የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ
“እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ [“ብምሉእ ነፍሲ: ” NW ] ግበርዎ። ”—ቈሎሴ 3:23
1, 2. (ሀ) እቲ ክህልወና ዝኽእል ዝዓበየ መሰል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ንኣምላኽ ንምግልጋል ኵሉ እቲ እንደልዮ ክንገብር ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ንየሆዋ ምግልጋል ካብቲ ክህልወና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር እቲ ዝዓበየ መሰል ኢዩ። እዚ መጽሔት እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ክርስትያናት ብእተኻእለ መጠን ‘ኣዝዮም’ ብምግልጋል እውን ከይተረፈ: ኣብቲ ኣገልግሎት ክጽመዱ ከተባብዕ ምጽንሑ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። (1 ተሰሎንቄ 4:1) ይኹን እምበር: ኵሉ ሳዕ ንዅሉ እቲ ልብና ንኣምላኽ ንምግልጋል ክንገብሮ ዝደልየና ነገራት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ዳርጋ 40 ዓመታት ይገብር ሓንቲ እተጠመቐት ንጽል ሓብቲ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ኵነታተይ ምሉእ መዓልቲ ክሰርሕ ኢዩ ዘገድደኒ። ንኽሰርሕ ዝገብረኒ ምኽንያት ክቡርን ዘመናውን ክዳውንቲ ንምጥራይ ወይ ከኣ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ወሲደ ብመርከብ ንኽዛወር ዘይኰነስ ንህይወት ኣድለይቲ ዝዀኑ ነገራት: እንተላይ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ወጻኢታት ንምሽፋን ኢዩ። ንየሆዋ ተረፍ ጥራይ ይህቦ ከም ዘሎኹ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።”
2 ንኣምላኽ ምፍቃር ኣብቲ ዕዮ ስብከት ዝከኣለና ዘበለ ንምግባር ድሌት ከነሕድር ይድርኸና። ኣብ ናብራና ዘጋጥመና ኵነታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ክንገብሮ እንኽእል ይድርቶ ኢዩ። ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ሓዊስካ ንኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት ምሕላይ ንዝበዝሕ ግዜናን ሓይልናን ክወስዶ ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8) ኣብዚ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ህይወት ኣዝዩ በዳሂ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ክንገብሮ እንደሊ ዘበለ ዅሉ ምግባር ክንስእን ከሎና: ጽቡቕ ኣይስምዓናን ኢዩ። ኣምላኽ ብኣምልኾና ይሕጐስ ደዀን ይኸውን ኢልና ድማ ንሓስብ ንኸውን።
ጽባቐ ናይቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት
3. የሆዋ ካብ ኵልና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 103:14 የሆዋ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ ሓመድ ምዃንና [ኸኣ] ይዝክር እዩ” ብምባል ኣጸቢቑ የረጋግጸልና። ንዓቕምታትና ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል ብዝያዳ ይርድኦ ኢዩ። ካብቲ ክንህቦ እንኽእል ንላዕሊ ኣይሓተናን ኢዩ። እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ: ናይ ናብርኡ ኵነታት ብዘየገድስ: ክውፍዮ ዝኽእል ነገር ኢዩ ዝጽበ:- “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ [“ብምሉእ ነፍሲ:” NW ] ግበርዎ።” (ቈሎሴ 3:23) እወ: የሆዋ ዅልና ብምሉእ ነፍስና ከነገልግሎ ኢዩ ዝጽበየና።
4. ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
4 ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እታ ‘ብምሉእ ነፍሲ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስያመ: ቃል ብቓሉ “ካብ ነፍሲ” ማለት ኢያ። “ነፍሲ” ምስ ኵሉ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ክእለታቱ ንምሉእ ኵለንትና ናይ ሓደ ሰብ ኢዩ ዘመልክት። ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ እምበኣር: ንዅሉ ክእለትናን ጕልበትናን ብዝከኣል መጠን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ መሊእና ምጥቃም ማለት ኢዩ። ብቕልል ዝበለ ኣዘራርባ: ነፍስና ክትገብሮ እትኽእል ነገር ምግባር ማለት ኢዩ።—ማርቆስ 12:29, 30
5. ኵላትና ሓደ ዓይነት ኣገልግሎት ክንገብር ግዴታ ከም ዘይብልና ኣብነት ናይ ሃዋርያት ብኸመይ ኢዩ ዘርእየና፧
5 ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ ኵላትና ኣብቲ ኣገልግሎት ሓደ ዓይነት መጠን ክህልወና ኣለዎ ማለት ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይክእል ነገር ኢዩ: ከመይሲ ኵነታትን ክእለትን: ካብ ሰብ ናብ ሰብ እተፈላለየ ኢዩ። ነቶም እሙናት ሃዋርያት የሱስ ንርአ። ናይ ኵላቶም ናይ ምግባር ክእለት መጠኑ ሓደ ዓይነት ኣይነበረን። ንኣብነት: ብዛዕባ ገለ ካብቶም ሃዋርያት: ከም እኒ ስምኦን ብዓል ቃናን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን: ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የብልናን። ምናልባት እቲ ከም ሃዋርያት መጠን ክገብርዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ንጥፈት ድሩት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:2-4) ጴጥሮስ ግን ምስ እዚኣቶም ክነጻጸር ከሎ ብዙሕ ከቢድ ሓላፍነታት ክቕበል ክኢሉ ኢዩ: እወ: የሱስ እኳ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ከይተረፈ እውን ሂብዎ ኢዩ! (ማቴዎስ 16:19) ይኹን እምበር ጴጥሮስ: ልዕሊ እቶም ካልኦት ክብ ከም ዝብል ኣይተገብረን። ዮሃንስ (ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ) ኣብ ራእይ: ናይታ ሓዳስ የሩሳሌም ትርኢት ምስ መጾ: 12 መሰረት ኣእማን ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ “ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት”a ተጻሒፍዎ ረኣየ። (ራእይ 21:14) ሽሕ’ኳ ገሊኣቶም ካብ ካልኦት ዝያዳ ክገብሩ እንተ ኸኣሉ: የሆዋ ንኣገልግሎት ናይ ኵሎም ሃዋርያት ኣኽቢሩ ኢዩ ርእይዎ።
6. ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ: እቲ ኣብ “ጽቡቕ ምድሪ” እተዘርአ ዘርኢ እንታይ ኰነ: እ ንታይ ሕቶታትከ ይልዓሉ፧
6 ብተመሳሳሊ መገዲ: የሆዋ ካብ ኵልና ሓደ ዓይነት ናይ ስብከት መጠን ኣይጽበን ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ንዕዮ ስብከት ምስ ዘርኢ ምዝራእ ኣተሓሒዝሉ ዘሎ ምሳሌ ናይቲ ዘራኢ ነዚ ሓቢርዎ ኣሎ። እቲ ዘርኢ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ኢዩ ወዲቑ: እዚ ድማ ነቲ እተፈላለየ ዓይነት ኵነታት ልቢ—በቶም ነቲ መልእኽቲ ዝሰምዑ ሰባት ዝንጸባረቕ—ዘመልክት ኢዩ። የሱስ “እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ: ንሱ ፍረ ይፈሪ: ገሊኡ ሚእቲ: ገሊኡ ስሳ: ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ” ብምባል ገለጸ። (ማቴዎስ 13:3-8, 18-23) እዚ ፍረ እዚ እንታይ ኢዩ: ብእተፈላለየ መጠን ዝፈሪኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
7. ፍረ ናይቲ እተዘርአ ዘርኢ እንታይ ኢዩ: ብእተፈላለየ መጠን ዝፈሪኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 እቲ እተዘርአ ዘርኢ “ቃል መንግስቲ” ስለ ዝዀነ: ፍረ ምፍራይ ድማ ነቲ ቃል ምስፍሕፋሕ: ማለት ብዛዕብኡ ንኻልኦት ምዝራብ ኢዩ ዘመልክት። (ማቴዎስ 13:19) መጠን ናይቲ ዝፈሪ ፍረ እተፈላለየ: ማለት ካብ ሰላሳ ክሳዕ ሚእቲ ኢዩ: እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ናብራ ህይወት ዘሎ ክእለታትን ኵነታትን እተፈላለየ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ሓደ ጽቡቕ ጥዕናን ድልዱል ኣካላትን ዘለዎ ሰብ: ካብቲ ብምኽንያት ሕዱር ሕማም ወይ ከኣ ብምኽንያት ዕድመ ምድፋእ ሓይሉ ዝደኸመ ሰብ ኣብ ስብከት ከሕልፎ ዝኽእል ዝያዳ ግዜ ከሕልፍ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ካብ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ናጻ ዝዀነ ንጽል መንእሰይ: ካብቲ ንስድራቤቱ ዘድልዮም ምእንቲ ከዳልወሎም ምሉእ መዓልቲ ክሰርሕ ዘለዎ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ዝያዳ ክገብር ይኽእል ኢዩ።—ምስ ምሳሌ 20:29 ኣረኣእዮ።
8. የሆዋ ነቶም ብዝከኣሎም መጠን ነቲ ነፍሶም ክህቦ ዝኽእል ዘቕርቡ ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶም፧
8 ብኣረኣእያ ኣምላኽ እቲ ብምሉእ ነፍሱ ሰላሳ ዝፈሪ ሰብ ካብቲ ሚእቲ ዝፈሪ ሰብ ዝተሓተ ተወፋይነት ኣለዎ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! መጠን ናይቲ ፍረ ክፈላለ ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር እቲ ዝቐርብ ኣገልግሎት እቲ ዝበለጸ ነፍስና ክህቦ ዝኽእል እንተድኣ ዀይኑ የሆዋ ይሕጐስ ኢዩ። እቲ እተፈላለየ መጠን ናይቲ ፍረ ኵሉ ኻብቲ “ጽቡቕ ምድሪ” ዝዀነ ኣልባብ ከም ዝወጸ ኣይትረስዕ። እታ “ጽቡቕ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስያመ (ካ ·ሎስ ʹ) ንሓደ “ምልኩዕ” እሞ “ንልቢ ዘሐጕሶ: ንዓይኒ ድማ ባህታ ዘምጽኣሉ” ነገር ኢያ እትገልጽ። ዝከኣለና እንተድኣ ገይርና ኣልባብና ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ምልኩዕ ከም ዝኸውን ምፍላጥሲ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!
ኣብ ንሓድሕዱ ምውድዳር ኣይተገብረን
9, 10. (ሀ) ልብና ናብ ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክመርሓና ዝኽእል፧ (ለ) እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:14-26 ዘሎ ምሳሌ: የሆዋ በቲ እንገብሮ ምስ ካልኦት ከም ዘየወዳድረና ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ይኹን እምበር: እቲ ዘይፍጹም ልብና ንነገራት ብእተፈልየ መገዲ ክግምግሞ ይኽእል ኢዩ። ንኣገልግሎትና ምስቲ ናይ ካልኦት የወዳድሮ ይኸውን። ‘ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ካብቲ ናተይ ኣዝዩ ዝዛየደ ይገብሩ ኣለዉ። የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ብኣገልግሎተይ ክሕጐስ ዝኽእል፧’ ዝብል ምኽንያት የቕርብ ይኸውን።—ምስ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣረኣእዮ።
10 ሓሳባት የሆዋን መገድታቱን ካብቲ ናትና ኣዝዩ ዝለዓለ ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:9) የሆዋ ንብሕታዊ ጻዕርታትና በየናይ መገዲ ከም ዝምልከቶ ካብ 1 ቈረንቶስ 12:14-26 ገለ ዕሙቝ ዝበለ ሓሳብ ክንረክብ ንኽእል ኢና: ኣብዚ ጥቕሲ እዚ እታ ጉባኤ ምስ ሓደ ብዙሕ ክፍልታት—ኣዒንቲ: ኣእዳው: ኣእጋር: ኣእዛንን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን—ዘለዎ ኣካል ተመሳሲላ ኣላ። ብዛዕባ እቲ ቃል ብቓሉ ኣካል እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብል። ንኣዒንትኻ ምስ ኣእዳውካ ወይ ከኣ ንኣእጋርካ ምስ ኣእዛንካ ምውድዳሩስ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ! ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እተፈልየ ዕዮ ኣለዎ: ኵሎም እቶም ክፍልታት ግን ጠቐምትን ዓቢ ግምት ዝዋሃቦምን ኢዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ: የሆዋ ካልኦት ዝዛየደ ይግበሩ ወይ ዝተሓተ ብዘየገድስ ነቲ ብምሉእ ነፍስኻ እትገብሮ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ።—ገላትያ 6:4
11, 12. ሀ) ገሊኣቶም “ድኹማት” ወይ ከኣ ‘ሕሱራት’ ከም ዝዀኑ ክስምዖም ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣገልግሎትና ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶ፧
11 ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን: ዕድመ ምድፋእ: ወይ ከኣ ብኻልእ ኵነታት ዓቕምታትና ስለ ዝውሰን: ሓድሓደ ግዜ ገለ ካባና “ድኹማት” ወይ ከኣ ‘ሕሱራት’ ከም ዝዀንና ይስምዓና ይኸውን። ይኹን እምበር የሆዋ ንነገራት ብኸምኡ ኣይኰነን ዝርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ: ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ: . . . ግናኸ . . . ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሀበ: ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ።” (1 ቈረንቶስ 12:22-24) ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንዓቕምታትና ኣብ ግምት ብምእታው ንኣገልግሎትና ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ። ልብኻ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝርዳእን ፈቃርን ኣምላኽ ክትገብረሉ ዝከኣለካ ንምግባር ክትደሊ ኣይድርኸካንዶ፧
12 እቲ ንየሆዋ ዘገድሶ እምበኣር ብመጠን እቲ ኻልእ ሰብ ዝገብሮ ክትገብር ዘይኰነስ ንስኻ—ነፍስኻ—ብብሕቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኢዩ። የሆዋ ንብሕታዊ ጻዕርታትና ኣኽቢሩ ከም ዝርእዮ: በቲ የሱስ ኣብ እዋን እተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ምድራዊ ህይወቱ ብዛዕባ ክልተ ኣዝየን እተፈላለያ ኣንስቲ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት ኣዝዩ ስምዒት ብዝትንክፍ መገዲ ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ።
ናይ ሓንቲ መማሰዊት ሰበይቲ “ብዙሕ ዝዋጋኡ” ህያብ
13. (ሀ) ማርያም ነቲ ቅዱይ ቅብኢ ኣብ ርእሲ የሱስን ኣእጋሩን ከተፍስሶ ከላ ዝነበረ ኵነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) እቲ ማርያም ዘፍሰሰቶ ቅብኢ ዋግኡ ክንደይ ነበረ፧
13 ዓርቢ ምሸት 8 ኒሳን: የሱስ ኣብ ሓንቲ ቢታንያ እትበሃል: ካብ የሩሳሌም ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቓ ብሸነኽ ምብራቕ ደብረ ዘይቲ ኣብ ዘሎ ቝልቍለት እትርከብ: ንእሽቶ ቝሸት በጽሐ። የሱስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዘፍቅሮም ብጾት ነበርዎ: ንሳቶም ከኣ ማርያምን ማርታን ኣልኣዛር ሓወንን ኢዮም። የሱስ ምናልባት ብተደጋጋሚ ክኸውን ይኽእል ጋሻ ዀይኑ ኣብ ቤቶም ይቕመጥ ነበረ። ቀዳም ምሸት ግን የሱስን ብጾቱን ኣብ ቤት ስምኦን: እቲ ቐደም ለምጻም ዝነበረ እሞ ዘሕወዮ ምናልባት የሱስ ክኸውን ዝኽእል ሰብ: ተደረሩ። የሱስ ናብቲ መኣዲ ምስ ቀረበ: ማርያም ነቲ ንሓዋ ዘተንስኦ ሰብኣይ ዝነበራ ዓሚቝ ፍቕሪ ትሕትና ብዘለዎ መገዲ ገለጸቶ። “ብዙሕ ዝዋጋኡ” ቅዱይ ቅብኢ ዝሓዘ ብልቃጥ ከፈተት። ብሓቂ ድማ ክቡር ኢዩ ነይሩ! ዋግኡ 300 ዲናር: እዚ ኸኣ ማዕረ ናይ ዓመት ደሞዝ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ምኡዝ ቅብኢ ኣብ ርእሲ የሱስን ኣብ ኣእጋሩን ኣፍሰሰቶ። ንኣእጋሩ ድማ ብጸጕሪ ርእሳ ገይራ ደረዘቶ።—ማርቆስ 14:3፣ ሉቃስ 10:38-42፣ ዮሃንስ 11:38-44፣ 12:1-3
14. (ሀ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ማርያም ፍቕራ ንምግላጽ እተጠቕመትሉ መገዲ ከመይ ተሰምዖም፧ (ለ) የሱስ ንማርያም ብኸመይ ኢዩ እተማጐተላ፧
14 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተቘጥዑ! ‘ንምንታይ እዚ ጥፍኣት፧’ ኢሎም ድማ ሓተቱ። ይሁዳ ነቲ ናይ ስርቂ ድራኼኡ በቲ ንድኻታት ምሕጋዝ ዝብል ርእይቶኡ ገይሩ ክሽፍኖ ኸሎ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧” በለ። ማርያም ስቕ በለት። የሱስ ግን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ: ጽቡቕ [ናይ ካ ·ሎስ ʹ ዓይነት] ግብሪ ገይራትለይ አላ። . . . ዚከአላ ገበረት: ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም: እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። እቲ ምዉቕ ቃላት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ንልቢ ማርያም ኣህዲእዎ ክኸውን ዝኽእል!—ማርቆስ 14:4-9፣ ዮሃንስ 12:4-8
15. የሱስ በቲ ማርያም ዝገበረቶ ኣዝዩ እተተንከፈ ስለምንታይ ኢዩ: ካብዚኸ ብዛዕባ እቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት እንታይ ኢና እንማሃር፧
15 የሱስ በቲ ማርያም ዝገበረቶ ብውሽጡ ተተንኪፉ ኢዩ። በቲ ናቱ መምዘኒ: ዝንኣድ ግብሪ ኢያ ፈጺማ። ንየሱስ ዘገደሶ ዋጋ ናይቲ ህያብ ዘይኰነስ ‘ዝከኣላ [ስለ] ዝገበረት’ ኢዩ። ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒማ ክትህቦ እትኽእል ሃበት። ካልእ ትርጕማት ከኣ ነዘን ቃላት እዚኣተን “ክትገብሮ እትኽእል ዘበለ ዅሉ ገበረት:” ወይ ከኣ: “በቲ ዝነበራ ዓቕሚ ተጠቒማ ዝከኣላ ገበረት።” (ኣን ኣመሪካን ትራንዝለሽን፣ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል) ዝከኣላ ስለ ዝሃበት ናይ ማርያም ህያብ ብምሉእ ነፍሳ ኢዩ ነይሩ። ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት ክበሃል ከሎ እዚ ኢዩ።
ናይ ሓንቲ መበለት “ኽልተ ለብጦን”
16. (ሀ) የሱስ ነቲ ሓንቲ ድኻ መበለት ዝገበረቶ ናይ ገንዘብ ውጽኢት ብኸመይ ኢዩ ክዕዘቦ ዝኸኣለ፧ (ለ) እቲ ናይታ መበለት ለብጦን መጠኑ ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧
16 ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ማለት 11 ኒሳን: የሱስ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ወዓለ: ኣብኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ስልጣን ተሓተተ: ነቲ ብዛዕባ ቐረጽ: ትንሳኤን ካልእ ነገራትን ቀሪቡሉ ዝነበረ እተሓላለኸ ሕቶታት ከኣ ከይተዳለወ መልሲ ሃበሉ። ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ካልእ ነገራት “ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ” ብምንባሮም ኰነኖም። (ማርቆስ 12:40) ድሕርዚ የሱስ ኣብቲ ብመሰረት ናይ ኣይሁድ ልምዲ 13 ሳጹን ምጽዋት ዝነበሮ ኣጸድ ኣንስቲ ኮፍ ከም ዝበለ ፍሉጥ ኢዩ። ሰባት ናይ ገንዘብ ውጽኢት ከውድቑ ኸለዉ ብጥንቃቐ እናተዓዘበ ንግዜኡ ኮፍ በለ። ብዙሓት ሃብታማት: ገሊኣቶም ምናልባት ርእስኻ ናይ ምጽዳቕ ትርኢት ብዘለዎ መገዲ: አረ እናተጀሃሩ እውን ከይተረፈ መጹ። (ምስ ማቴዎስ 6:2 ኣረኣእዮ።) የሱስ ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ ሰበይቲ ጥራይ ኣተኰረ። እቲ ተራ ህዝቢ ብዛዕብኣ ወይ ብዛዕባ ህያባ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣየስተብሃለን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ልቢ ናይ ካልኦት ከንብብ ዝኽእል ዝነበረ የሱስ ግን “ድኻ መበለት” ምዃና ፈለጠ። እቲ ዝወፈየቶ ህያብ ብልክዕ “ኽልተ ለብጦን: ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል” ምንባሩ እውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።b—ማርቆስ 12:41, 42
17. የሱስ ነቲ እታ መበለት ዝገበረቶ ናይ ገንዘብ ውጽኢት ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝለዓለ ግምት ዝሃቦ: ካብዚኸ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምሃብ እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል፧
17 የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ክምህሮ ደልዩ ዝነበረ ትምህርቲ ብዓይኖም ክርእይዎ ስለ ዝደለዮም ናብኡ ጸውዖም። የሱስ ከኣ “ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ [ኣውደቐት]” በለ። በቲ ናቱ መምዘኒ ካብ ናይ ኵሎም ድምር ዝበዝሕ ኣውደቐት። “ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ”—ዝነበራ ነጊፋ—ሃበት። ከምዚ ብምግባራ: ንገዛእ ርእሳ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ኣውደቐታ። ብዛዕባ ንኣምላኽ ምሃብ ከም ኣብነት ተጠቒሳ ዘላ ሰብ እምበኣር: እታ ብዋጋ ክረአ ኸሎ ዳርጋ ዘይጠቅም ህያብ ዝሃበት ሰብ ኢያ። ይኹን እምበር ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ!—ማርቆስ 12:43, 44፣ ያእቆብ 1:27
ካብቲ የሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ኣብ ዝግብር ኣገልግሎት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ምምሃር
18. ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እተን ክልተ ኣንስቲ ዝሃቦ ሓሳብ እንታይ ኢና እንማሃር፧
18 ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እዘን ክልተ ኣንስቲ ዝሃቦ ሓሳባት: የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝምልከቶ ገለ ልቢ ዝትንክፍ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። (ዮሃንስ 5:19) የሱስ ነታ መበለት ምስ ማርያም ኣየወዳደራን። ንዋጋ እተን ክልተ ለብጦን ናይታ መበለት: ካብቲ ማርያም ዝወፈየቶ “ብዙሕ ዝዋጋኡ” ቅብኢ ኣትሒቱ ኣይረኣዮን። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ነፍሲ ወከፈን ዝከኣለን ስለ ዝሃባ: ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ናይ ክልቲአን ህያብ ዋጋ ነይርዎ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንኣምላኽ ንምግልጋል ከምቲ ክትገብሮ እትደልዮ ክትገብር ብዘይምኽኣልካ ዋጋ ከም ዘይብልካ ዝስማዓካ እንተድኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሆዋ: ብዓቕምኻ እቲ ዝበለጸ ክትህብ ከሎኻ ክቕበለካ ባህ ኢዩ ዝብሎ። የሆዋ ‘ልቢ [ስለ] ዝርኢ’ ናይ ልብኻ ባህጊ ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ ምዃኑ ዘክር።—1 ሳሙኤል 16:7
19. ብዛዕባ እቲ ካልኦት ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ዝገብርዎ መጠን ፈረድቲ ክንከውን ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
19 የሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ነቲ ኣብ ንሓድሕድና እነርእዮ ኣመለኻኽታን ኣተሓሕዛን ክጸልዎ ይግባእ። ነቲ ካልኦት ዝገብርዎ ጻዕርታት ክትነቅፍ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ሰብ ዝገብሮ ኣገልግሎት ምስቲ ካልእ ሰብ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከተወዳድሮሲ ከመይ ዝበለ ዘይፍቕራዊ ኰን ኢዩ! እወ: ዘሕዝን ኢዩ: ሓንቲ ክርስትያን ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ሓድሓደ ግዜ ገሊኣቶም ፓይነር እንተ ዘይኴንካ ምንም ኣይትረብሕን ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ሓሳብ ይህቡ። እቶም ብቐጻሊ ስርዓታውያን ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ‘ጥራይ’ ኴንና ንምግልጋል እንቃለስ ሰባትውን ዋጋ ከም ዘሎና ክስምዓና ንደሊ ኢና።” ካብ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ዝድለ ብምሉእ ነፍሲ ዝግበር ኣገልግሎት ዝበሃል እዚ ኢዩ ኢልና ክንውስን ስልጣን ኣይተዋሃበናን። (ሮሜ 14:10-12) እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነፍሲ ወከፎም ብምሉእ ነፍሶም ዝገብርዎ ኣገልግሎት የሆዋ ይሕጐሰሉ ኢዩ: ንሕናውን ክንሕጐሰሉ ይግብኣና።
20. ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወትሩ እንታይ ምስ እንሓስብ ኢዩ ዝበለጸ ዝኸውን፧
20 ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ክገብርዎ ዝኽእሉ ንታሕቲ ዝዓዩ እንተድኣ መሲሎምከ ከመይ ይኹን፧ ሓደ ኣማኒ ብጻይ ኣብቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ምስ ዝንኪ እቶም ዝምልከቶም ሽማግለታት ሓገዝን ምትብባዕን ንኽህብዎ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምስናይዚ ግን: ናይ ገሊኣቶም ብምሉእ ነፍሲ ዝግበር ኣገልግሎት: ካብ ምስቲ ናይ ማርያም ብዙሕ ዝዋግኡ ቅብኢ ብዝያዳ ምስተን ለብጦን ናይታ መበለት ክመሳሰል ከም ዝኽእል ክንርስዕ የብልናን። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ከም ዘፍቅርዎ: እዚ ፍቕሪ እዚ ኸኣ ሒደት ዘይኰነስ ብዝከኣሎም መጠን ብዙሕ ክገብሩ ከም ዝድርኾም ገይርና ወትሩ ክንሓስብ ዝበለጸ ኢዩ። ብርግጽ ድማ ሓደ ሕልና ዘለዎ ኣገልጋሊ የሆዋ: ንኣምላኽ ንምግልጋል ካብቲ ክገብሮ ዝኽእል ንታሕቲ ክገብር ኣይመርጽን ኢዩ!—1 ቈረንቶስ 13:4, 7
21. ብዙሓት ከመይ ዝበለ ዓስቢ ዘለዎ ሞያ ኢዮም ዝሕዙ ዘለዉ: እንታይ ሕቶታትከ ኢዩ ዝለዓል፧
21 ይኹን እምበር: ንብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት ክበሃል ከሎ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ—ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ምሓዝ ማለት ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። እንታይ በረኸትከ ኢዮም ዝቕበሉ፧ እቶም ፓይነራት ክንከውን ዘይክኣልና ካልኦትከ—ከመይ ገይርና ኢና ናይ ፓይነር መንፈስ ከነርኢ እንኽእል፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ክምለስ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ንይሁዳ ከም ሃዋርያ ኰይኑ ዝተክኦ ማትያስ ስለ ዝዀነ—ስም ጳውሎስ ዘይኰነስ—ስሙ ኢዩ ኣብቲ 12 መሰረት ኣእማን እተራእየ። ጳውሎስ ሃዋርያ እኳ እንተነበረ: ሓደ ካብቶም 12 ግን ኣይነበረን።
b ሓደ ለብጦን ኣብቲ እዋን እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ እቲ ዝነኣሰ ናይ ኣይሁድ ሰልዲ ኢዩ። ክልተ ለብጦን ከኣ ካብ ናይ መዓልቲ ውዕለት 1/64 ኢዩ። ብመሰረት ማቴዎስ 10:29 ብሓንቲ ኣሳርዮን (ማዕረ ሸሞንተ ለብጦን) ሓደ ሰብ ክልተ ርግቢ—ድኻታት ንምግቢ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ዝሓሰራ ኣዕዋፍ—ክዕድግ ይኽእል ነበረ። ስለዚ እዛ መበለት እዚኣ: ንሓደ እዋን ፈጺሙ ከብልዕ ዘይክእል: ፍርቂ ናይቲ ሓንቲ ርግቢ ንምዕዳግ ዝኸውን ገንዘብ ጥራይ ስለ ዝነበራ ብሓቂ ድኻ ኢያ ነይራ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:14-26 ዘሎ ምሳሌ የሆዋ ምስ ካልኦት ከም ዘየወዳድረና ብኸመይ ኢዩ ዘርኢ፧
◻ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ማርያም ብዙሕ ዝዋግኡ ቅብእን ናይታ መበለት ክልተ ለብጦንን ዝሃቦ ሓሳባት ብዛዕባ እቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት እንታይ ኢና እንማሃር፧
◻ ብዛዕባ እቲ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት: ናይ የሆዋ ኣመለኻኽታ ነቲ ኣብ ንሓድሕድና እነርእዮ ኣመለኻኽታ ክጸልዎ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ማርያም በቲ “ብዙሕ ዝዋግኡ” ቅብኢ ገይራ ንኣካላት የሱስ ብምልካይ ዝከኣላ ገበረት
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ናይታ መበለት ለብጦን ብመጠን ዋጋ ዳርጋ ዘይጠቅም እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ