የሆዋ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ የእትዎም
“ [ኣምላኽ ] ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም: ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽም ተገብኦ።” —እብራውያን 2:10
1. እቲ የሆዋ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
የሆዋ ንምድሪ ዘለኣለማዊት ቤት ናይቶም መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ዘስተማቕሩ ፍጹማት ሰብኣውያን ስድራቤት ክትከውን ኢዩ ፈጢርዋ። (መክብብ 1:4፣ ኢሳይያስ 45:12, 18) ሓቂ ኢዩ ኣቦና ኣዳም ሓጢኡ: ናብ ዘርኡ ድማ ሓጢኣትን ሞትን ኣመሓላለፈ። እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ግን በቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ: የሱስ ክርስቶስ: ክፍጸም ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 22:18፣ ሮሜ 5:12-21፣ ገላትያ 3:16) እቲ የሆዋ ኣብ ናይ ደቅሰብ ዓለም ዘለዎ ፍቕሪ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ” ክህብ ደረኾ። (ዮሃንስ 3:16) ንየሱስውን ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ንኸሕልፍ’ ፍቕሪ ደሪኻቶ ኢያ። (ማቴዎስ 20:28) እዚ ‘በጅነት’ እዚ: ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ መሰልን ተስፋን እንደገና ይዕድግ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ከም ዝከኣል ይገብር።—1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6፣ ዮሃንስ 17:3
2. ናይ እስራኤል ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ኣብቲ መስዋእታዊ በጅነት የሱስ ዝህቦ ጥቕሚ ጽላሎት ዝነበሮ ብኸመይ ኢዩ፧
2 ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ኣብቲ የሱስ መስዋእታዊ በጅነት ዝህቦ ጥቕሚ ጽላሎት ነይርዎ ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ብመጀመርታ ናይ ሓጢኣት መተዓረቒ ክኸውን ዝራብዕ ይሓርድ እሞ ንደሙ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናይቲ ማሕደር ዝርከብ ቅዱስ ታቦት ጸኒሑ ድማ ኣብቲ ቤት መቕደስ የቕርቦ ነበረ። እዚ ዝግበር ዝነበረ ድማ ኣብ ክንዲ ርእሱን ቤቱን ዓሌት ሌዊን ኢዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ: የሱስ ክርስቶስ ዋጋ ናይ ደሙ ብቐዳምነት ንሓጢኣት ናይ መንፈሳውያን ‘ኣሕዋቱ’ ንምድምሳስ ናብ ኣምላኽ ኣቕረቦ። (እብራውያን 2:12፣ 10:19-22፣ ዘሌዋውያን 16:6, 11-14) ብዘይዝውን እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ሓደ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይስውእ እሞ ንደሙ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን የቕርቦ: በዚ ድማ ንሓጢኣት እቶም ክህነት ዘይብሎም 12 ነገድ እስራኤል የተዓርቕ ነበረ። ብተመሳሳሊ መገዲ: እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንደሙ ኣብቶም እምነት ዘርኣዩ ደቅሰብ ብምውዓል: ንሓጢኣቶም ክድምስሰሎም ኢዩ።—ዘሌዋውያን 16:15
ናብ ክብሪ ኣተዉ
3. ብመሰረት እብራውያን 2:9, 10 ኣምላኽ ን1,900 ዓመታት እንታይ ኢዩ ክገብር ጸኒሑ፧
3 ኣምላኽ ን1,900 ዓመታት ዝኣክል ምስ ‘ኣሕዋት’ የሱስ እተተሓሓዘ ሓደ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ነገር ክገብር ጸኒሑ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ዝምልከት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና: ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ: ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና። እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ [የሆዋ ኣምላኽ]: ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም: ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽም ተገብኦ።” (እብራውያን 2:9, 10) እቲ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜያት ብእተሰቀዮ ስቅያት ፍጹም ምእዛዝ እተማህረ ራእሲ ምድሓን የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (እብራውያን 5:7-10) የሱስ እቲ ብቐዳምነት ከም መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ክውለድ ዝነበሮ ኢዩ።
4. የሱስ ከም መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ እተወልደ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧
4 የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ወይ ከኣ ነቲ መስለጢ ሓይሉ ንየሱስ ከም መንፈሳዊ ወዱ ኰይኑ ክውለድ: ናብ ሰማያዊ ክብሪ ንኸእትዎ ተጠቕመሉ። የሱስ ምስ ዮሃንስ መጥምቕ በይኑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ገዛእ ርእሱ ናብ ኣምላኽ ከም ዘቕረበ ንምምልካት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ጥሒሉ ኢዩ። ናይ ወንጌል ሉቃስ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ: የሱስውን ተጠሚቑ ኺጽሊ ኸሎ: ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ: ዚብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።” (ሉቃስ 3:21, 22) ዮሃንስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ የሱስ ክወርድ ከሎ ርእዩ: ከምኡውን የሆዋ ብግልጺ ፍትዊ ወደይ ብምባል ከም ዝሰመሮ ክዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ ኢዩ። የሆዋ ንየሱስ ናይቶም ‘ናብ ክብሪ ዝኣትዉ ብዙሓት ውሉድ’ መጀመርታ ገይሩ ኣብቲ ግዜ እቲን ብመንፈስ ቅዱስ ወለዶ።
5. ካብ መስዋእቲ የሱስ ብመጀመርታ ክጥቀሙ ዝነበሮም መን ኢዮም: ቍጽሮምከ ክንደይ ኢዩ፧
5 ‘ኣሕዋት’ የሱስ እቶም ካብ መስዋእቱ ኽጥቀሙ ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ሰባት ኢዮም። (እብራውያን 2:12-18) ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚኣቶም ድሮ ምስቲ ገንሸል: ዝተንስአ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ሰማያዊ ከረን ጽዮን ክብሪ ለቢሶም ብራእይ ርእይዎም ኢዩ። ዮሃንስ “እንሆ ድማ: እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ። . . . ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም” ብምባል ቍጽሮም እውን ከይተረፈ ገሊጽዎ ኢዩ። (ራእይ 14:1-5) ስለዚ እምበኣር እቶም ኣብ ሰማያት ‘ናብ ክብሪ ዝኣትዉ ብዙሓት ውሉድ’ ብጠቕላላ 144,001—የሱስን መንፈሳውያን ኣሕዋቱን—ጥራይ ኢዮም።
“ካብ ኣምላኽ እተወልደ”
6, 7. እቶም ‘ካብ ኣምላኽ እተወልዱ’ መን ኢዮም: እዚኸ ንዓታቶም እንታይ ማለት ኢዩ፧
6 እቶም ደቂ የሆዋ ‘ካብ ኣምላኽ እተወልዱ’ ኢዮም። ሃዋርያ ዮሃንስ ንዓታቶም ኣመልኪቱ “ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ: ዘርኡ [ናይ የሆዋ] ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ: ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን: ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 3:9) እዚ ‘ዘርኢ’ እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ምስ ቃል ኣምላኽ ሓቢሩ ብምዕያይ ከኣ ነቶም 144, 000 ንነፍሲ ወከፎም ንሰማያዊ ተስፋ ‘ሓድሽ ውልድነት’ ይህቦም።—1 ጴጥሮስ 1:3-5, 23
7 ከምቲ እቲ ፍጹም ኣዳም “ወዲ ኣምላኽ” ዝነበረ: የሱስውን ብሰብኣዊ ኣወላልድኡ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 1:35፣ 3:38) ይኹን እምበር ድሕሪ ጥምቀት የሱስ: የሆዋ “ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ምባሉ ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። (ማርቆስ 1:11) በዚ ምስ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እተዘርበ ቃላት: ኣምላኽ ንየሱስ መንፈሳዊ ወዱ ገይሩ ከም ዝወለዶ ንጹር ነበረ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ የሱስ ኣብ ሰማይ ከም መንፈሳዊ ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ህይወት ንኽቕበል ‘ሓድሽ ውልድነት’ ተዋህቦ። እቶም 144, 000 መንፈሳውያን ኣሕዋቱውን ልክዕ ከም የሱስ ‘እንደገና ተወሊዶም’ ኢዮም። (ዮሃንስ 3:1-8 NW፣ ናይ 15 ሕዳር 1992 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 3-6 ርአ።) ብተወሳኺውን ከም የሱስ ብኣምላኽ ተቐቢኦም ኢዮም: ብስራት ክእውጁ ኸኣ ተኣዚዞም ኢዮም።—ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ሉቃስ 4:16-21፣ 1 ዮሃንስ 2:20
ናይ ውልድነት መረጋገጺ
8. (ሀ) የሱስ መንፈሳዊ ውልድነት ከም ዝረኸበ፧ (ለ) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ መንፈሳዊ ውልድነት ከም ዝረኸቡ ዘርኢ: እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ፧
8 የሱስ መንፈሳዊ ውልድነት ረኺቡ ከም ዝነበረ ዘርኢ መረጋገጺ ነይሩ ኢዩ። ዮሃንስ መጥምቕ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊ የሱስ ክወርድ ከሎ ርእዩ ከምኡውን ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እተቐብአ መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኸበ መሲሕ ክዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መንፈሳዊ ውልድነት ከም ዝረኸቡ ብኸመይ ኢዮም ክፈልጡ ዝኽእሉ፧ የሱስ ኣብታ ንሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ “ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ: ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:5) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተጠምቁ።’ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምፍሳስ “ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ” ብምስማዕን “እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል” ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ብምውራድን ኢዩ ተሰንዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር ድማ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦም ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ’ ምኽኣሎም ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ዝመርሕ መገዲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ተኸፊቱሎም ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ዝርአን ዝስማዕን መርትዖ ነይሩ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 14-21፣ ዮኤል 2:28, 29
9. ሳምራውያን: ቆርኔሌዎስ: ከምኡውን ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ካልኦት ሰባት: መንፈሳዊ ውልድነት ከም ዝረኸቡ ዘርኢ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ፧
9 ድሕሪ እዚ ገለ ግዜ ጸኒሑ: ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣብ ሰማርያ ሰበኸ። ሽሕ’ኳ ሳምራውያን መልእኽቱ ተቐቢሎም እንተ ተጠምቁ: ኣምላኽ ከም ደቁ ገይሩ ከም ዝወለዶም ዘርኢ መረጋገጺ ጐዲልዎም ነበረ። ጴጥሮስን ዮሃንስን እቶም ሃዋርያት: ጸልዮም ነቶም ኣመንቲ ኣእዳዎም ምስ ኣንበሩሎም በቶም ተዓዘብቲ ክርአ ብዝክኣል ገለ መገዲ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:4-25) እዚ ድማ እቶም ኣመንቲ ሳምራውያን ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን መንፈሳዊ ውልድነት ከም እተቐበሉ ዘርኢ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ቆርኔሌዎስን ካልኦት ኣህዛብን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ተቐበሉ። ጴጥሮስን እቶም ዘሰነይዎ ኣመንቲ ኣይሁድን “ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ: ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:44 - 48) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ከም እኒ ብቛንቋታት ምዝራብ ዝኣመሰለ ‘መንፈሳዊ ውህበት’ ተቐበሉ። (1 ቈረንቶስ 14:12, 32) እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም መንፈሳዊ ውልድነት ከም ዝረኸቡ ዘርኢ ንጹር መረጋገጺ ነይርዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ድሓር ዝመጹ ክርስትያናት መንፈሳዊ ውልድነት ምርካቦምን ዘይምርካቦምን ብኸመይ ክፈልጡ ነበሮም፧
ምስክርነት መንፈስ
10, 11. ብመሰረት ሮሜ 8:15-17 እቲ መንፈስ ምስቶም መዋርስቲ ክርስቶስ ኰይኑ ከም ዝምስክር ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
10 ኵሎም እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘለዎም ምሉእ መረጋገጺ ኣለዎም። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኢዩ: ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈ:- “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ: ኣቦ: ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኩም . . . ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና።” (ሮሜ 8:15-17) ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማያዊ ኣቡኦም ናይ ውልድነት ስምዒት: እወ ዓብላሊ ዝዀነ ናይ ውልድነት መንፈስ ኣለዎም። (ገላትያ 4:6, 7) ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ከም መዋርስቲ ክርስቶስ ኰይኖም መንፈሳውያን ውሉዳት ንምዃን ብኣምላኽ ከም እተወልዱ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ኢዮም። ኣብዚ: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዓቢ ግደ ኢዩ ዘለዎ።
11 እቲ መንፈስ ወይ ከኣ ቀንዲ ኣመለኻኽታ ናይቶም ቅቡኣት ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ብምዃን ነቲ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሰማያዊ ህይወት ዝዛረቦ ሓሳብ ብኣወንታዊ መገዲ ምላሽ ክህብሉ ይድርኾም ኢዩ። ንኣብነት: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መንፈሳውያን ውሉዳት የሆዋ ዝዛረብ ሓሳብ ከንብቡ ከለዉ: እዚ ቓላት እዚ ኣባታቶም ከም ዝውዕል ብቕጽበት ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 3:2) “ብክርስቶስ የሱስ” ከምኡውን ብሞቱ ‘ከም እተጠምቁ’ ይፈልጡ ኢዮም። (ሮሜ 6:3) ልክዕ ከም የሱስ: ሞይቶም ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዝትንስኡ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ምዃኖም ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘለዎም።
12. መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ኢዩ ዝተክል፧
12 መንፈሳዊ ውልድነት ምርካብ ኰስኲስካ እተዕብዮ ባህጊ ኣይኰነን። መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ሰባት: ናብ ሰማይ ክኸዱ ዝደልዩ ብምኽንያት እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ዝመጽእ ጭንቀት እተላዕለ ኣይኰኑን። (እዮብ 14:1) ኣብ ክንድኡ ግን መንፈስ የሆዋ ኣብቶም ናይ ሓቂ ቅቡኣት: ኣብ ደቅሰብ ብሓፈሻ ልሙድ ዘይኰነ ተስፋን ባህግን ኢዩ ዝተክል። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም ነቲ ብሕጕሳት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ተኸቢብካ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘደንቕ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ህይወት እዚ ናይ ኣልባቦም ቀንዲ ባህጊ ኣይኰነን። ቅቡኣት እዚ ጽኑዕ ሰማያዊ ተስፋ ስለ ዘለዎም ንዅሉ ምድራዊ ተስፋታትን ርክባትን ብፍታው ሰዊኦምዎ ኢዮም።—2 ጴጥሮስ 1:13, 14
13. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 5:1-5 ‘ናፍቖት’ ጳውሎስ እንታይ ኢዩ ነይሩ: እዚኸ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ እተወልዱ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
13 እቲ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ዘሎ ኣምላኽ ዝሃቦም ናይ ሰማያዊ ህይወት ተስፋ: ኣዝዩ ጽኑዕ ብምዃኑ ስምዒቶም ከምቲ ናይ ጳውሎስ ኢዩ። ንሱ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ: ሓንቲ ህንጻ ኻብ ኣምላኽ: ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና: ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና: ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ: እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና: ኣብዚ ንደፋነቕ አሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ: እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ: ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር: ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ: ከቢዱና ነስቈርቍር አሎና። ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና: ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሀበና: ኣምላኽ እዩ።” (2 ቈረንቶስ 5:1-5) እቲ ናይ ጳውሎስ ‘ናፍቖት’ ዘይመውት መንፈሳዊ ፍጡር ብምዃን ናብ ሰማያዊ ህይወት ምትንሳእ ኢዩ ነይሩ። ንስጋዊ ኣካል ንምምልካት: ሓደ ምስ ቤት ክነጻጸር ከሎ ፈራስን ግዝያውን መንበሪ ዝዀነ ናይ ጠፋኢ ድንኳን ኣገላልጻ ኢዩ ተጠቒሙ። እቶም ናይቲ ዝመጽእ ሰማያዊ ህይወት ዕርቡን ዝዀነ መንፈስ እተቐበሉ ክርስትያናት: መዋቲ ስጋዊ ኣካል ለቢሶም ኣብ ምድሪ ይነብሩ እኳ እንተለዉ: ነቲ ‘ካብ ኣምላኽ [ዝዀነ] ህንጻ:’ ዘይመውት: ዘይጠፍእ መንፈሳዊ ኣካል ኢዮም ብተስፋ ዝጽበዩ። (1 ቈረንቶስ 15:50-53) ከም ጳውሎስ ካብ ልቦም “ግናኸ እሙንቶ አላትና: ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ [ኣብ ሰማያት] ኽንነብርውን: ባህጊ አሎና” ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 5:8
ኣብ ፍሉይ ቃል ኪዳናት ዝኣተዉ
14. የሱስ በዓል ዝኽሪ ከቕውም ከሎ መጀመርታ ዝጠቐሶ ኪዳን እንታይ ኢዩ: ምስ መንፈሳውያን እስራኤል ብእተተሓሓዘኸ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
14 መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ ክልተ ፍሉይ ቃል ኪዳናት ከም ዝኣተዉ ርግጸኛታት ኢዮም። የሱስ: ዝኽሪ ናይ መጻኢ ሞቱ ንኸቕውም ኢሉ ዘይበዅዐ ቅጫን ወይንን ክጥቀም ከሎ ንሓደ ካብዚ ቃል ኪዳናት ጠቒስዎ ኣሎ: ብዛዕባ እታ ጽዋእ ወይኒ ድማ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” በለ። (ሉቃስ 22:20፣ 1 ቈረንቶስ 11:25) እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ብሓቂ ተኻፈልቲ ዝዀኑ መን ኢዮም፧ የሆዋ ኣምላኽን እቶም የሆዋ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ከእትዎም ዕላማ ዝገበረሎም ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤልን ኢዮም። (ኤርምያስ 31:31-34፣ ገላትያ 6:15, 16፣ እብራውያን 12:22-24) በቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ገይሩ ብምዕያይ: እዚ ሓድሽ ኪዳን እዚ: ካብ ኣህዛብ ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ የውጽእ: ነዞም መንፈሳዊ ውልድነት ዝረኸቡ ክርስትያናት ድማ ክፍሊ ናይ “ዘርኢ” ኣብርሃም ይገብሮም። (ገላትያ 3:26-29፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:14) እቲ ሓድሽ ኪዳን ንዅሎም መንፈሳውያን እስራኤል ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝርከብ ዘይመውት ህይወት ብምትንሳእ ናብ ክብሪ ክኣትዉ ምድላው ይገብረሎም። ‘ናይ ዘለኣለም ኪዳን’ ብምዃኑ ጥቕሙ ንዘለኣለም ዝነብር ኢዩ። እዚ ኺዳን እዚ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣትን ድሕሪኡን ብኻልእ መገድታት እውን ግደ ክህልዎ እንተ ዀይኑ ኣብ መጻኢ ኢዩ ዝርአ።—እብራውያን 13:20
15. ብመሰረት ሉቃስ 22:28-30 ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ኣየናይ ካልእ ኪዳን ኢዮም ክኣትዉ ዝጀመሩ፧ መዓስከ፧
15 እቶም የሆዋ ‘ናብ ክብሪ ንኸእትዎም’ ዝመደቦም ‘ብዙሓት ውሉድ’ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብቲ ናይ ሰማያዊ መንግስቲ ኪዳን ኣትዮም ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡን ዘሎ ኪዳን: የሱስ ከምዚ በለ:- “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከአ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።” (ሉቃስ 22:28-30) እቲ ናይ መንግስቲ ኪዳን: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ ኢዩ ጀሚሩ። እቲ ኪዳን እቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን እቶም መናግስቱን ዕዮኡ ንዘለኣለም ዝቕጽል ኢዩ። (ራእይ 22:5) ስለዚ እምበኣር እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኪዳንን እቱዋት ምዃኖም ርግጸኛታት ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ድራር ጐይታ ክበዓል ከሎ: ካብቲ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣካል የሱስ ዘመልክት ቅጫ ከምኡውን ነቲ ብሞት ዝፈሰሰ: ነቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ ዘጽንዕ ፍጹም ደሙ ዘመልክት ወይኒ ዝካፈሉ እቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፍ ጥራይ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 11:23-26፣ 3. 2. 110 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-16 ርአ።
ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን
16, 17. (ሀ) እቶም 144,000 ብምሉኦም ናብ ክብሪ ንኽኣትዉ እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ (ለ) እቶም “ዓሰርተ ነገስታት” መን ኢዮም: ነቶም ምድራውያን ተረፍ ‘ኣሕዋት’ ክርስቶስከ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎም፧
16 እቲ ናይ መጀመርታ ናይ የሱስ መስዋእታዊ በጅነት ዝህቦ ጥቕሚ እቶም 144,000 ናብ ሰማያዊ ህይወት ንኽጽውዑን መንፈሳውያን ውሉዳት ብምዃን ብኣምላኽ ንኽሕረዩን ኣኽኢልዎም ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ናብ ክብሪ ንኽኣትዉ ‘ንጻውዒቶምን ምሕራዮምን ከጽንዕዎ ክጋደሉ’ ኣለዎም: ክሳዕ ሞት እሙና ት ምዃኖም ድማ ከረጋግጹ ይግብኦም። (2 ጴጥሮስ 1:10፣ ኤፌሶን 1:3-7፣ ራእይ 2:10) እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሒደት ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ሽሕ’ኳ ኵሎም እቶም በቶም “ዓሰርተ ነገስታት” ተመሲሎም ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ይጻረርዎም እንተለዉ ንጽህንኦም ይሕልዉ ኢዮም። ሓደ መልኣኽ “እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም: እቲ ገንሸል ግና: ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም” በለ።—ራእይ 17:12-14
17 እቲ ‘ንጉሰ ነገስት’ ዝዀነ የሱስ ኣብ ሰማይ ስለ ዝነብር ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣንጻሩ ዋላ ሓንቲ ነገር ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተዀነ ግን ነቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ናይ ‘ኣሕዋቱ’ ተረፍ ጽልኦም የርእይዎም ኢዮም። (ራእይ 12:17) እዚ ጽልኢ እዚ ድማ ኣብቲ ውግእ ኣምላኽ ዝዀነ ኣርማጌዶን ማለት ኣብቲ ዓወት ናይቲ “ንጉሰ ነገስትን” ናይቶም “ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” እተባህሉ ‘ኣሕዋቱን’ ዝረጋገጸሉ ግዜ ከብቅዕ ኢዩ። (ራእይ 16:14, 16) ክሳዕ ሽዑ ግን: እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ ስራሕ ኣዝዮም ዕዙዛት ኢዮም። ቅድሚ ብየሆዋ ኣቢሎም ናብ ክብሪ ምእታዎም ሕጂ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ፧
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኣምላኽ ናብ ሰማያዊ ‘ክብሪ ዘእትዎም’ ንመን ኢዩ፧
◻ ‘ካብ ኣምላኽ ምውላድ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
◻ “እቲ መንፈስ” ምስ ገለ ክርስትያናት ኰይኑ “ዚምስክር” ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቶም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ኣብ ኣየናይ ኪዳን ኢዮም ዝኣተዉ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዝመርሕ መገዲ ከም እተኸፍተ መረጋጋጺ ተዋሂቡ ነበረ