ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 46 1 ቈረንቶስ
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ኤፌሶን
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 55 ድ.ክ.
ቈረንቶስ “ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን እከይ ዚራኸበላ: ውርይትን እተወናውንን ከተማ” እያ ነይራ።a ኣብ መንጎ ጰሎጶነሱስን ኣብ መንጎ እቲ ምስ ክፍለ ዓለም ኣውሮጳ ለጊቡ ዘሎ ኽፋል ግሪኽን ኣብ ዚርከብ ጸቢብ ክሳድ መሬት እያ እትርከብ። ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ 400,000 ዚኣኽሉ ተቐማጦ ነበርዋ: ብብዝሒ ተቐማጦ ድማ ሮሜን እስክንድርያን ኣንጾክያ ናይ ሶርያን ጥራይ እየን ዚበልጻኣ ነይረን። ንቈረንቶስ ብሸነኽ ምብራቓ ባሕሪ ኤጀያ ይርከብ: ብሸነኽ ምዕራባ ኸኣ ወሽመጥ ቈረንቶስን ባሕሪ ኣዮንያን ይርከብ። ስለዚ: እታ ርእሲ ኸተማ ኣውራጃ ኣካይያ ዝነበረት ቈረንቶስ: ክንክርኤስን ለካዩምን ዚበሃል ክልተ ወደብ ዝነበራ ብምንባራ: ንግዳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ስትራተጅያዊ ቦታ ሒዛ ነበረት። ማእከል ትምህርቲ ግሪኻውያን እውን ነበረት። “ሃብታ ኣዝዩ ግኑን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ምስላ ይምሰለሉ ነበረ፣ እከይን ብዕልግናን ነበርታ እውን ከምኡ ነበረ።”።b ካብቲ ኣረማዊ ሃይማኖታታ ሓደ: ኣምልኾ ኣፍሮዳይት (ብሮማውያን ቨኑስ እትበሃል) ነበረ። ህርፋን ጾታዊ ትምኒት ሓደ ኻብቲ ሰብ ቈረንቶስ ዜምልኽዎ ዝነበሩ ነገር እዩ።
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብዛ ኣብ ናይ ሮማውያን ዓለም ብልጽግቲ: ግን ከኣ ብስነ-ምግባር ብልሽውቲ መዲና እዩ ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ እተጓዕዘ። ኣብቲ ኣብኣ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝጸንሓሉ ግዜ: ኣብታ ኸተማ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቘመት። (ግብ. 18:1-11) ጳውሎስ ነቶም ንፈለማ ግዜ ብዛዕባ ክርስቶስ ብስራት ዘብጸሓሎም ኣመንቲ ኣጸቢቑ የፍቅሮም ነበረ። ኣብታ መልእኽቱ ነቲ ምስኡ ዘለዎም መንፈሳዊ ምትእስሳር ብዚምልከት ከምዚ በሎም:- “ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ አለዉኹም: ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ: ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን።”—1 ቈረ. 4:15
3 ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ጥዕና እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ዝነበሮ ዓሚቝ ሓልዮት ተላዒሉ: ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኸሎ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ንኺጽሕፈሎም ደረኾ። ካብቲ ኣብ ቈረንቶስ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ሒደት ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። እዋኑ 55 ድ.ክ. ኣቢሉ ኪኸውን ከሎ: ጳውሎስ ከኣ ኣብ ኤፌሶን ነበረ። ካብታ ብተዛማዲ ሓዳስ ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ ደብዳበ ዝመጾ እዩ ዚመስል: መልሲ ኺህብ ድማ ነበሮ። ብተወሳኺ: ዚርብሽ ወረ እውን በጽሖ። (7:1፣ 1:11፣ 5:1፣ 11:18) እቲ ዝሰምዖ ኣመና ስለ ዝረበሾ: ነታ ሕቶ ዝለኣኹሉ ደብዳበ እኳ ኽሳዕ ምዕራፍ 7 ኣይጠቐሳን። ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺጽሕፍ ዝደረኾ ቐንዲ ምኽንያት እምበኣር: እቲ ዝሰምዖ ወረ እዩ።
4 ጳውሎስ ንቐዳማይ ቈረንቶስ ኣብ ኤፌሶን ከም ዝጸሓፋ ግን ብኸመይ ንፈልጥ፧ ሓደ ምኽንያት: ንመልእኽቱ ብሰላምታታት ኪድምድም ከሎ: ንኣኪላስን ንጵርስኪላን ጠቒስዎም ኣሎ። (16:19) ግብሪ ሃዋርያት 18:18, 19 ከኣ ንሳቶም ካብ ቈረንቶስ ናብ ኤፌሶን ከም ዝገዓዙ ትሕብር እያ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብኡ ስለ ዝነበሩን ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ መደምደምታ ዝጠቐሶ ሰላምታ ስለ ዝጠቐሶምን: ነታ መልእኽቲ እቲኣ ኺጽሕፋ ኸሎ ኣብ ኤፌሶን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ ጕዳይ እዚ ዘየማትእ ዚገብሮ ግን: እቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:8 “ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ” ኢሉ ዝጸሓፎ እዩ። ስለዚ: ጳውሎስ ንቐዳማይ ቈረንቶስ ኣብ ኤፌሶን እዩ ጽሒፍዋ፣ እቲ እተጻሕፈትሉ እዋን ከኣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ኣብታ ኸተማ ዝጸንሓሉ ግዜ እዩ ዚመስል።
5 ሓቅነት ቀዳማይ ቈረንቶስን ካልኣይ ቈረንቶስን ዜተሓታትት ኣይኰነን። ቀዳሞት ክርስትያናት ነዘን መልእኽትታት እዚኣተን ጳውሎስ ከም ዝጸሓፈንን ቀኖናዊ ምዃነንን ተቐቢሎምዎስ ምስቲ ዝኣከብዎ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ጠርኒፎምወን ነበሩ። ኣብታ ብ95 ድ.ክ. ካብ ሮሜ ናብ ቈረንቶስ እተላእከት ቀዳማይ ቅሌምንጦስ ተባሂላ እትፍለጥ ደብዳበ: ካብ ቀዳማይ ቈረንቶስ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ሳዕ ሓሳብ ተወሲዱ ወይ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ይእመን። እቲ ጸሓፊ ነቶም እታ ደብዳበ እተላእኸትሎም ሰባት “ንመልእኽቲ እቲ ብሩኽ ሃዋርያ ጳውሎስ ተቐበልዋ” ኺብል ከሎ ንቐዳማይ ቈረንቶስ ብዚምልከት እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።c ጀስቲን ማርቲርን ኣቴናጎራስን ኢሪንየስን ተርቱልያንን እውን ካብ ቀዳማይ ቈረንቶስ ጠቒሶም ኣለዉ። ቀዳማይ ቈረንቶስን ካልኣይ ቈረንቶስን ዚርከቦ እኩብ መልእኽትታት ጳውሎስ: “ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት እቲ ቐዳማይ ዘመን ከም እተጠርነፈ” ዚሕብር ሓያል መርትዖ ኣሎ።d
6 ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ: ንጉባኤ ቈረንቶስ ውሽጣ ንኽንፈልጣ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። እቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ኪሰግርዎ ዝነበሮም ጸገማትን መልሲ ዘድልዮ ሕቶታትን ነበሮም። ኣብታ ጉባኤ ገሊኦም ንሰባት ይስዕቡ ብምንባሮም ምጕጅጃል ተፈጢሩ ነበረ። ዜሰምብድ ጾታዊ ርኽሰት እውን ተፈጺሙ ነበረ። ገሊኦም ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት ይነብሩ ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ዘይኣመንቲ መጻምድቶም ድዮም ኪቕጽሉ ዘለዎም ወይስ ኪፈላለዩ፧ ንጣኦታት እተሰውአ ስጋ ብዛዕባ ምብላዕከ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧ ኪበልዑ ይኽእሉ ድዮም፧ ሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ኣመራርሓ ኣኼባታቶም: እንተላይ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ድራር ጐይታ ምኽሪ ኣደለዮም። ኣንስቲ ኣብታ ጉባኤ እንታይ ቦታ እዩ ኺህልወን ዚግባእ፧ ካብ ማእከሎም ንትንሳኤ ዝኸሓዱ ሰባት እውን ነይሮም እዮም። ስለዚ: ሓያሎ ጸገማት ነበሮም። ነቲ ሃዋርያ ብፍላይ ዘገደሶ ግን ንሰብ ቈረንቶስ ብመንፈሳዊ ኸም ዚጥዕዩ ምግባር እዩ ነይሩ።
7 እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዝነበረ ዅነታት ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ኣብታ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረ ብልጽግናን ብዕልግናን ምስዚ ግዜና ዚመሳሰል መዳያት ስለ ዘለዎ: እቲ ጳውሎስ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፎ ብሉጽ ምኽሪ ኣቓልቦና ዚግብኦ እዩ። እቲ ዝጸሓፎ ነገራት ንግዜና ብዙሕ ትርጕም ዘለዎ ስለ ዝዀነ: ኣብታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዝሃቦም ሓሳባት ብሓቂ ጠቓሚ እዩ። ኣብቲ ግዜ እትን ኣብቲ ቦታ እትን ዝነበረ መንፈስ ዘክሮ። እቲ ጳውሎስ ነቶም ጥንቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾቱ እተዛረቦም በሊሕን ዜነቓቕሕን መንፈስ ዝነፈሶን ቃላት ክንምርምር ከለና: ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝነበሮም ኣዕሚቝካ ሕሰበሉ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
23 እዛ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ስለ እትጠቅስ: ብዛዕባኡ ዘሎና ምርዳእ ኣብ ምስፋሕ ኣዝያ ጠቓሚት እያ። ጳውሎስ ኣብታ ዓስረይቲ ምዕራፍ: እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴ ኻብ መንፈሳዊ ኸውሒ ኸም ዝሰተዩ: ንሱ ድማ ክርስቶስ ምዃኑ ሓበረ። (1 ቈረ. 10:4፣ ዘሁ. 20:11) ድሕሪኡ ነቶም ብሙሴ ዚምርሑ ዝነበሩ እስራኤላውያን ከም ኣብነት ገይሩ ብምጥቃስ: እከይ ምምናይ ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት ኪገልጽ ከሎ: “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ” በለ። ክንወድቕ ከም ዘይንኽእል ጌርና ብምሕሳብ: ብርእስና እምብዛ ኣይንተኣማምን። (1 ቈረ. 10:11, 12፣ ዘሁ. 14:2፣ 21:5፣ 25:9) ጳውሎስ እንደገና ኻብ ሕጊ ሙሴ ኣብነት ወሰደ። ነቲ ኣብ እስራኤል ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምስጋና ድሕሪ ምጥቃሱ: እቶም ካብ ድራር ጐይታ ዚወስዱ: ካብ መኣዲ የሆዋ ንኺምቀሉ ብቑዓት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ሓበሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ: ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ስጋ ምብላዕ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ዝሃቦ ሓሳብ ንኼራጕድ ኢሉ: “ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ” ብምባል ካብ መዝሙር 24:1 ጠቐሰ።—1 ቈረ. 10:18, 21, 26፣ ዘጸ. 32:6፣ ዘሌ. 7:11-15
24 ጳውሎስ: ‘ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም’ ጸብለል ዘበለ ምዃኑ: “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት” እዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ኸንቱ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: እንደገና ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣተኰረ። (1 ቈረ. 2:9፣ 3:20፣ ኢሳ. 64:4፣ መዝ. 94:11) ኣብ ምዕራፍ 5 ንዝኣበሰ ብዛዕባ ምውጋድ ዝሃቦ መምርሒታት ምንጪ ዝዀኖ ኺሕብር ከሎ: ነቲ “ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ” ዚብል ሕጊ የሆዋ ጠቐሰ። (ዘዳ. 17:7) በቲ ኣገልግሎቱ እናተመሓደረ ኺናበር መሰል ከም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ: ኣፍ ዚዓዩ እንስሳታት ኪእሰር ከም ዘይብሉን ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግሉ ሌዋውያን ግደኦም ካብቲ መሰውኢ ኸም ዚወስዱን ብምሕባር ካብ ሕጊ ሙሴ ጠቐሰ።—1 ቈረ. 9:8-14፣ ዘዳ. 25:4፣ 18:1
25 ካብታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኸመይ ዝበለ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒታት ኰን ኢና እንረክብ! ነቲ ኽንጐጃጀልን ንሰባት ክንስዕብን ከም ዘይግባእ እተዋህበ ምኽሪ ኣስተንትነሉ። (ምዕራፍ 1-4) ነቲ እተፈጸመ ጾታዊ ርኽሰት ከምኡውን ጳውሎስ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ንጽህና ኸም ዜድሊ ብኸመይ ከም ዘጕልሐ ዘክር። (ምዕራፍ 5, 6) ብዛዕባ ንጽል ምዃንን መርዓን ምፍልላይን ዝሃቦ ማዕዳ ኣብ ግምት ኣእትዎ። (ምዕራፍ 7) ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ምግቢ ዝሃቦ መግለጺ: ከምኡውን ንኻልኦት ከይንዕንቅፍን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ከይንወድቕን ክንጥንቀቕ ከም ዚግባእ ብኸመይ ከም ዝጐልሐ ሕሰበሉ። (ምዕራፍ 8-10) ብዛዕባ ግቡእ ተገዛእነት: ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበት: ከምኡውን ብዛዕባ እታ ዘይትሃስስ ቀጻሊት ፍቕሪ ዘለዋ ጸብለልትነት ዚገልጽ ማዕዳ ተዋሂቡ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓት ከም ዜድሊ እውን እቲ ሃዋርያ ብግቡእ ኣጕሊሑ እዩ። (ምዕራፍ 11-14) ብመንፈስ ኣምላኽ እናተመርሐ ብዛዕባ ትንሳኤ ብዜደንቕ መገዲ ተጣቢቑ እዩ። (ምዕራፍ 15) እዚ ዅሉን ካልእ ኣብዚ ዘይተጠቕሰን ነጥብታት ተገሊጹ ኣሎ: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከኣ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ!
26 እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ዜደንቕ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ትውስኸሉ እያ። ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትውዋ ሓያል መጠንቀቕታ ትህብ: ከም ዘይወርስዋ ዚገብሮም ሓያሎ እከይ እውን ትዝርዝር። (1 ቈረ. 6:9, 10) ልዕሊ ዅሉ ግን: ኣብ መንጎ ትንሳኤን መንግስቲ ኣምላኽን ዘሎ ምትእስሳር ትገልጽ። እቲ “በዅሪ” ትንሳኤ ዝዀነ ክርስቶስ: “ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ” ከም ዚግብኦ ትሕብር። ንዅሎም ጸላእቱ: እንተላይ ንሞት: ምስ ሰዓሮም: “እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ: . . . ኵሉ ኣብ ኵሉ . . . ኪኸውን” እዩ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ኣብ ኤድን ብዛዕባ መንግስቲ እተኣትወ መብጽዓ ንምፍጻም: ክርስቶስ ምስቶም ዝተንስኡ መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ዀይኑ ንርእሲ እቲ ተመን ምሉእ ብምሉእ ኪጭፍልቖ እዩ። ትንሳኤ እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚካፈሉ ዘበሉ: ብሓቂ ዓብዪ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ ብምምርኳስ እዩ ኸምዚ ኢሉ ዝመዓደ:- “ስለዚ: ፍቁራት ኣሕዋተየ: ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።”—1 ቈረ. 15:20-28, 58፣ ዘፍ. 3:15፣ ሮሜ 16:20
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሃሊስ ባይብል ሃንድቡክ: 1988: ኤች. ኤች. ሃሊ: ገጽ 593።
b ስሚዝስ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል: 1863: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 353።
c ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል: 10ይ ጥራዝ: 1953: ገጽ 13።
d ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል: 9ይ ጥራዝ: 1954: ገጽ 356።