-
3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022 | ቍ. 1
-
-
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ኣምላኽ ብኣተሓሳስባና ይግደስ እዩ። (ኤርምያስ 17:10) መሸም ጽልኢ ዜንጸባርቕ ዘበለ ኽንዛረብ ወይ ክንገብር የብልናን፣ ጽልኢ ንምውጋድ ግና፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንገብር ኣሎና። ዓንኬል ጽልኢ ኻብ ኣእምሮን ልብን እዩ ዚጅምር። ስለዚ፡ ኣሰር ጽልኢ ዘበለ ኻብ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንምሕዎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ብሓቂ ‘ኽንልወጥን’ ንዓንኬል ጽልኢ ኽንሰብሮን እንኽእል።
-