ትምህርቲ 54
“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ
የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ሎሚ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰዓብቱ፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም። (ማቴዎስ 24:45 ኣንብብ።) እቲ “ባርያ” እቲ ብየሱስ እተሸመ ብምዃኑ እተወሰነ ስልጣን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ንሱ ባዕሉ እውን ባርያ ክርስቶስ እዩ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ እውን የገልግሎም እዩ። እቲ ባርያ እቲ መን እዩ፧ ከመይ ገይሩኸ እዩ ዚሓልየልና፧
1. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን እዩ፧
የሆዋ ወትሩ ብሒደት ሰባት ገይሩ ንህዝቡ መምርሒ ይህቦም እዩ። (ሚልክያስ 2:7፣ እብራውያን 1:1) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ናይ ምምራሕ ዕዮ ነይርዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) ነቲ ኣብነት እቲ ብምስዓብ ድማ፡ ሎሚ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብሃሉ ሒደት ሽማግለታት፡ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርቡን ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሑን ኣለዉ። እዚ ጕጅለ እዚ፡ የሱስ “ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ኵሎም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እዮም፣ ንሳቶም ድማ ምድራዊ ህይወቶም ምስ ወድኡ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ኺሓብሩ ተስፋ ኣለዎም።
2. እቲ እሙን ባርያ እንታይ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ዜቕርብ፧
እቲ እሙን ባርያ ንክርስትያናት ብጾቱ “ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም” ከም እተሸመ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ከምቲ እንበልዖ ምግቢ ንኣካላዊ ብርታዐናን ንጥዕናናን ኣበርክቶ ዚገብር፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ማለት ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽምን ዜኽእለና ብርታዐ ይህበና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:6) እቲ መንፈሳዊ ምግቢ ድማ፡ በቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንርዳእን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ከነደልድልን ዜኽእለና ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኣቢሉ እዩ ዚመጽእ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ማለት ኣመሓዳሪ ኣካል ስለምንታይ ከም ዜድልየና ርአ።
3. ህዝቢ የሆዋ እተወደቡ ኪዀኑ ኣለዎም
ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኑ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይውድብ እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ስርዓት ነይሩ እዩ። ቪድዮ ኣጻውት።
ቀዳማይ ቈረንቶስ 14:33, 40 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
እዚ ፍቕድታት እዚ፡ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ኺውደቡ ኸም ዚደልዮም ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
4. እቲ እሙን ባርያ ንዕዮ ስብከትና ይውድቦ
ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ዝዀነ ዕዮ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገይሮም ዚርእይዎ ነገር፡ ዕዮ ስብከት እዩ ነይሩ። ግብሪ ሃዋርያት 8:14, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ነቲ ዕዮ ስብከት መን እዩ ዚመርሖ ነይሩ፧
ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ካብ ብጾቶም ሃዋርያት መምርሒ ምስ ተዋህቦም እንታይ ገይሮም፧
እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚውድቦ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ንጥፈት፡ ዕዮ ስብከት እዩ። ቪድዮ ኣጻውት።
ስብከት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ፡ የሱስ ኣጕሊሑ እዩ። ማርቆስ 13:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ዕዮ ስብከት ንኣመሓዳሪ ኣካል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምውዳብ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
5. እቲ እሙን ባርያ መምርሒ ይህብ
ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት መምርሒ ይህቦም እዩ። እንታይ መምርሒ ኸም ዚህብ ከመይ ገይሩ ይውስን፧ ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣመሓዳሪ ኣካል ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ንርአ። ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብ መንጎ ቐዳሞት ክርስትያናት እንታይ ዘይምርድዳእ እዩ ተፈጢሩ፧
ጳውሎስን በርናባስን ካልኦትን ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ናብ መን እዮም ከይዶም፧
ግብሪ ሃዋርያት 15:12-18, 23-29 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ግብሪ ሃዋርያት 15:30, 31ን 16:4, 5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንእተዋህቦም መምርሒ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧
የሆዋ ንተኣዛዝነቶም ብኸመይ ባሪኽዎ፧
ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:16ን ያእቆብ 1:5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣመሓዳሪ ኣካል ሎሚ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ካበይ እዩ መምርሒ ዚደሊ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንኣመሓዳሪ ኣካል እንተ ሰሚዕካ፡ ንሰባት ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ።”
የሱስ ንኣመሓዳሪ ኣካል ይመርሖ ኸም ዘሎ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧
ጽማቝ
ኣመሓዳሪ ኣካል ብክርስቶስ እተሸመ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ክርስትያናት፡ መምርሕን መንፈሳዊ ምግብን ይህብ እዩ።
ክለሳ
ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝሸሞ መን እዩ፧
ኣመሓዳሪ ኣካል ዚሓልየልና ብኸመይ እዩ፧
ኣመሓዳሪ ኣካል፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምዃኑስ ትኣምንዶ፧
ዳህስስ
ኣመሓዳሪ ኣካል ዕዮኡ ንምዕያይ ብኸመይ ከም እተወደበ ርአ።
ዜተኣማምን መንፈሳዊ ምግቢ ኸም እንረክብ ንምርግጋጽ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ከም ዚገብር ፍለጥ።
ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦም ዕዮ እንታይ ይስምዖም፧
ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን፡ የሆዋ ንኣመሓዳሪ ኣካል ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧