በረኸት ወይ መርገም—ሎሚ ንዓና ዝኸውን ኣብነታት
“እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም:ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ”—1 ቈረንቶስ 10:11
1. ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሓደ መሳርሒ ዝምርምሮ: እንታይ ምርመራ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
መራት ብሕብሪ ተሸፊኑ ከይተራእየ ካብ ሓጺን ንእተሰርሐ መሳርሒ ይበልዖ ኢዩ። እቲ መራት ብላዕሊ ከይተራእየ ከሎ ገለ ግዜ ኣቐዲሙ ነቲ ሓጺንግልጺ ንኽትከውን ይበልዖ ይኸውን። ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ልቢ ናይ ሓደ ሰብ ዘሎ ኣረኣእያን ትምኒትን ከቢድ ሳዕቤን ከየምጽአ ወይ እውን ብኻልኦት ከይተፈልጠ ከሎ ኣቐዲሙ ክበላሾ ይጅምር ይኸውን። ከምቲ ሓደ መሳርሒ ምምራቱን ዘይምምራቱን ብጥበብ እንምርምሮ: ከምኡ ድማ ነልባብና ኣጸቢቕና ምስ እንምርምሮ ከምኡውን በብግዜኡ ጽገና ምስ እንገበረሉ ክርስትያናዊ ንጽህናና ክንዕቅቦ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ: በረኸት ኣምላኽ ብምቕባል መለኮታዊ መርገም ከነወግድ ንኽእል ኢና። ገሊኣቶም እቲ ኣብ ልዕሊ ጥንታውያን እስራኤል እተገልጸ በረኸትን መርገምን ነዞም ኣብ መደምደምታ እዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ ሰባት ዳርጋ ዘይምልከት ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። (እያሱ 8:34, 35፣ ማቴዎስ 13:49, 50፣ 24:3) ይኹን እምበር: ከምኡ ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 10 ተገሊጹ ዘሎ ካብቲ ንእስራኤል ዝምልከት ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ብዙሕ ጥቕሚ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
2. 1 ቈረንቶስ 10:5, 6 ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዘሕለፍዎ ተመክሮ እንታይ ትብል፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ: ነቶም ኣብ ትሕቲ ሙሴ ዝነበሩ እስራኤላውያን ምስቶም ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ዘለዉ ክርስትያናት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:1-4) ሽሕ’ኳ ህዝቢ እስራኤል ኣብታ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ዝኽእሉ እንተነበሩ: “ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን: ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ።” ስለዚ ድማ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ ከምዚ በሎም:- “እዚ ኸኣ: ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ: መለበሚ ዀነልና።” (1 ቈረንቶስ 10:5, 6: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ትምኒት ኣብ ልቢ ኢዩ ዝዓቢ: ስለዚ ድማ ነቲ ጳውሎስ ጠቒስዎ ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ከነቕልበሉ የድልየና ኢዩ።
ንኣምልኾ ጣኦት ዝምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ
3. ምስቲ ወርቃዊ ምራኽ ብተታሓሓዘ እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዮም ዝሓጥኡ፧
3 ጳውሎስ ዝሃቦ ናይ መጀመርያ መጠንቀቕታ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኢዩ:- “እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ: ዚብል ከም እተጻሕፈ: ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ።” (1 ቈረንቶስ 10:7: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት እዚ: እስራኤላውያን ናብ ናይ ግብጺ መገድታት ምምላሶምን ንኣምልኾ ጣኦት ዝኸውን ወርቃዊ ምራኽ ምስርሖምን ዝገልጽ ኢዩ። (ዘጸኣት: ምዕራፍ 32) ወደ መዝሙር እስጢፋኖስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ነቲ ዝነበረ መሰረታዊ ግድል ገሊጽዎ ኢዩ:- “ንእኡ [ነቲ ወኪል ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ] ኣቦታትና አበይዎ እምበር: ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን: ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። ንኣሮን ድማ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ: ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና: በልዎ። በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ: መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ: ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:39-41) እቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ኣብ ‘ልቦም’ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ዝመርሕ ጌጋ ትምኒት ከም ዝነበሮም ኣስተውዕል። “ምራኽ ገበሩ: መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ።” ብተወሳኺ “ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም።” ሙዚቃ: ደርፊ: ሳዕስዒት: ብልዒ: ከምኡውን መሰተ ነበረ። ብርግጽ: እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዘስድዕን ዘዘናግዕን ኢዩ ነይሩ።
4, 5. እንታይ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ተግባራት ኢና ከነወግዶ ዘድልየና፧
4 እዛ ናይ ግብጺ ጽላሎት ዝዀነት ናይ ሰይጣን ዓለም: ብልክዕ ንመዘናግዒ ተምልኽ ኢያ (1 ዮሃንስ 5:19፣ ራእይ 11:8) ንተዋሳእቲ: ደረፍቲ: ውሩያት ስፖርተኛታት: ምስ ደርፎምን ሙዚቃኦምን ከምኡውን ዘለዎም ባህታን ሓጐስን ሓዊስካ ኣምልኾ ጣኦት ኢያ እትገብሮም። ብዙሓት ሰባት ጌና ንየሆዋ ነምልኾ ኢና እናበሉ ከለዉ ገዛእ ርእሶም ኣብ መዘናግዒታት ንምጥሓል ተፈቲኖም ኢዮም። ሓደ ክርስትያን በቲ ዝገበሮ ጌጋ ተግሳጽ ክወሃቦ እንተድኣ ኰይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዝደኸመ መንፈሳዊ ኵነታቱ ብምኽንያት እቲ ዝነበሮ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ: ሳዕስዒት: ከምኡውን ብገለ መገዲ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዝቀራረብ ደስ ዘብል ግዜ ናይ ምሕላፍ ልማድ ኰይኑ ክጸንሕ ይኽእል ይኸወን። (ዘጸኣት 32:5, 6,17, 18) ገለ መዘናግዒታት ጥዑይን ዘሐጕስን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሎሚ ዘሎ መብዛሕትኡ ዓለማዊ ሙዚቃ: ሳዕስዒት: ፊልምታት: ከምኡውን ቪድዮታት ብልሹው ዝዀነ ስጋዊ ትምኒታት ዘሳሲ ኢዩ።
5 ሓቀኛታት ክርስትያናት ንኣምልኾ ጣኦት ኣይምብርከኹን ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 6:16፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ነፍሲ ወከፍና ናይ ኣምልኾ ጣኦታዊ መዘናግዒታት ወልፊ ከይሕዘናን ብዓለማዊ መገዲ ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍ ዘምጽኦ ጐዳኢ ሳዕቤናት ከይረኽበናን ጥንቁቓት ንኹን። ገዛእ ርእስና ንዓለማዊ ጽልዋታት እንተድኣ ኣቃሊዕናያ: ሕማቕ ትምኒታትን ኣረኣእያታትን ከይተፈለጠና ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ክሰፍር ይኽእል ኢዩ። እንተድኣ ዘይተዓርዩ ድማ ቀስ ኢሉ ‘ኣብ በረኻ’ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ‘ከም እንውዳእ’ ክገብረና ይኽእል ኢዩ።
6. ንመዘናግዒ ዝምልከት እንታይ ኣወንታዊ ስጕምቲ ኢና ክንወስድ ዘድልየና፧
6 ልክዕ ከምቲ ሙሴ እቲ ወርቃዊ ምራኽ ኣብ እተሰርሓሉ ግዜ ዝበሎ: እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድማ “ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ናባይ ይምጻእ” ይብል ኣሎ። ብወገን እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ጸኒዕና ደው ኢልና ከም ዘሎና ንምርኣይ ኣወንታዊ ስጕምቲ ምውሳድ ሕጂ ህይወት ዘድሕን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ናይ ሙሴ ዓሌት ዝነበሩ ሌዋውያን ነቲ ዘዋርድ ጽልዋታት ንምጥፋእ ህጹጽ ስጕምቲ ወሲዶም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47: ትሓዓ፣ ዘጸኣት 32:26-28) ስለዚ እምበኣር እቲ ንመዘናግዒ: ሙዚቃ: ቪድዮ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት እትገብሮ ምርጫ ተጠንቂቕካ መርምሮ። ብገለ መገዲ ብልሹው ምስ ዝኸውን: ወገንካ ምስ የሆዋ ግበር። ብጸሎት ቀሪብካ ኣብ የሆዋ ብምውካል: ኣብቲ ንመዘናግዕን ሙዚቃን እትገብሮ ምርጫ ለውጢ ግበር: ከምቲ ሙሴ ነቲ ወርቃዊ ምራኽ ዘጥፍኦ ድማ ነቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ጐዳኢ ዝዀነ ነገራት ኣጥፍኣዮ።—ዘጸኣት 32:20፣ ዘዳግም 9:21
7. ንምሳልያዊ ልቢ ብኸመይ ኢና ክንከላኸለሉ እንኽእል፧
7 ልብና ብመራት ምእንቲ ከይብላዕ ብኸመይ ኢና ክንከላኸል እንኽእል፧ ንቓል ኣምላኽ ህርኩታት ኴንና ብምጽናዕ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓቂ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ክሰርጽ ብምግዳፍ ኢና ክንከላኸል እንኽል። (ሮሜ 12:1, 2: ትሓዓ ) ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ኣሎና። (እብራውያን 10:24, 25) ኣብ ኣኼባታት ምኻድ: ንጡፍ ተሳትፎ ግን ዘይምግባር ንሓደ ዝመረተ ነገር ሕብሪ ከም ምልካይ ክምሰል ይኽእል ኢዩ። እዚ ንግዜኡ ከም ዘሎና ከምስል ይኽእል ኢዩ: ነቲ መሰረታዊ ግድል ግን ኣይፈትሖን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣቐዲምና ብምድላውን ብምስትንታንን: ከምኡውን ኣብ ኣኼባታት ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባርን ነቲ ኣብቲ ሕቡእ ናይ ምሳልያዊ ልብና ክፍሊ ዕግንግን ዝብል ከመርት ዝኽእል ነገራት ኣጸቢቕና ከነልግሶ ንኽእል ኢና። እዚ ናብ ቃል ኣምላኽ ክንጠብቕ: ናይ እምነት ፈተናታት ክንጽመም ከሐይለና: ከምኡውን “[“ብዅሉ መዳያት:” ትሓዓ ] ምሉኣት” ክንከውን ክሕግዘና ኢዩ።—ያእቆብ 1:3, 4፣ ምሳሌ 15:28
ንምንዝር ዝምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ
8-10. (ሀ) ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:8 እንታይ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) እቲ ኣብ ማቴዎስ 5:27, 28 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
8 ኣብታ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝሃባ ኣብነት: ከምዚ ዝስዕብ ተማዒድና ኣሎና:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር።”a (1 ቈረንቶስ 10:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ እስራኤላውያን ንሓሶት ኣማልኽቲ ምስ ሰገዱ ከምኡውን ‘ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝሩ [“ዘይስነ-ምግባራዊ ርክባት ክገብሩ:” ትሓዓ ]’ ምስ ተንስኡ ዝነበረ ግዜ ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። (ዘሁልቍ 25:1-9) ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዘስዕብ ኢዩ! ዘይስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባን ትምኒትን ክቕጽል ስቕ ኢልካ ምፍናዉ: ንልቢ “ክምርት” ስቕ ኢልካ ምሕዳጉ ማለት ኢዩ። የሱስ ከምዚ ኢሉ ይገለጽ:- “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 5:27, 28
9 ‘ንሰበይቲ ንኽትብህጋ ኢልካ ምጥማት’ ውጽኢት ናይ ዘዋርድ ኣተሓሳስባ ናይቶም ቅድሚ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:1, 2) እቲ ኣብ ህይወት ንጉስ ዳዊት ዝወረደ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ፍጻመታት እውን ብዘይግቡእ ኣብ ሓንቲ ሰበይቲ ብቐጻሊ ብምጥማቱ ምዃኑ ዘክር። (2 ሳሙኤል 11:1-4) ኣንጻር ናይዚ እቲ በዓል ሓዳር ዝነበረ ጻድቕ እዮብ ‘ናብ ቈንጆ ግልጽ ምእንቲ ከይብል ምስ ኣዒንቱ ኪዳን ተኣታተወ:’ ስለዚ ድማ ዘይስነ-ምግባራውነት ኣልገሰ: ሓላዊ ንጽህና ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (እዮብ 31:1-3, 6-11) ኣዒንቲ ከም መሳዅቲ ልቢ ክምሰላ ይኽእላ ኢየን። ካብቲ እተበላሸወ ልቢ ድማ ኢዩ ብዙሕ እኩይ ነገራት ዝወጽእ።—ማርቆስ 7:20-23
10 ናይ የሱስ ቃላት ኣብ ግብሪ ነውዕል እንተድኣ ኴንና: ስእለ-ጽዩፍ ነገራት ብምርኣይ ወይ ብዛዕባ ብጻይና ክርስትያን: መሳርሕትና: ወይ ብዛዕባ ካልእ ዝዀነ ሰብ ዘይስነ-ምግባራዊ ሓሳባት ብምሓዝ ጌጋ ኣተሓሳስባታት ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ናጽነት ኣይንህቦን ኢና። ነቲ ተበሊዑ ዘሎ ጥራይ ብምሕካኽ መራት ካብ ሓጺን ኣየልግስን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንዘይስነ-ምግባራዊ ዝዀነ ሓሳባትን ዝንባለታትን ኣቕሊልካ ብምርኣይ ሸፈፍ ኢልካዮም ኣይትሕለፍ። ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ዝንባለታት ካብ ገዛእ ርእስኻ ንኸተልግስ ጽኑዕ ስጕምቲ ውሰድ። (ምስ ማቴዎስ 5:29, 30 ኣረኣእዮ።) ጳውሎስ ንብጾቱ ኣመንቲ ከምዚ ኢሉ መዓዶም:- “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ: ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ . . . ይወርድ እዩ።” እወ: ብሰሪ ከም እኒ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ዝኣመሰለ ነገራት ድማ “ቝጥዓ ኣምላኽ” ከም መግለጺ መርገም ኰይኑ “ይወርድ እዩ።” ስለዚ እቲ ነዚ ነገር እዚ ዝምልከት ክፍሊ ኣካላትና ‘ክንቀትሎ’ ኣሎና።—ቈሎሴ 3:5, 6
ንናይ ዕልወት ምዕዝምዛማት ዝምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ
11, 12. (ሀ) ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:9 እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ እተዋህበ: እንታይ ፍጻመታትከ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (ለ) ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧
11 ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ: ንክርስቶስ [“ንየሆዋ:” ትሓዓ ] ኣይንፈትኖ።” (1 ቈረንቶስ 10:9) ኣብ በረኻ ኣብ ዶብ ናይ ኤዶም ነዊሕ ጕዕዞ ክገብሩ ከለዉ: እስራኤላውያን “ኣብዚ እንጌራ የልቦን: ማይ ድማ የልቦን: ነዚ ፈኵሽ እንጌራ:” ብትእምርቲ እተዋህበ ማና: “ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ: ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ።” (ዘሁልቍ 21:4, 5) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቶም እስራኤላውያን ነቲ ዝገበረሎም ምድላው ብምንዓቕ ‘[“ኣንጻር:” ትሓዓ ] ኣምላኽ ተዛረቡ!’
12 እስራኤላውያን ብምዕዝምዛሞም ንትዕግስቲ የሆዋ ፈቲኖምዎ ኢዮም። የሆዋ መርዛማት ኣትማን ምስ ሰደደ ብዙሓት ካብኣቶም ብተመን ተነኺሶም ስለ ዝሞቱ ካብ መቕጻዕቲ ኣየምለጡን። እቶም ህዝቢ ምስ ተናስሑ: ሙሴ ድማ ኣብ ክንዳኦም ምስ ለመነ እቲ መዓት ኣቋረጸ። (ዘሁልቍ 21:6-9) ብርግጽ እዚ ፍጻመ እዚ: ብፍላይ ኣንጻር ኣምላኽን ቲኦክራሲያዊ ስርዓቱን ናይ ምዕላው: ናይ ምዕዝምዛም መንፈስ ከይነንጸባርቕ መጠንቀቕታ ዝዀነና ኢዩ።
ንምጕርምራም ዝምልከት እተዋህበ መጠንቀቕታ
13. 1 ቈረንቶስ 10:10 ኣንጻር እንታይ ኢያ እተጠንቅቐና: ጳውሎስከ ብዛዕባ ኣየናይ ዕልወት ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧
13 ነቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝምልከት ናይ መወዳእታ ኣብነት ብምጥቃስ: ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ [“ዘጕረምረሙ: ትሓዓ ] እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም: ኣይነዕዘምዝም [“ኣይነጕረምርም: ትሓዓ ]።” (1 ቈረንቶስ 10:10) ቆራሕ: ዳታን: ኣቢራም: ከምኡውን ተሓባበርቶም ቲኦክራሲያዊ ብዘይኰነ መገዲ ምስ ተመላለሱ ከምኡውን ንስልጣን ሙሴን ኣሮንን ኣብ ሕቶ ምስ ኣእተውዎ ዕልወት ተላዕለ። (ዘሁልቍ 16:1-3) እቶም ዓለወኛታት ምስ ጠፍኡ እስራኤላውያን ከጕረምርሙ ጀመሩ። ናይቶም ዓለወኛታት ምጥፋእ ዘይፍትሓዊ ኢዩ በሉ። ዘሁልቍ 16:41 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ንጽብሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል: ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ: ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።” ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ፍትሒ መንቅብ ክረኽቡ ብምፍታኖም 14,700 እስራኤላውያን በቲ ብመለኮታዊ መገዲ እተላእከ መዓት ጠፍኡ።—ዘሁልቍ 16:49
14, 15. (ሀ) ሓደ ካብቲ እቶም ኣብታ ጉባኤ ሰሊኾም ኣትዮም ዝነበሩ “ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም” ሰባት ዝገበርዎ ሓጢኣት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካብቲ ንቆራሕ ዝምልከት ፍጻመ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
14 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ኣትዮም ዝነበሩ “ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም” ሰባት ሓሰውቲ መምህራንን መጕረምረምትን ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ‘ንጐይትነትን ንመዓርጋት ክብርን’ ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ናይታ ጉባኤ ከማሓድሩ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዝነበሩ ቅቡኣት ሰብኡት ‘ዘቃልሉን ዝጸርፉን’ ኢዮም ነይሮም። ብዛዕባ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ከሓድቲ እቲ ወደ መዝሙር ይሁዳ ከምዚ በለ:- “እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ [“መጕረምረምቲ:” ትሓዓ ]: ንዕድሎም ዚነቕፉ: ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም።” (ይሁዳ 3, 4, 8, 16) ሎሚ: ገለ ውልቀ-ሰባት ብመንፈስ ዘመርት ኣረኣእያ ኣብ ልቦም ክዓቢ ስለ ዘፍቅዱ መጕረምረምቲ ይዀኑ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘይፍጽምና ናይቶም ነታ ጉባኤ ንኽዕዘቡ ሓላፍነት ወሲዶም ዘለዉ ሰባት ብምትኳር ኣንጻሮም ከጕረምርሙ ይጅምሩ። እቲ ምጕርምራሞምን ምዕዝምዛሞምን ነቲ ጽሑፋት ናይቲ ‘እሙን ባርያ’ ናብ ምንቃፍ እውን ከይተረፈ ክሓልፍ ይኽእል ኢዩ።
15 ብዛዕባ ሓደ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስቲ ቅንዕና ዘለዎ ሕቶ ምሕታት ግቡእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ብጾትና ዝለዓል: ናብ ነቐፌታ ድማ ዝመርሕ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ነዕቢ እንተድኣ ኣሊናኸ፧ ንገዛእ ርእስና ‘እዚ ምጕርምራም እዚ መወዳእትኡ ኣበይ ኢዩ ክበጽሕ፧ ምጕርምራም ብምቍራጽ ጥበብ ክህበና ድማ ብትሕትና ምጽላይ ዝያዳ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧’ ኢልና ንሕተት። (ያእቆብ 1:5-8፣ ይሁዳ 17-21) እቶም ኣንጻር ስልጣን ሙሴን ኣሮንን ዝዓለዉ ቆራሕን ደገፍቱን: ነቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ኣረኣእያ ልክዕ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ ንድራኼታቶም ኣይመርመሩን። ይኹን እምበር: ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ኢዮም ነይሮም። እቶም ብዛዕባ ምጥፋእ ቆራሕን እቶም ካልኦት ዓለወኛታትን ዘጕረምረሙ እስራኤላውያን እውን ድራኼኦም ኣይመርመሩን። ድራኼታትና ንኽንምርምርን ምጕርምራም ወይ ምዕዝምዛም ንኸነወግድን የሆዋ ንኸጽርየና ክንፈቅድን እዚ ከምዚ ዝበለ ኣብነትታት ከለዓዕለናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ!—መዝሙር 17:1-3
ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ትምህርቲ ብምውሳድ በረኸት ኣስተማቕር
16. ናይቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:11, 12 ዘሎ ማዕዳ ቁም ነገር እንታይ ኢዩ፧
16 ጳውሎስ ብመለኮታዊ መሪሕነት ተደሪኹ ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት ዝርዝር በዚ ዝስዕብ ማዕዳ ደምደሞ:- “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ።” (1 ቈረንቶስ 10:11, 12) ነቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ቦታ ብኸምኡ ከም ዝረኸብናዮ ገይርና ኣይንውሰዶ።
17. ኣብ ልብና ዘይግቡእ ድራኸ ምስ እነሕድር እንታይ ኢና ክንገብር ዝግባእ፧
17 ከምቲ ሓጺን ናይ ምምራት ዝንባለ ዘለዎ: ንሕና ናይቲ ሓጥእ ኣዳም ዘርኢ ዝዀንና ድማ ብተመሳሳሊ ሕማቕ ናይ ምግባር ዝንባለ ኣሎና። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12) ስለዚ ድማ: ኣብ ልብና ዘይግቡእ ድራኸ ምስ ዝህልወና ተስፋ ክንቈርጽ ኣይግብኣናን። ኣብ ክንድኡስ: ቈራጽ ስጕምቲ ንውሰድ። ሓጺን ኣብ ጥልቁይ ቦታ ወይ ኣብ ከመርቶ ዝኽእል ከባቢ ምስ ዝህሉ ምምራቱ ይቀላጠፍ ኢዩ። ናብቲ ናይ ሰይጣን ዓለም “ኣየር” ምስቲ ኵሉ ግዕዙይ መዘናግዒታቱ: ፍኑው ዘይስነ-ምግባራውነቱ: ናይ ኣተሓሳስባ ኣሉታዊ ዝንባለኡ ካብ ምቕላዕ ክንርሕቕ ኣሎና።—ኤፌሶን 2:1, 2
18. ነቲ ጌጋ ዝንባለ ናይ ደቅሰባት ዝምልከት የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧
18 የሆዋ ንደቅሰብ ነቲ ዝወረስናዮ ክፉእ ናይ ምግባር ዝንባለ ክንቃወመሉ እንኽእል መገዲ ኣዳልዩልና ኢዩ። እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ነቲ ሓደ ወዱ ሃበ። (ዮሃንስ 3:16) ጠቢቕና ኣሰር የሱስ ምስ እንስዕብ: ናይ ክርስቶስ ዝመስል ባህርይ ድማ ምስ እነንጸባርቕ ንኻልኦት በረኸት ክንከውን ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) መርገም ዘይኰነስ መለኮታዊ በረኸት እውን ክንቅበል ኢና።
19. ንቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ብምርኣይ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
19 ሽሕ’ኳ ከምቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበርዎ ጌጋ ናብ ምግባር እተቓላዕና እንተዀንና: ዝመርሓና ምሉእ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ኣሎና። ካብቲ ትሕዝቶኡ የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ምምልላስን በቲ “ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን” ዝዀነ የሱስ እተራእየ ጠባያትን ክንማሃር ንኽእል ኢና። (እብራውያን 1:1-3፣ ዮሃንስ 14:9, 10) ጸሎትን ህርኩት መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋትን ብምግባር “ሓሳብ ክርስቶስ” ክህልወና ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:16) ምስ ፈተናታትን ካልእ ግድላት ናይ እምነትናን ክንጋጠም ከሎና: ነቲ ናይ ጥንቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት: ብፍላይ ድማ ነቲ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ብምርኣይ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተድኣ ገይርና እቲ ክወርድ ዘለዎ መለኮታዊ መርገም ኣይከጋጥመናን ኢዩ። ኣብ ክንዳኡስ ሕጂ ስምረት የሆዋ: በረኸቱ ድማ ንዘለኣለም ከነስተማቕር ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ነቲ ጳውሎስ ኣምለኽቲ ጣኦት ከይንኸውን ዝሃበና ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንኽእል፧
◻ እቲ ሃዋርያ ኣንጻር ምንዝር ዝሃቦ መጠንቀቕታ ንኸነቕልበሉ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
◻ ምጕርምራምን ምዕዝምዛምን ከነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
◻ መርገም ዘይኰነስ: መለኮታዊ በረኸት ብኸመይ ክንቅበል ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
መለኮታዊ በረኸት ንደሊ እንተድኣ ኴንና ኣምልኾ ጣኦት ከነወግድ ኣሎና
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ መራት ክለግስ ዘድልዮ: ካብ ልብና ዘይግቡእ ድራኸታት ንምውጋድ ኣወንታዊ ስጕምቲ ንውሰድ