ዕዉት ሓዳር ንኽህልወካ ዘድሊ እንታይ ኢዩ፧
ምሕንባስ ከይከኣልካ ኣብ ሓደ ርባ ንኽትሕንብስ ዘሊልካዶ ምኣተኻ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕሽነት ዝመልኦ ተግባር ጐዳኢ: አረ ሞት ዘስዕብውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቶም ሓዳር ዘምጽኦ ሓላፍነታት ብኸመይ ከም ዝስከምዎ ዋላ ሓንቲ ከይፈለጡ ህውኽ ኢሎም ዝምርዓዉ ብዙሓት ሰባት እሞ ሕስብ ኣብል።
የሱስ “ካባኸትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ . . . ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧” በለ። (ሉቃስ 14:28) እዚ ብዛዕባ ምህናጽ ግምቢ እተዋህበ ሓሳብ ሓዳር ኣብ ምምስራት እውን ዝውዕል ኢዩ። እቶም ሓዳር ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ሓዳር ዝሓቶ ነገራት ከማልኡ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ንምርግጋጽ ነቲ ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ተጠንቂቖም ክጽብጽቡ ኣለዎም።
ሓዳር እንታይ ምዃኑ ምምርማር
ኣብ ህይወት ንዘጋጥም ሓጐስን ሓዘንን ሓቢሩ ዝካፈለካ ናይ መርዓ ብጻይ ክህልወካ ብሓቂ በረኸት ኢዩ። ሓዳር ነቲ ካብ ጽምዋ ወይ ተስፋ ምቝራጽ ዝመጽእ ናይ ባዶነት ስምዒት ከርሕቖ ይኽእል ኢዩ። ነቲ መፋጥርትና ዝዀነ ፍቕርን ብጻይነትን ምሕዝነትን ናይ ምድላይ ባህጊ ከማልኦ ይኽእል ኢዩ። ኣምላኽ ንኣዳም ድሕሪ ምፍጣሩ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ንኽብል ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ።—ዘፍጥረት 2:18፣ 24:67፣ 1 ቈረንቶስ 7:9
እወ: ሓዳር ምምስራት ገለ ግድላት ክፈትሕ ይኽእል ኢዩ። ገለ ሓደሽቲ ግድላት ግን የምጽእ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓዳር ክበሃል ከሎ ናይ ክልተ ክቃደዉ ዝኽእሉ ግን ከኣ ፈጺሞም ሓደ ዘይኰኑ እተፈላለዩ ኣካላት ውህደት ማለት ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ጽቡቕ ገይሮም ዝቃደዉ ሰብኣይን ሰበይትን እውን ከይተረፉ ሳሕቲ ምግርጫው የጋጥሞም ኢዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ዝምርዓዉ “ብስጋ መከራ” ወይ ድማ ከምቲ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ገሊጽዎ ዘሎ “ኣብዚ ስጋዊ ህይወት እዚ ቃንዛን ሓዘንን” ይረኽቡ ኢዮም ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 7:28
ጳውሎስ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ድዩ ነይሩዎ፧ ኣይፋሉን! ነቶም ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዝነበሩ ሰባት ክዉን ኣረኣእያ ክሕዙ ጥራይ ኢዩ ዝላበዎም ነይሩ። እቲ ብኻልእ ሰብ ብምምራኽካ ዝመጽእ ናይ ሓጐስ ስምዒት ነቲ መዓልቲ መርዓ ምስ ሓለፈ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕን ዓመታትን ሓዳር እንታይ ከም ዝመስል ብልክዕ ክሕብር ኣይክእልን ኢዩ። ኵሉ ሓዳር ነናቱ ዝዀነ ፍሉይ ብድሆን ግድላትን ኣለዎ። እቲ ሕቶ ግን ብድሆን ግድላትን ይለዓል ድዩ ኣይለዓልን ዘይኰነስ ምስ ዝልዓል ከመይ ገይርካ ኢኻ እትዋጽኣሉ ዝብል ኢዩ።
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ሓቀኛ ፍቕሪ ከም ዘለዎም ንኸርእዩ ግድላት ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኢዩ። ንኣብነት:- ሓንቲ መዛወሪት መርከብ ኣብ ወደብ ደው ኢላ ተዓሺጋ ኸላ ምልክዕቲ መሲላ ክትርአ ትኽእል ኢያ። ኣብ ባሕሪ ክትንሳፈፍ ትበቅዕ ድያ ኣይትበቅዕን ግን ኣብ ባሕሪ—ምናልባትውን ኣብ ማእከል ብርቱዕ ማዕበል—ኢዩ ዝረጋገጽ። ብተመሳሳሊ: ማእሰር ናይ ሓዳር ድልዱል ድዩ ኣይኰነን ኣብቲ ፍቕራዊ ርክብ ዘለዎ ሰላም ዝመልኦ እዋን ጥራይ ኣይኰነን ዝግለጽ። ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኸም ማዕበል ዝምሰል ጸገም ንኽዋጽእሉ ዝጽዕሩ ግድል ዝመልኦ ኵነታት እውን ይረጋገጽ ኢዩ።
ከምዚ ንምግባር: ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ቃል ክታኣታተዉ የድልዮም: ከመይሲ ዕላማ ኣምላኽ ሰብኣይ ‘ምስ ሰበይቱ ክጠብቕ’ ክልቲኦም ድማ ‘ሓደ ስጋ ክዀኑ’ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:24) እቲ ቓል ምእታው ዝብል ሓሳባት ሎሚ ንብዙሓት ሰባት የፍርሆም ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ንሓድሕዶም ብሓቂ ዝፋቐሩ ክልተ ሰባት ሓቢሮም ንኽነብሩ ልባዊ መብጽዓ ናይ ምእታው ድሌት ከም ዘሕድሩ ርግጽ ኢዩ። ቃል ምእታው ንሓዳር ክብሪ የምጽኣሉ ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ዘጋጥም ግድል እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ምዃኖም እምንቶ ንኽህሉ መሰረት የንብር።a ከምዚ ዝኣመሰለ ቓል ንምእታው ድሉው እንተድኣ ዘይኴንካ: ሓዳር ንኽትምስርት ብሓቂ ድሉው ኣይኰንካን። (ምስ መክብብ 5:4, 5 ኣረኣእዮ።) እቶም ድሮ ሓዳር ዝመስረቱ ሰባት እውን እንተዀኑ ቃል ምእታው ነባሪ ሓዳር ንምምስራት ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ዘለዎም ምርዳእ ከስፍሕዎ የድልዮም ይኸውን ኢዩ።
ርእስኻ ምምርማር
ናይ መርዓ ብጻይኩም ክህልዎ እትደልይዎ ባህርያት ምዝርዛር ከም ዝከኣል ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ሓዳር ከተበርክቶ እትኽእል ግደ እንታይ ምዃኑ ንምውሳን ርእስኻ ክትምርምር ግን ዝያዳ ኣጸጋሚ ኢዩ። ናይ ሓዳር መብጽዓ ቅድሚ ምእታውካን ድሕሪ ምእታውካን ርእስኻ ምምርማር ኣድላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ።
• ምስታ ናይ መርዓ ብጸይተይ ወይ ምስቲ ናይ መርዓ ብጻየይ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝሕልዎ ቃል ክኣቱ ፍቓደኛ ድየ፧ —ማቴዎስ 19:6
ኣብ ግዜ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነብዪ ዝዀነ ሚልክያስ: ምናልባት ንኣሽቱ ኣንስቲ ንኽምርዓዉ ኢሎም ኢዮም ዝዀኑ: ብዙሓት ሰብኡት ነተን ሔማኦም ይፈትሕወን ነበሩ። የሆዋ እቲ መሰውኢኡ ብንብዓት እተን ፍቱሓት ኣንስቲ ከም እተኸድነ ተዛረበ: ነቶም ንኣንስቶም ‘ዝጠለምወን’ ሰብኡት ድማ ኰነኖም።—ሚልክያስ 2:13-16
• ክምርዖ እሓስብ እንተድኣ ኣልየ: ነቲ ጾታዊ ስምዒት ዝሕይለሉን ቅኑዕ ውሳነ ንኸይወስድ ድማ ዝዓናቕፈንን ዕድመ ንእስነት ሰጊረዮ ድየ፧ —1 ቈረንቶስ 7:36
ሓንቲ ኣብ መበል 22 ዕድሚኣ እተመርዓወት ኒኪ ዝስማ ሰበይቲ “ብንእሽቶኻ ምምርዓው ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ” ትብል። “ስምዒትካን ሸቶኻን ምርጫኻን ካብ መወዳእታ ዕድመ ኮተቴ ክሳዕ መፋርቕን መወዳእታን 20ታት እትበጽሕ ይለዋወጥ ኢዩ” ኢላ ድማ ተጠንቅቕ። ርግጽ ኢዩ: ክትምርዖ ድሉው ምዃን ብዕድመ ጥራይ ክዕቀን ኣይክእልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ነቲ ጾታዊ ስምዒት ዝጅምረሉን ብፍላይ ድማ ሓያል ዝዀነሉን ዕድመ ንእስነት ከይሰገሮ ምምርዓው ንኣተሓሳስብኡ ከዘንብሎን ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ግድላት ከኣ ከም ዘይርእዮ ክገብሮን ይኽእል ኢዩ።
• ዕዉት ሓዳር ንኽህልወኒ ዝሕግዘኒ ከመይ ዝበለ ባህርያት ኢዩ ዘሎኒ፧ —ገላትያ 5:22, 23
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (ቈሎሴ 3:12) እዚ ምኽሪ እዚ ኣብቶም ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዘለዉን ኣብቶም ድሮ እተመርዓዉን ሰባት ዝውዕል ኢዩ።
• ኣብ ኣጸገምቲ ግዝያት ነቲ ናይ መርዓ ብጻይ ወይ ነታ ናይ መርዓ ብጸይቲ ንምድጋፍ ዘድሊ ብስለት ኣሎኒዶ ኢዩ፧ —ገላትያ 6:2
ሓደ ዶክተር ከምዚ ይብል:- “ግድላት ክለዓል ከሎ ዘሎ ዝንባለ ነቲ ናይ መርዓ ብጻይ ምውቃስ ኢዩ። ብዝያዳ ዘገድስ ግን እቲ ክውቀስ ዘለዎ መን ኢዩ ዝብል ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዘገድስ ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ናይ መርዓ ርክቦም ንምምሕያሽ ብኸመይ ክተሓባበሩ ይኽእሉ ዝብል ኢዩ።” ቃላት ናይቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ዝውዕል ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ: ዜተንስኦ የብሉን።”—መክብብ 4:9, 10
• ብሓፈሻ ሕጉስን ብሩህ ኣመለኻኽታ ዘሎንን ድየ ወይስ ኣዝየ ጕሁይን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘሎንን ኢየ፧—ምሳሌ 15:15
ሓደ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሰብ ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም ሕማቕ ኢዩ ዝርእያ። ሓዳር ነዚ ኣመለኻኽታ እዚ ብተኣምራታዊ መገዲ ኣይልውጦን ኢዩ! ሓደ ኣዝዩ ነቓፊ ወይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ንጽል ሰብ—ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ—ሓዳር ምስ ገበረ እውን ልክዕ ከምታ ዝነበራ ነቓፊ ወይ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ኢዩ ዝኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ሓዳር ከቢድ ውጥረት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ።—ምስ ምሳሌ 21:9 ኣረኣእዮ።
• ጸገም ክለዓል ከሎ ህድእ ድየ ዝብል ወይስ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ናይ ቍጥዓ ቃላት ኢየ ዝዛረብ፧—ገላትያ 5:19, 20
ክርስትያናት ‘ንዅራ ደንጐይቲ’ ክዀኑ ተኣዚዞም ኢዮም። (ያእቆብ 1:19) ቅድሚ መርዓ ይኹን ኣብ እዋን መርዓ: ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ምስቲ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዝብል ምኽሪ ተሰማሚዖም ናይ ምንባር ክእለት ከማዕብሉ ኣለዎም።—ኤፌሶን 4:26
ነቲ ናይ መርዓ ብጻይካ ክኸውን ዘለዎ ሰብ ምምርማር
ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ ‘ለባም ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን’ ኢሉ ይገልጽ። (ምሳሌ 14:15) ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ ናይ መርዓ ብጻይ ኣብ ምምራጽ ዝውዕል ኢዩ። ናይ መርዓ ብጻይ ምምራጽ: ካብቶም ሰብ ኣብ ህይወቱ ዝወስዶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ውሳነታት ሓደ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝምርዓዉዎ ሰብ ኣብ ምውሳን ዘይኰነስ እንታይ ዓይነት ማኪና ከም ዝዕድጉ ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ከም ዝማሃሩ ንምውሳን ዝያዳ ግዜ ከም ዘሕልፉ ክርአ ተኻኢሉ ኢዩ።
እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ብሕድሪ እተዋህቦም ሰባት ‘ቅድም ብቑዓት ምዃኖም እተመርመሩ’ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:10 NW ) ክትምርዖ ሓሲብካ እንተድኣ ኣሎኻ: ብዛዕባ ‘ብቕዓት’ ናይቲ ሰብ ርግጸኛ ክትከውን ከድልየካ ኢዩ። ንኣብነት: ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ርአ። እዚ ሕቶታት እዚ ካብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝብልኦ ኣረኣእያ ዝቐረበ እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ካብዚ ስርዓታት እዚ ንደቂ ተባዕትዮ እውን ዝምልከት ኢዩ። እቶም እተመርዓዉ እውን እንተዀኑ ነዚ ነጥብታት እዚ ምስ ዝምርምርዎ ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም።
• ኣብ ሰባት ከመይ ዝበለ ስም ኢዩ ዘለዎ፧ —ፊልጲ 2:19-22
ምሳሌ 31:23 ብዛዕባ ሓደ “ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ” ዝዀነ ሰብኣይ ትገልጽ። ዓበይቲ ዓዲ ናይ ሓንቲ ገጠር ፍርዲ ንምሃብ ኣብ ደገ እታ ገጠር ኮፍ ይብሉ ነበሩ። ስለዚ: እዚ ሰብኣይ እዚ በቲ ህዝቢ ሕድሪ ተዋሂብዎ ከም ዝነበረ ንጹር ኢዩ። እቲ ካልኦት ሰባት ኣብ ሓደ ሰብኣይ ዘለዎም ኣረኣእያ እንታይ ዓይነት ስም ከም ዘለዎ ይሕብር ኢዩ። ተግባራዊ እንተድኣ ዀይኑ ድማ: እቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም ዝምልከትዎ እውን ሕሰቢ። እዚ ከም ናይ መርዓ ብጸይቱ መጠን ድሕሪ ገለ ግዜ ብኸመይ ከም እትምልከትዮ ክሕብር ይኽእል ኢዩ።—ምስ 1 ሳሙኤል 25:3, 23-25 ኣረኣእዮ።
• ከመይ ዝበለ ስነ -ምግባር ኢዩ ዘለዎ፧
ኣምላኻዊት ጥበብ “ቅድም ንጽህቲ” ኢያ። (ያእቆብ 3:17) እቲ ናይ መርዓ ብጻይኪ ክኸውን ዘለዎ ሰብ ካብቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለኩም ኣቕዋም ንላዕሊ ብናይ ብሕቱ ጾታዊ ዕግበት ድዩ ኣዝዩ ዝግደስ፧ ሕጂ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ስነ-ምግባር መዐቀኒታት ተሰማሚዑ ክነብር ዘይጽዕር እንተድኣ ዀይኑ: ድሕሪ መርዓ ክጽዕር ኢዩ ኢልኪ ንኽትኣምኒ ዝገብረኪ እንታይ መሰረት ክህሉ ይኽእል፧—ዘፍጥረት 39:7-12
• ብኸመይ ኢዩ ዝሕዘኒ፧ —ኤፌሶን 5:28, 29
እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ንሰበይቱ ‘ዝእመና’ ሰብኣይ ትገልጽ። ብተወሳኺውን: “ይንእዳ” ኢዩ። (ምሳሌ 31:11, 28) ሕሉፍ ቅንኢ የብሉን: እቲ ኣብኣ ዝገብሮ ትጽቢት ድማ ዘይምኽንያታዊ ኣይኰነን። ያእቆብ እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ “ሰላማዊት: ልእምቲ [“ምኽንያታዊት:” NW ] . . . ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት” ምዃና ጸሓፈ።—ያእቆብ 3:17
• ነቶም ኣባላት ስድራቤቱ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዞም፧—ዘጸኣት 20:12
ንወለዲ ምኽባር ንቘልዑ ጥራይ ዝምልከት ነገር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ይብል። (ምሳሌ 23:22) እቲ ዘገርም ዶክተር ዳብሊዩ. ህዩ ሚሰልዲን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዘለዉ ወድን ጓልን ገዛ ሓድሕዶም ብወዝቢ ዝበጻጽሑ እንተድኣ ዀይኖም: እቲ ‘ሕጹይ’ ወይ እታ ‘ሕጽይቲ’ ምስ ወለዳ/ዱ ዘለዋ/ዎ ርክብ ድማ እንተድኣ ተዓዚቡዋ/ባቶ ሓያሎ ናይ መርዓ ግድላትን ዘይምቅዳዋትን ክውገድ ወይ ድማ እንተወሓደ ኣቐዲምካ ክትፈልጦ ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣብ ወለዱ ዘለዎ ኣረኣእያ ነቲ ኣብታ በዓልቲ ቤቱ ዝህልዎ ኣረኣእያ ይጸልዎ ኢዩ። ሓደ ሰብ ‘ከምቲ ንወለዱ ዝሕዞም ገይሩ ክሕዘኒዶ እደሊ ኢየ፧’ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። እቲ ወለዱ ኣብኡ ዘለዎም ኣተሓሕዛ ድሕሪ ሕጽኖት ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ከም ዝሕዛን ኣብቲ ምስኡ እትገብርዮ ርክብ ከመይ ዝበለ ትጽቢት ከም ዝገብረልክን ጽቡቕ ሓበሬታ ይኸውን ኢዩ።”
• ንኽሓርቕ ወይ ንኽጻረፍ ይድረኽ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ብምባል ይምዕድ። (ኤፌሶን 4:31) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ እቶም ‘ብኽትዕን ብዘባእስ ዘረባን ዝሓመሙ’ ከምኡውን ‘ንቕንኢ: ባእሲ: ጸርፊ: ሕሱም ጥርጥር: ብርቱዕ ጽልኢ’ መገዲ ዝኸፍቱ ገለ ክርስትያናት ኣጠንቀቖ።—1 ጢሞቴዎስ 6:4, 5
ብተወሳኺውን: ጳውሎስ እቲ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ክረክብ ዝበቅዕ ሰብ “ዘይዋቓዕ” ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ ግሪኽ ድማ “ዘይጓሰጥ” ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 3:3 እግረ-ጽሑፍ NW ) ንሰባት ዝወቅዕ ወይ ብቓል ዘፈራርሕ ሰብ ክኸውን የብሉን። እቲ ኣብ ገለ ዘሕርቕ ኣጋጣሚ ዓመጸኛ ክኸውን ዝድረኽ ሰብ ብቑዕ ናይ መርዓ ብጻይ ኣይኰነን።
• እንታይ ሸቶታት ኣለዎ፧
ገሊኦም ደድሕሪ ሃብቲ ይስዕቡ እሞ ነቲ ዘይተርፍ ሳዕቤኑ ድማ ይዓጽዱ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካልኦት ድማ ዝበጽሕዎ ሸቶ ዘይብሎም ምሉእ ህይወቶም ብዘይ ዕላማ ይነብሩ። (ምሳሌ 6:6-11) ይኹን እምበር: ሓደ ኣምላኻዊ ሰብ ከምቲ “ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” ዝበለ እያሱ ዝገበሮ ቈራጽነት ኢዩ ዘርኢ።—እያሱ 24:15
ዓስብታትን ሓላፍነታትን
ሓዳር ብየሆዋ ኣምላኽ ዝቘመን እተመስረተን መለኮታዊ ትካል ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:22-24) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መንጕኦም ነባሪ ማእሰር ብምቛም ንሓድሕዶም ምእንቲ ኽተሓጋገዙ ኢሉ ኢዩ ነቲ ናይ ሓዳር ምድላው ዝሰርዖ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል: ሰብኣይን ሰበይትን ኣዝዮም ሕጉሳት ክዀኑ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።—መክብብ 9:7-9
ይኹን እምበር: ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ከም ዘሎና ክንግንዘብ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኽፉእ ዘመን ሰባት ‘ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራቤቶም እኳ ዘይብሎም: ተቐየምቲ: ኣሕሊፎም ዝህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ’ ክዀኑ ምዃኖም ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ሓዳር ናይ ሓደ ሰብ ሓያል ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እቶም ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዘለዉ ሰባት ነቲ ክሳራ ኣርዚኖም ክሓስብሉ ኣለዎም። እቶም ሕጂ ተመርዕዮም ዘለዉ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መለኮታዊ መምርሒ ብምምሃርን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ሕብረቶም ከማሓይሹ ክጽዕሩ ኣለዎም።
እወ: እቶም ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዘለዉ ሰባት ክንዮ እቲ መዓልቲ መርዓ ምስ ዝጥምቱ ሰናይ ይገብሩ። ኵሎም ሰባት ነቲ ምምርዓው ዝብል ሓሳብ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ምርዑው ኴንካ እተሕልፎ ህይወት እውን ክሓስብሉ ኣለዎም። ብስምዒት ዘይኰነስ ነቲ ተግባራዊ ዝዀነ ነገራት ምእንቲ ክትሓስብ መምርሒ ንኽህበካ ናብ የሆዋ ጠምት። ከምዚ ብምግባር ዕዉት ሓዳር ሃልዩካ ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a መጽሓፍ ቅዱስ ተፋቲሕካ እንደገና ንኽትምርዖ ዘፍቅድ ብሓደ ምኽንያት: እዚ ድማ “ዝሙት” ማለት ካብ ሓዳር ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጸም ጥራይ ኢዩ።—ማቴዎስ 19:9
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]
“ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘንበብክዎ እቲ ዝበለጸ ናይ ፍቕሪ መግለጺ”
ዶክተር ኬቭን ሊማን ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ብሓቂ ከም ዘፍቀርካ ብኸመይ ኢኻ እትፈልጥ፧ ሓደ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ዝሓዘ ናይ ጥንቲ መጽሓፍ ኣሎ። እዚ መጽሓፍ እዚ ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ኢዩ። ገና ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘንበብክዎ እቲ ዝበለጸ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ።”
ዶክተር ሊማን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4-8 ዝርከብ ቃላት ናይቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ:-
“ፍቕሪ ዓቃል እያ: ፍቕሪ ለዋህ እያ: ፍቕሪ ኣይትቐንእን: ፍቕሪ ኣይትጀሀርን ኣይትንፋሕን: ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን: ኣይትምረርን: ኣይትቕየምን እያ: ብሓቂ ትሕጐስ እምበር: ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኵሉ ትጸውር: ኵሉ ትአምን: ኵሉ ተስፋ ትገብር: ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ።”
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ስምዒት ከታልል ይኽእል ኢዩ
እታ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረት ሱላሚት ናይ ፍቕሪ ስምዒት ናይ ምትላል ሓይሊ ከም ዘለዎ ጽቡቕ ገይራ ትርዳእ ከም ዝነበረት ፍሉጥ ኢዩ። በቲ ሓያል ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን ምስ ተማረኸት ድማ ‘ንፍቕሪ ክሳዕ እትደሊ: ከየተንስኣኣን ከየበራብራኣን’ ነተን መሓዙታ ነገረተን። (መሃልየ መሃልይ 2:7) እዛ ጥበበኛ መንእሰይ እዚኣ መሓዙታ ብስምዒታ ንኽትምራሕ ጸቕጢ ክገብራላ ኣይደለየትን። እዚ ኣብነት እዚ ነቶም ሎሚ ክምርዓዉ ዝሓስቡ ዘለዉ ሰባት እውን ዝጠቅም ኢዩ። ንስምዒትካ ኣጽኒዕካ ተቘጻጸሮ። ክትምርዖ እንተድኣ ዄንካ: ሓዳር ክትገብር ስለ ዝሓሰብካ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሰብ ስለ ዘፍቀርካዮ እውን ክኸውን ኣለዎ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ቅድሚ ነዊሕ ግዜ እተመርዓዉ እውን እንተዀኑ ንማእሰር መርዕኦም ከደልድልዎ ይኽእሉ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ንወለዱ ብኸመይ ኢዩ ዝሕዞም፧