ኣብ ልዕሊ እከይ እተረኽበ ዓወት
“እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዚጸርፎ ዘሎ፧ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ።” ከምዚ ብምባል ፍቓድ ዝሓተተ እቲ ኣቢሻይ እተባህለ እስራኤላዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢዩ። ኣቢሻይ ከምዚ ዝበለ ሺምዒ ዝበሃል ቢንያማዊ ንንጉስ ዳዊት ኣምሪሩ ክጸርፎ ምስ ሰምዐ ኢዩ።—2 ሳሙኤል 16:5-9
ኣቢሻይ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዎ ንሓዊ ብሓዊ ተኵሶ ዝብል ፍልስፍና ኢየ ስዒቡ። እወ: ሺምዒ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ሕነ ክፈዲ ደልየ።
ዳዊት ግን እንታይ ኢሉ መለሰ፧ “ሕደግዎ” ብምባል ንኣቢሻይ ከልከሎ። ዳዊት ካብቲ ሺምዒ ዝብሎ ዝነበረ ንጹህ እኳ እንተ ነበረ: ንሕነ ምፍዳይ ግን ኣይደገፈን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ሓደጎ።—2 ሳሙኤል 16:10-13
እቲ ወዱ ዝፈጸሞ ዕልዋ ምስ ፈሸለን ካብቲ ሃዲምሉ ዝነበረ ምስ ተመልሰን: ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክቕበሎን ይቕሬታ ክሓቶን ዝወጸ ሺምዒ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ እውን እንተዀነ ኣቢሻይ ክቐትሎ ደለየ: ዳዊት ግን ኣይፈቐደሉን።—2 ሳሙኤል 19:15-23
ኣብዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ዳዊት ነቲ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ . . . ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ክመስል በቒዑ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:23
ሎሚ እውን ክርስትያናት ‘ትሑታትን እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ዘይመልሱን’ ክዀኑ ኢዮም እተማዕዱ። (1 ጴጥሮስ 3:8, 9) ንሕና እውን ነቲ ዳዊትን የሱስ ክርስቶስን ዝሓደጉልና ኣብነት ብምስዓብ: ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ገይርና ክንስዕሮ’ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:17-21