ሰባት ናብ የሆዋ ኣጸቢቖም ንኽቐርቡ ምሕጋዞም
“ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።”—ዮሃንስ 14:6
1. እቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ዝሃቦም: ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ነዚ ክእዘዝዎ ከለዉ እንታይ ፍረ ይርከብ፧
የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19) ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ናብ ኣምላኽ ክመጹ ሓጊዞምዎም ኢዮም። ነዚ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ንምርኣይ ብማይ እናኣጠመቑ ኢዮም ገይሮምዎ። ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ንኽቐርቡ ክንሕግዞምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢና!—ያእቆብ 4:8
2. ዋላ እኳ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ይጥመቑ እንተለዉ: እንታይ ኢዩ ዘጋጥም ዘሎ፧
2 ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ግን ብዙሓት ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠሚቖም ክነሶም እቲ ኣብአን ዘሎ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ብእኡ መጠን ኣይውስኽን ኢዩ ዘሎ። ልክዕ ኢዩ እቲ ዓመታዊ ቍጽሪ ሞት ዳርጋ 1 ካብ ሚእቲ ብምዃኑ ኣሃዝ ናይቶም ዝሞቱ ምኽንያት ከም ዝኸውን ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ግን ብዙሓት ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሓቂ ዘንቢሎም ኢዮም። ስለምንታይ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትስዕብን ሰባት ብኸመይ ናብ የሆዋ ከም ዝቐርቡን ገሊኦም ካብ ሓቂ ዝዝምብልሉ ምኽንያትን ክንርኢ ኢና።
ዕላማ ስብከትና
3. (ሀ) እቲ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሕድሪ እተዋህቦም ዕዮ ምስቲ ኣብ ራእይ 14:6 ተጠቒሱ ዘሎ መልኣኽ ዝፍጽሞ ዕዮ ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰባት ኣብ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ዘለዎም ተገዳስነት ንምልዕዓል ኣስላጢ ኰይኑ እተረኽበ መገዲ እንታይ ኢዩ: እንተዀነ ግን እንታይ ግድል ኢዩ ዘምጽእ፧
3 ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ብዛዕባ “ወንጌል መንግስቲ” ዝገልጽ “ሓቀኛ ፍልጠት” (NW ) ክዝርግሕዎ ሓላፍነት ኣለዎም። (ዳንኤል 12:4፣ ማቴዎስ 24:14) እቲ ዕዮኦም ምስቲ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም . . . ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ” መልኣኽ ዝፍጽሞ ዕዮ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ራእይ 14:6) ኣብዛ ብስጋዊ ነገራት ኣዝያ ተታሒዛ ዘላ ዓለም: ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝግደሱ ገይርካ ናብ የሆዋ ንኽቐርቡ ክትሕግዞም እትኽእል ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዘሎ ብምንጋር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ምግባር ጽቡቕ እኳ እንተዀነ: እቶም ኣብ ገነት ንኽኣትዉ ኢሎም ጥራይ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዝሓብሩ ግን በታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ ደገ ንኽመላለሱ ብመንፈስ ኣዝዮም ጽኑዓት ኣይኰኑን።—ማቴዎስ 7:13, 14
4. ብመሰረት እቲ የሱስን እቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ ዝነበረ መልኣኽን ዝበልዎ ዕላማ ዕዮ ስብከትና እንታይ ኢዩ፧
4 የሱስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:3) እቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ ዝነበረ መልኣኽ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ብምእዋጅ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ከምዚ በሎም:- “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ።” (ራእይ 14:7) ስለዚ እምበኣር: ቀንዲ ዕላማ ስብከትና ሰባት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ናብ የሆዋ ኣጸቢቖም ንኽቐርቡ ምሕጋዝ ኢዩ።
ኣብ ዕዮ የሆዋ ዘሎና ግደ
5. እንታይ ጳውሎስን የሱስን ዝበልዎ ሓሳባት ኢዩ ናትና ዕዮ ዘይኰነስ ዕዮ የሆዋ ንገብር ምህላውና ዘርኢ፧
5 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብጾቱ ክጽሕፈሎም ከሎ ብዛዕባ ‘ኣገልግሎት ዕርቂ’ ብምዝራብ: ኣምላኽ ንሰባት ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ከም ዝተዓረቖም ገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስ “ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ” ድሕሪ ምባሉ “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ: እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና” በለ። ኣየ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል ሓሳብ ኰን ኢዩ! “ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት” ዝዀኑ ቅቡኣት ንኹን ወይስ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ደገፍቲ ብዘየገድስ እዚ ዕዮ እዚ ናይ የሆዋ ድኣምበር ናትና ከም ዘይኰነ ክንዝክር ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 5:18-20) ንሰባት ዝስሕቦምን ነቶም ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ዝምህሮምን ብሓቂ የሆዋ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።”—ዮሃንስ 6:44, 45
6. የሆዋ ንህዝብታት ብቐዳምነት ዘነቓንቖም ብኸመይ ኢዩ: እዚ ክፍጸም ከሎ ኣብታ ናይ ኣምልኾ ‘ቤቱ’ ዕቝባ ዝረኽቡኸ መን ኢዮም፧
6 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት የሆዋ ንሰባት ናብኡ ከም ዝቐርቡ ብምግባር “ደገ እምነት” ዝኸፍተሎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 14:27፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ከምዚ ዝገብረሉ ቀንዲ መገዲ መሰኻኽሩ ነቲ ብዛዕባ ድሕነትን ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ ዝወርድ ፍርድን ዝገልጽ መልእኽቱ ከም ዝሰብክዎ ብምግባር ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:12፣ 61:1, 2) እዚ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ እዚ መርኣያ ናይቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክመጽእ ዘለዎ ኣዕናዊ ፍርዲ ብምዃን ንኣህዛብ የነቓንቖም ኣሎ። እዚ ምንቕናቕ እዚ ክኸውን ከሎ እቶም ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ‘ክቡራት’ ዝዀኑ ሰባት ካብዚ ኣገባብ እዚ ወጺኦም ኣብታ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ‘ቤቱ’ ዕቝባ ይረኽቡ ኣለዉ። ስለዚ የሆዋ ነቲ ሃጌ ዝጸሓፎ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ትንቢታዊ ቃሉ ይፍጽሞ ኣሎ:- “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ።”—ሃጌ 2:6, 7፣ ራእይ 7:9, 15
7. የሆዋ ንኣልባብ ሰባት ብምኽፋት ናብኡን ናብ ወዱን ከም ዝሰሓቡ ዝገብር ብኸመይ ኢዩ፧
7 የሆዋ ነዞም ንዕኡ ዝፈርሁ “ናይ ኵሎም ኣህዛብ ምሩጻት” ነቲ መሰኻኽሩ ‘ዝብልዎ ንኸድህብሉ’ ልቦም ይኸፍተሎም ኢዩ። (ሃጌ 2:7 ጁዊሽ ፓብሊከሽን ሶሳይቲ፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14) የሆዋ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝገብሮ ዝነበረ ነቶም ሓገዝ ደልዮም ናብኡ ዘእውዩ ሰባት ንኽረኽብዎም ሓድሓደ ግዜ ብመላእኽቱ ገይሩ ንመሰኻኽሩ ይመርሖም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-31) ነቲ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ድንቂ ዝዀነ ምድላዋት ምስ ፈለጡ ኸኣ ብፍቕሩ ናብ የሆዋ ይቐርቡ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) እወ: ኣምላኽ “ብፍቕራዊ ሕያውነት” ወይ “እምንቲ ፍቕሪ” ኣቢሉ ንሰባት ናብኡን ናብ ወዱን ከም ዝሰሓቡ ይገብሮም።—ኤርምያስ 31:3 NW እግረ-ጽሑፍ
የሆዋ ንመን ኢዩ ናብኡ ዝስሕቦ፧
8. የሆዋ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት ኢዩ ናብኡ ዝስሕቦም፧
8 የሆዋ ነቶም ዝደልይዎ ኢዩ ናብኡን ናብ ወዱን ዝስሕቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27) ኣብዚ እቶም በቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያንን መላእ ዓለምን ‘ዝግበር ጽያፍ ዝጕህዩን ዝትክዙን’ ሰባት እቱዋት ኢዮም። (ህዝቅኤል 9:4) እዚኣቶም “መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ንቑሓት” ኢዮም። (ማቴዎስ 5:3 NW ) እወ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ዝነብሩ ሰባት እቶም “ትሑታት ምድሪ” ኢዮም።—ጸፎንያስ 2:3
9. የሆዋ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ብኸመይ ክፈልጦም ይኽእል: ብኸመይከ ናብኡ ይስሕቦም፧
9 የሆዋ ንልቢ ሰብ ክፈልጥ ይኽእል ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ:- “እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ: ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ: እንተ ደሌኻዮስ: ኪርከበልካ እዩ።” (1 ዜና መዋእል 28:9) የሆዋ ብመሰረት ኵነታት ልቢ ከምኡውን መንፈስ ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ናይቲ ውልቀ-ሰብ: ነቲ ሓጢኣት ይቕረ ንምባል ከምኡውን ኣብ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንምሃብ ዝገበሮ ምድላው ብጽቡቕ ይምልሰሉ ድዩ ኣይምልሰሉን ክፈልጥ ይኽእል ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) የሆዋ ብመሰረት እቲ መሰኻኽሩ ዝሰብክዎን ዝምህርዎን ቃሉ ገይሩ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ናብኡን ናብ ወዱን ከም ዝቐርቡ ይገብሮም: ንሳቶም ከኣ ‘ኣመንቲ’ ይዀኑ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48
10. የሆዋ ንገሊኦም ናብኡ ምስሓቡ ንገሊኦም ግን ምግዳፉ ኣቐዲሙ ዝወሰኖ ነገር ከም ዘይኰነ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
10 የሆዋ ንገሊኦም ናብኡ ዝስሕቦም ንገሊኦም ከኣ ዝገድፎም መጻኢኦም ኣቐዲሙ ስለ ዝውስኖ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! የሆዋ ንሰባት ናብኡ ክስሕቦም ከሎ ኣብቲ ውሽጣዊ ድራኸኦም እተመርኰሰ ኢዩ። ነቲ ዘለዎም ናጻ ድሌት ይሕልወሎም ኢዩ። የሆዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ነባሮ ምድሪ ልክዕ ከምቲ ነቶም ልዕሊ 3,000 ዓመታት ይገብር ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘንበረሎም ምርጫ ኢዩ ሂብዎም ዘሎ። ሙሴ ከምዚ በሎም:- “ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን: ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ። . . . ህይወትን ሞትን በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።”—ዘዳግም 30:15-20
11. እስራኤላውያን ህይወት ክመርጹ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
11 እስራኤላውያን ‘ንእግዚኣብሄር ብምፍቃር: ቃሉ ብምስማዕ: ናብኡ ብምልጋብ’ ህይወት ክሓርዩ ነበሮም። እዘን ቃላት እዚኣተን ክዝረባ ኸለዋ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ኣይወረስዋን ነበሩ። ርባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ምድሪ ከነኣን ንኽኣትዉ ንምድላው ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኣዕሪፎም ነበሩ። ብዛዕባ እታ ነዊሕ ከይጸንሑ ክኣትዉዋ ዝነበሮም “ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ምድሪ ክሓስቡ ባህርያዊ እኳ እንተ ነበረ: እዚ ግን ኣብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ: ንቓሉ ምስማዕ: ከምኡውን ናብኡ ምልጋብ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 3:8) ሙሴ ከምዚ ብምባል ኣብርሃሎም:- “ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን: ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ: ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ: ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ: ኣነ ሎሚ እእዝዘካ አሎኹ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ዘዳግም 30:16
12. እቲ ናይ እስራኤላውያን ኣብነት ብዛዕባ እቲ እንገብሮ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ እንታይ ኢዩ ክምህረና ዘለዎ፧
12 እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እንገብሮ ስብከትን ትምህርትን ገለ ነገር ዝምህረናዶ ከይኰነ፧ ብዛዕባ እታ ክትመጽእ ዘለዋ ገነታዊት ምድሪ ንሓስብ: ኣብ ኣገልግሎትና ኸኣ ብዛዕባኣ ንዛረብ ኢና። ንሕና ወይ እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንገብሮም ሰባት ንኣምላኽ ብስስዐ ተደሪኽና ነምልኾ እንተድኣ ኴንና ግን ንሕና ንኹን ንሳቶም ኣይክንርእያን ኢና። ልክዕ ከምቶም እስራኤላውያን ንሕናን እቶም እንምህሮምን ‘ንኣምላኽ ከነፍቅሮ: ቃሉ ክንሰምዕ: ናብኡ ክንለግብ’ ይግብኣና። ኣገልግሎትና ክንፍጽም ከሎና እዚ ምስ እንዝክር: ንኣምላኽ ኣብቲ ንሰባት ናብኡ ንምስሓብ ዝገብሮ ዕዮ ንሓብሮ ኣሎና ማለት ኢዩ።
መተዓይይቲ ኣምላኽ
13, 14. (ሀ) ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 3:5-9 መተዓይይቲ ኣምላኽ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ዝዀነ ይኹን ወሰኽ ምስ ዝርከብ ንመን ኢዩ ክብሪ ክወሃብ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧
13 ጳውሎስ ብዛዕባ ግራት ምዅስኳስ ኣብነት ብምሃብ ምስ ኣምላኽ ምትሕብባር እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብሪሁ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምብኣርከ: ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም: እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ። ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: እቲ ዚተክል ወይስ ዜስቲ ዚዐብሱ የብሎምን። እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም: ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ: ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ . . . ኢኹም።”—1 ቈረንቶስ 3:5-9
14 ከም መተዓይይቲ ኣምላኽ መጠን ነቲ “ቃል መንግስቲ” ኣብ ኣልባብ ሰባት ብተኣማንነት ክንተኽሎ ኣሎና። ድሕርዚ ግቡእ ምድላው እተገብሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባርን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕን ነቲ እተራእየ ዝዀነ ይኹን ተገዳስነት ማይ ነስትዮ። እቲ ሓመድ ማለት ልቢ ናይቲ ሰብ ጽቡቕ እንተድኣ ዀይኑ የሆዋ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኢ ፍረ ዝህብ ተኽሊ ከም ዝኸውን ገይሩ ከዕብዮ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:19, 23) ነቲ ሰብ ናብኡን ናብ ወዱን ክስሕቦ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ዝዀነ ይኹን ወሰኽ ምስ ዝርአ በቲ የሆዋ ኣብ ኣልባብ ሰባት ዝገብሮ ዕዮ ኢዩ: ከመይሲ ነቲ ዘርኢ ኣብ ልቦም ከም ዝበቍል ብምግባር ናብኡን ናብ ወዱን ኢዩ ዝስሕቦም።
ነባሪ ዕዮ ምዕያይ
15. ካልኦት እምነቶም ንኸዕብዩ እንሕግዘሉ መገዲ ንምግላጽ ጳውሎስ እንታይ መብርሂ ኢዩ እተጠቕመ፧
15 በቲ ዝግበር ወሰኽ ንሕጐስ እኳ እንተዀንና: ሰባት ንየሆዋ ብቐጻሊ ከፍቅርዎ: ድምጹ ክሰምዑ: ናብኡ ክለግቡ ክንርኢ ኢና እንደሊ። ገሊኦም ዝሒሎም ንድሕሪት ክምለሱ ክንርኢ ከሎና ንጕሂ ኢና። ከምዚ ንኸይከውን ገለ ነገር ክንገብር ንኽእልዶ፧ ጳውሎስ ኣብቲ ዝሃቦ ካልእ መብርሂ እምነቶም ንኸዕብዩ ብኸመይ ንኻልኦት ክንሕግዞም ከም እንኽእል ኣርእዩ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ: ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን . . . ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ: ብሩር: ክቡር እምኒ: ዕጨይቲ: ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ: ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሀድ እዩ: ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ ኢዩ።”—1 ቈረንቶስ 3:11-13
16. (ሀ) እተን ጳውሎስ ዝጠቐሰን ክልተ መብርሂታት ኣብ ዕላምአን ብኸመይ ኢየን ዝፈላለያ፧ (ለ) እቲ እንሃንጾ ዘየዕግብን ሓዊ ዘይጻወርን ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
16 ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ግራት ሂብዎ ዘሎ መብርሂ: ዕቤት ኣብ ጻዕሪ እተሓወሶ ምትካል: ብዝግባእ ማይ ኣብ ምስታይ: ከምኡውን ኣብ በረኸት ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ዝሃቦ ካልእ መብርሂ ግን እቲ ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ህንጽኡ እንታይ ከም ዝመስል ዘለዎ ሓላፍነት ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብ ሓደ ድልዱል መሰረት ብብሉጽ ዝዀነ ኣቑሑ ድዩ ሃኒጹ፧ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሀንጽ ይጠንቀቕ” ኢሉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 3:10) ንሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምንጋር ተገዳስነቱ ምስ ኣለዓዓልና: ኣብቲ መሰረታዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ብምትኳር እቲ ውልቀ-ሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረክብ ብብሕቱ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣብ ምጕላሕ ጥራይ ዲና እነተኵር፧ ትምህርትና ‘ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊ እንተድኣ ዄንካ ከተጽንዕ ከምኡውን ኣብ ኣኼባታትን ዕዮ ስብከትን ክትካፈል ኣሎካ ምባል ጥራይ ድዩ፧’ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ንእምነት እቲ ሰብ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ኣይንስርታን ኢና ዘሎና: እቲ እንሃንጾ ኸኣ ፈተና ወይ ምንዋሕ ግዜ ኣይክጻወርን ኢዩ። ንቝሩብ ዓመታት ንየሆዋ ስለ ዘገልገልዎ ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡ ብምንጋር ንሰባት ናብ የሆዋ ከም ዝቐርቡ ምግባሮም ‘ብዕንጨይቲ: ሳዕሪ ወይ ሓሰር’ ገይርካ ከም ምህናጽ ኢዩ።
ንኣምላኽን ክርስቶስን ፍቕሪ ከም ዝሓድሮም ምግባር
17, 18. (ሀ) ናይ ሓደ ሰብ እምነት ጸኒዓ ክትቅጽል እንተድኣ ኰይና ክተርፍ ዘይብሉ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስቶስ ኣብ ልቡ ንኽሓድር ብኸመይ ንሓደ ሰብ ክንሕግዞ ንኽእል፧
17 እምነት ጸኒዓ ክትቅጽል እንተድኣ ዀይና ኣብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ዝጥረ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝግበር ብሕታዊ ርክብ እተመስረተት ክትከውን ኣለዋ። ዘይፍጹማት ብምዃንና ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ርክብ ክህልወና ዝኽእል ብወዱ ኣቢልና ጥራይ ኢዩ። (ሮሜ 5:10) የሱስ “ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ከም ዝበለ ዘክር። ካልኦት እምነት ክሃንጹ ንምሕጋዞም “ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ: ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን።” እዚኸ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧—ዮሃንስ 14:6፣ 1 ቈረንቶስ 3:11
18 ኣብ ክርስቶስ ከም ዝስረት ገይርካ ምህናጽ ማለት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ እቲ የሱስ ከም ተበጃዊ: ርእሲ ማሕበር: ፈቃር ሊቀ-ኻህናት: ኣብ ስልጣን ከም ዘሎ ንጉስ መጠን ዘለዎ ግደ ምሉእ ፍልጠት ብምርካብ ኣብ የሱስ ዓሚቝ ፍቕሪ ከም ዝህልዎ ምግባር ኢዩ። (ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 20:28፣ ቈሎሴ 1:18-20፣ እብራውያን 4:14-16) እዚ ኸኣ ንየሱስ ህያው ኰይኑ ከም ዝርኣዮም ገይርካ ኣብ ልቦም ከም ዝሓድር ምግባር ማለት ኢዩ። እቲ ኣብ ክንድኦም እንገብሮ ጸሎት ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገበሮ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር: ሱር ክትሰዱን ክትስረቱን ናብ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ።’—ኤፌሶን 3:14-17
19. ነቶም ጽንዓት እንገብረሎም ኣብ ኣልባቦም ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዝሓድር ገይርና እንተድኣ ሃኒጽናዮም እንታይ ውጽኢት ኣለዎ: እንተዀነ ግን እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዘለዎም፧
19 ተማሃሮና ኣብ ልቦም ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዝሓድር ገይርና እንተድኣ ሃኒጽናዮም: ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እውን ፍቕሪ ከም ዝህልዎም ርዱእ ኢዩ። እቲ የሱስ ዘርኣዮ ፍቕሪ: ስምዒት: ከምኡውን ድንጋጽ ነጸብራቕ ባህርያት የሆዋ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ ማርቆስ 6:30-34፣ ዮሃንስ 15:13, 14፣ ቈሎሴ 1:15፣ እብራውያን 1:3) ስለዚ ሰባት ንየሱስ ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን ምስ ጀመሩ: ንየሆዋ ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን ክጅምሩ ኢዮም።a (1 ዮሃንስ 4:14, 16, 19) ነቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃሮና ነቲ የሱስ ንደቅሰብ ዝገበረሎም ኵሉ ነገራት ዘዳለዎ የሆዋ ምዃኑ: ስለዚ ኸኣ ንየሆዋ ከነመስግኖን ክንውድሶን ከም “ኣምላኽ ምድሓንና” ገይርና ከነምልኾን ከም ዝግባእ ክንምህሮም ኣሎና።—መዝሙር 68:19, 20፣ ኢሳይያስ 12:2-5፣ ዮሃንስ 3:16፣ 5:19
20. (ሀ) ንሰባት ናብ ኣምላኽን ወዱን ኣጸቢቖም ንኽቐርቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንርኢ፧
20 ከም መተዓይይቲ ኣምላኽ መጠን ንሰባት ኣብ ኣልባቦም ፍቕርን እምነትን ንኽሓድሮም ብምድጋፍ ናብ ኣምላኽን ወዱን ኣጸቢቖም ንኽቐርቡ ንሓግዞም። በዚ ኸኣ ንየሆዋ ከም ህያው ኣካል ገይሮም ክርእይዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 7:28) ብክርስቶስ ኣቢሎም ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ክገብሩ ኢዮም: ከፍቅርዎን ክለግብዎን ከኣ ኢዮም። እቲ ዘደንቕ መብጽዓታት የሆዋ ኣብ ግዜኡ ከም ዝፍጸም እምነት ብምግባር ኣብቲ ብፍቕሪ ተደሪኾም ዝገብርዎ ኣገልግሎት ናይ ግዜ ገደብ ኣይክገብሩን ኢዮም። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:24-26፣ እብራውያን 11:6) ይኹን እምበር ንኻልኦት እምነት: ተስፋ: ፍቕሪ ከማዕብሉ እናሓገዝና ናይ ገዛእ ርእስና እምነት እውን ከም ሓንቲ ብርቱዕ ማዕበል እትጻወር ጽንዕቲ መርከብ ምእንቲ ክትከውን ክንሃንጻ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንየሱስ: ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ንኣቦኡ የሆዋ ኣጸቢቕና ንምፍላጥ ብዝበለጸ ክትሕግዘና እትኽእል እታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ኢያ።
ድግማ
◻ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ሰባት ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተገዳስነት ብኸመይ ኢና እነለዓዕሎ: እንተዀነ ግን እንታይ ሓደጋ ኢዩ ዘለዎ፧
◻ የሆዋ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት ኢዩ ናብኡን ናብ ወዱን ዝስሕቦም፧
◻ ናይ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምእታው ኣብ እንታይ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ: ካብኡኸ እንታይ ኢና እንማሃር፧
◻ ሰባት ናብ የሆዋን ወዱን ንኽቐርቡ ክንሕግዞም ከሎና እንታይ ግደ ኢዩ ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንሰባት ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዘሎ ንነግሮም እኳ እንተዀንና: እቲ ቀንዲ ዕላማና ግን ናብ የሆዋ ከም ዝቐርቡ ንምግባር ኢዩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ብግቡእ ምስ እንዳሎ እቲ እንገብሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣዝዩ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ