-
ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 15 ጥቅምቲ
-
-
“ዚሓንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን” ኣኼባታት
13. (ሀ) ኣኼባታትና ንተኣከብቲ ብኸመይ ይጠቕሞም፧ (ለ) ብፍላይ ሽማግለታት እንታይ ሕቶ እዮም ኪሓቱ ዘለዎም፧
13 ጳውሎስ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንተኣከብቲ “ዚሓንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን” ምዃኑ ገለጸ።c (1 ቈረ. 14:3፡ ትርጕም 1990) ክርስትያን ሽማግለታት፡ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዜቕርብዎ ኽፍልታት ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዚሃንጽን ዜጸናንዕን ኪገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ዝገበሮ ኣኼባ እስከ ንመርምሮ።
14. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ ምስኡ ንኺእከቡ ቕድሚ ምዕዳሙ ዝነበረ ዅነታት እንታይ ይመስል፧ (ለ) ሃዋርያት፡ ‘የሱስ ቀሪቡ ምስ ተዛረቦም’ እፎይ ኢሎም ኪዀኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧
14 ፈለማ፡ ነቲ ቕድሚ እቲ ኣኼባ ዝነበረ ዅነታት ንርአ። የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ኵሎም ሃዋርያት “ሐዲጎምዎ ሀደሙ፣” ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ፡ ‘ነንበይኖም ነናብ ስፍራኦም ተዘርዉ።’ (ማር. 14:50፣ ዮሃ. 16:32) ድሕሪኡ፡ የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ነቶም ተደቚሶም ዝነበሩ ሃዋርያቱ ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ንኺእከቡ ዓደሞም።d “እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝአዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ።” ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ “የሱስ ቀሪቡ . . . ተዛረቦም።” (ማቴ. 28:10, 16, 18) እቶም ሃዋርያት ንየሱስ፡ ነዚ ተበግሶ እዚ ኺወስድ ምስ ረኣይዎ፡ ክሳዕ ክንደይ እፎይ ከም ዝበሉ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሱስ ግን ብዛዕባ እንታይ እዩ ተዛሪብዎም፧
15. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ እንታይ ኢሉ እዩ ተዛሪብዎም፧ እንታይከ ኢሉ ኣይተዛረቦምን፧ (ለ) እቲ ኣኼባ ንሃዋርያት ብኸመይ ተንከፎም፧
15 የሱስ፡ “ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። ድሕሪኡ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ መዝነት ሃቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ኣነ . . . ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብል ፍቕራዊ መረጋገጺ ሃቦም። (ማቴ. 28:18-20) የሱስ እንታይ ከም ዘይገበረ ግን ኣስተውዒልካዶ፧ ንሃዋርያቱ ኣይነቐፎምን፣ ኣብቲ ኣኼባ ንውሽጣዊ ድራኸኦም ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን፣ ወይ እምነቶም ንግዜኡ ተዳኺማ ምንባራ ብምጥቃስ እንደገና ጸጸት ከም ዚስምዖም ኣይገበረን። የግዳስ፡ ከቢድ ሓላፍነት ብምሃብ፡ ንሱን ኣቦኡን ከም ዜፍቅርዎም ኣረጋገጸሎም። ኣቀራርባ የሱስ ንሃዋርያት ብኸመይ ተንከፎም፧ በቲ ኣኼባ ኣዝዮም ተሃኒጾምን ተተባቢዖምን ተጸናኒዖምን ስለ ዝነበሩ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ብዛዕባ ‘እቲ ብስራት ምምሃርን ምስባኽን’ ቀጸሉ።—ግብ. 5:42።
16. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ዜተባብዕ ኣኼባታት ኪመርሑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
16 ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣብነት የሱስ ስለ ዚስዕቡ፡ ንኣኼባታት ብዛዕባ እታ የሆዋ ንህዝቡ ዘላቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ሮሜ 8:38, 39) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዜቕርብዎ ኽፍልታት፡ ኣብ ድኽመታት ኣሕዋቶም ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽቡቕ ጐድንታቶም እዮም ዜተኵሩ። ንውሽጣዊ ድራኸ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሕቶ ኣየእትውዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ ኸም ዚደልዩን ከም ዚተኣማመኑሎም ብቓላቶም ይገልጹ እዮም። (1 ተሰ. 4:1, 9-12) ሓድሓደ እዋን፡ ሽማግለታት ንጉባኤ ብሓፈሻ ምኽሪ ኺህቡ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምትዕርራይ ኪገብሩ ዜድልዮም እተወሰኑ ውልቀ-ሰባት ጥራይ እንተ ዀይኖም ግን፡ ብብሕቲ ምኽሪ ኺህብዎም ዝሓሸ እዩ። (ገላ. 6:1፣ 2 ጢሞ. 2:24-26) ሽማግለታት ነታ ጉባኤ ብምልእታ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ኪንእዱ ይደልዩ እዮም። (ኢሳ. 32:2) ከምኡ ንምግባር ዚጽዕሩ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ዅሎም ተኣከብቲ ንኺሕደሱን ንኺተባብዑን እዩ።—ማቴ. 11:28፣ ግብ. 15:32።
-
-
ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሃናጺ ንኪኸውን እጃምካ ተበርክት ዲኻ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2010 | 15 ጥቅምቲ
-
-
c ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ “ምህናጽ”ን “ምትብባዕ”ን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ፡ እታ “ምጽንናዕ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ካብ [ምትብባዕ] ንላዕሊ ለውሃት ዘለዋ እያ” ይብል።—ምስ ዮሃንስ 11:19 ኣረኣኢ።
-