-
“ካብ ምንዝርና ህደሙ”“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
-
-
3. ውዲት በላዓም ክሳዕ ክንደይ እዩ ተዓዊቱ፧
3 እዚ ስልቲ እዚ ዓዪዩ ድዩ፧ ብእተወሰነ ደረጃ: እወ ዓዪዩ እዩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ሰብኡት ‘ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ብምምንዛር’ በቲ መህረሪ ሰዲዖም እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣማልኽቲ ሞኣብ ኬምልኹ ጀመሩ፣ ሓደ ኻብቲ ኣማልኽቶም ድማ በዓል-ጴዖር ዚበሃል ዜፈንፍን ኣምላኽ ፍርያምነት ወይ ጾታዊ ርክብ ነበረ። ከም ሳዕቤኑ: 24,000 እስራኤላውያን ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ሞቱ። ከመይ ዝበልዎ ዜሕዝን ነገር ኰን እዩ!—ዘሁልቍ 25:1-9
-
-
“ካብ ምንዝርና ህደሙ”“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
-
-
4. ኣሽሓት እስራኤላውያን ብምንዝር ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧
4 ነዚ ጥፍኣት እዚ መገዲ ዝጸረገ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብቲ ኻብ ግብጺ ዘውጸኦምን ኣብቲ በረኻ ዝመገቦምን ናብታ ምድሪ ተስፋ ብደሓን ዝመርሖምን ኣምላኾም የሆዋ ብምርሓቕ እኩይ ልቢ ኣማዕቢሎም ነይሮም። (እብራውያን 3:12) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለ:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር።”a—1 ቈረንቶስ 10:8
-
-
“ካብ ምንዝርና ህደሙ”“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
-
-
a እቲ ኣብ ዘሁልቍ ዚርከብ ኣሃዝ ነቶም ብፈራዶ እተቐትሉ 1,000 ኣቢሎም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ “ሓላቑ ህዝቢ” ኸምኡውን ነቶም የሆዋ ብቐጥታ ዝቐዘፎም ህዝቢ ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ።—ዘሁልቍ 25:4, 5
-