-
ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃርግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 15 ሰነ
-
-
6, 7. (ሀ) መጀመርታ ንርእስና ኽንምህር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ንኽምህሩ ብቕዓት ዘይነበሮም ብኸመይ ኢዩ፧
6 መጀመርታ ንርእስና ኽንምህር ኣሎና እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጀመርታ ንርእስና እንተ ዘይምሂርና ንኻልኦት ብግቡእ ክንምህር ስለ ዘይንኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣመልኪቱ ናብቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘተኰረ: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ዕቱብ መልእኽቲ ዘለዎ ሓሳባት ጽሒፉ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ሓተተ:- “እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን: ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ . . . ኣታ ብሕጊ እትምካሕ: ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ አሎኻ፧”—ሮሜ 2:21-23
7 ጳውሎስ ጣቋ ብዘለዎ ዘረባ ገይሩ ነቲ ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ብቐጥታ እተዋህበ ኽልተ ትእዛዛት ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣይትስረቕ ከምኡውን ኣይትዘሙ ዝብል ኢዩ። (ዘጸኣት 20:14, 15) ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ገለ ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ስለ ዝነበረ ይሕበኑ ነበሩ። ‘ካብ ሕጊ እተማህሩ: መራሕቲ ዕዉራት: ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን: ንቘልዑ መምህር ከም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም።’ (ሮሜ 2:17-20) ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ብምስጢር ይሰርቁ ወይ ይዝምዉ ስለ ዝነበሩ ግቡዛት ኢዮም ነይሮም። እዚ ኸኣ ነቲ ሕጊ ዀነ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደራሲኡ ኣኽብሮት ዘይምህላው ኢዩ። ንርእሶም ይምህሩ ስለ ዘይነበሩ ንኻልኦት ንምምሃር ብቕዓት ከም ዘይነበሮም ከተስተውዕል ትኽእል ኢኻ።
8. ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ገሊኣቶም ኣይሁድ ‘ቤተ መቕደስ ዝሰረቑ’ ብኸመይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
8 ጳውሎስ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ምስራቕ ተዛሪቡ ኢዩ። ገሊኣቶም ኣይሁድ ቃል ብቓሉ ኸምኡ ገይሮም ድዮም፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧ ከም ሓቂ እንተዀይኑ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዙሕ ስለ ዘይትገልጸልና: ገሊኣቶም ኣይሁድ ብኸመይ ‘ቤተ መቕደስ ከም ዝሰረቑ’ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ከተማ ኤፌሶን ጸሓፊ: ብጾት ጳውሎስ ‘ሰረቕቲ ቤተ መቕደስ’ ዘይምዃኖም ተዛሪቡ ነይሩ: እዚ ድማ እንተ ወሓደ ገሊኣቶም ሰባት ኣይሁድ በዚ ጕዳይ እዚ ተሓተትቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ይሓስቡ ምንባሮም ዘመልክት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:29-37) ብወረርቲ ወይ በቶም ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ቅንኢ ዝነበሮም ሰባት ካብ ናይ ኣረማውያን ኣብያተ-መቕደስ እተዘምተ ክቡር ኣቕሑ ብውልቆም ይጥቀሙ ወይ ይነግዱ ድዮም ነይሮም፧ ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ብወርቂ ዀነ ብብሩር እተሰርሐ ጣኦት ክጠፍእ እምበር ኣብ ብሕታዊ መዓላ ኽውዕል ኣይግባእን ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 7:25)a ስለዚ ጳውሎስ ነቶም ንሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ በቲ ኻብ ኣረማዊ ቤተ መቕደስ ዝመጸ ኣቝሑ እተጠቕሙ ወይ ዝኸሰቡሉ ኣይሁድ ይእምት ነይሩ ይኸውን።
9. ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ ዝተሓሓዝ እንታይ ግጉይ ተግባራት ኢዩ ንቤተ መቕደስ ከም ምስራቕ ዝሕሰብ፧
9 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ጆሰፈስ: መምህር ናይ ሕጊ ዝመራሒኦም ኣርባዕተ ኣይሁድ ኣብ ሮሜ ዝፈጸምዎ ብልሽውና ኣዘንትዩ ኢዩ። እዞም ኣርባዕተ ሰባት ንሓንቲ እምነታ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረት ሮማዊት ሰበይቲ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤተ መቕደስ ወርቅን ካልእ ክቡር ነገራትን ክትውፊ ኣእመንዋ። ነዚ ኣብ ኢዶም ምስ ኣእተዉ: ንብሕቶም ተጠቕሙሉ፣ እዚውን ንቤተ መቕደስ ካብ ምስራቕ ኣይፍለን ኢዩ።b ካልኦት እውን ጐደሎ መስዋእቲ ብምቕራቦም ከምኡውን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ብስስዐ ንግዲ ብምክያድ ነቲ ቦታ “በዓቲ ጐሓሉት” ብምግባሮም ብገለ መዳይ ካብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ሰሪቖም ኢዮም።—ማቴዎስ 21:12, 13፣ ሚልክያስ 1:12-14፣ 3:8, 9
-
-
ንርእስኻን ንኻልኦትን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ምሃርግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 15 ሰነ
-
-
a ጆሰፈስ ንኣይሁድ ንቕዱስ ነገራት ዘየርክሱ ገይሩ እኳ እንተ ገለጾም ንሕጊ ኣምላኽ ግን ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ዋላ ሓደ ሰብ ካልኦት ከተማታት ንዘምልኽኦም ኣማልኽቲ ኣይጽረፍ: ናይ ካልኦት ቤተ መቕደስ ኣይስረቕ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ እተወፈየ መዝገብ ከኣ ኣይውሰድ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ጅዊሽ ኣንቲኲቲ 4ይ መጽሓፍ: ምዕራፍ 8: ሕጡብ ጽሑፍ 10
-