‘ምዉታት ክትንስኡ ኢዮም’
“እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ: እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም: ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።”—1 ቈረንቶስ 15:52
1, 2. (ሀ) ነብዪ ሆሴእ እንታይ ዘጸናንዕ መብጽዓ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ኣምላኽ ንምዉታት ናብ ህይወት ክመልሶም ከም ዝደሊ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧
እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ተፈልዩካዶ ኢዩ፧ ሞይቱካ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ሞት ከስዕቦ ዝኽእል ስቓይ ትፈልጦ ኢኻ። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት በቲ ኣምላኽ ብነብዪ ሆሴእ ኣቢሉ ዝሃበና ተስፋ ይጸናንዑ ኢዮም:- “ካብ ኢድ ሲኦል ኤድሕኖም: ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት: ፌራኻ ኣበይ አሎ፧ ኣታ ሲኦል: ጥፍኣትካ ኣበይ አሎ፧”—ሆሴእ 13:14
2 ምዉታት እንደገና ናብ ህይወት ክምለሱ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ንተጠራጠርቲ ትርጕም ኣልቦ ኢዩ ዝመስል። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ክገብር ብርግጽ ሓይሊ ኣለዎ! እቲ ብሓቂ ዘገድስ ሕቶ የሆዋ ንምዉታት ናብ ህይወት ክመልሶም ፍቓደኛ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ። እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ ከምዚ ብምባል ሓተተ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧” ቀጺሉ ድማ: ዘተኣማምን መልሲ ይህብ:- “ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” (እዮብ 14:14, 15) እታ ‘ምንፋቕ’ እትብል ቃል ልባዊ ሃንቀውታ ወይ ባህጊ ኢያ እተመልክት። (ምስ መዝሙር 84:2 ኣረኣእዮ።) እወ: የሆዋ ንትንሳኤ ብሃንቀውታ ኢዩ ዝጽበዮ: ነቶም ኣብ ዝኽሩ ህያዋን ዝዀኑ ብሞት እተፈልዩ እሙናት ሰባት እንደገና ክርእዮም ይናፍቕ ኢዩ።—ማቴዎስ 22:31, 32
የሱስ ኣብ ትንሳኤ ብርሃን የብርህ
3, 4. (ሀ) የሱስ ኣብ ተስፋ ትንሳኤ እንታይ ብርሃን ኢዩ ዘብርሀ፧ (ለ) የሱስ ስጋዊ ኣካል ዘይኰነስ መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ዝተንስአ ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ከም እዮብ ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ብዛዕባ ትንሳኤ ምሉእ ዘይኰነ ምርዳእ ኢዩ ነይርዎም። ኣብ ልዕሊ እዚ ዘደንቕ ተስፋ ምሉእ ብርሃን ዘብርሀ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ። “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” ክብል ከሎ: ነቲ ናቱ ቀንዲ ግደ ገሊጽዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:36) እቲ ህይወት እቲ ኣበይ ኢዩ ክስተማቐር፧ ካብቶም እምነት ዘርእዩ ሰባት: መብዛሕትኦም ኣብ ምድሪ ኢዮም ክረኽብዎ። (መዝሙር 37:11) ይኹን እምበር: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎም። (ሉቃስ 12:32) መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ኢያ። ስለዚ እምበኣር: እዚ መብጽዓ እዚ “ሒደት መጓሰ” መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ክዀኑ ኢዮም ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 14:2, 3፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4) ከመይ ዝበለ ክቡር ተስፋ ኰን ኢዩ! የሱስ ብተወሳኺ እዚ “ሒደት መጓሰ” እዚ ቍጽሩ 144,000 ከም ዝኸውን ንሃዋርያ ዮሃንስ ገለጸሉ።—ራእይ 14:1
4 እዞም 144,000 ግን ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዝኣትዉ ብኸመይ ኢዮም፧ የሱስ ‘ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውጽኦ።’ ብደሙ ገይሩ ናብ ሰማያት ዘእቱ “ሓድሽን ህያውን መገዲ” ከፈተ። (2 ጢሞቴዎስ 1:10፣ እብራውያን 10:19, 20) ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብይዎ ዝነበረ: መጀመርታ ሞተ። (ኢሳይያስ 53:12) ድሕርዚ: ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ ‘ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንስኦ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 2:32) የሱስ ግን ሰብ ኰይኑ ኣይተንስአን። “እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ዮሃንስ 6:51) ንስግኡ እንደገና ምውሳድ ነቲ መስዋእቲ እቲ ዘይቅቡል ኢዩ ዝገብሮ። ስለዚ የሱስ “ብስጋ ሞተ: ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።” (1 ጴጥሮስ 3:18) በዚ ኸኣ የሱስ “ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ [“ኣምጽኣልና:” NW ]” ማለት ነቲ “ሒደት መጓሰ።” (እብራውያን 9:12) ንዋጋ ናይታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ናብ ኣምላኽ ኣቕረቦ: ካብኡ መጀመርታ እተጠቕሙ ድማ እቶም 144,000 ኢዮም ነይሮም።
5. ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ተስፋ ኢዩ ዝቐረበሎም፧
5 ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝተንስአ የሱስ ጥራይ ኣይነበረን። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሳዕ መወዳእታ ብምጽማም ነቲ ምቕብኦም ኣጽኒዖም እንተድኣ ሒዞምዎ ውሉዳት ኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን ንምዃን ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብኡ ነገሮም። (ሮሜ 8:16, 17) ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እውን ገሊጹ ኢዩ:- “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ: ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና።”—ሮሜ 6:5
ኣብ ክንዲ ተስፋ ትንሳኤ ምጥባቕ
6. ኣብ ቈረንቶስ ናይ ትንሳኤ እምነት ተቓውሞ ዝወረዶ ስለምንታይ ኢዩ: ሃዋርያ ጳውሎስከ ብኸመይ ኢዩ መልሲ ዝሃበሉ፧
6 ትንሳኤ ሓደ ካብቲ ናይ ክርስትና ‘መጀመርታ ነገር’ ኢዩ። (እብራውያን 6:1, 2) እንተዀነ ግን: እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ኣብ ቈረንቶስ ተቓውሞ ወሪድዎ ነበረ። ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገለ ሰባት ብናይ ግሪኽ ፍልስፍና ተጸልዮም ምንባሮም ፍሉጥ ኢዩ: “ትንሳኤ ምዉታት የልቦን” ድማ ይብሉ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 15:12) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ምስ ሰምዐ: ንተስፋ ትንሳኤ: ብፍላይ ድማ ንተስፋ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ክጣበቐሉ ጀመረ። ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ እስከ ንመርምሮ። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም እተላበናካ: ነታ ምዕራፍ ብምልእታ ምንባባ ሓጋዚ ኰይኑ ክትርኽቦ ኢኻ።
7. (ሀ) ጳውሎስ ኣበየናይ ቀንዲ ጕዳይ ኢዩ ኣተኲሩ ነይሩ፧ (ለ) ነቲ ዝተንስአ የሱስ መን ረኣዮ፧
7 ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ቝጽርታት ናይ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15: ጳውሎስ ንሕመረት ናይቲ ምይይጥ የቕርቦ:- “ኣሕዋተየ: ንኸንቱ አሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም: . . . እቲ ዝሰበኽኩልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል ኤፍልጠኩም አሎኹ።” ሰብ ቈረንቶስ ኣብቲ ወንጌል ዘይጸንዑ እንተድኣ ነይሮም: ነቲ ሓቂ ንኸንቱ ተቐቢሎምዎ ነይሮም ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዅሉ ነጊረኩም እየ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ: ተቐብረ ኸኣ: ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ: ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ: ንኬፋ: ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ: ድሕሪኡ: ዚበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ: ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ: ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። ድሕሪኡ ንያእቆብ: ድሕሪኡ ኸኣ ንዅላቶም ሃዋርያት ተራእየ። ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ: ቍላዕ ንዝመስል: ተራእየኒ።”—1 ቈረንቶስ 15:3-8
8, 9. (ሀ) ኣብ ትንሳኤ ምእማን ኣገዳሲ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ “ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት” እተራእዮም ኣበየናይ ኣጋጣሚ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
8 ነቶም ወንጌል እተቐበሉ ሰባት: ኣብ ትንሳኤ የሱስ ምእማን ናይ ምርጫ ጕዳይ ኣይነበረን። ‘ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሙማቱን’ ምትንስኡን ዘረጋግጹ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነይሮም ኢዮም። ሓደ ካብኣቶም ኬፋ: ወይ ከምቲ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ጴጥሮስ ኢዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ኣብታ የሱስ ተታሒዙ እተኣስረላ ለይቲ ንየሱስ ድሕሪ ምኽሓዱ: የሱስ እንደገና ንዕኡ ምስ ተራእዮ ብዙሕ ተጸናኒዑ ክኸውን ኣለዎ። ‘እቶም ዓሰርተው ክልተ:’ እቶም ሃዋርያት ብሓባር: በቲ ዝተንስአ የሱስ ተበጺሖም ኢዮም: እዚ ድማ ፍርሆም ንኸሰንፉን ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ተባዓት መሰኻኽር ንኽዀኑን ዝሓገዞም ተመክሮ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ዮሃንስ 20:19-23፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32
9 ክርስቶስ ንዕብይ ዝበለ ጕጅለ: “ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት” እውን ተራእዩ ኢዩ። ክንድዚ ዝኣክል ቍጽሪ ዝነበሮም ሰዓብቲ ኣብ ገሊላ ጥራይ ስለ ዝነበርዎ: እዚ እቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ትእዛዝ ክህብ ከሎ ኣብ ማቴዎስ 28:16-20 ተጠቒሱ ዘሎ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ከመይ ዝበለ ሓያል ምስክርነት ኰን ኢዮም ክህቡ ዝኸኣሉ! ገሊኦም ክሳዕ እቲ ጳውሎስ ነዛ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሉ ግዜ: ክሳዕ 55 ከ.ኣ.ዘ. ገና ብህይወት ነይሮም ኢዮም። እቶም ዝሞቱ ግን “ደቂሶም” ከም እተባህለሎም ኣስተብህል። ሰማያዊ ዓስቦም ንምርካብ ገና ኣይተንስኡን ነበሩ።
10. (ሀ) እቲ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣኼባ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ (ለ) ጳውሎስ ‘ንቝላዕ ዝመስል’ ኰይኑ ኸሎ የሱስ እተራእዮ ብኸመይ ኢዩ፧
10 ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ካልእ ሓለፍ ዝበለ ምስክር ድማ ወዲ ዮሴፍ ከምኡውን ወዲ እታ ኣደ የሱስ ዝዀነት ማርያም ዝነበረ ያእቆብ ኢዩ። ቅድሚ እቲ ትንሳኤ እቲ ያእቆብ ኣማኒ ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። (ዮሃንስ 7:5) የሱስ ምስ ተራእዮ ግን: ያእቆብ ኣማኒ ኰነ: ንኣሕዋቱ ኣመንቲ ንኽዀኑ ኣብ ምሕጋዝ ድማ ግደ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) የሱስ ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣኼባ: ኣብቲ ንሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ ዝነበረ ኣጋጣሚ ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ መሰኻኽር ክዀንዎ’ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6-11) ጸኒሑ: ነቲ ሰጓጕ ክርስትያናት ዝነበረ ሳውል በዓል ጠርሲስ ተራእዮ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:6-8) የሱስ ንሳውል ክረኣዮ ኸሎ ሳውል ‘ቍላዕ ዝመስል’ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኵነታት እዚ ሳውል ልክዕ ድሮ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ከም ዝተንስአን እቲ ትንሳኤ እቲ ኸይኰነ ኸሎ ቅድሚ ዘበናት ነቲ ግርማዊ ጐይታ ክርእዮ ምኽኣሉ ኢዩ ዘመልክት። እዚ ተመክሮ እዚ ንሳውል ነቲ ኣንጻር እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክወስዶ ዝደሊ ዝነበረ ናይ ምቕታል ስጕምቲ ሃንደበት ከም ዘቋርጾን ርኡይ ለውጢ ከም ዝገብርን ኢዩ ገይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:3-9, 17-19) ሳውል እቲ ደሓር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተጣበቕቲ ናይታ ክርስትያናዊት እምነት ዝዀኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ።—1 ቈረንቶስ 15:9, 10
ኣብ ትንሳኤ ምእማን ኣድላዪ ኢዩ
11. ጳውሎስ እቲ ‘ትንሳኤ የልቦን’ ዝብል ዘረባ ዕሽነት ምዃኑ ዘቃልዖ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ትንሳኤ የሱስ እምበኣር ኣጸቢቑ እተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ። ጳውሎስ “ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዚስበኽ ደኣ: ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም: ትንሳኤ ምዉታት የልቦን: ዚብሉ ዘለዉ፧” ኢሉ ይምጕት። (1 ቈረንቶስ 15:12) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዛዕባ ትንሳኤ ብሕታዊ ጥርጠራ ወይ ሕቶ ነይርዎም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብኡ ከም ዘይኣምኑ ብጋህዲ ይዛረቡ ነበሩ። ስለዚ ጳውሎስ ነቲ ዘይቅኑዕ ምጕቶም የቃልዖ። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ናይ ክርስትና መልእኽቲ ሓሶት ኢዩ ነይሩ: እቶም ክርስቶስ ከም ዝተንስአ ዝመስከሩ ድማ “ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ” ኢዮም ነይሮም። ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተድኣ ኰይኑ: ንኣምላኽ በጅነት ዝበሃል ነገር ኣይምተኸፍለን ነይሩ፣ ክርስትያናት ድማ ‘ገና ኣብ ሓጢኣቶም’ ኢዮም ነይሮም። (1 ቈረንቶስ 15:13-19፣ ሮሜ 3:23, 24፣ እብራውያን 9:11-14) እቶም ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚታት ሰማእት ብምዃን: “[ብሞት] ዝደቀሱ” ክርስትያናት ድማ: ናይ ሓቂ ተስፋ ዘይብሎም ብኸንቱ ጠፊኦም ማለት ኢዩ። እቲ ክርስትያናት ክጽበይዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዓይነት ህይወት ንሱ ጥራይ ነይሩ እንተድኣ ዀይኑ ኣብ ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ኵነታት ኰን ኢዮም ዝወደቑ! ኵሉ ዘሕለፍዎ ስቓይ ከንቱ ምዀነ ነይሩ።
12. (ሀ) ንክርስቶስ “በዅሪ እቶም ዝደቀሱ” ኢልካ ምጽዋዕ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ክርስቶስ ንትንሳኤ መገዲ ዝኸፈተ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ይኹን እምበር: እቲ ዅነታት ከምኡ ኣይነበረን። ጳውሎስ ቀጺሉ “ክርስቶስ . . . ካብ ምዉታት ተንስኤ” ይብል። ብተወሳኺ ድማ “በዅሪ እቶም ዝደቀሱ” ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:20) እስራኤላውያን እዙዛት ብምዃን በዅራቶም ንየሆዋ ክህብዎ ኸለዉ: ብዙሕ ዓጺድ ከም ዘእትዉ ብምግባር ይባርኾም ነበረ። (ዘጸኣት 22:29, 30፣ 23:19፣ ምሳሌ 3:9,10) ጳውሎስ ንክርስቶስ “በዅሪ” ኢሉ ክጽውዖ ኸሎ: ሰማያዊ ህይወት ንምርካብ ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ካልኦት ተወሰኽቲ ውልቀ-ሰባት ከም ዝህልዉ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። ጳውሎስ “ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ: ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምዉታት ብሓደ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።” (1 ቈረንቶስ 15:21, 22) የሱስ ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ በጅነት ክትከውን ብምሃብ: ደቅሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዝወጽሉ መገዲ ኸፈተ።—ገላትያ 1:4፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19a
13. (ሀ) እቲ ሰማያዊ ትንሳኤ ዝፍጸም መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ገሊኦም ቅቡኣት ሰባት ‘[ብሞት] ዘይድቅሱ’ ብኸመይ ኢዮም፧
13 ጳውሎስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፤ ክርስቶስ ከም በዅሪ: ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ።” (1 ቈረንቶስ 15:23) ክርስቶስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተንሲኡ። ይኹን እምበር: ቅቡኣት ሰዓብቱ—“እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ”—የሱስ ንጉሳዊ ህላወኡ ደድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ ሓጺር ግዜ ክጽበዩ ነበሮም: እዚ ድማ ብ1914 ከም እተፈጸመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:14-16፣ ራእይ 11:18) ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ህላወኡ ብህይወት ዝጸንሑኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “እንሆ: ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፤ ኵላትና ኽንልወጥ እምበር: ኵላትና ኣይክንድቅስን ኢና: ብሓንሳእ: ብቕጽበት ዓይኒ: በቲ ናይ ድሕሪ ዅሉ መለኸት: እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ: እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም: ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።” (1 ቈረንቶስ 15:51, 52) ኣብ መቓብር ደቂሶም ትንሳኤ ዝጽበዩ ቅቡኣት ኵሎም ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ ኢዩ። እቶም ኣብ እዋን ህላወ ክርስቶስ ዝሞቱ ብቕጽበት ዓይኒ ኢዮም ዝልወጡ።—ራእይ 14:13
14. ቅቡኣት ሰባት “ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ” ብኸመይ ኢዮም፧
14 ጳውሎስ “እንተ ዘይኰነስ: እቶም ኣብ ክንዲ ምዉታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ አለዉ፧ ብሱሩ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀይኖምሲ: ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፧ ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ዅሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንአቱ፧” ብምባል ይሓትት። (1 ቈረንቶስ 15:29, 30) ጳውሎስ ከምቲ ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀመሉ ኣገላልጻ: ብህይወት ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ኣብ ክንዲ እቶም ዝሞቱ ይጥመቑ ማለቱ ኣይነበረን። ቅድም ቀዳድም: ጥምቀት ምስ ክርስትያን ወዲ መዝሙር ምዃን እተተሓሓዘ ኢዩ: ዝሞቱ ነፍሳት ድማ ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 4:1) ኣብ ክንድኡ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብህይወት ዝነበሩ ክርስትያናት: ካብኣቶም ዝበዝሑ ድማ ልክዕ ከም ጳውሎስ “ዅሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት” ዝነበሩ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ናብ ሞት ክርስቶስ እተጠምቁ’ ኢዮም ነይሮም። (ሮሜ 6:3) ካብቲ እተቐብእሉ ግዜ ኣትሒዞም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብቲ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ሞት ዝመርሕ ናብራ ኢዮም ‘ዝጥመቑ’ ነይሮም። (ማርቆስ 10:35-40) ተስፋ ክቡር ሰማያዊ ትንሳኤ ብምሓዝ ኢዮም ዝሞቱ።—1 ቈረንቶስ 6:14፣ ፊልጲ 3:10, 11
15. ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ዘፍርህ ተመክሮታት ኢዩ ዘሕለፈ: ኣብ ትንሳኤ እምነት ምግባር ነቲ ኵነታት ኣብ ምጽማሙ ግደ ዝነበሮኸ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ጳውሎስ ሕጂ “ኣብ ጸጽባሕ እመውት አሎኹ” ኣብ ምባል ክሳዕ ዝበጽሕ ንገዛእ ርእሱ ከም ዝፈርሀ ይገልጽ። ገሊኦም የጋንን ከም ዘሎ ገይሮም ምእንቲ ኸይከስዎ ኢሉ ጳውሎስ ቀጺሉ “ኣሕዋተየ: ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ” ይብል። ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) ነዛ ጥቕሲ እዚኣ “ኣሕዋተየ: መዓልቲ-መዓልቲ ምስ ሞት እጋጠም ኣሎኹ: በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ድማ ክምሕል እኽእል ኢየ” ብምባል ይትርጕማ። ጳውሎስ ከም ኣብነት ናይቲ ዘጋጥሞ ዝነበረ ሓደጋታት: ኣብ ቍጽሪ 32 ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝገጠመሉ’ ቃልሲ ይዛረብ። ሮማውያን መብዛሕትኡ ግዜ ንገበነኛታት ምስ ኣራዊት ክቃለሱ ኣብ ኣሬና ብምድርባይ ይቐትልዎም ነበሩ። ጳውሎስ ቃል ብቓሉ ምስ ኣራዊት ተቓሊሱ እንተድኣ ነይሩ: ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ክድሕን ዝኽእል ዝነበረ። ብዘይ ተስፋ ትንሳኤ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘፍርሕ ኵነታት ዘእትዎ ዓይነት ኣነባብራ ምምራጽ ዕሽነት ምዀነ ነይሩ። ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ተስፋ ዘይብልካ ክነሱ: ነቲ ምስ ንኣምላኽ ምግልጋል ተተሓሒዙ ዝመጽእ መከራን መስዋእትታትን ምጽዋር ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ። ጳውሎስ “ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ: ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” በለ።—1 ቈረንቶስ 15:31, 32፣ 2 ቈረንቶስ 1:8, 9፣ 11:23-27 ርአ።
16. (ሀ) እቲ “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ዘረባ ኣበይ ኢዩ ጀሚሩ ክኸውን ዝኽእል፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምሓዝ እንታይ ሓደጋታት ነበሮ፧
16 ጳውሎስ ካብታ ብዛዕባ እቶም ናይ ሞት ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ተቐማጦ የሩሳሌም እትገልጽ ኢሳይያስ 22:13 ይጠቅስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይውን ኣብ ኣኣምሮኡ እምነት ናይቶም ድሕሪ ሞት ብህይወት ናይ ምንባር ዝዀነ ይኹን ተስፋ ዘናእሱ: ኣብ ህይወት ድማ እቲ ቐንዲ ነገር ስጋዊ ተድላ ምርካብ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ዝነበሩ ኤጲቆሮሳውያን ነይሩ ክኽውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ይኹን ከምቲ ብዘየገድስ: እቲ “ንብላዕን ንስተን” ዝብል ፍልስፍና ኣምላኻዊ ኣይነበረን። በዚ ኸኣ ኢዩ: ጳውሎስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ዘጠንቅቕ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ምስቶም ንትንሳኤ ዝነጸጉ ዕርክነት ምግባር መርዛም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ዕርክነት ኣብቲ ጳውሎስ ክኣልዮ ዝነበሮ: ከም ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነት: ሻርነት: ምክሳስ: ከምኡውን ንድራር ጐይታ ብኽብሪ ዘይምርኣይ ዝኣመሰለ ናይ ጉባኤ ቈረንቶስ ግድላት ግደ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 1:11፣ 5:1፣ 6:1፣ 11:20-22
17. (ሀ) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ እንታይ ማዕዳ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ክምለስ ዘድልዮ እንታይ ሕቶታት ኢዩ ተሪፉ ዘሎ፧
17 ስለዚ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ እዚ ዝስዕብ ኣወንታዊ ማዕዳ ይህቦም:- “ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 15:34) ብዛዕባ ትንሳኤ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ንገሊኣቶም ልክዕ ከም ሰኽራም ናብ መንፈሳዊ ፍዘት መሪሕዎም ነበረ። ምብርባር: ንቑሓት ምዃን ኣድልይዎም ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ ብመንፈስ ንቑሓት: በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ምጥርጣር ኣረኣእያታት ዘይጽለዉ ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ናይ ሰማያዊ ትንሳኤ ተስፍኦም ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ይግባእ። ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰብ ቈረንቶስን ነዞም ሎሚ ዘሎናን ክምለስ ዘለዎ ዝተረፈ ሕቶታት ግን ኣሎ። ንኣብነት: እቶም 144,000 ናብ ሰማይ ዝትንስኡ በየናይ መልክዕ ኢዮም፧ ብዛዕባ እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘይብሎም ገና ኣብ መቓብር ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ትንሳኤ እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ፧ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽና: ነቲ ተሪፉ ዘሎ ጳውሎስ ንትንሳኤ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ክንምርምሮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ በጅነት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ናይ 4/112 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።
◻ የሱስ ኣብ ትንሳኤ እንታይ ብርሃን ኢዩ ዘብርሀ፧
◻ ገለ ካብቶም ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ መሰኻኽር እንመን ነበሩ፧
◻ ነቲ ናይ ትንሳኤ ሰረተ-እምነት ብድሆ ዝቐረቦ ስለምንታይ ኢዩ: ናይ ጳውሎስ መልሲኸ እንታይ ነበረ፧
◻ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ትንሳኤ እምነት ክህልዎም ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ጓል ያኢሮስ ትንሳኤ ከም ዝከኣል መርትዖ ኰይና ኢያ
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
ተስፋ ትንሳኤ እንተ ዘይህሉ ነይሩ: ናይ እሙናት ክርስትያናት ሰማእትነት ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ