“ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና”
“እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና።”—ዘካ. 8:23።
1, 2. (ሀ) የሆዋ ኣብ ግዜና እንታይ ከም ዚኸውን እዩ እተዛረበ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺምለስ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ግዜ ኸምዚ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ፦ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፡ ኪብሉ እዮም።” (ዘካ. 8:23) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ከምቶም ምሳልያውያን ዓሰርተ ሰብ፡ “ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም” ኣለዉ። የሆዋ ንቕቡኣቱ ኸም ዝባረኾም ስለ ዚፈልጡ፡ ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ምሕባሮም የሐብኖም እዩ።—ገላ. 6:16።
2 የሱስ እውን ከም ነብዪ ዘካርያስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ባህ ዜብል ሓድነት ኣጕሊሑ እዩ። ሰዓብቱ “ሒደት መጓሰ”ን “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ዚብሃሉ ኽልተ ጕጅለ ምዃኖም ገሊጹ እዩ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባ እዘን ኣባጊዑ፡ “ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 12:32፣ ዮሃ. 10:16) ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ጕጅለ ዘሎ ርክብ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት የበግስ እዩ፦ (1) እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ስማት ኵሎም እቶም ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ኪፈልጡ የድልዮም ድዩ፧ (2) ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧ (3) ኣብ ጉባኤኻ ዚርከብ ሓደ ሰብ ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስድ እንተ ጀሚሩ፡ ብኸመይ ክትሕዞ ኣሎካ፧ (4) ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ምውሳኹ ኼተሓሳስበካ ኣለዎ ድዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን እስከ ንርአ።
ስማት ኵሎም እቶም ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክንፈልጥ የድልየና ድዩ፧
3. ኣየኖት ክፍሊ እቶም 144,000 ከም ዚዀኑ ብርግጽ ክንፈልጥ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
3 እቶም ካብ ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ክርስትያናት ስማት ኵሎም እቶም ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ኪፍለጡ የድልዮም ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ፡ ብሓጺሩ ‘ኣይፋልን’ ዚብል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ እኳ እንተ ተቐበለ፡ ዕድመ ጥራይ እዩ ተቐቢሉ ዘሎ እምበር፡ ናይ መወዳእታ መረጋገጺ እቲ ዓስቢ ኣይኰነን ተቐቢሉ። ስለዚ ኸኣ እዩ ሰይጣን “እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ” ኢሉ “ናይ ሓሶት ነብያት” ዜተንስእ። (ማቴ. 24:24) የሆዋ ንሓደ ቕቡእ ክርስትያን ሰማያዊ ዓስቡ ኺረክብ ብቑዕ ምዃኑ ኽሳዕ ዚፈርዶ፡ ሓደ እኳ ነቲ ሽልማት እቲ ኺወስድ እንተ ዀይኑ ኺፈልጥ ኣይክእልን እዩ። ነዚ ውሳነ እዚ ዚገብሮ የሆዋ እዩ፣ እቲ ቕቡእ ብተኣማንነት ቅድሚ ሙማቱ ወይ ቅድሚ ምጅማር እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድማ እዩ ናይ መወዳእታ ማሕተም ዚገብረሉ። (ራእ. 2:10፣ 7:3, 14) ስለዚ፡ ሓደ ኣብ ምድሪ ዚነብር ሰብ፡ ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣየኖት ክፍሊ እቶም 144,000 ከም ዚዀኑ ኺፈልጥ ምፍታኑ ዜምጽኣሉ ጥቕሚ የብሉን።[1]
4. ስማት ኵሎም እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኪፍለጥ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ምሳታቶም “ክንከይድ” እንኽእል፧
4 ስማት ኵሎም እቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እስራኤላውያን ዘበሉ ብርግጽ ኪፍለጥ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ኣባላት እተን ካልኦት ኣባጊዕ ከመይ ገይሮም እዮም ምሳታቶም ‘ኪኸዱ’ ዚኽእሉ፧ ኣብ ዘካርያስ ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባ እቶም ምሳልያውያን ዓሰርተ ሰብ እዩ ተዛሪቡ። ንሳቶም ከኣ “ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” እዮም ኢሎምዎ። ኣብዚ ሓደ ኣይሁዳዊ ጥራይ እኳ እንተ ተጠቕሰ፡ እታ ኽልተ ሳዕ እትርከብ “ምሳኻትኩም” እትብል ቃል ግና ንልዕሊ ሓደ ሰብ እያ እተመልክት። እምበኣር፡ እዚ ብመንፈስ ኣይሁዳዊ እዚ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ጕጅለ ዚውክል እዩ። ስለዚ፡ ንነፍሲ ወከፍ ብመንፈስ ኣይሁዳዊ ኸነለልዮ እሞ ምስኡ ኽንከይድ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብደረጃ ጕጅለ ኸነለልዮምን ክንድግፎምን እዩ ዘሎና። ቅዱሳት ጽሑፋት ንውልቀ ሰብ ክንስዕብ ከቶ ኣየተባብዓናን እዩ። መራሒና የሱስ እዩ።—ማቴ. 23:10።
ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧
5. ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ መጠንቀቕታ እዮም ብርዝነት ኪሓስቡ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧
5 እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ፡ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:27-29 ዚርከብ መጠንቀቕታ ኣጸቢቖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። (ኣንብብ።) ኣብዚ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ ዘሎ፧ ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ጽቡቕ ርክብ እንተ ዘይሓልይዎ፡ ከይተገብኦ እዩ ዚወስድ። (እብ. 6:4-6፣ 10:26-29) ከምዚ ዝበለ መጠንቀቕታ፡ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ነቲ ዓስቢ ገና ኸም ዘይሓዝዎ እዩ ዜዘኻኽሮም። ብቐጻሊ ‘ናብቲ ሸቶ ኣቢሎም፡ ናብቲ ሽልማት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ኪግስግሱ ኣለዎም።’—ፊል. 3:13-16።
6. ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ርእሶም ከመይ ኪስምዖም ይግባእ፧
6 ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ” ኢሉ ለሚንዎም እዩ። ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብምሉእ ትሕትናን ብልእመትን ብዓቕልን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተዓጋገስኩምን፡ ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ክትሕልውዎ ተጋደሉ” ኢልዎም እዩ። (ኤፌ. 4:1-3) መንፈስ የሆዋ ትሕትና እምበር፡ ትዕቢት ኣየፍርን እዩ። (ቈሎ. 3:12) ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ናይ ግድን ካብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ዚዛይድ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ከም ዘይኰኑ ብትሕትና ይኣምኑ እዮም። ፍሉይ ፍልጠት ወይ ግልጸት ከም ዘለዎም ኣይዛረቡን እዮም፣ ብገለ መገዲ ዝዓበዩ ኸም ዝዀኑ ኼርእዩ እውን ኣይጽዕሩን እዮም። ቅቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ሰብ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኺወስድ እውን ጠሪሶም ሓሳብ ኣይህቡን እዮም፣ የግዳስ፡ ንቕቡኣት ዚጽውዖም የሆዋ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።
7, 8. ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ እዮም ዘይጽበዩ፧ ስለምንታይከ፧
7 ሰማያዊ ጽውዓ ምርካብ ዜደንቕ መሰል እኳ እንተ ዀነ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ግና ካብ ካልኦት ፍሉይ ክብሪ ኣይጽበዩን እዮም። (ኤፌ. 1:18, 19፣ ፊልጲ 2:2, 3 ኣንብብ።) መንፈስ የሆዋ ንዓታቶም ብብሕቲ እዩ መስኪሩሎም። ከምኡ ኪኸውን ከሎ፡ ንብዓለሙ ምልክታ ኣይተነግረን። ስለዚ፡ ካልኦት ሰባት ንዓታቶም ብሓቂ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ምዃኖም ቀልጢፎም እንተ ዘይኣሚኖምዎም ኣየገርሞምን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓደ ብኣምላኽ ፍሉይ ሽመት ተዋሂቡኒ ዚብል ሰብ ቀልጢፍካ ኽትኣምኖ ኸም ዘይብልካ ዚገልጽ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። (ራእ. 2:2) ስለዚ፡ ምስ ካልኦት ኪፋለጡ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ቕብኣቶም ኣይነግሩን እዮም። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ናብ ርእሶም ዘየድሊ ቘላሕታ ምእንቲ ኸይስሕቡ ኢሎም፡ ነዚ ብሕታዊ ተመክሮኦም እዚ ኣይጠቕስዎን እዮም፣ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዓስቦም እውን ኣይምክሑን እዮም።—1 ቈረ. 1:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 4:6-8 ኣንብብ።
8 ብተወሳኺ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ንርእሶም ኸም ኣባላት ክለብ ዓበይቲ ገይሮም ኣይርእዩን እዮም። ጽውዓ ኣሎና ምስ ዚብሉ ኻልኦት ክርስትያናት ኪተኣኻኸቡ፡ ምሳታቶም ፍሉይ ምቅርራብ ኪፈጥሩ፡ ወይ ናይ ብሕቶም ጕጅለታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬቝሙ ኣይደልዩን እዮም። (ገላ. 1:15-17) ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ፍልልይ ጥራይ እዩ ዚፈጥር፡ ምስቲ ሰላምን ሓድነትን ዜስፍን መንፈስ ቅዱስ እውን ዚጻረር እዩ።—ሮሜ 16:17, 18 ኣንብብ።
ብኸመይ ክትሕዞም ኣሎካ፧
9. ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ንዚወስድ ሰብ ብኸመይ ከም እትሕዞ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (“ፍቕሪ ‘ስዲ ኣይኰነትን’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
9 ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ንዝወስድ ሰብ ብኸመይ ክትሕዞ ኣሎካ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ዅላትኩም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ርእሱ ዜልዕል ዘበለ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ዘበለ ኸኣ ኪልዕል እዩ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 23:8-12) ስለዚ፡ ዋላ እውን ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ንዝዀኑ ሰባት ልዕል ምባል ጌጋ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ሽማግለታት ኪገልጽ ከሎ፡ ኣስኣሰር እምነት እቶም ዚመርሑና ኽንስዕብ እኳ እንተ ኣተባብዐ፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናብ ደረጃ መራሒና ኸቶ ኽብ ከይነብል ግና ይእዝዘና እዩ። (እብ. 13:7) ልክዕ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንገሊኦም ሰባት “ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ” ይብል እዩ። ግናኸ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ከምዚ ዝበለ ኽብሪ ዚግብኦም፡ ቅቡኣት ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ፡ “ብጽቡቕ ዚመርሑ፡” ከምኡ ድማ “ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ” ብምዃኖም እዩ። (1 ጢሞ. 5:17) ስለዚ፡ እቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም ክርስትያናት ዘይግብኦም ውዳሰ ወይ ቈላሕታ ምስ ዚውሃቦም፡ የሕፍሮም እዩ። እቲ ኻብዚ ዝገደደ ድማ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ፍሉይ ቈላሕታ እንተ ተዋሂብዎም፡ ትሑታት ኰይኖም ምምልላስ ኬሸግሮም ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:3) መሸም ንሓደ ኻብ ኣሕዋት ክርስቶስ ኪዕንቅፍ ዚደሊ ዋላ ሓደ ኻባና የልቦን።—ሉቃ. 17:2።
10. ንቕቡኣት ክርስትያናት ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣኽብሮት ከተርእዮም እትኽእል፧
10 ነቶም የሆዋ ኪቕብኡ ዝሓረዮም ሰባት ከመይ ጌርና ኢና ግቡእ ኣኽብሮት እነርእዮም፧ ብዛዕባ ቕብኣቶም ብሕታዊ ሕቶታት ኣይንሓትቶምን ኢና። በዚ ኸምዚ ኣብ ዘይምልከተና ኣይንኣቱን ኢና። (1 ተሰ. 4:11፣ 2 ተሰ. 3:11) እቶም ንሓደ ቕቡእ ክርስትያን ወለዱ፡ መጻምድቱ፡ ወይ ካልኦት ኣባላት ቤተ ሰቡ ዝዀኑ ኸም እተቐብኡ ጌርና እውን ክንሓስብ የብልናን። ቅብኣት ብዝምድና ዚውረስ ኣይኰነን። (1 ተሰ. 2:12) ንመጻምድቲ እቶም ቅቡኣት ኣብ መጻኢ ኣብ ምድራዊት ገነት ብዘይ መጻምድቶም ምንባር እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥረሎም ካብ ምሕታት እውን ክንቍጠብ ኣሎና። ዜሳቒ ሕቶታት ኣብ ክንዲ እነልዕል፡ የሆዋ ኢዱ ኸፊቱ ‘ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ከም ዜጽግቦ’ ምሉእ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና።—መዝ. 145:16።
11. ካብቲ ኸም መፈንጠራ ዝዀነ ‘ንሰባት ናይ ምንኣድ’ ባህርይ እንተ ተሓሊና፡ ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና እንሕሎ፧
11 እቶም ንቕቡኣት ክርስትያናት ብግቡእ ዚሕዙ፡ ካብ ሰላሕታዊ ሓደጋ ገዛእ ርእሶም የዕቍቡ እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት “ናይ ሓሶት ኣሕዋት” ናብ ጉባኤ ሰላሕ ኢሎም ከም ዚኣትዉ ይነግረና እዩ። (ገላ. 2:4, 5፣ 1 ዮሃ. 2:19) እዞም ኣምሰሉታት ከኣ ቅቡኣት ከም ዝዀኑ እኳ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ እምነት ኪወድቁ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 25:10-12፣ 2 ጴጥ. 2:20, 21) ካብቲ ኸም መፈንጠራ ዝዀነ ‘ንሰባት ናይ ምንኣድ’ ባህርይ እንተ ተሓሊና፡ ብኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ካብ ሓቂ ኣይክንርሕቕን ኢና፣ ሓደ ምርኡይ ወይ ገዲም ክርስትያን ዘይእሙን እንተ ዀይኑ ኸኣ እምነትና ኣይክትደክምን እያ።—ይሁ. 16፡ እ.ጽ.።
ቍጽሪ እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚወስዱ ኼተሓሳስበና ይግባእዶ፧
12, 13. ቍጽሪ እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት ምውሳኹ ኼጨንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
12 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት ኪውስኽ ርኢና ኢና። እዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ንሓያሎ ዓመታት እናነከየ ዚኸደሉ ዝነበረ እዋን እተፈልየ እዩ። እዚ ወሰኽ እዚ ኺርብሸና ይግባእዶ፧ ኣይፋልን። ከምኡ እንብለሉ፡ ኣገዳሲ ረቛሒታት እስከ ንርአ።
13 “የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ።” (2 ጢሞ. 2:19) እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ንዚወስዱ ዚቘጽርዎም ኣሕዋት፡ መን ብሓቂ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎ ኺፈርዱ ኣይክእሉን እዮም። ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ሰባት፡ ነቶም ብጌጋ ቕቡኣት ከም ዝዀኑ ዚሓስቡ እውን የጠቓልል እዩ። ገሊኦም ኣብ ሓደ እዋን ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ዝነበሩ ሰባት ደሓር ኣቋሪጾም እዮም። ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ዘለዎም ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት እዮም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ከም ዚገዝኡ ዚኣምኑ። ስለዚ፡ ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ፡ ንቝጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ቕቡኣት ብልክዕ ኣይነግረናን እዩ።
14. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጽሪ እቶም ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ኣብ ምድሪ ዚጸንሑ ቕቡኣት እንታይ ይነግረና፧
14 የሱስ ንቕቡኣት ናብ ሰማይ ኪእክቦም ኣብ ዚመጸሉ እዋን፡ ንሳቶም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ምድሪ ኺህልዉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚገብሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሱ ድማ ንመላእኽቱ ብዓብዪ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ንሳቶም እውን ንሕሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ኪእክብዎም እዮም” ይብል። (ማቴ. 24:31) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ዝተረፉ ቕቡኣት ጥራይ ኣብ ምድሪ ኸም ዚህልዉ እዩ ዚሕብር። (ራእ. 12:17) ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ክንደይ ከም ዚተርፉ ግና ኣይሕብርን እዩ።
15, 16. ብዛዕባ እቶም ብየሆዋ ዚሕረዩ 144,000 እንታይ ክንርዳእ ኣሎና፧
15 የሆዋ ኣበየናይ ግዜ ቕቡኣት ከም ዚሓሪ ይውስን እዩ። (ሮሜ 8:28-30) የሆዋ ንቕቡኣት ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እዩ ኺሓርዮም ጀሚሩ፣ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ዅላቶም ድማ ቅቡኣት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ካብ ቀዳማይ ዘመን ክሳዕ መጀመርታ ዳሕሮት መዓልትታት፡ መብዛሕትኦም እቶም ሰዓብቲ የሱስ ኢና ዚብሉ ሰባት ናይ ሓሶት ክርስትያናት እዮም ነይሮም፣ የሱስ ከኣ ምስ “ክርዳድ” እዩ ኣመሳሲልዎም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ግዜያት ንገሊኦም እሙናት ይቐብእ ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ከምቲ የሱስ “ስርናይ” ኢሉ ዝገለጾም ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። (ማቴ. 13:24-30) ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ነቶም ን144,000 ዜቝሙ ሰባት ካብ ምሕራይ ኣየቋረጸን።[2] ንገሊኦም ሰባት ኣብዚ እዋን እዚ ድሒሩ ኺሓርዮም እንተ ወሲኑ፡ ንጥበቡ ኣብ ሕቶ እነእትዎ ንሕና መን ኢና፧ (ኢሳ. 45:9፣ ዳን. 4:35፣ ሮሜ 9:11, 16 ኣንብብ።)[3] ከምቶም ጐይታኦም ኣብ መበል 11 ሰዓት ንዝቘጸሮም ሰብ ውዕለት ብዛዕባ ዝሓዘሉ መገዲ ዘጕረምረሙ ሰብ ውዕለት ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና።—ማቴዎስ 20:8-15 ኣንብብ።
16 ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ኵሎም ኣይኰኑን ክፍሊ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚዀኑ። (ማቴ. 24:45-47) የሆዋን የሱስን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ንብዙሓት ብኢድ ሒደት ገይሮም እዮም ዚምግብዎም ዘለዉ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ምጽሓፍ እተሳተፉ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም መንፈሳዊ ‘ምግቢ ብግዜኡ’ ኺህቡ እተሸሙ።
17. ካብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርካ፧
17 እሞኸ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ የሆዋ ኽልተ ዓስቢ ኺህብ ወሲኑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቶም መንፈሳውያን ኣይሁድ ዚውሃብ ሰማያዊ ህይወትን ነቶም ምሳልያዊ ዓሰርተ ሰብ ዝዀኑ ዚውሃብ ምድራዊ ህይወትን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም ኰነ ኻብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ማዕረ ደረጃ ተኣማንነት እዩ ዚጽበ። ክልቲኦም ጕጅለ ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። ክልቲኦም ጕጅለ ሓድነት ኪህልዎም ኣለዎም። ክልቲኦም ጕጅለ ኣብ ጉባኤ ሰላም ኬስፍኑ ኣለዎም። ዳሕሮት መዓልትታት ናብ ምውዳኡ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ሓደ መጓሰ ዄንና ንምግልጋል ቈራጽነት ንግበር።
^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 3) ኣብ መጻኢ፡ ስማት ኵሎም እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ዚትንስኡ ኺግለጽ ከም ዚኽእል፡ መዝሙር 87:5, 6 ትሕብር እያ።—ሮሜ 8:19።
^ [2] (ሕጡብ ጽሑፍ 15) ግብሪ ሃዋርያት 2:33፡ የሱስ ኣብ ምቕባእ ከም ዚሳተፍ ትገልጽ እኳ እንት ዀነት፡ ምንጪ እቲ ጽውዓ ግና ካብ የሆዋ እዩ።
^ [3] (ሕጡብ ጽሑፍ 15) ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ፡ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 30-31 ዝወጸት ዓንቀጽ ርአ።