸውን ከኣ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ: ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ: ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”—ዮኤል 2:30-32
3 ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ጴጥሮስ ሰማዕቱ ፍጻሜኡ ኣብ ግዜኦም ክኸውን ክጽበይዎ ከም ዝኽእሉ ብምሕባር: ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ናይ ዮኤል ትንቢት ጠቐሰሎም:- “ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት: ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት: ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ: ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ: ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:16-21) እቶም ንጴጥሮስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ኵላቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ድማ ስም የሆዋ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ጴጥሮስ ስም የሆዋ ምጽዋዕ ካልእ ተወሳኺ ነገር ከም ዘጠቓልል ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። እዚ ብስም እቲ እተቐትለን ናብ ዘይመውት ዘለኣለማዊ ህይወት ዝተንስአን የሱስ ምጥማቕ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:37, 38
4. ክርስትያናት እንታይ መልእኽቲ ኢዮም ኣስፊሖም ዝኣወጁ፧
4 ካብ ጴንጠቆስጠ ንድሕሪት ክርስትያናት ነቲ ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ የሱስ ዝዛረብ መልእኽቲ ዘርጊሖምዎ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 1:23) ሰባት ፍሉይ ውልድነት እተቐበሉ መንፈሳውያን ደቂ የሆዋ ኣምላኽ: ክፍሊ ናይቲ ‘ደግነት [“የሆዋ:” NW ] ዝነግር’ መንፈሳዊ ህዝቢ: ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣፍለጡ። (1 ጴጥሮስ 2:9፣ ገላትያ 6:16) እቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑ: ንየሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ መዋርስቱ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ዘይመውት ህይወት ክቕበሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:13፣ ሮሜ 8:15, 16፣ 1 ቈረንቶስ 15:50-54) ኣብ ርእሲ እዚ: እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ ክእውጁ ነበሮም። ነቶም ናይ ኣይሁድ ሕብረተሰብ ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ሰባትን ወሪዱ ዘይፈልጥ ጸበባ ከጋጥሞም ምዃኑ ከጠንቅቕዎም ነበሮም። ይኹን እምበር: ደሓንቲ ክህልዉ ኢዮም። መን ኢዮም ዝድሕኑ፧ እቶም ስም የሆዋ ዝጽውዑ ሰባት።
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት”
5. ኣየናይ ትንቢት ኢዩ ኣብዚ እዋን እዚ ፍጻሜታቱ ዝርአ ዘሎ፧
5 እቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት: ብብዙሕ መገዲ ናይዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ነገራት ጽላሎት ኢዩ። ካብ 1914 ኣትሒዙ ደቅሰብ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዘመን መወዳእታ:” “መደምደምታ ኣገባብ:” (NW ) ከምኡውን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዝጽውዖ ፍሉይ እዋን ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። (ዳንኤል 12:1, 4፣ ማቴዎስ 24:3-8፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ-ዘበን ሕሱም ውግኣት: ቀይዲ ዘይብሉ ዓመጽ: ከምኡውን ምብልሻው ናይ ሕብረተሰብን ኣከባብን ጕሉሕ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ኢዩ። እዚ ክፍሊ ናይቲ የሱስ ብዛዕባ ንደቅሰብ ኣብ መወዳእታ: ኣብታ ወሳኒት ዝዀነት እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ከጋጥሞም ዘለዎ ነገራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ትንቢት ኢዩ። እዚ ኣብቲ “ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” እተባህለሉ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ዝለዓለ ደረጅኡ ዝበጽሓሉ ውግእ ኣርማጌዶን ክውዳእ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 16:16
6. (ሀ) የሆዋ ነቶም ትሑታት ንምድሓን ስጕምቲ ዝወሰደን ዝወስድ ዘሎን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ጳውሎስ ከመይ ገይርካ ድሕነት ከም ዝርከብ ዝሃቦ ምኽሪ ኣበይ ኢና ክንረኽቦ እንኽእል፧
6 እታ ናይ ዕንወት ግዜ ዝያዳ እናቐረበት ክትመጽእ ከላ: የሆዋ ምእንቲ እቶም ትሑታት ሰባት ኢሉ ስጕምቲ ይወስድ ኢዩ ዘሎ። ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ክፍሊ ናይቲ መንፈሳዊ እስራኤል ዝዀኑ ናይ መወዳእታ ኣባላት ኣኪብዎም ኢዩ: ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ድማ ነቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ ናብ ምእካብ ናይቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ከም ዘቕልቡ ገይሩ ኢዩ። ብጕጅለ ደረጃ: እዚኣቶም ብህይወቶም “ካብቲ ብርቱዕ [“ዓቢ:” NW ] ጸበባ ዝመጹ እዮም።” (ራእይ 7:9, 14) እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ወይ ገዛእ ርእሳ ድሕነት ርግጽ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ መልሲ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 10 ንምድሓን ዝኸውን ሰናይ ምኽሪ—ኣብቲ እዋን እቲ ተግባራዊ ዝነበረ: ሕጂ ድማ ንግዜና ዝምልከት ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።
ንምድሓን ዝኸውን ጸሎት
7. (ሀ) ኣብ ሮሜ 10:1, 2 እንታይ ተስፋ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) ሕጂ የሆዋ ነቲ “ወንጌል” ዝያዳ ብዝሰፍሐ ከም ዝእወጅ ዝገብሮ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ጳውሎስ መጽሓፍ ሮሜ ክጽሕፍ ከሎ: የሆዋ ንእስራኤል ብህዝቢ ደረጃ ድሮ ጠንጢንዎም ኢዩ ነይሩ። ገና ግን እቲ ሃዋርያ “ንሳቶም ኪድሕኑ: ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ” ብምባል ኣረጋገጸ። ኣይሁዳውያን ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ እቲ ናብ ድሕነት ክመርሖም ዝኽእል ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ክረኽቡ ኢዩ ተስፋ ዝነበሮ። (ሮሜ 10:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 3:16 “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ: ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ እምነት ዘርእዩ ሰባት ድሕነት ክረኽቡ ኢዩ ዝብህግ። እቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ነዚ ዓቢ ድሕነት እዚ መገዲ ከፈተ። ከምቲ ብዘመን ኖህን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት ፍርድን እተራእየ: የሆዋ ናብ ድሕነት ክመርሕ ዝኽእል “ወንጌል” ከም ዝእወጅ ገይሩ ኢዩ።—ማርቆስ 13:10, 19, 20
8. ነቲ ናይ ጳውሎስ ኣብነት ብምስዓብ: ኣብዚ እዋን እዚ ክርስትያናት ንመን ኢዮም ሰናይ ዘበስሩ ዘለዉ: ብኸመይከ፧
8 ጳውሎስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ብምስባኽ: ንኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበሮ ሰናይ ድሌት ኣርእዩ ኢዩ። “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን . . . የረድኦም ነበረ።” ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ድማ ከምዚ በሎም:- “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ እናመስከርኩ: ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።” (ግብሪ ሃዋርያት 18:4፣ 20:20, 21) ብተመሳሳሊ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገዛእ ርእሶም ኣብ ስብከት ትሕዝቲ ይገብርዋ ኣለዉ: እዚ ድማ ናብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ኵሎም: ናብቶም ኣብ “ወሰን ምድሪ” ዝርከቡ እውን ከይተረፈ ብምኻድ ኢዮም ዝገብርዎ ዘለዉ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 18:5
“እቲ . . . ቓል እምነት” ምእማን
9. (ሀ) ሮሜ 10:8, 9 ነየናይ ዓይነት እምነት ኢያ እተተባብዕ፧ (ለ) መዓስን ብኸመይን ኢና ብዛዕባ እምነትና ክንእመን ዘሎና፧
9 ድሕነት ንምርካብ እትጽመም እምነት ክትህልወካ የድሊ። ጳውሎስ ንዘዳግም 30:14 ብምጥቃስ “እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ: እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ” በለ። (ሮሜ 10:8) ነቲ “ቓል እምነት” ክንሰብኮ ከሎና: ኣብ ልብና ዝያዳ እናሰረጸ ይኸይድ። ጳውሎስ ከምኡ ኢዩ ገይሩ: ስለዚ ኸኣ እቲ ቀጺሉ ዝበሎ ቃላት እታ እምነት ንኻልኦት ከነካፍላ ኣብ ዝገበርናዮ ውሳነ ከምኡ ንኽንገብር ዘተባብዓና ኢዩ: ከምዚ ይብል:- “ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ [“ነቲ ቓል:” NW ] እንተ ነገርካ: ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ አመንካ: ክትድሕን ኢኻ።” (ሮሜ 10:9) እዚ ምእማን እዚ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ኣብ ግዜ ጥምቀት ጥራይ ዝግበር ዘይኰነስ: ብዛዕባ ኵሉ መዳያት ናይ ሓቂ ቅንኢ ዘለዎ ህዝባዊ ምስክርነት ብምሃብ ቀጻሊ ዝዀነ ምእማን ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቂ ኣብቲ ክቡር ዝዀነ ስም ናይቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ: ኣብቲ መሲሓዊ ንጉስናን ተበጃዊናን ጐይታ የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ኣብቲ ድንቂ ዝዀነ ናይ መንግስቲ መብጽዓታት ዘተኵር ኢዩ።
10. ምስቲ ኣብ ሮሜ 10:10, 11 ዘሎ ብምስምማዕ ነቲ “ቓል እምነት” ብኸመይ ኢና ክንሕዞ ዘሎና፧
10 ነቲ “ቓል እምነት” ዘይቅበልን ኣብ ግብሪ ድማ ዘየውዕሎን ሰብ ድሕነት ኣይረክብን ኢዩ: እቲ ሃዋርያ ከምዚ ይብል:- “እቲ ጽሑፍ፤ ብእኡ ዚአምን ዘበለ ኣይሐፍርን: ይብል እዩ እሞ: ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ።” (ሮሜ 10:10, 11) ንኻልኦት ንምንጋር ምእንቲ ክንለዓዓል: ብዛዕባ እዚ “ቓል እምነት” ርጡብ ፍልጠት ክንሕዝን ብቐጻሊ ኣብ ልብና ክሓድርን ኣለዎ። የሱስ ባዕሉ እውን ከምዚ ኢሉ የዘኻኽረና:- “ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሐፈረ: ወዲ ሰብ ድማ: ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ: ብእኡ ኺሐፍር እዩ።”—ማርቆስ 8:38
11. እቲ ብስራት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ብሰፊሑ ክእወጅ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧
11 ከምቲ ብነብዪ ዳንኤል ኣቐዲሙ እተነግረ: ኣብዚ ዘመን መወዳእታ እቲ ምስክርነት ናይታ መንግስቲ ክሳዕ ወሰናስን ምድሪ ክዝርጋሕ ከሎ “እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር” ይበርሁ ኣለዉ። “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ” ኢዮም: የሆዋ ኣብቲ ነዚ ግዜ መወዳእታ ዝምልከት ትንቢታት ካብ ቅድም ንላዕሊ ዝያዳ ብርሃን ይሰድድ ስለ ዘሎ እቲ ሓቀኛ ፍልጠት ብርግጽ ኣኽል-ታርፍ ኰይኑ ኣሎ። (ዳንኤል 12:3, 4) ንድሕነት ኵሎም እቶም ሓቅን ጽድቅን ዝፈትዉ ሰባት ዘድሊ መልእኽቲ እዚ ኢዩ።
12. ሮሜ 10:12 ምስቲ ኣብ ራእይ 14:6 ተገሊጹ ዘሎ ናይቲ መልኣኽ መዝነት ብኸመይ ትተሓሓዝ፧
12 ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ እሞ: ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጕሌላን የልቦን።” (ሮሜ 10:12) ኣብዚ እዋን እዚ እቲ “ወንጌል” ንዅሎም ህዝብታት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብዝሰፍሐ ዓለምለኻዊ ደረጃ ክስበኽ ኣለዎ። እቲ ኣብ ራእይ 14:6 ዘሎ መልኣኽ ‘ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ናይ ዘለኣለም ወንጌል ክንሰብከሎም’ ሕድሪ ብምሃብ ምዝንባይ ይቕጽል ኣሎ። ነቶም ዝምልስሉኸ እዚ ብኸመይ ንረብሕኦም ክኸውን ይኽእል፧
ስም የሆዋ ምጽዋዕ
13. (ሀ) ናይ 1998 ዓመታዊት ጥቕስና እንታይ ኢያ፧ (ለ) እዛ ዓመታዊት ጥቕሲ እዚኣ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝበለጸ እትሰማማዕ ስለምንታይ ኢያ፧
13 ጳውሎስ ንዮኤል 2:32 ብምጥቃስ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” በለ። (ሮሜ 10:13) እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ 1998 ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይነን ክምረጻስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማምዓ ኰን ኢየን! ንስሙን ነቲ ስሙ ዘመልክቶ ዓቢ ዕላማን እናኣፍለጥካ ኣብ የሆዋ ብምውካል ንቕድሚት ምቕጻል ከም ሎሚ ገይሩ ኣድልዩ ኣይፈልጥን! ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ብልሹው ኣገባብ እውን እቲ “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ” ዝብል መቓልሕ ዝመልስ ጭድርታ ይንገር ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:40) እዚ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ንኣምላኽ ዝፈርሁን ነቶም ነቲ ንሳቶም ዝሰብክዎ ብስራት ዝሰምዑን ሰባት: ድሕነት ምእንቲ ክረኽቡ ስም የሆዋ ክጽውዑ ዝቐርበሎም ዘሎ ደሃይ መለኸት ዝጥዕም ጻውዒት ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16
14. ድሕነት ደሊና ኣበየናይ ከውሒ ኢና ክንጽጋዕ ዘሎና፧
14 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክትጅምር ከላ እንታይ ከጋጥም ኢዩ፧ ብዙሓት ድሕነት ክረኽቡ ኢሎም ናብ የሆዋ ኣይክጥምቱን ኢዮም። ደቅሰብ ብሓፈሻ ‘ነኽራንን ነኻውሕን ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና ክብልዎም ኢዮም።’ (ራእይ 6:15, 16) ተስፍኦም ኣብተን ከም ኣኽራን ዝመስላ ማሕበራትን ትካላትን ናይዚ ኣገባብ እዚ ኢዮም ክገብሩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ከውሒ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ትውክልቶም እንተ ዝገብሩስ ክሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ኰን ምዀነ! (ዘዳግም 32:3, 4) ብዛዕብኡ ንጉስ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ . . . እዩ” በለ። የሆዋ ‘ከውሒ ምድሓንና’ ኢዩ። (መዝሙር 18:2፣ 95:1) ስሙ “ጽኑዕ ግምቢ:” ኣብ እዋን ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላው ክከላኸለልና ዝኽእል እንኮ “ግምቢ” ኢዩ። (ምሳሌ 18:10) ስለዚ ድማ ካብቶም ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ዳርጋ ሽዱሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ብተኣማንነትን ቅንዕናን ስም የሆዋ ምጽዋዕ ክማሃሩ ኣድላዪ ኢዩ።
15. ንእምነት ዝምልከት ሮሜ 10:14 እንታይ ትሕብር፧
15 ምስዚ ብምስምማዕ ድማ: ሃዋርያ ጳውሎስ ቀጺሉ “ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧” ብምባል ይሓትት። (ሮሜ 10:14) ስም የሆዋ ብምጽዋዕ ምእንቲ ክድሕኑ ነቲ “ቓል እምነት” ናይ ገዛእ ርእሶም ንኽገብርዎ ገና ክሕገዙ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። እቲ ኣድላዪ ነገር እምነት ኢዩ። ኣብ ካልእ ደብዳበ: ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ።” (እብራውያን 11:6) ይኹን እምበር: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ከሕድሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ ደብዳበ “ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧” ኢሉ ይሓትት። (ሮሜ 10:14) የሆዋ ክሰምዕሉ ዝኽእሉ መገዲ ኣዳልዩ ኣሎዶ ኢዩ፧ እወ: ኣዳልዩ ኣሎ! ነቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝበሎ ቃላት ስማዕ:- “ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧”
16. ኣብቲ መለኮታዊ ምድላው: ሰበኽቲ ኣድለይቲ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ካብዚ ናይ ጳውሎስ ሓሳባት ሰበኽቲ ከም ዘድልዩ ንጹር ኢዩ። የሱስ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” እዚ ከም ዝኸውን ኣመልኪቱ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:18-20) ስብከት ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ሰባት ስም የሆዋ ጸዊዖም ምእንቲ ክድሕኑ ንምሕጋዞም እተገብረ መለኮታዊ ምድላው ኢዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ ነቲ ክቡር ዝዀነ ስም ኣምላኽ ንምኽባር ዝገብርዎ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ብዙሓት ተስፋ ብምቝራጽ ንየሆዋ ምስ ክልተ ካልኦት ኣካላት ብምድንጋር ክፍሊ ናይ ሓደ ዘይግለጽ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ገይሮምዎ ኢዮም። ብዙሓት ድማ ከምቶም ኣብ መዝሙር 14:1 ከምኡውን 53:1 “ዓሻ ብልቡ: ኣምላኽ የልቦን: ይብል” ተባሂሎም ዘለዉ ኰኑ። የሆዋ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጡ የድልዮም: ከምኡውን ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ እንተድኣ ደልዮም ንዅሉ እቲ ስሙ ዘመልክቶ ነገራት ክርድእዎ የድልዮም።
‘ጽቡቓት ኣእጋር’ ናይቶም ሰበኽቲ
17. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ ናይ ምምላስ ትንቢት ክጠቅስ ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ጽቡቓት ኣእጋር’ ክህልወካ እንታይ የጠቓልል፧
17 ሃዋርያ ጳውሎስ ካልእ ኣገዳሲት ሕቶ እውን ኣላቶ:- “ከመዮ፤ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ: ዚብል ጽሑፍ: እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” (ሮሜ 10:15) ኣብዚ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:7 ዝርከብ ካብ 1919 ኣትሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ብዛዕባ ምምላስ ዝገልጽ ትንቢት ኢዩ ጠቒሱ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንደገና የሆዋ “ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ” ሰብ ይልእኽ ኣሎ። እቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት “ሓለውቲ” (NW ) ከምኡውን ብጾቶም ብምእዛዝ ተሓጒሶም ይእውጁ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 52:7, 8) ኣብዚ እዋን እዚ ኣእጋር እቶም ድሕነት ዘውርዩ ሰባት ካብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ኸለዉ ይደኽማ: ሓመድ እውን ይመስላ ይዀና: እንተዀነ ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ገጾም ብሓጐስ ዝበርህ! ናይ ሰላም ብስራት ክእውጁ: ነቶም ዝሓዘኑ ከጸናንዑ: ድሕነት ድማ ክረኽቡ ኣማዕድዮም ብምጥማት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክሕግዙ የሆዋ ከም ዝመዘዞም ይፈልጡ ኢዮም።
18. ብዛዕባ እቲ ብስራት ብምእዋጅ ኣብ መወዳእታ ዝህሉ ውጽኢት ሮሜ 10:16 -18 እንታይ ትብል፧
18 ሰባት ‘[“ነቲ ዝሰምዕዎ ነገር: NW ] ይእመንዎ’ ኣይእመንዎ ወይ ድማ ንኣምላኽ ምእዛዝ ይምረጹ ኣይምረጹ ብዘየገድስ እቲ “ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ . . . ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ: ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ” ዝብል ቃላት ጳውሎስ ሓቂ ኢዩ። (ሮሜ 10:16-18) ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ፍጥረት ዕዮታቱ ተንጸባሪቑ ዘሎ እሞ ‘ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ዘዘንቱ:’ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መሰኻኽሩ ድማ ብዛዕባ ‘ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ንዅሎም ሕዙናት ንምጽንናዕ’ ክእውጁ ኣለዎም።—መዝሙር 19:1- 4፣ ኢሳይያስ 61:2
19. እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ‘ስም የሆዋ ዝጽውዑ’ ሰባት እንታይ ውጽኢት ክረኽቡ ኢዮም፧
19 እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ትቐርብ ኣላ። “መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ።” (ዮኤል 1:15፣ 2:31) ካልኦት ብዙሓት ሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ብምውሓዝ ነቲ ብስራት ብህጹጽ ክምልስሉ ጸሎትና ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:8፣ ኣንባቆም 2:3) ኣብተን ዝሓለፋ መዓልትታት የሆዋ—ብዘመን ኖህ: ብዘመን ሎጥ: ብዘመን እተን ዓለወኛታት ዝነበራ እስራኤልን ይሁዳን—ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ሰባት ዕንወት ከም ዝመጸ ዘክር። ሕጂ ኣብ ድርኵዂት ናይቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጸበባ: ነቲ ነባሪ ሰላም ዘለዎ ገነት መገዲ ንምኽፋት እቲ ናይ የሆዋ ህቦብላ ንፋስ ንዅሉ እከይ ካብ ገጽ ምድሪ ዝጸርገሉ እዋን: ኢና ዘሎና። ሓደ ካብቶም ብተኣማንነት ‘ስም የሆዋ ዝጽውዑ’ ኽትከውን ዲኻ፧ እንተድኣ ክትከውን ኴንካ ተሓጐስ! ክትድሕን ምዃንካ ኣምላኽ ባዕሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣሎካ።—ሮሜ 10:13
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ሓድሽ ነገራት ኢዩ እተኣወጀ፧
◻ ክርስትያናት ‘ነቲ ቓል እምነት’ ብኸመይ ኢዮም ከቕልብሉ ዘለዎም፧
◻ ‘ስም የሆዋ ምጽዋዕ’ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ እቶም ናይታ መንግስቲ ልኡኻት በየናይ መገዲ ኢዩ ‘ጽቡቓት ኣእጋር’ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ፖርቶ ሪኮ: ሰኔጋል: ፔሩ: ፓፕዋ ኒው ጊኒ እወ: ኣብ መላእ ዓለም ክብሩ ይእውጁ ኣለዉ